1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 30 October 2011

ጉባኤ ተዋህዶዶ ጉባኤ መንግስቲ ኤረትራ???::


ጉባኤ ተዋህዶዶ ጉባኤ መንግስቲ ኤረትራ???
                ብሓቂ    ዘሕዝን ፍጻመ!!!::
ዋዕላ ሚላኖ ተኻይዱ ን ዓለም ዘገርም ንተዋህዶ መልክዓ ዘባላሹ ፡ን ናይ ሓቂ መገዲ ጽድቂ ዝደልዩ ድማ ካብ ቤተ/ክርስትያን ዘበርግግ፡ ቅለዳ ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያን እዩ ነይሩ።ካብቲ ዘገርም ኣብ ኣኼባ ሚላኖ ዋና ኣካየዲ ኣቶ ርእሶም ቆንስል ሃገረ ኤረትራ ኣብ ሚላኖ ኪኸውን ከሎ መሳርሒ ኸኣ እቶም ሞት ዝኣበዮም ንተዋህዶ ዝርምስዋ ዘለዎ  ኣቡን ኣቡነ ደስቆሮስ እዮም።ኣማን ብኣማን ኣቡነ ደስቆሮስ እንትርፎ ስልጣን ካሊእ ረብሓ ዘይብሉ ኢ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሂወት ዝነብር  ኣቡን ዘገርም እዩ።ሎምስ እቲ ኣቡነ ዝብል እኳ ብሰብ ካሊእ ከየምስል እንበር ክንጽውዖም ሓፊርና ስለምንታይሲ  ኣቡን ኢልካ ክትጽወዖም ነዚኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንሕሉፋት ቅዱሳን ኣቦታት ዘይፈልጥ ሰብ  ሽም ከም ምብልሻው ስለ ዝኾነ።
መጀመርታ ኣኸባ ኪካየድ ምስ ተሓስበ ናብ ጉባኤ ሓደ ቀሺ መንእሰይ  ከየኣቱ ተኸልኪሉ። ኣቶ ርእሶም እዚ ኣኼባ እዚ ናይቶም መንግስቶም ዘኽብሩ እዩ ኢሎም ምስ ከልከሉዎ ሓደ ቀሺ ክምለሱ ከለዉ።ካልኦት ድማ ኦው ኢሎም ኣብዘለዉዋ ኣዮም ኮፍ ኢሎም።ግን በብሓደ ናብተን ናጻ ኣደታት ድማ ናይ ውጹን ኣይትእትዉን ዛዕባ ጀሚሩ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ንሓንቲ ወዘሮ ኣኽበረት ዝተባህለት ሃይማኖታ ኦርተደክሳዊት ኣይትኣትዉን ክኣቱ እየ ቅልስ ኮይኑ ኣስዕቦም ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣይትኣትዋን ኢሎም ይኽልክሉ መንእሰያት ግን ኣይሓመቁን ስለምንታይ ይኽልኣ ናዕቢ ክላዓላ ዕግር ግር ምስ ኮነ ኣቶ ርእሶም  መክሮፎን ገይሩ ውጹ እቶም ዘይተድልዩና ውጹ እቶም ን ህግድፍ ክትጸርፉ ትውዕሉ ተኣቢኹም ከኣ ዓደምቲ ናይዚ ኣኼባ ንሕና ኢና።ብሕጊ ወጢጥና ከነውጸኣኩም ኢና እንዳበለ ታህዲድን መናውራን ተካይዱ። ዝወጽእ ወጺኡ ዝተርፍ ድማ ተሪፉ። ናይዚ ኽሉ ግን ኣብን ፓትሪያርክ ኣየ በሃላይ ብዕልዋ ዝመጹ ኣቡን ፈጥፈጥ ኢሎም ግርም ኣለኻ ኣይተጋገኻን ክብልዎ ተሰሚዖም።