1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 21 November 2012

ኢትዮጵያ፡ ሻድሻይ ፓትርያርክ ዶ ትምረጽ፡ ወይስ እቶም ብህይወት ዘለዉ ራብዓይ ፓትርያርክ ናብ መንበር ይመለሱ?!


ኢትዮጵያ፡ ሻድሻይ ፓትርያርክ ዶ ትምረጽ፡ ወይስ እቶም ብህይወት ዘለዉ ራብዓይ ፓትርያርክ ናብ መንበር ይመለሱ?!።

                                                               ብ ቀሺ ዮናስ ወልደ ሩፋኤል
ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ማራኺ ብዝኾነን ፍጹም መንፈሳዊ ኣገባብ ዝዓሰሎ መስርሕ ብምኽታልን ሓድሽ መራሒኣ ንብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስ ቀቢኣ ኣብ መንበረ ማርቆስ ኣቐሚጣቶም ኣላ። እተን ውላዳ ዝኾነ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብያተክርስቲያን ግን ካብታ ወላዲተን ዝኾነት ግብጻዊት ቤተክርስቲያን ብዙሕ ክመሃራ’ኳ ዝኽእላ እንተነበራ፡ ዛጊት ግን ኣብ ፍጹም ሓሸውየ፡ ገና ኣብ ሸንኰለል ከምዘለዋ ካብ ማንም ኣይተሰወረን ዘሎ። ኤርትራዊ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ዘቤታዊ ቀይዲ፡ ኢትዮጵያዊ ኣቡነ መርቆርዮስ ድማ ኣብ ስደት!
ጠንቂ ድኻም ናይ ሓበሻ ቤተክርስቲያን እንታይ እዩ ኢለ ሓሲበስ፡ ኣእዳወይ ዘየወጣወጥኩሉ ዳርጋ ኣየነበረን። ኣብ ኩለን ኦርቶድክሳውያን ዘሎ ዘይምእኩልን ዘይጥሙርን ምሕደራ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ምትእትታው መንግስቲ’ውን ጐሊሑ ተራእዩኒ፡ ድኹም ደረጃ ፍልጠት ኣሉ ክብሎ ክሳዕ ዘይክእል ብግሁድ ኣእሚኑኒ፡ ወዘተ… እቲ ጠንቂ፡ ደቂቕ መጽናዕቲ የድልዮ ይኸውን፡ ሓደ ርኡይ ነገር ኣሎ፥- ኣንፈት ጉዕዞ ሓበሻዊት ቤተክርስቲያን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ደረጃ እዩ ዘሎ። ጉዕዞ ሓበሻዊት ቤተክርስቲያን ናበይ ገጹ እዩ?!
ዜና ክርስትና ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ካብ ዝኣተወሉ ኣትሒዙ ክሳዕ ብጻዕሪ ሃጸይ ኃይለሥላሴ ቤተክርስቲያን ሓበሻ ናይ ባዕላ መሪሕነት ክህልዋ ክሳዕ ዝግበር… ሓበሻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ግብጻውያን ጳጳሳት እያ ትመሓደር ዝነበረት። 21 ሰነ 1951 ግን ቤተክርስቲያን ሓበሻ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኻ፡ ርእሳ ክኢላ ክትመሓደር ተፈቕደላ’ሞ፡ ናይ መጀመርታ ሓበሻዊ ጳጳስ ኣቡነ ባስልዮስ ድማ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኢትዮጵያ (ንኤርትራውን ዘጠቓለለ) ኮይኖም ተቐብኡ።
ንኣቡነ ባስልዮስ ተኪኦም ዝተቐብኡ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ድማ፡ በቲ ህልውና እግዚኣብሔር ክሒዱ ኮሚኒስታዊ ስነሓሳብ ዝሰዓበ ስርዓት ደርግ ተኣስሩ። ገና ብህይወቶም ከለዉ ኸኣ ደርግ ካልእ ፓትርያርክ ክትክእ ደለየ’ሞ፡ ግብጻዊት ቤተክርስቲያን ግን ሕጊ ቤተክርስቲያን ኣይጥሕስን እየ ኢላ ንደርግ ምስማዕ ስለዝኣበየቶ፡ ዝምድና ክልቲኤን ኣሓት ቤተክርስቲያን ሓሽከረ። ዝኾነ ኮይኑ ኣቡነ ባስልዮስ ኣብ ቤት ማሕቡስ ብሰማእትነት ሓለፉ።
ሳልሳይ ፓትርያርክ ኮይኖም ዝተቐብኡ፡ ኣቡነ ተክለሃይማኖት’ዮም። ብዘይኣፍልጦ ግብጻዊት ቤተክርስቲያን ዝተኻየደ ስለዝነበረ፡ ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ፕትርክና ብግብጻዊት ቤተክርስቲያን ኣፍልጦ ኣይነበሮን። ዝኾነ ኮይኑ ግን ኣቡነ ተክለሃይማኖት፡ ብብዝሒ ጾም ከይሞቱ ዝስግኣሎም፡ ነዛ ሳእኒ ንምውዳይ’ኳ ብዙሕ ዝልመኑ ዝነበሩ፡ ፍጹም መናኒ ከምዝነበሩ፡ ብዙሓት ይምስክሩሎም።
ራብዓይ ፓትርያርክ ኮይኖም ዝተቐብኡ ድማ፡ ኣቡነ መርቆርዮስ እዮም። ንሶም ምስ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ናብ ስደት ዘምርሑን ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ስደት ዘለዉን’ዮም። ብጸቕጢ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት፡ ተገዲደ’የ ተሰዲደ ዘለኹ ዝብሉ’ኳ እንተኾኑ፡ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ኩሉ ሰማዕትነት’ውን እንተኾነ ኣብ መንበሮም ኮይኖም ክቕበልዎ ስለምንታይ ዘይመረጹ ዝብል ኣዋጣሪ ሕቶ ግን ንሶም ጥራይ ክምልስዎ ዝኽእሉ ዝተንጠልጠለ ሕቶ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ኣሸጊሩ’ሎ። ዝኾነ ኮይኑ ናይ ኣቡነ መርቆሬዎስ ፓትርያርክነትውን ብግብጻዊት ቤተክርስቲያን ኣፍልጦ ዘይነበሮ ምንባሩ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዜ ዝበዝሐ ዓመታት ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ተቐሚጦም ንኽመርሑ ዕድል ዝረኸቡ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነጳጳሳት ዘኢትዮጵያ፡ ቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ ነበሩ። ሕጋውነት መንበሮም ብብዙሓት ኣከራኻሪ ኮይኑ እናሃለወ፡ ን20 ዓመታት ንቤተክርስቲያን ኣብ ዝመርሑላ እዋን ግን እቲ ምስ ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሓሽኪሩ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር መሊሶም ፓትርያርክነቶም እውን ሕጋውነት ከምዝህልዎ ዝገበሩ ኣቦ ድማ እዮም።
ኣብ ዘመን ኣቡነ መርቆሬዎስ ወ ኣቡነ ጳውሎስ ቤተክርስቲያን ኣብ ክልተ ተመቕለት። ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ፓትርያርክ፡ ኣነባ! ኣነባ! ተበሃሃሉ። እቶም ኣባላት ሲኖዶስ፡ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተሰምዮም ያኢ ተፈላለዩ። እቶም ናይ ደገ፡ ብቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝምራሕ ሲኖዶስ ኣቚሞም፡ ንገዛእ ርእሱ ሕጋዊ ሲኖዶስ ኢሉ ዝሰሚ ሲኖዶስ ወነኑ። እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ድማ ብ ቕዱስ ኣቡነ ጳውሎስ ዝምራሕ ሲኖዶስ ኣቚሞም፡ ገዛእ ርእሱ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢሉ ዝሰሚ ሲኖዶስ ወነኑ። በዚ ከምዚ ልዕሊ 21 ዓመታት ሓሊፉ ክነሱ፡ እቲ ምክፍፋል ግን ከብቅዕ ኣይተራእየን። ኣቡነ ጳውሎስ ሞይቶም ምስ ተባህለ ግን እቲ ሕቶ ዝፍታሕ መሲሉና ነበረ። መራሒ እታ ሃገር ሞይቱ ብምንባሩ ድማ እታ ፖለቲካዊት ኢድ ሓሳባ ትቕይር ትኸውን ብምባል ትጽቢታትና ሰማይ ንኽዓርግ ግዜ ኣይወሰደሉን።
