1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 19 November 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን ኣኽብሮትን 9ይ ክፋል ይቅጽል::



መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን ኣኽብሮትን  9ይ ክፋል ይቅጽል::
ቅድስተ ድንግል ማርያም ቦኽሪ ጻድቃን ኢያ።ቤተ ክርስትያን ነዚ እያ ትምህር።ንሳ ብእምነት ነቲ ጎይትኣ ዝበላ ብእምነት ተቀበለት።ቀዳመይቲ ድሕነት ወዲ ሰብ ዘስተማቀረት ኣደ ኢያ።ገለ ሰባት ምስታ ኣብ ኤረምያስ ዜላ ጥቅሲ ብምትእሲሳር ዝብልዎ ግን ቤተ ክርስትያን ከምኡ ኣይትምህርን እታ ጥቅሲ(ኤርምያስ44፡18-25 )ኣንብብ”ግናኸ ንንግስቲ ሰማይ ዕጣንን መስዋእትን መስተ ንእኣን ምኽዓዉን ምስ ሓደግና ኩሉ ነገር ጨነቀና፡ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።ንንግስቲ ሰማይ እናዓጠናን መስዋእቲ መስተ እናኸዓናላን፡ነቲ ብምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጌራ ነቲ ዘቕረብናላ መስዋእቲ መስተን ብዘይ ፍቓድ ሰብኡትናዶ ኢና ዝገበርናዮ።”(ኤርምያስ7፡18)ን ኣይ ምእንቲ ኼግህዩስ ደቂ ኣዕጫው ይእክቡ፡ኣቦታት ሓዊ ይኣግዱ፡ኣንስቲ ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ዚኸውን ቅጫ ኪስንክታ ብሑቅ የቖምጥዓ ፡መስዋእቲ መስተዉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍያ።”
ንሕና ን ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ንግስቲ ንብላ ክርስቶስ ንጉስ ስለ ዝወለደትልና ኢና።ንዓኣ ነቅርቦ ዕጣን እውን የለን።ኣደ ንጉስ ንግስቲ ስለዝኾነት።ኣብ (45፡9)እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፡ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ ስለ ዝበላ ዳዊት ኢና ከምኡ ንብል።ን ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኢልካ ዝቀርብ መስዋእቲ ግን፡ የለን።ንሕና መስዋእቲ ን ማንም ቅዱስ ኣይንገብርን፡መስዋእና ክርስቶስ ኮይኑ፡ ንዕኡ ን ኢየሱስ ኢና ንገብር።ንዓኣ ንገብሮ ዝኾነ ይኹን ምስ ስልጣን ኣምላኽ ዝቃናቀን የለን።ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉስ ተኾይኑ ግን ንሳ ንግስቲ ዘይትኾነሉ ነገር የለን።ኣሽንኳንዶ ኣደናሲ ንሕና እካ ክርስቶስ ምስ መጸ ምስኡ ክንነግስ ኢና።(ራእ9፡10) (ራእ20፡6) (ራእ22፡5)
ንሕና ኣብቲ ንክርስቶስ ከነቅርብ ከለና መስዋእቲ ግን ፡ንዓኣ ብቀዳምነት ንዝክራ፡ጸልይልና ንብላ፡ጸልይልና ክንብል ከለና፡ ኣድሕንና ማለት ኣይኮነን።ጸልየለይ ትብል ግን እዞም ነዚ ዘይቅበሉ ኣሕዋትና እውን ነንሕድሕዶም ጸልየለይ ይበሃሃሉ ኢዮም።መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድማ ኢዩ።(ኤፌ6፡19)(ያዕ5፡16)እሞኸ ነታ ጻድቅ ኣደና ማርያም ጽድቃ ብ መላእኽታት ዝተመስከረላ ጸልይልና ምባል እንታይ ሓጢኣት ኣለዎ።
ብዙሓት ኣሕዋት እውን ማርያም ሞይታ ኢያ ይብሉ፡ስለዚ ስለዝሞተት ንምንታይ ጸልይልና ትብሉ ይብሉና፡ነገር ግን ከምኡ ኣይኮነን።ንሕና ኣደና ማርያም ኮነ ኩሎም እቶም ንክርስቶስ ኣሚኖም ካብዛ ዓለም ዝገዓዙ ከምዘይ ሞቱ ኢና ንፈልጥ።ቃል ኣምላኽ እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተሞተኳ ብሂወት ክነብር ኢዩ ስለዝብል።(ዮሓ11፡25)ስለዚ ብ ሂወት ክነብር ኢዩ፡እንዳበለ ሞይቱ ምባል ኣይንውዕሎን ኢና።ጻድቃን ንህላወና ይፈልጥዎ ኢዮም።ምሳና መጺኦም ክዛራረቡን ክሰምዑናን ድማ ይኽእሉ ኢዮም፡(ሉቃ9፡30)ኣብዚ እቶ ምብስባስ ዝረኣየ ሙሴ መጺኡ ምስ ኤልያስ ኮይኑ ምስ የሱስ ተዛራረበ።እሞኸ ኣማኒት ክርስቶስ ኣደና ማርያም ንበይና ኣይግብኣን ክትብል ባዕልኻ ምዘኖ።ነዚ ስለ ዝተሓዋወሶም ኢዩ ድማ ፡ተዋህዶ ናብ ማርያም ይጽልዩ ዝብሉና እዚ ግን ሓቅነት የብሉን፡
ናብ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጽሊ ዲና።
እዚኣ ፖፕ ሽኖዳ ኣብታ መጽሓፍ ምንጽጻር ስነ ሃይማኖት ጽቡቅ ገይሮም ኣብሪሆማ ኣለዉ።ንሕና ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣይንጽልን ኢና።ግን ኣብ ግዜ ጸሎትና ንዛረባ፡ንኽትልምነልና ንዉከሳ።ንሕና ምስ ኣድስቲ ድንግል ማርያም ጥራሕ ኣይኮናን ኣብ ጸሎትና ንዛረብ፡ምስ መላኽትን ምስ ባህርያትን ምስ ሰባትን ምስ ነፍስናን ምስ ሰይጣን ከይተረፈ ‘ውን ንዛረብ ኢና።
እዚ ኩሉ ኸኣ ኣምላኻዊ ምግላጽ ኣብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸደቀ ኢዩ።እዚ ዝርርብ እዚ ከም ጸሎት ኣይቁጸርን ኢዩ,,,።ስለምንታይ ደኣ ብፍላይ እኳ ን ኣደና ማርያም ዘይንዛረባ?።
ንሕና ኣብ ጸሎትና ምስ መላእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ እናበልና “ኣቱም መላእኽቱ፡ድምጺ ቃሉ እትእዘዙ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፡ንእግዚኣብሔር ባርኽዋ፡ኣቱም ሰራዊቱ ኩሉኹም፡ኣቱም ንፍቓዱ ትእዘዙ ኣገልገልቱ ንእግዚኣብሔር ባርኽዎ።”(መዝ103፡20-21)”ሃሌሉያ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።”(መዝ148፡1-2)።እዚ ምጽላይ ድዩ ናብኦም።ከምኡ ግን ዳዊት በለ።
ኣብ ጸሎትና ዋላ ንባህርያት ኢና ንዛረቦም።(መዝ148፡3-9) ውላ ንከታማ ንጽውዓ ንዛረባ፡(መዝ87፡3) ዋላ ምስ ኣህዛብ ንዛረብ፡መዝ47፡1) (መዝ፡103፡22)(መዝ28፡1-2)(መዝ113፡1) ከምኡ ዝብሉ ጥቅሲታት ካብዞም ነንቢቦም ዘለና ኢዮም።እሞኸ ልቢ ኣምላክ ዝኾነ ዳዊት ዶ ተጋጊዩ ኢዩ።
ዋላ ንሰጣውንቲ ግልጽ ኢልና ንዛረቦም።ኣቱም ገበርቲ እከይ ካባይ ርሓቁ ንብሎም ኣብ ግዜ ጸሎትና።(መዝ6፡8-9) ሰጣን ካባይ ርሓቅ ንብል።ሰጣን ኣባይ ስልጣን የብልካን ንብሎ።እሞኸ ናብ ሰጣን ንጽሊ ኣሎና ማለት ድዩ??።ኣይኮነን እዝስ ኣይንውዕሎን ኢና።ከምኡ ኸኣ ነደና ጸልይልና ንብላ።ብዙሓት ሰባት ነዛ ነገር እዚ ምስታ ኣማላድነት እትብል ነገር የተሓሕዝዋ እዮም።
በዚ ድማ ን ማርያም ኣማልድልና ይብልዋ ኢየሱስ ከሎ ኣማላዳይ ዝብሉ ክስምዑ ከለዉ ገለ ኸኣ ኢየሱስ ኣማላዲ ኣይኮነን ዝብሉ ኣለዉ ነዚ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ንርኣዮ።ኣብ ዝቅጽል መደብና ይቅጽል,,,።

ካብ  ብሎግ http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/11/9.html ዝተወስደ
haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment