1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 2 October 2011

መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ዉስጢ ቤተ/ክርስትያና!!!ዝገብሮ ናይ ምፍራስ መደብ ይቅጽል ኣሎ!!!!።

መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ዉስጢ ቤተ/ክርስትያና
 ዝገብሮ ናይ ምፍራስ መደብ ይቅጽል ኣሎ!!!!።
መወዳእታ እዋን ግዲ በጺሕና መቸስ ዝግበር ዘሎ ኣብ ቤት/ኣምላኽ ወጽዓን ሽግርን እዚ ኢልካ ኣይውዳእን። እዚ እቲ ቀድንዲ ሕማም ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ገለ ባርያ ፖለቲካን ረብሓኦምን ክኾኑ ስለ ዝደልዩ ገለ ዲማ ንስለ ሓቅን ሃይማኖቶምን ክሳዕ ሞት እሙናት ኮይኖም ክስቀሉ ኣብ ክልተ ስለ ተኸፍለ እዩ። ስለምንታይ ግን እዚ ኹሉ ደራዕ ን ቤተ/ክርስትያን እወ ስለምንታይ እዮም እቶም ሃይማኖቶም ንረብሓ ሸይጦም ደድሕሪ ህግድፍ ዞኽዞኽ ክብሉ ዝውዕሉ ዘለዉ።ኣምላኽሲ ካንዶ ተናዒቁ።ክሳዕ ክንደይ ኢና ፈኺስና ዘለና ብ ፖለቲካኛታ ተላኢኽናስ ኣብ ምጽላምን ምቅዋምን ካህናትና ክንውዕልሲ ነውራምነትዶ ሃይማኖታውነት.
እስከ ሎሚ ነቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘሎ ሽግር ንርኣዮ። ዓዲ ጥልያን ብዘይካ እቲ ኣብ ሚላኖ  ኣብ መንጎ ሰለስተ ካህናት ከቢድ ክፍታሕ ዘይከኣለን ዘሎን ኣብ መንጎ ካህናትን ብርቱዕ ምንዋጽ ህጂ እውን ይቅጽል ኣሎ ፡ ኢድ የእታውነት ህግድፍ ናብ ሮማ ሰላሕ ኢሉ ኣትዩስ እንሆ ትማሊ ሰንበት ክጽልዩ ዝተኣከቡ ክሳዕ ብሂወት ክፈኻኸሩን  ክጻራረፉን ዝረኣየ ወዲ ኻሊእ ሃይማኖት ገሪምዎ።ስለምንታይ እዩ ግን እዚ ሽግር ጥራሕ ኣብ ቤተ/ክርስትያና ዝለዓል እንተ ኢልና እቲ መልሱ ወዮ ደኣ እቲ ህዝቢ ስለ ዘይማዕበለ ኣብ ፖለቲካ ትኣትዉ ኣለኹም ይብለና ኣሎ እንበር።ህግድፍ ን ተዋህዶን ካተሊኽን ናይ ምፍራስ ዘለዎም መደብ ኣብ እታ ብ ሮማ ትውነን ካተሊካዊት ቤተ/ክርስትያን እኳ እንተዘይ ተዓወቱ ኣብ ።እታ ቅድስትን ማሕደር መንፈስ ቅዱስን ብ ትምህርቲ ባህረየ ክርስቶስ ብጽፈት እትፍለጥ ወልድ ዋህድ ኢላ እትኣምን ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ግን ጽቡቅ ገይሩ እዩ ተዓዊቱ ዘሎ። ህግድፍ ንገለ ብገንዘብ ንገለ ዲማ ብምፍሪራሕ ንገለ ዲማ ዘለዎም ናይ ትምህርቲ ድኽመት ብምኽሳብ ረኣኹም ካሊእ ሃይማኖት የኣትወኩም ኣሎ። እንዳበልካ ብዝገብሩዎ ሰራም ተንኮል እዩ።
ሎሚ ሰንበት ድሕሪ ቅዳሰ ኣብ ከተማ ሮማ ቅድዱስ ሚካኤል ቤተ/ክርስትያን ዕለት 2/10/2011 ድሕሪ  ቅዳሴ እቶም ንህግድፍ ከገልግሉ ብ ተንኮል ዝተመርጹ ሽማግለ ነቲ ምስ ኣንበሳድር ዘመነ  ኮይኖም ዓመት ሙሉእ ዝፈሓሱዎ ዉዲት፡ ንምዕጻው ትምህርቲ ሰንበት ቅዱስ ሚካኤል ሮማ ኣተግቢሮሞ  ኣለዉ። ልክዕ ድሕሪ ቅዳሴ ምስ ወጸ ሰብ ን መራሒ እቲ ቤተ/ክርስትያን ምስ መንእሰያት ጽቡቅ ርክብ ዘለዎምን ካህን ናይ ሓሙሽተ ዓመት ኣገልግሎቶም ስለ ዝወድኡ ኩንትራቶም  ንዓዶም ክምለሱ መንግስቲ ኣዊጁ ኣሎ ምባሎም እዩ። ግን ዘገርም  እዩ እቶም ህግድፍሲ ዋላ ኣብ ቤተ.ክርስትያን ድዮም ሰብ ዘደስክሉ ኣብዚ እውን እንካ ኣለዉ እዮም ኢሎም ዝሰምዑ። እዚ ኮነይ ኢልካ መንእሰያት ንምብታን ክፈሓስ  ዝጸንሐ መላ እዩ። ካብቲ ዘሕዝን ድማ ነቶም ዋላ ሓንቲ ናይ ሃይማኖት ሽግር ዘይብሎም ቀሺ ከም ካሊእ ሃይማኖት ከተኣታቱዉ ዝደልዩ ገርካ ብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ክኽሰሱ ምግባሮም እዩ።ስለምንታይ ግን እዘን ደቂ ኣንስቲ መሳርሒ ሓጢኣት ይኾና ኣለዋ።
ካብቲ ዘሕዝን ድማ  እቲ ሰበኻ ጉባኤ ዝብልዎ ሓልፊ ተሓዚ መፍትሕ ናይቲ ቤተ/ክርስትያን  ዝሃቦ ተልዩ ኣብ መወዳእታ ንሕና መንግስቲና ዝበለና ከነኽብር ኣለና ምባሉ እዩ።እንታይዋይ እዩ መንግስቲ ኤረትራ ወናኒ እዛ ቤተ/ክርስትያን ዝኾነ ሓቂ ኸኣ ጋሰአን ዝጥእፍአን ኣባጊዕ ዝረኸበ እዩ ዚዘንበን።ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።ህዝቢ ግን ብሓባር ተቃዉሞ ኣስሚዑ ኣሎ። እቶም ንህግድፍ ተላኢኾም ዝመጹ ድማ ነገር ሓዊ የእትዮምላ ሓዲሞም  ከይዶም ገዝኦም።ካብ ውሽጢ ኢንባሲ ኤረትራ  ዝመጸና ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ኣምባሳድር ሮማ ን ማሕበር መንእሰያት ትምህርቲ ሰንብት ክዕጾን ብድሕሪ ህጂ ከይኽፈትን ኣዚዙ ኣሎ። እቲ ትእዛዝ ድማ ካብ ዕለት 2/10/2011 ተግባራዊ ክኸውን  በቢ ቁሩብ ወሲኑ ኣሎ።
ዋላ ን ኣምበሳድር ኤረትራ ኣብ ሮማ እንታይ ገይሮም ትቅይሮም ኣለኻ እንተ ኢልካዮ ነዞም ካህን።ዝህቦ መልሲ ነቶም ኣብ ከም በዓል ሚላኖን ከባቢኣን ዝንቃሳቀሱ እሞ። መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት   ኢድ ከእቱ የብሉን ተዋህዶ ጽጋዕቶ ኣይኮነትን።ፓትሪያርክ ተወገዘ ፓትሪያርክ ኣይመርሓናን ፡ዘይሕጋዊ ተወገዘ ፓትሪያርክ ኣይመርሓናን። ይፍታሀ ብህጹጽ ይረድ  ይልገስ ካብ ቤተ.