1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 8 December 2011

ስለ ምንታይ ተዋህዶ ጥራይ ?????::

ስለ ምንታይ ምእመናን ተዋህዶ ጥራይ ብሓላፊ ጉዳይ ንሕድሕዶም ዝራግሑ ?

ስለ ምንታይ ኢዮም ናይ ኤድስ ሕሙማት ኣብ ተዋህዶ ብዝያዳ ዝበዝሑ ?

ስለ ምንታይ መንእሰያት ተዋህዶ ካብ ቤተ ክርስቲያኖም ናብ ካልእ ሃይማኖት ዘምርሑ ?

ስለ ምንታይ ኢዮም ኣመንቲ ተዋህዶ ሰብ ሓዳር ብዝያዳ ዝፋትሑ ?

ስለ ምንታይ ገለ ጳጳሳትን ውሉደ-ክህነትን ሓቂ ከይዛረቡ ንሰብ ዝፈርሑ ?

ኤረ ስለምንታይ ሙዳየ-ምጽዋትን ሞባእን ተዋህዶ ጥራይ ብኃይልን ዓመጽን ዝጕሕጉሑ ?

ስለ ምንታይ ንምእመናን ተዋህዶ ጥራይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝሞቱ ኣብ ኤርትራ ብጸሎት ዘይፍትሑ ?

ስለ ምንታይ ካህናትን ዲያቆናትን ተዋህዶ ጥራይ ተገዲዶም ናብ ሳዋ ዘምርሑ ?

ስለ ምንታይ ብብዝሒ ምእመናን ተዋህዶ መነኮሳት ከይተረፉ ብስደት ዓዶም ዝርሕርሑ ?

ኤረ ስለምታይ ኢዮም ሕጋዊ ፓትርያርክና ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲ ዘይፍትሑ ?

ስለ ምንታይ ኢዮም ገለ ካብ ተዋህዶ ብስቅያት ኣሕዋቶምን መራሕቶምን ብሥጋ ዝረብሑ ?

ስለ ምንታይ ኩሎም ህዝቢ ተዋህዶ ብሓባር ሰሚሮም ማዕጾ ቤት እግዚኣብሔር ዘይኩሕኩሑ ?

በሉ መዓልቲ ፍርድን ሞትን ከይመጸት ናብ መንፈሳዊ ዕርቅን ይቅሬታን ኣምርሑ!

ውሽጣዊ ቁስልና ከይሓባእናውን ብልቢ ተጣዒስና ንነሳሕ ተነስሑ !!!

No comments:

Post a Comment