1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 28 November 2012

ልኡኻት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ምስ ናይ ኦርየንታል ኣብያተ ክርስትያን መራሕትን ምስ ናይ ቢዛንታይንን ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት ተወከልትን ርክብ ከም ዝገበሩ ተዋህዶ.ኦርግ ሓቢራ።

ልኡኻት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ምስ ናይ ኦርየንታል ኣብያተ ክርስትያን መራሕትን ምስ ናይ ቢዛንታይንን ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት ተወከልትን ርክብ ከም ዝገበሩ ተዋህዶ.ኦርግ ሓቢራ።


እቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ጉጅለ፡ኣብ ምርጫ ፓትሪያርክ ቅዱስ ማርቆስ እስክንድርያ፡ንክሳተፍ ኢዩ፡ኣብቲ ምርጫ ክሳተፍ ምስ ከደ ምስዞም ኩሎም ወኪላት ተረኺቡ።ኣብቲ ዝተገብረ ርክብ፡ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ኤረትራን ፓትሪያርካ ቀደማዊ እንጥንዮስን ኢዮም ተዛራሪቦም።ሓሳብ ንሓሳብ ድማ ተላዋዊጦም።
እቲ ጉጅለ ምስ ሓድሽ ፖፕ ናይ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ምስ ዝኾኑ ኣቡነ ቲዎድሮስ 2ይ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ።ነዚ መዓርግ እንቋዕ ኣብቀዐኩም ድሕሪ ምባል፡ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ቤተ ክርስትያንን ወሪዱዋ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ድህሪ፡ምሃቦም።ዕረፍቲ ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ን ቤተ ክርስትያንና ኣዝዩ ዓቢይ ክሳራ ኢዩ።እንተኾነ ብናይ ኣምላኽ ረድአት ንስኹም መጺእኩም።እዚ ን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዓቢይ ብስራት ኢዩ ኢሎም።ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብ ፖፕ ሽኖዳ ዝጸንሀ ኣካይዳ ብዘለዎ ናህሪ ክቕጽል፡ጸሎትኩምን ምትሕብባርኩምን ነታኣ ቤተ ክርስትያን ከይፍለያ ብምባል መግለጺ ድሕሪ ምሃቦም። ፖፕ ቴዎድሮስ ካልኣይ ብ ወገኖም ኣብ ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕ፡ኣብ ርእሲ ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ተፈጺሙ ዘሎ ግህሰትን ኣዝዩ ከም ዘሕዝኖም ከም ዘግህዮምን፡ኣብ ጸሎቶም ድማ ኩሉ ግዜ ከም ዝዝክርዎምን ብጓሂ ገሊጾም።እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተወሰደ  ሓደገኛ ፍጻሜን ምግሃስን ሕጊ ቤተ ክርስትያን ብ ፖፕ ሽኖዳን ብ ኣይን ዘይኮነስ፡ብምሉኣት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ እስክንድርያ ዉጉዝን ኹኑንን ምዃኑ፡ብጀካ ፓትሪያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ድማ ዝኾነ ፓትሪያርክ ናይ ኤረትራ ኣፍልጦ ከምዘይህልዎን፡ተቃባሊነት ከም ዘይብሉን ቅድስነቶም ብምግላጽ፡ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ናይ ግብጺ ኣብያተ ክርስትያናት ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ጸሎተን ክዝክረኦም ምኳነን ገሊጾም።

ልኡኽ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ  ካብኡ ቀጽጺሉ ድማ ምስ ናይ ሶርያ ፓትሪያርክ ቅዱስ ማር ኣግናጥዮስ ዘካ(his holiness moran mor ignatius zakka i iwas)ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክሳውዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ።መግለጺ ድሕሪ ምቕራቦም፡ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ርእሲ ሓውታ ዝኾነት ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ወሪዱ ዘሎ ምግሃስ ሕግን፡ምእሳር ፓትሪያርክ፡ኣቡነ እንጠንዮስን፡ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም፡ድሕሪ ምግላጽ፡ነቶም ቀኖና ቤተ ክርስትያን ጥሒሶም ሃዋርያዊ ሕጊ ሰጊሮም፡ ብሓይሊ ጎነጽ  ኣብ ስልጣን ዘለዉ ዘይሕጋዊ  ሰብ ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን፡ብ ጀካ ፓትሪያርክ ቅዱስ እንጦዮስ ካልእ ከምዘይቅበሉን፡ምስቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ምምሕዳር  ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ኣውረጳን ማእከላይ ምብራቅን ብቀረባ ክዓዩ ምዃኖም ተረዳዲም  ክሳዕ ጸብጻብ ን ንጽሕፈልኩም ።ንሙሉእ ሓበረታ ኣብዚ ጠውቁ http://tewahdo.org/Pdf/EgyptReport112712.pdf
           haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment