1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 8 December 2011

ፍቅሪ እዚ እዩ ቅድስና

                                          ፍቅሪ
ኣብ እንገብሮም ጉዳያት ወይ ዕለታዊ ሂወትና ከይተዘከረት ሓሊፋ ኣይትፈልጥን ፡ፍቅሪ ፍቅሪ ካብ ብዙሕ ምጽወዓን ምልዓላን ዝተላዕለ ዳርጋ ናብ ታራን ቁምነገር ዘይብላን ቃል ተቀይራ ትርከብ።ንፍቅሪ መንፈሳውያን ይኹኑ ዓለማውያን ተዛሪቦምላ ነጊሮምላ።ግን ክሳዕ ህጂ ንሳስ ቦታ ሲኢና ደኣ ትርከብ። ትዘገርም ፍቅሪ ኣብቲ ቦተኣ ቦታ ኣምላኽ ከየተረፈት እያ ቦታ ብሲኢና ብጽልእን ቂምን ተባሪራ፡ ሸቅሪራን ተረጊጻን ትነብር ዘላ። ካብቲ ዘገርም ኩላትና ንማጻረየላ ፍቅሪ እንድዩ እሞ ዘየሎ ኮይኑ ንብል፡ግን ክንፋቅር ዘይምድላይና እዩ።ቃል ኣምላኽ ኣንታይይብልብዛዕባፍቅሪ።ከምቲ 1ቆሮ 13/ ዝሎ ብፍላይ ከኣ13 እምነትን ተስፋን ፍቅርን ምስ በለ ካብ ኵለን ግን ፍቅሪ ትዓቢ ከብል ከሎስ ናይ ፍቅሪ ኣገዳስነት ክሳዕክንድይ ዓብይ እዩ ኵሉ ብዘይ ፍቅሪ ዝግበር ቅቡል ኣይኮነን ኵሉ ነገር ጌርካ ፍቅሪ ግን ካብ  ዘይትህልወካ  ምንም ዝጠቕመካ ነገር የብሉን 

 ኣብ 1ይ ዮሓንስ 3፡10 ጽድቂ ዘይገብርን ንሓው ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን ፡ደቂ ዲያብሎስ ደቂ ኣምላኽን በዚ እዮም ዝፋላለዩ ብምባል ንፍቅሪ ዘለዋ ርዝነት ይህብ።ካብቲ ዘገርም ክንደይ ሰባት እንዳ ተጻላእናን እንዳ ተጻላለምናን ክንሲናስ ንኣምላኽ ነምልኽ ኮይና ዝስመዓና ብዙሓት ኢና።ወረ ገሊእናስ ሽምና ቀይርና ብተለፎን ን ኣሕዋትና ኣብ ምጽራፍ ንውዕል ብዙሓት ኢና።ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ፍቅሪ ክዛረብ ከሎ 1ይ ዮሓንስ 2፡9-11። ኣብ ብርሃን ኣሎኹ ዝብል ንሓው ኸኣ ዝጸልእ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ እቲ ንሓው ዘፍቅር ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር፡ኣብኡ እውን መዐንቀፊ የሎን ፡እቲ ንሓው ዝጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማት እውን ይነብር ፡ጸልማት ነዒንቱ  ስለ ዘዕወሮ ድማ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን ይብል። እሞኸ ክንደይ ሰባት ኢና ኣብ ናይ ጽልኢ ዓለም እንዳነበርና ንሰባት ሓራ ክትወጺ ኢኹም እንዳበልና እንዛረብ።ብጽልኢ ተበሊዕና ከለና ነሕዋትና ክንጻረፍን ከነኽፍእን፡እንዳወዓልና  ሃይማኖተኛታት ኮይና እንቀርብስ ክንደይ ኮን ኢና። ግን እቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ዘሎስ ኣቲ ዘየፍቅር ኣብ ጸልማት ይነብር ይብል።ፍቅሪ ድማ ንኹሉ ትዕደል ደኣ እንበር ንሓደ ትልግሰሉ ንሓደ ድማ ትበቀሉ።ምድራዊ ንብረት ኣይኮነን።ክንደይ ሰባት ኢናኸ ደቂ ኣምላኽን ደቂ ሰጣንን በዚ እዮም ዝፋላለዩ እንዳበለና ፡ኣብ ጸልማት ከለና ንባዕልናስ ንሰባት ንዑ ናብ ብርሃን እንዳበልና መክረፎን ሒዝና ንምድር፡ን ከማና ዝበሉ ድማ ኣብ ጸልማት ኣለዉ እንዳበልና እንዛረብ።ብሓቂ ዘረድኦ ተልዩ ኣብ ጽልእን ቂምን ዝነብር ሰብ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዝሸፈኖ ን ሂወቱ ክፈልጣ ዘይክእል ምኻኑ እዩ።ክፈልጣ ስለ ዘይከኣለ ኽኣዩ ኣብ ምፍራድን ምጽራፍን ምትንዃልን ዝውዕል።
ናይ ፍቅሪ ኣረኣያ ዝኾነና ተልዩ ባዕሉ እቲ ኣብ መስቀል ስለና ዝወዓለ ብደሙ ተሻየጠልና ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።ወ ዮሓንስ፡3፡16። ኣብዚ ፍቅሪ ኣምላኽ ንኹሉ ምኻኑ ኢና ንግንዘብ ፡ጎይታ ንዓና ሓጥያተኛታት ኢሉ ኣይፈንፈነና ኣይጸለኣናን ፡ክሳዕ ሂወቱ ብምሃብ እንበር ኣፍቂሩና።ፍቅሪ ዘይብሉ ኣገልጋሊ ወይ ተገልጋሊ ካብ ኣምላኽ ከምዘይ ኮነ ኢና በዚ ጥቅሱ መሰርት ፡ፍቅሪ ዓቃል እያ፡ ፍቅሪ ለዋህ እያ ፍቅሪ ስዲ ኣይኮነትን፡ፍቅሪ ኣይትቅየምን ፡ፍቅሪ ኣይትጅሃርን፡ፍቅሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዝብል ኣይትምራሕን፡ብሓቂ ትሕጎስ እንበር ብዓመጽ ባህ ኣይብላን ፡ፍቅሪ ንኹሉ ትጸውር፡ ንኹሉ ትኣምን ብኹሉ ድማ ትዕገስ።1ይ ቆሮንቶስ13፡4-7።ነስተውዕል  ገለገለ ሰባት ስለምንታይ ዘይተፍቅሮ ወይ ስለምንታይ ትጸልኦ ክብሉና ከለዉ ፡ብእምነቱ ወይ ከሓዲ ስለ ዝኾነ እንዳበልና፡ኣብ ልዕሊ የሕዋትና እንጀሃርን ፡ነቶም ብኣምሳል ስላሰ ዝተፈጥሩ ሰባት ብጸርፊ ልቦም ነጥፋሎም ሰባት ብዙሓት ኢና። ግን ካብ ኣምላኽ ዲና ፍቅሪ ንኹሉ ትጸውር ዝብላ ደኣ ኣበይ ኣሎ።ብኹሉ ድማ ትዕገስ።ትዕግስት ዘድልየሉ መጨቸስ ልዕሊ ዓቅሚኻ ዝኾነ ነግር ምስ ዘጋንፈካ ዝፍጸም ምኻኑ ክንፈልጥ ይግባእ፡ ግን እስከ ትዕግስቲና ንምዘን ክሳዕ ክንደይ ትዕግስተኛታት ኢና።ክሳዕ ክንደይ ፈቃራት ኢና። ንመን ኢና ኸ ነፍቅር ነቶም ዘፍቅሩና ነቶም ብእምነት ዝመስሉና እዝስ ካብ ጎይታና ይተመሃርናዮን ዝተመሃርናዮስ ንኹሉ ከነፍር ደኣ እዩ።ስለምናትይ እዩ ግን እንጻላእ ነየናይ ዕድመ ኢናኸ እንጻላእን እንቃርሓንን !!!!!።
                   ፍቅሪ እዚ እዩ ቅድስና
ካብቲ ዘሕዝን ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን እንዳ ነብርና ክንፋቀር ዘይምኽኣልና እዩ። ዘደንቅ ነገር እዩ።ኩላትና ነምልኾ ንሓደ ኣምላኽ ኩላትና እንሓስቦ ንሓንቲ መንግስተ ሰማይ ንሓደ እምነት ኢና ንሰርሕ ብሓደ ጥምቀት ኢና እንኣምን ንሓደ ኣምላኽ ኢና ነምልኽ ግን ብጽልኢ መረት ጸቢቡና ክንሱስ ፍቅሪ ዘይብሉ ሂወት እንዳ ነበርና ኣብ መክረፎን ክንግዕር ግዜ ምሕላፍና እዩ። እታ ቀንዲ ጸላኢት ፍቅሪ ዝኾነት ኣብ ልቦም ገዚኣ ካብዛ ዓለም ዝሓለፉ  ብሰባt ተናኢዶም ግን ከ መንግስተ ሰማይ ዘይረኸቡዋ ብዙሓት እዮም።ጽልኢ ነዞም ዝተረፍና ህጂ እውን ተሕንድወልና ኣይትመስልን፡ ኣብ ልብና ቤት/ጽሕፈት ከፊታ ካብ ተመሓድረና እንሆ ክንደይ ኮይኑ ኣሎ።ንባዕልና ከይተለወጥና ንሰባት ክንልውጥ ስለ ንደሊ ድማ እዩ ዝኹሉ ሂኮትን ሰላም ምስኣንን ብምኻን መስሓቅ ጓና ኮይና ዘለና።

ካብቲ ዘሕዝን ክንደይ ሰባት ከም ተቃወምቲ ክርዳድ ኣምሲሉ ሰጣን ይጥቀመልና ምህላዉ እዩ። ነቲ ክርዳድ ከነልግስ ክንብል ድማ ናትና ክርዳድ ንዘርእ ካብቲ እቶም ተጻረርትና ዝዘርእዎ ክርዳድ ድማ ናትና ዝበዝሐ ኮይኑ ንሰባት ኣብ ኣፍ ዲያብሎስ ብሂወቶም ከም ዝውፈዩ ዝገበሮም ብዙሓት ኢና።ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ክርዳድ ዝበሎ ተልዩ፡ እዚ ደኣ - ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል።፳፭ - እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጻላኢኡ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ።፳፮ - ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ።፳፯ - ነቲ በዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን? እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ? በልዎ።፳፰ - ንሱ ኸኣ፡ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ? በልዎ።፳፱ - ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ።፴ - ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ።ማቴዎስ 13፡24-30። ቃል ኣምላኽ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ እንዳበለ፡ነቲ ክርዳድ ክትብሉ ነቲ ስርናይ ከይትልክምዎ እንዳተባህለስ ንምንታይ ደኣ ኾነ እዚ ኹሉ ሆሆ። ብሓቂ እቲ ሓሳብ ኣምላኽ ዘለዎ ነቲ ምንፈስ ኣምላኽ ዝብሎ እዩ ዝግበር። እዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ምጽልላምን እዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ከም ጸራጊ ክርዳድ ተመሲልካ ናትካ ክርዳድ እንዳ ዘራእካ ብጽልኢ ምምሽማሽ እንበኣር ክንሰሓሉ ኣሎና። ብሓቂ ዘርእየካ ተልዩ ድማ ንድያብሎስ መሳርሒ ክኸውን ዲያብልሶ ዘበገሶ  ሓሳብ ደኣ እንበር ንኽርዳድ ክኣሊ ዝተበገሰ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ከምዘየለ  ኢኻ ትርዳእ ።ስለምንታይሲ ንባዕሉ ኣምላኽ ግደፍ እንዳበለ ዝግበር ኖ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ናይ ተቃዉሞ ፍናን ዘይናይ ኣምላኽ ኣተሓሳስባ ስለ ዝኾነ። ግን ስለምንታይ ኢና ኮን ንሓሳብ ኣምላኽ ዘይነቀድም!!!!።
                       እዚ እዩ ቅድስናኹም ፍቅሪ
ካብቲ ዘደንቅ ነገር ሲ እንዳ ተጻላእና ክንዝምር ከነስተምህር፡ን ሰባት መገዲ ኣምላኽ ክንምህር ምፍታና እዩ።ብኸምዚ ስለ ንዓዪ ድማ እዩ ቀጽሪታትና ፈሪሱ ኣባጊዕና ብተኻሉ ተወሪረን፡ቀጽሪታትና ሃደሽብ ደሽ ኢሉ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝፈርስ ዘሎ፡እንኾዶ ዘለና ሂወት ፍጹም እንተዘይ ተቀይሩ ድማ ኣምላኽ ነታ መንግስተ ኣምላኽ ካባን የሕዲጉ ንዝፈሪ ህዝቢ ክህባ እዩ።ኤሊ ባዕዚዙ ደቂ ኤሊ ኣብ ቤት/ኣምላኽ ዘይግቡር ምስ ገበሩ ኣምላኽ ዝገበሮ ተነይሩ ንደቂ ኤሊ ኣብ ውግእ ከም ዝመቱ ብምግባር ኤሊ ኮፍ ኢሉ ከሎ ኣምላኽ ኔሊ ገዲፉ ምስ ሳሙኤል እዩ ዝተዛረበ።ግን ክሳዕ መኣስ ኢና ብኸምዚ ክንቅጽል!!!።እንዳ ተናቃቀፍካን እንዳ ተጻራረፍካን ዝግበር ጾም፡ ጾሎት ብሓቅስ ክበጽሕ ድዩ????፡ ዝግበር ክርስትናስ ክርስትና ድዩ።ዘለናዮ ግዜ ጸመ ሃወርያት እዩ እሞኸ ካብ እቲ ታራ ምእመን ክሳዕ ዝለዓለ ጳጳሲ ንፋቀርዶ ንኸውን ፡ስለምንትራይ ግን እንዳተጻላእና እንጸውም እንጽሊ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ኣምላኽ ፍቅሪ ክንሱስ ጽልኢ ተወንዚፍና እንዳ መጻእናዮ ኸ ከመይ ገይሩ ክሰምዓና ኢና ንጽበ ዘለና።በደል የሕዋትና ከይሓደግና ሕፍር ከይበልና በደሎም ከም ዝሃደግናሎ በደልና ሕደገልና እንዳበልና ን ሂወትና ናይ ሓሶት ሂወት ካብ ነላማምዶ ዉሑድ ኣይገበርና፡ነፍሲና የዐሺና ድማ ን ኣምላኽ ከነዕሽዎ ምፍታና እዩ፡ ብኸመይ እያ ክትርከብ እታ ሰላም ብኸመይ እያ ክትርከብ እታ ፍቅሪ።ክንደይ ዝኾኑ የሕዋትና ኢና ብዓይኒ ጽልኢ ኣብ ቤት/ማእሰርትታት ክሳቀዩ ሽሞምን ዘይ ሽሞምን ብምስካም ልዕሊ ዓቅሞም ገበን ብምሃብ ካህናት መነኮሳት ብዓቢኡ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትና እነሳቂ ዘለና።ግን ክሳዕ መኣስ እዩ ገድሊ ሓዚልና ክንጓዕዝ፡ኣምላኽ ዝበሎ ንዓና ተልዩስ ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ከዕርፈኩም እንዳበለስ ስለምንታይ ኢና ዘይዕቁን ጾር ጸርና ክንነብር ንደሊ። ምፍርድ ምጭኽኻን ዘይተርፍ፡ነዛ ሓጻር ዕድመና ብፍቅሪ ዘይንነብረላ፡ስራሕ ቃየልን ኣበየልን ክሳዕ መኣስ፡ እወ ክሳዕ መኣስ ኢና የእማን ክንጭብጥ ነሕዋትና ንምቅታል።

ነዘን ዝሓለፋ ቤተ/ክርስትያና ከም ቤተ/ክርስትያን ርእሳ ኺኢላ ፓትሪያርካ ገይራ ዝሓለፈተን ናይ 20 ዕስራ ዓመታት ጉኦዞ ተሪኢና ን ገለ ሰባት ሓደ ዓቢ ለውጢ ዝመጸ ዝተወንጨፍና ዝሰጎምና ይመስሎም ይህሉ ንዓይ ግን ዒስራ ዓመት ጽቡቅና ናይ ክሳራ ገይረ እየ ዝወስደን፡ካብተን ኣብዚ ዕስራ ዓመት ዝኸሰርናዮም ድማ ብዓቢኡ ፍቅሪ እዩ። ትሓደ ጳጳስ ነቲ ሓደ ጳጳስ ትሃደ ዲያቆን ነቲ ሓደ ድያቆን ትሓደ ካህን ነቲ ሓደ ካህን ክንባላዕ ንሕና ጸላእትና ግን ቀጽሪታትና ግን ክፈርስ ኪሳዕ ክንደይ ኮን እዮም እቶም ቅዱሳን ብሰንክና ዝሓዝኑ ዘለዉ።ወዮ ንሶም ብቅድስና ዝዓየይሉ ናብራ ክርስትና ኣባና ምስ በጽሐ መልክዑ ተቀይሩ፡ኣብ ፈቀዶ ቤት/ፍርዲታት ክንካሰስ ፡ካብ ናብ ቤት/ኣምላኽ ናብ ቤት ንጉስ መሪጽና፡ካብ ሰላምን ፍቅርን ይቅረ ምብሃሃልን ህልኽን ጽልእን መሪጽና ፡ኣብ ባርነት ክንነብር ከለናስ ከም ክርስትያናት ዶ የቅጽረና ይኸውን።ይቅጽል
                                         ብ ቀሺ ሙሴ ሺሻይ

No comments:

Post a Comment