ዘገርም ነገር እዩ ግን ኣቕሽቲ ተዋህዶ ዝኽልከሉሉ ኣኼባ፡ኣደታት ተዋህዶ ዘይእከባሉ ኣኼባ፡ጳጳስ ተባሂልካ ኣኽሊልል ገርካ  ከተብቅዕ ን ህዝቢ ክርስትያን ውጹ ክብልዎም ከለዉ ፖለቲከኛታት ሓቆም ኢልካ ተጣቅዕ ተኾንካስ ጵጵስና ዶኾን እዩ።
ፈሻዊ ግን እቲ ካብ ኤረትራ ተሓንጺጹ ዝመጸ ከየተተግበረ እዩ ኩሉ ተሪፉ፡ መንእሰያትን ኣደታትን ዘለዎም ቁጠዐ ተዓዘበ ኣቶ ርእሶም ብዘይካ እቶም ወዲ ዓደይ ዘመደይ እና በለ ኪሓኮም ዝቀነየ ደናቁር ሸየጢ ሕልነኦም ካልእሲ ዋእ  እስከ ንሰሞዖም ዞም ቀለድቲ ክብል እዩ ውዒሉ።ግን እዝስ ጉባኤ ህግድፍ ዶ ጉባኤ ተዋህዶ።ኩቡር ክርስትያን ርአ ኣይትጋገ ብሃይማኖት ጸወታ የለን ሃይማኖትካ ዓዋሉ ዚጻወቱሉ ዉሑዳት ንኸብዶም ጥራሕ ዝነብሩ ዝኮርዕላ ኮይና ኣላ።ሃይማኖትካ ተቃዋሚ ክሳለመላ ዘይግባእ ቤተ/ክርስትያን ኮይና ኣላ።ታሪኽ ይደግም ኣሎ ወዲ ዲመጥሮስ  ታሪኽ ኣቡኡ።ዘሕዝነና ግን ናይቶም ካህናት ኢና ዝብሉ ጋዋኑ እዩ።ነደታ ፡ውጻ ክብልወን ከለዉ ስቅ ኢሎም ዘንጨብጭቡ ነበሩ ካብ ገለ ከይንጠቅሰን ዝዐቀብናየን ሃገራት ኣውረጳ ዝመጹ እዩ። እቶም ፖለቲከኛታት ከፋራርሕወን ፡ንኻህናት ንድያቆናት ቆንስል ኣይተኣትዉን ኢኹም ንስኹም ኣይተድልዩዋን ኢኹም ን ኤረትራ ኢሉ  ክሰጉግ ስቅ ኢሎም ክራዩ ምርኣይና እዩ ዘገርም እዩ እንበር ኣባ በዓል በእንተ ከርሱ ንብለኩም።
 ግን ዋእ እውይ በሊ መረት ሰብሲ ኣብዩ እዩ ግን የእውዪ ፈጣሪ ተናዒቁ  ንጉስ ከቢሩ፡ኩሉ ንንጉስ  ዘይሰግድ ይጥፋእ ተባሂሉ፡እወ ኩሉ ንንጉስ ዘይሰግድ  ቁርባን ኣይንግበኦ፡ጥምቀት ኣይግበኦ ተባሂሉ።ምምሕዳር ኣቡነ ደስቆሮስ ን ህግድፍ ዚጸልእ ኩሉ ኣይፍቀዶን ይብል ኣሎ።ወዳጀ ሃይማኖት ወዳጀ ወንጌል ወዳጄ ቅድስና።ረኣዩ በሉ ፡እዝስ ምስ ምቅያር ሃይማኖት ዶ ኣይመሳሰልን፡ ንሳቶም እዚ ክገብሩ ይውዕሉ ተመሃሮኦም ከኣ ተዋህዶ ኣይትቅየርን እንዳበሉ ክዝምሩ ይውዕሉ ህዝቢ ንምትላል ህዝቢ ንምስሓት ንህዝቢ ሓንጎል ሰብ ንምስራቅ፡ ብሓፈሻዊ ብዝረከቡዎ ኣሉታዊ መልሲ ግን ፡ሓንቲ እኳ ዝገበሩዎ የለን ፡ዝገበሩዎ ክንዲ ምዕራቅ ካሊእ 4ይ ቤተ/ክርስትያን ከም ዝረኸቡን ካህን ካብ ኤረትራ ክመጽእ ከም ዝኾነን ናብዞም ጸላኣቲ መንግስቲ ሰብ ከይኸይድን ክምህሩ ዊዒሎም ካብ ገለ ኣብያተ/ክርስትያን ኣውረጳ ዝመጹ ዑሱባት ካህናትን  ኣቡነ ደስቆሮስን። እቶም ኣብቲ ጉባኤ ኣይትኣትዉን ተባህሉ ሰባት ግን ኣብ ገጾም ሓጎስ ይንበብ ነሩ።እወ ከላ ከይነቃለዓካ ኢልካ ዲኻ ደሓን ግን ሓጥያት ተረፈ  ፡ቡታን ቡታን ኩሉ ፈሊጥኩም እዩ እዮም ዝበሉዎ።ዘግርም እዩ ግን ዘገርም ነገር።እዝስ ጉባኤ ተዋህዶ ድዩ ክጽብጸብ ዋላስ ጉባኤ መንግስቲ ኤረትራ።
እዚ ጉባኤ እዚ መንነት ኣቡነ ደስቆሮስ ገለ ካህናትን ዘቃለዐ ፡ዋላ ነቶም ደድህሪኦም ዝሰዓቡዉ እውን ዘሕፈረን ዘነወረን ኣኼባ ድማ እዩ።ስለምንታይ እዩ፡ እንድሕሪ ኢልና ከም ፖለቲካዊ ኣኼይባ ክስቶ ውጻእ ክስቶ እቶ እና ተባህለ ዝተካየደ ስለ ዝኾነ።ቆንስል ሃገረ ኤረትራ ሓዳስ ቤተ/ክርስትያን ንሱ ዝቃጻጸራ ቤተ/ክርስትያን ክምስርት ምኻኑን ከይተመለሱ ክባርኹሉ ምኻኖምን ንህዝቢ ሓቢሩ። ክሰርሓሉ ዘምጽኦም ዓቢ ዛዕባ ግን ከምዘይተዓወተን ኣፍሊጡ ኣሎ። ንርኢ ቅድሚ ህጂ እውን እኮ ናይ ህግድፍ ቤተ/ክርስትያን ዘይነበር ኮይኑ ኣይኮነን ህዝቢ ፈንፊኑዎ ስለ ዝጸንሐ እንበር ህጂ እውን መአከቢ ዕሽር ደልዮም እዮም እሞ ከምዘይሰልጦም ንኣምን። ሓቆም እዮም ከኣ ገንዘብ ቤተ/ክርስትያን መቂሩዎም ድኻ ጓል ድኻ ዝኣከበኦ ገንዘብ ኢዋእ ድማ ህዝቢ ኤረትራ ምስ እዚኦም ዝነብር ብንብዓቶም ተዳናጊጹ ኩሉ ግዜ ዝታለል እንበር ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኦርተደክስ ቤተ/ክርስትያንሲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዝበለ ይበል ኣብ ሓዊ ደኣ ንነድድ እንበር ንኣረማውያን ንተዋህዶ  ቅድስቲ ሃይማኖትና የሕሊፍና ከምዘይንህባ ዋላ ኣብ ገዛ ተኸላኣኩምና ኣብ ጎደና ንሃይማኖትና ክንሰብካን ክንጣበቀላን ኢና።ኢዋእ ግን ሃይማኖትኩም ብ ረብሓ ሸጥኩም ኣብ ዘለኹመን ሃገራት ከይኣክል ን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ሃይማኖቶም ክሸጡ ኣብ ምጉስጓስ ግዝየኹም ተሕልፉ ዘለኹም ዑሱባት፡ ጽባሕ ኢድኩም ክትረኽቡ ምዃንኩም ኣምላኽ ከም ዝቀጽዓኩም ኣይትዘንግዑ እንዳበልና ንዓና ግን ኣምላኽና እቲ ንውከሎ ከድሕነና እዩ።
እዝግዚኣብሄር ቅድስቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ይባርኽ።ተንኮለኛኣን መንቀኛኣን ድማ ይሃዘላ ኣምላኽ ምስ በዓል ሓቂ ይኹን።

                                              ሃይማኖተ ኣቦው

No comments:

Post a Comment