1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 27 November 2012

ለካ ልቢ ስለዘይብልኩም ኢኹም ንሕድሕድኩም ትበላልዑ::


ለካ ልቢ ስለዘይብልኩም ኢኹም ንሕድሕድኩም ትበላልዑ::

ዘረባ ህበይ እዩ። “መሲለ ዝነግሮስ ክመስሎ ኢለ” ከምዝበሃል ግን፡ ኣብዚ ዘለናዮ፡ ዘመን መሳልሶ፡-- ሓው ንሓው ኣሕሊፉ ዝወሃሃበሉ ዘሎ ህጹጽ ዘመን፡-- ንሕጻናት ደቀይ ከንበብሎም ዘለኒ መጽሓፍ ጽውጽዋይ እናንበብኩ፡ "ዘረባ ሰብ ምስማዕ ዝኣበና ኢና ንመስል እሞ፡ ዘረባ ህበይ እንተተረድኣና ኸ መን ይፈልጥ" ዝብል ሓሳብ ኣብ ቀልበይ ጸብለል በለ’ሞ፡ ንምጽሓፉ ኸኣ ድሕር ክብል ኣይደለኹን፡ ኣይበልኩን ድማ፡ እንሆ እኳ ተንብብዎ ኣለኹም።
“ሽዑ ብዙሓት ክዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡ፡ ንሓድሕዶም’ውን ክጸላልኡ እዮም፡” (ማቴ24፡10)ዝብል ህያው ቃል ጐይታና፡ ካብ ሎሚ ንላዕሊ ዝተፈጸመሉ እዋን ኔሩ ትብሉ እንተኾንኩም እንድዒ!! ሓደው እቲ ንካህን ኣጽኒሑ ንዘረባ ምእመን ክሰምዕ ሓርዩ ዘሎ ወለዶ ይመስክር፡ ወይ’ውን እቲ ነቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም “ሓዋርያዊ ሰንሰለት ኣይበተኽ” ንዝብሉ ኩሎም ሊቃውንት፡ ዘይስሞም ከልብስ ህርድግ ዝብል ሃይማኖተኛ’የ በሃሊ ይዛረብ። ወይ ከኣ ይንገሩና፡ እቶም ንሊቃውንት ቤተክርስቲያን ከውግዙ፡ ክዝልፉን ከጸልሙን፡ እከለ ተወጊዙ፡ እከለ መናፍቕ፡ እከለ ተሓድሶ፡ ክብሉ ወጊሓ ትዓርቦም ዘላ፡….  ምብልላዕ ዶ ጀሚርና ሓቀይ… ከይተወዳዳእና ከለና ግዳ ናብ ዘረባ ህበይ ንመለስ። ህበይ፡ ነቲ ከታልላ ኢሉ ዝሓሰበ እሞ ተመሊሳ ዘታለለቶ ዓሳ እያ ነዚ ዘረባ እዚ እተዛረበቶ። ከምዚ እዩ እቲ ታሪኽ፡-
ሓደ እዋን፡ ዓሳ ያኢ ኣዲኡ ሓሚመንኦስ ፈውሰን ድማ ልቢ ህበይ ኮይና ስለዝተረኽበት፡ ወትሩ እትቕተል ህበይ እንተተረኽበት  ብምባል የናዲ ነበረ። ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ምሂዙ ምሂዙ ተዋጽእ’ያ ዝበላ ሓንቲ ጥበብ ረኺቡ ነበረ።
“ዎ ህበይ ምሕንባስ ከላምደክስ ንዒ እንዶ ውረዲ” ብምባል ተማሕጺንዋ፡ ነታ ኣብ ገረብ ሓዂራ ምሕንባሱ ተቋምት ዝነበረት መስክነይቲ ህበይ። ሓቂ መሲልዋ ሰሚዓቶ። ዓሳ ኣብ ዝባኑ ሓንጊሩ እናሓምበሰ ናብ ማእከል ብዝበጽሑ ግን፡ ሓቲትዋ ንህበይ፡ መስተንክራዊ ሕቶ። “… ጉዕዞና ተረዲኡኪ ዶ’ሎ ህበይ?” ምናልባትውን “ህበይኖ” ኢሉ ኣቀባጢሩላ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቶም ኣሕሊፎም ወሃብቲ፡ ከም ይሁዳ እናሰዓሙ ዶ ኣይኮኑን ናብ ጥፍኣት ኣሕሊፎም ዝህቡና ዘለዉ…. ዝኾነ ኮይኑ፡ “ኣይተረድኣንን፡” ኢላቶ እታ ገርሂ ልባ፡ ድንግርግር እናበላ። “ምሕንባስ ዶ ኣይኮንካን ተላምደኒ ዘለኻ?” ብምባል ድማ ተወከሰቶ።
ዓሳ ሆየ፡ “እንታይ ምልምማዱ ደኣ፡ ኣደይ ስለዝሓመመት እምበር ነታ ልብኺ መድሃኒት ክትኮና ክንህባ!” ብምባል “ኣበይ ከይትበጽሕ” ግዲ ኢሉ፡ ካን ኣንቁር ኣቢሉ መርድእ ሞታ ነገራ። ኣይሰንበደትን ህበይ፡ “እንታይ ደኣ ኣቐዲምካ ዘይትነግረኒ ወደይ፡ እታ ልበይ ደኣ’ሞ ኣብታ ገረብ እንድየ ገዲፈያ ዘለኹ” ዝብል ቅጽበታዊ መልሲ ምስ ሃበቶ ድማ እቲ ዓሳ ተደናገረ፥ ንህበይ ድማ ኣመና። ድሕርዚ ልቢ ህበይ ንምርካብ፡ ጉዕዞ ንድሕሪት ኮነ… ተስፋ ዝሰነቐት ህበይ ከኣ “በል ቀልጥፍ ደኣ ካልኦት ከይወስድዋ” እናበለት፡ ቀልቡ ከይተመልሰ ከሎ ክትዕወተሉ ተተስፈወት። ዓሳ ብፍጥነት ሓምቢሱ ናብ ደንደስ ብምጻሕ ኣፋነዋ እሞ፡ “በሊ ተቐላጢፍኪ ልብኺ ሒዝክያ ምጺ” ብምባል ድማ ኣፋነዋ። ህበይ ሆየ ነጢራ ናብ ገረባ ብምሕኳር ኣላጋጭ ሰሓቐትሉ፡ “ኣንታ ዓሻ! ልበይሲ ኩሉ ሳዕ ምሳይ እያ፡ ንስኻ ኢኻ እምበር ልቢ ዘይብልካ፡ ለካ ንሓድሕድኩም እትበላልዑስ ልቢ ስለዘይብልኩም'ዩ ብምባል ድማ ተረካብ ዘረባ ሓደገትሉ።
ኣብታ ሓንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ነንሓድሕድና ክንናቘትን ክንጣፋእን እንውዕል ዘለናስ፡ ብሱሩ ካብዚ ህበይ ትብሎ ዘላ ብምንታይ እዩ ክፍለ?! እቲ ኹሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ዘስተውዕል ልቢ ክህበና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን!
 "ማለት ኲሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።  ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተበላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ፡" ገላ5፡14-15 
ምንጪ ወብሳይት keshiyonas
haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment