1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 26 September 2011

ስቅ መሪጸ ኣለኹ !!!!!!!::


        ስቅ  መሪጸ ኣለኹ!!!!!::
ትም መሪጸ ኣለኹ ንስኻ እኮ ፍሉይ ኢኻ
ኣብ ኢድካ ዘለካ ትህብ ትፍርዲኻ
መን እዩ ዝማጻረ ጎይታይ ኣብ ቅድመኻ
ኣነስ ኣይክእሎምን ሕለፎም ደኣ ባዕልኻ
                     ትም መሪጸ ለኹ ረኣዮ ንኹሉ
                   ስቅ ዶ ከይትብል ዚ ቤትካ ከምዚ ኢሉ
                    ኣብ ቅድመኻ ቀሪቦም እና ኣታለሉ
                    ን ወንጌል ክዓጽዉ ፍሕኽ እናበሉ
                    ኣነስ ትም ኢለ ኣለኹ እነሀልካ ኩሉ
ክንዲ ዝነገርኩ ትመገዲ ሂወት
ዓለም ካብ ኣበየት ዘይ ሽመይ ካብ ሃበት
ትም መሪጸ ኣለኹ መልስ በዓል ናዝሬት
ናብ ምህለላይ ቁልሕ በል በጃኻ ናብዚ እሞ ጠምት
ክሳዕ መኣስ እዩ ከምዚ ኢሉ ዝሂወት
እስከ መልስ እስኻ ርኣያ  ነዛ ቤት
                                 ካብ ቃላት ሓሊፉ ዝተረጋገጸ
                              መድሓኒ ምኻንካ ምእማን ሰብ ካብ ኣቅበጸ
                                 ናባኽ ይገድፎ ኣነስ ስቅ መሪጸ
                                 ንምጽላም ደቅኻ ካብ እተሓንጸጸ
                               ብ ወረ ተሓሊፉስ ካብ ተበጽሐ ኣብ ሕጸ
                               ናባኻ ይገድፎ ኣነስ ትም መሪጸ
ንስኻ ኣኮ ፍሉይ ኢኻ ንስካ እኩ ፍሉይ
ኣነ ደኣ መንየ ክንዲ ቤትካ ዝጭነቅ ክንዲዙይ
ኢድካ ምለሰሉ ነቲ ቤትካ ዘጋዕዝይ
ኣነስ  ስቅ መሪጸ ንስኻ ደኣ ሕለፈለይ
ግንሓዮ ሃየ እንሆ ሳውል እንሆለይ
ደቅኻ ክሰግግ ይብል ኣሎ ዕንይንይ
ስቅ መሪጸ ኣለኹ እስካ እስከ ዕየይ
                        ነቲ ወንጌል ምስማዕ ካብ ኣውጽኡሉ ቃንቋ
                       ንሽም ቅዱሳንካ ንምጽላም ካብ ገበሩዎ ጣቋ
                       ኣነስ ትም መሪጸ ንስኻ ግጠም በቋ
                       ስቅ ኢልካ ኣይትርአ ዛ ቤትካ ወዲቃ
                       ኣምላከይ ተለዓል ስቅ ኣይትበል በቃ
ካብ ንምስማዕ ቃል ሂወት መሪጾም ንሓሶት
ካብ ንትሕቲናሲ መሪጾም ንድፍረት
ወንጌል ካብ ምስማዕ መሪጾም ታሪኻት
ጽዊጽዋያት ኣይሁድ ሸንኮለል ምድረ በዳታት
ኣነስ ስቅ መሪጸ ርአ ኣምላኽ ሰማያት
                             ነቲ ሂወት ዝህብ ቃል ምስማዕ ካብ ኣበዩ
                             ኣነስ ትም መሪጸ ጥራሕ ይኽበር ኢየሱስ
                            ግድንዩ ክቅበል ካብ መስቀሉ ኪቃደስ
                            ምስ ቶም ቅዱሳኑ ብመከራ ክሕወስ
                            መን ዶ ኣሎ እዩ ዝኸበረ ቅዱስ
                             ኣነስ ትም መሪጸ ጥራሕ በይኑ ይንገስ
ትዕጫ ቅዱሳን ኣባይ እንተበጽሐ
ኣይገድፋን ዛ መገዲ ኣይምለስን ፈሪሐ
እሮማይ ወዮ ምስቶም ሰማእታት ስመይ ተረቂሐ
ዘይከውን እዩ ህጂ ክረከብ ኣቅባሕቢሐ
ይጋዓዝ ደኣ ናብ ዝጎነፈኒ መስቀለይ ኣምሪሐ
ኣይፈርሖንየ ዲያብሎስ ተገዐረ ተነብሐ
                                 ኣብቲ መሰረቱ መሰረት ናይ ጥንቲ
                                 ከእትዉ ካብ ደለዩ ዘይነብረ መማቅርቲ
                                 ኣነስ ትም መሪጸ ክትሰርሕ ምእንቲ
                                 ምናልባሽ ተሰምዑዎ ትናትካ መግናሕቲ
                                 ኣነስ ትም መሪጸ ኣይደልን መሳርውቲ
ናብ ምስጢር ኣምላኽ ካብ ተሓወሶ ካሊእ
እንታይ ኢኻ እትጽበ  ጠሪሽና ክሳዕ ንጠፍእ
ኣነስ ትም መሪጸ ከይዛረብ ኩፉእ
ኢድካ ደኣ ስደድ ረኣዮ ነቲ ክፉእ
ወንጌል እናተቀየረ ከመይ ኢለሞ ክረግእ
ይዝመት እንድየ ዘለኹ መሰረተይ ይጠፍእ
 በጃኻ ቁልሕ በል ስምዓዮ ዝኹፉእ
                          መሰረት ቅዱስን ብኹሉ ተኣልዩ
                          ካብ ንዓኻ ምዝማር መሪጾም ከውርዩ
                          ጎይታ ምኻንካ ምንጋርሲ ካብ ኣፎም ምጻእ ኣበዩ
                         ኣብ ቤተ/ክርስትያንካ እዚይሲ ወራር እዩ
                        ትም መሪጸ ገሪሙኒ ነግሩ ከመዩ
ትም መሪጸ ንስኻ እኮ ኣምላኽ ኢኻ
መምዮ እስከ ነቲ ሓቂ ሸምግለና በጃኻ
ንሕና እንተበልና ከምታ ናይ ቅዱሳንካ
ግን ነጋሪት ናይ ኲናት ይውቃዕ ኣሎ ሪኤኻ
ትም መሪጸ ህጂ እውን ኣምላኸይ ዕቅባኻ
                                ርአ እሞ ኣምላኸይ ንኹሉ ተዓዘብ
                                ስቅ መሪጸ ኣነስ እንተበልካ ዓገብ
                                ወንጌካ ምንጋርሲ ካብ ተባህለ ዓገብ
                                ንምሕናቅ ደቅኻስ ካብ ተኣልመ መጻብብ
                               ኣነስ  ስቅ መሪጸ ሃየ እስኻ ተዛረብ
ኪኾኑ ካብ መረጹ ናይ ወንጌል ኣጋይሽ
ምስ ኣምላኽ ካብ ምስዓብ ካብ በሉ ክንቅሽሽ
ምርጫ ካብ ገበሩ ምስኻ ቅልሽ
ካብ ትኽ ኢልካ ምኻድ ካብ መረጹ ዕግሽግሽ
ኣነስ ትም መሪጸ ባዕልኻ ሃየ መልሽ
ካብ ኣነ ዝገጥምሲ ንዓኻ ምሕላፍ ይሓይሽ
               ለቱ ስብሓት
                ቀሺ/ሙሴ ሺሻይ
 ኣገልጋሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን


No comments:

Post a Comment