ክርስትያን፡ ፓትሪያርክና ካብ ቤት/ማእሰርቲ ክወጽእ ኣለዎ። እንዳበሉ ዝጉስጉሱ ዘለዉን ተሰማዕነት ረኺቦም ዘለዉን ናይ ጸለመ ትምህርቲ ከካይድ ንዕኡን ን ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ቀሺ ኤፍረምን ተዋህቦም ዕዮ ገዛ ስለ ዘይፈጸሙ ጥራሕ እዩ።እንበር ክሳዕ ህጅስ ጸረ መንግስቲ ዝተገብረ የለን በቶም ካህን። ክሳዕ ህጂ  ዝኾነ መግለጺ ብዘይ ምሃቡ ክሕመዩ ድሕሪ ምጽናሕ። መንግስቲ ኤረትራ ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ዘምጸኦም ፓትሪያርክ ኣቡነ ደስቆሮስ ካብ ጉባኤ  ኣብያተ ክርስትያናት  ምስጋጉ ከም ምስጢር ክተሓዝ ዝተሓስበ ናብ ደገ ምውጻኡ ተሓማዪ እቶም ካህን  እዮም ኮይኖም ጸኒሖም።
ስለምንታይ ግን እዚ ኹሉ እዞም ካህናት ባዕሎም ዘይተበአኣሱ ክስቶ ኣንጻር ክስቶ ጎስጋስ ኣካይድ እንዳበልካ ምምዓድከ እንታይ ሰራም ሰጣናዊ ምዕዶ እዩ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሚላኖ ዘሎ ባእስን ነውጽን  ቆንስል ሚላኖ ኣቶ  ርእሶም ምኻኑ እዩ።ካብቲ ዘገርም ብዝሓለፈ ኣብ ቆንስል ከይዶም ገለ መንእሰያት  ናብ ቆንስ ከይዶም ምጽላይ ከሊኦምና እሎም ምዝራቦም እዩ።በዚን ወዲ ከምዝን እንሆት ሚላኖ ናብ ምድራዊት ሲኦል ሰባት ዝጻልኡላን ዝጻላለሙላን ን ኤረትራውያን ጥራሕ ካብ ኩሎም ህዝቢታት ጸቢባ ትርከብ እዚ ድማ  ካህናት ክንዲ ሓድነት ።ስለ ረብሓን ጥቅምን ትሓደ ነቲ ሓደ ከጸልሞ ስለ ዝውዕሉ ዘለዉ እቲ ህግድፍ ነዚ ተጠቂሙ የኣቱ ኣሎ። ስለዚ ህጂ እውን  ኣብ ዓለም እትነብሩ መንእሰያት በጃኹም ሃየ ጉዳይ  እዛ ቤተ/ክርስትያንኩም ግበሩ። እወ ኣፍ ኣርክቡ  ተዋህዶ ትፈርስ ኣላ እወ ኣፍ ኣርክቦ ተዋህዶ ትብተን ኣላ። ዘሎ ናይ ሃማንት ጸገም ተልዩ ብጊባኤ ይፍታሕ ዝከፍአ ግን ህጂ እንሆ ንህላወና ዝፈታተን ይቅልቀል ኣሎ። ስለዚሲ ቀስ ብቀስ እዚ ነውጺ ናብ ኩሉ ከይለሓመ  ብሓብር ን ናጽነት ተዋህዶ ንለዓል። ኣብ ዓለም ዘለኹም ኩሉኹም ደቂ ተዋህዶ ድማ ካብ ምክሳስን ምጽላእን ርሒቅኩም ብጸሎት ንቅሑ።እቶም ኣቦታትና እዮም ኣቦታትና እታ ተዋህዶና ኣያ ተዋህዶና። ዓገብ ድማ ንበሎም ነቶም ንረብሓ ወገን ፖለቲካ ዝኾኑ ዘለዉ እወ   ብግብሮም ዓለም ከይነጸለትናን  ሎሚ ን ነጽሎም ብሓባር ናይ ቀሳር ንቀሳር ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ኢልና።             ሃይማኖትና   የጽነዓልና   ጸልእቲ   ሃይማኖትና     ዲማ        የጥፈኣልና።
           ስብሃት ለእግዚኣብሄር ወለ ወላዲቱ ድንግል ወለ መስቀሉ ኩቡር።
        ካብ ሓደ ኣብል ትምህርቲ ሰንበት  ቅዱስ ሚካኤል ሮማ ኢታሊ

No comments:

Post a Comment