ይኹን እምበር፡ እቲ ብ1991 ብምኽንያት ህድማ ዶ ንበሎ ስደት ናይ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዘጋጠመ ምፍልላይ ሕጂ’ውን እንተኾነ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሲኖዶስ ኣንፈት ዕርቂ ኣየርእን እዩ ዘሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ሕጋዊ’የ ዝብል ኣብ ስደት ዝርከብ ሲኖዶስ ይኹን እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ሲኖዶስ በብመዳዮም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ጉዳይ ምትካእ ወይስ ምምላስ መንበር ዘፓትርያርክ ዘሰማምዕ ናይ ሓባር ዛዕባ ከምዘይብሎም ዳርጋ ኣነጺሮም ኣለዉ።
እቲ ናይ ደገ ከምዝስዕብ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ፡-  
“ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ኣቦታት ንቕዱስ ፓትርያርክ ናብ መንበሮም ንኽምለሱ እንተተሰማሚዖም፡ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓደ፡ እቲ ጓሳ ሓደ፡ እታ ቤተክርስቲያን’ውን ሓንቲ ክትከውን’ያ ኢሉ ስለዝኣምን፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ናብ መንበሮም ተመሊሶም  ቤተክርስቲያን ዝሃበቶም ሓላፍነት ክሳዕ ፍጻሜ ህይወቶም ንኸገልግሉ ድልው ምዃኖም ኣረጋጊጾም ኣለዉ፡” ድሕሪ ምባል፡ እዚ ንልዕሊ 21 ዓመታት ምእመናን ካብ ምእመናን፡ ካህናት ካብ ካህናት፡ ኣቦታት ካብ ኣቦታት፡ ዝፈለላየ ንብዙሓት ደቂ ቤተክርስቲያን ዘጕሃየ ፍጻሜ ግን ሕጂ ልቢ ምእመናን ብዘዕግብ ኣገባብ ክዛዘም ይግብኦ ኢሉ’ሎ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ሲኖዶስ ድማ ሓምሻይ ፓትርያርክ ኢልካ ሻድሻይ ትብል እምበር ናብ ራብዓይ ፓትርያርክ ከመይ ጌርካ ትምለስ ዝብል ከቢድ መዋጥር ሕቶ’ዩ ዘልዕል ዘሎ። ድሕሪ 21 ዓመታት፡ ተመሊስና ሕጂ ናይ ኣቡነ መርቆሬዎስ ፓትርያርክነት ምቕባል ማለት ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ ኣቡነ ጳውሎስ ማዕርግ ሕጋውነት ምኽላእ ማለት’ውን ስለዝኾነ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ክኸውን ዘይክእል’ዩ ዝብል ስክፍታ ብምልዓል ድማ እዩ መበል ሻድሻይ ፓትርያርክ ኮይኖም ዘገልግሉ ፓትርያርክ ንምምራጽ ምርጫ ንምክያድ ዝሸባሸብ ዘሎ።
“ላም ሓዊ ወሊዳ፡ ከይትልሕሶ ኣንደዳ፡ ከይትሓድጎ ወሊዳ” ኮይኑ’ሎ ነገራቱ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ድማ ብዘይ ጾምን ጸሎትን ካልእ ፍታሕ ክርከበሉ ይኽእል’ዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣጸጋሚ እዩ። እግዚኣብሄር ይደግፍ!

No comments:

Post a Comment