1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 5 June 2012

መስርሕ ምርጫ መበል 118 ሕርያ ፓትርያርክ ዘሃገረ ምስሪ።

                                       ብ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤ
ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ኢሉ ጀሚሩ፡ ቅዱስ ኣንያኖስ፡ ቅዱስ ሜልዮስ፡ ቅዱስ ክርዳኑ… እናበለ ብዘይምቍራጽ ቀጺሉ መበል 117 ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ ዝበጽሐ ሓዋርያዊ ሰንሰለት፡ ሕጂ ኣብ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ንኣቡነ ሺኖዳ ተኪኡ ዝቕመጥ መበል 118 ከ መን ኮን ክኸውን’ዩ ዝብል ናይዚ ግዜ እዚ ወቕታዊ ሕቶ’ዩ። ብሓልዮት ብጹዕ ኣቡነ ኣንጋኤሎስላዕለዋይ ጳጳስ ናይ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዳሎ መርበብ ሓበሬታ ግን ናይዚ ሕቶ እዚ ሰፊሕ መብርሂ ዝህብ ትሕዝቶ ጽሒፉ’ሎ፡ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ እምበኣር ጽማቝ ትሕዝቶኡ ኢና ከነቕርብ።

ኣገባባት ምርጫ ፓትርያርክ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዛጊት ኣዘራራብን ኣከራኻርን ከምዘሎ ንዘስተብሃለ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገረ ምስሪ ንኽካየድ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ መስርሕ ምርጫ፡ ከመይ ከምዝመስል ምርድኡ ሓጋዚ ተራ ከምዘለዎ ምንም ዘከራኽር የብሉን። ክልቲኤን ሃገራት ካብታ ምንጪ መንበርና ዝኾነት መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ክመሃርኦ ዝኽእላ ኣገባብ ብዙሕ ከምዘሎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን እዩ ዝብል ሓፈሻዊ መረዳእታ እዩ ዘለኒ። እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ጽሑፍ ከኣ እቲ ኣብ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ዝግበር ምርጫ፡ ብኹሉ መለክዒታቱ ቅሉዕ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝካየደሉን፡ ንሕሜታን ንበለካ-ለኽዓካን ዕድል ዘይህብ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተኸተለ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ መዛዘሚኡ ኣብ እግዚኣብሔር ዝተወከለ፡ መንፈሳዊ ኣገባብ ዝመልኦን ሓዋርያዊ መስርሕ ዝሰዓበን ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ ድማ  እየ ምስ ሓፋሽ ከዕልለሉ ዝመርጽ ዘለኹ።

ቤተክርስቲያን ሓበሻ ንልዕሊ 1600 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምምሕዳር መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ክትመሓደር ከምዝጸንሐት ርዱእ ይመስለኒ። ብ14 ጥሪ 1951 ግን ንመጀመርያ ግዜ ኣቡነ ባስልዮስ ናይ ሓበሻ ቤተክርስቲያን ቀዳማይ ፓትርያርክ ንምዃን ክሽየሙ ከለዉ እቲ ኣገባብ ብኸምቲ ናይ መንበረ ማርቆስ ኔሩ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስለንን። ከምዝፍለጥ ኤርትራ ከም ሃገር ልዑላዊት ሃገር ምስ ኮነት ከኣ፡ ንሸውዓተ ዓመታት ብግዚያውነት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ08 ግንቦት 1998 እያ ርእሳ ኽኢላ ናይ መጀመርያ ፓትርያርክ ዝረኸበት። ይኹን እምበር ኣብዚ ናይ ሃገርና መስርሕ’ውን እቲ ኣገባብ ከምቲ ናይ መንበረ ማርቆስ እዩ ኔሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝኾነ ኮይኑ ግን ብድምሩ ንሕና ናይ 14 ዓመታት (ካብዚ’ኳ እቲ ልዕሊ 6 ዓመታት ብዓመጽ፡) ኢትዮጵያውያን ድማ ናይ 61 ዓመታት (ኣብዚ’ውን ዛጊት ዘይዓረፈ ብዙሕ ሕልኽላኻት ዘለዎ) ተመኩሮ ኣለና ማለት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ምናልባት ዶ ኾን ከምቲ ናይ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ኣገባብ ምርጫ ፓትርያርክ እንተንስዕብ ዝሓሸ ምኾነ ዝብል ንኽንሓስብ ዝድርኸና ዘሎ።

መስርሕ ምርጫ ፓትርያርክ ኣብ መንበረ ማርቆስ ከመይ ከምዝመስል ንምድህሳስ እምበኣር እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ብሓልዮት ብጹዕ ኣቡነ ኣንጋኤሎስ ላዕለዋይ ጳጳስ ናይ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዳሎ መርበብ ሓበሬታ ዘስፈሮ ሓሳብ ሓፈሻዊ ጽማቕ ትርጉሙ ብኸምዚ ዝስዕብ ነቕርቦ ኣለና፥ ሰናይ ንባብ፥
ነቲ ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወ ቦኽሪ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ http://www.copticcentre.blogspot.co.uk/2012/05/papal-selection-process-for-coptic.html
1. ብዛዕባ እቲ ኣብ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ንኽቕመጥ ዝምረጽ
ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ሃገረ ምስሪ ህላውነታ ከየጥፈአት ዝነበረት ቤተክርስቲያን እያ። ካብቲ ዓቢ ወንጌላዊ  ቅዱስ ማርቆስ ጀሚራ ድማ ክሳዕ እዞም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብሞት ዝተፈልዩና ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ፡ ነቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ብዘይብምታኽን ምቍራጽን ዓቂባ ትጕዓዝ ኣላ። ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ፡ ኣብ መንበረ ማርቆስ መበል 117 ፓትርያርክ ነበሩ።
17 መጋቢት 2012 ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ ዓሪፎም። ስለዚ እምበኣር እቲ “ዘኽታማት ኮይንኩም ኣይሓድገኩምን እየ” ዝብለና ኣምላኽና፡ ከም ልቢ ኣምላኽ ዝኾነ ሕያዋይ ዝጓስየና መራሒ ከምዝህበና እምነትና ምሉእ እዩ።
ኣብዘን ዝስዕባ ኣዋርሕ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ (ቅዱስ ሲኖዶስ ዝበሃል፥- ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ናይ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ማለት እዩ) ከምኡ’ዉን እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን ዝበሃል (ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን ዝበሃል ድማ ነታ ቤተክርስቲያን ኣብቲ ምምሕዳራዊ መዳያታ ዘካይዳ ማዕርግ ናይ ዘይብሎም ተራ ምእመናን ጉባኤ ማለት እዩ) ከምኡ’ውን መላእ ኣማኒ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ምምራጽ ፓትርያርክ ኩሉ ዘዝምልከቶ ብጽሒት ክገብር እዩ። ክንርስዖ ዘይብልና ድማ እዚ መስርሕ እዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ካብቶም ዝምረጹ ሰለስተ ሕጹያት እቲ ንመንበረ ማርቆስ ዝበቅዕ ኣብ ቤተመቕደስ ብዝግበር ሓፈሻዊ ጸሎት ብዕጫ ዝምረጽ ምዃኑ እዩ።
2. መስርሕ ምርጫ
መስርሕ ምርጫ ናይ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ብ1957 በታ ቤተክርስቲያን ተሃንዲሱ ብባይቶ መንግስቲ ሃገረ ምስሪ ድማ ኣብቲ ዓመት እቲ ሕጋውነት ብዝለበሰ ኣዋጅ እዩ ዝትግበር። እዚ ኣዋጅ እዚ ከምዝገልጾ፡ ፓትርያርክ ካብ ዝሞተሉ ኣብ ሻብዓይ መዓልቱ ካብቶም ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ዝዓበየ፡ ሓፈሻዊ ኣኼባ ጸዊዑ ግዜያዊ ፓትርያርክ ከምዝምረጽ እዩ ዝገብር። በዚ መሰረት እዚ፡ እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዝዓበዩ ሊቀጳጳስ ዘለዉ ብጹዕ ኣቡነ ሚካኤል፡ ንኣቡነ ጳኩሚስ ጉባኤ ክመርሑ ወከሎሞም። ኣብቲ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስን ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናንን ብ22 መጋቢት 2012 ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ ብጹዕ ኣቡነ ጳኩሚስ ግዚያዊ ፓትርያርክ ንኽኾኑ ብተጋባእቲ ብምሉእ ድምጺ ተመርጹ።
ኣብቲ ጉባኤ፡ ብቕዱስ ሲኖዶስ ዝተመዘዘት ሓንቲ ኮሚሽን ምርጫ ቈመት። ዕላማ ተልእኾ እዛ ኮሚሽን፡ ንፓትርያርክ ዝኾኑ ሕጹያት ምቕባልን ምምማይን ጀሚርካ ንሓፈሻዊ ምርጫ ንምትግባር እዩ። እዛ ኮሚሽን እዚኣ ብምድር 18 ኣባላት ክህልውዋ ከለዉ፡ ትሽዓተ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ትሽዓተ ድማ ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን ዝተወከሉ እዮም።
ንኽብሪ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳን ንሓፈሻዊ ምእመን ኦርቶዶክሳውያንን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅዱስ ሲኖዶስ እታ ኮሚሽን ምርጫ፡ ኣቡነ ሺኖዳ ካብ ዝዓረፉሉ ን 40 መዓልታት (ተዝካሮም ክሳዕ ዝሓልፍ) ዝርዝር ኣስማት ሕጹያት  ከይትቕበል ብምልኣት ብሓደ ድምጺ ኣቐዲሙ ወሰነ። እተን 40 ናይ ዝኽሪ መዓልታት ድማ ብ26 ሚያዝያ 2012 ኣብቅዓ። ስለዚ እምበኣር ድሕሪ እዚ ዕለት እዚ እያ እታ ኮሚሽን ምርጫ ኣስማት ሕጹያት ምቕባል ዝጀመረት።
ንፓትርያርክነት ሕጹያት ኮይኖም ዝቐርቡ ዕድሚኦም እንተወሓደ 40 ዓመት ዝመልኡን፥ ብውሑድ ድማ ን15 ዓመታት ኣብ ገዳም ዝተቐመጡ ክኾኑን ይግባእ ዝብል መምዘኒ ብቕዓት እዩ ኣብቲ መምርሒ ሰፊሩ ዘሎ። ሕጹይ ኮይኑ ንኽቐርብ ድማ ሓደ ሕጹይ እንተወሓደ ሽዱሽተ ካብ ኣባልት ሲኖዶስ፡ ወይ ድማ 12 ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምእመናን ምስ ዝውክልዎ ጥራይ ይኸውን። ብኸምዚ ምቕራብ ሕጹያት ድሕሪ እቲ 40 ናይ ዝኽሪ መዓልትታት ን20 መዓልቲ ክፉት ይኸውን፥ (ኣስተውዕል ካብ ዕለተ ዕረፍቲ ብጹዕ ወቅዱስ ምቕራብ ሕጹያት ዝዛዘመሉ ድሕሪ 60 መዓልቲ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ)።
ኮሚሽን ምርጫ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መምርሒ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ንኹሉ እቲ ዝቐረበ ኣስማት ሕጹያት ትርእዮን ትመምዮን። ብድሕሪ እዚ ኣስማት ሕጹያት ብወግዒ ተፍልጥ እሞ እቲ ዝርዝር ኣስማት ን15 መዓልትታት ንህዝቢ ክፉት ብዝኾነ ኣገባብ ይዝርጋሕ። ኣብዚ ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ እዚ፡ እቶም ንምምራጽ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ዝኾነ ቅሬታ እንተለዎም ክጠርዑን ኣቤቱታኦም ከቕርቡን ይፍቀደሎም። ነቲ ዘጋጥም ክሲ እተጻሪ ኮሚተ ድማ፡ ሰለስተ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ክልተ ኸኣ ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን ዝቖመት ሓንቲ ኮሚተ ትቐውም።
ድሕሪ’ዚ ነቲ ክቐርብ ዝኽእል ናይ ተቓውሞን ደገፍን ክርክር ንምጽራይ ናይ 30 መዓልታት ዕድል ይወሃብ። ብድሕሪ’ዚ ግን እቲ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ሕጹያት ይቐርብ ማለት እዩ። ሕጹያት ካብ ሓሙሽተ ዘይውሕዱ ካብ ሸውዓተ ድማ ዘይበዝሑ ኮይኖም ንምርጫ ይቐርቡ። እዚ ምስ ተገብረ ዕለተ ምርጫ ይውሰን፥ ካብ 30 መዓልቲ ኣብ ዘይበዝሕ ግዜ ድማ ምርጫ ከምዝካየድ ይግበር።
ውጽኢት ምርጫ ምስ ተነግረ ኣብ ዘላ ቀዳመይቲ ሰንበት፡ ኣስማት ናይቶም ኣብቲ ምርጫ ዝለዕለ ድምጺ ዝረኸቡ ሰለስተ ቀዳሞት ምሩጻት ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ይጥቕለል እሞ እቲ እግዚኣብሔር ዝሰመሮ ብዕጫ ምእንቲ ክፍለየሎም ድማ ኣብ ቤተክርስቲያን ብጸሎተ-ቅዳሴ፡ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣሻሓት ህዝብን ቤተክህነትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ናብ እግዚኣብሔር ብሓባር ጸሎት ይዓርግ። ድሕሪ ምዝዛም ቅዳሴ ኸኣ እቲ “ዕጫ ቤተመቕደስ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወሳኒ ዝኾነ ዕጫ ንምክያድ፡ ሓደ ህጻን ካብቲ ጉባኤ ይጽዋዕ እሞ፡ ሓንቲ ካብተን ጥቕሉላት ወረቓቕቲ ከምዘልዕል ይግበር። እታ ዝተመርጸት ወረቐት ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ተኸፊታ ህዝቢ ከምዝርእያ ትግበር፡ እቲ ስዒቡ ኣብ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ክቕመጥ ዘለዎ መበል 118 ፓትርያርክ ተፈሊጡ ማለት እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ፓትርያርክ ንምዃን ብወግዒ መንበር ይርከብ። እቲ መስርሕ ክዛዘም ስለዘለዎ ግን እተን ክልተ ካልኦት ወረቓቕቲ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይኽፈታ እሞ እቲ ኣስማት ድማ ንህዝቢ ብወግዒ ይንበብ፡ ብኸምዚ ድማ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ምጥርጣራትን ዘረባን መዕበሲ ይረክብ ማለት እዩ።
3. ብዛዕባ መረጽቲ           
እታ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስን ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናንን እትቐውም ኮሚሽን ምርጫ፡ ጐኒ ጐኒ እቲ ናይ ተመረጽቲ ምምጽርይን ምምማይን ናይ መረጽቲ እውን ተመሳሳሊ ምምማይን ምምጽራይን ትገብር እያ። ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት፡ 12 ካብ ምእመናንን በቶም ኣብ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘለው ቤተክህነትን ትውከል። ኣስማት ናይቶም ኣብ ምርጫ ዝሳተፉ ብወግዒ ናብታ ኮሚሽን ምርጫ ምስ ቀረበ፡ እታ ኮሚሽን ምርጫ ድማ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ንብቕዓት እቶም መረጽቲ ትመምን ተረጋግጽን። ኣስማት ናይ መረጽቲ ብወግዒ ምስ ተሓበረ፡ ዝኾነ ቅሬታ ዘለዎ ናብታ ጥርዓን እትመሚ ኮሚተ ጥርዓኑን ኣቤቱታኡን ብጽሑፍ ከቕርብ ናይ 15 ዕድል ኣለዎ። ክርሳዕ ዘይብሉ ግን ኣብዚ’ውን እቶም ንምምራጽ ብቕዓት ዘለዎም ጥራይ እዮም ጥርዓኖም ከቕርቡ ዝኽእሉ።
እቶም ንምምራጽ ብቕዓት ዘለዎም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥-
   v    ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ፡
  v   ኣባላት  ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን፡ ህልዋትን ነበራትን (ቅድሚ ሕጂ ኣባል ዝነበሩ)
  v       ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ዝርከቡ ኣብ ሓላፍነት ዝርከቡ ቤተ ክህነት፡
  ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ዝቐርቡ ዓዓሰርተ-ክልተ ወከልቲ ምእመናን፡
  v ሚኒስተራትን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን (ክርስቲያን ዝኾኑ ህልዋትን ነበርን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ) ፡
  v    ከምኡ’ዉን ኣብ መንግስቲ ኣብ ማሕበር ፕረስ ግብጺ ምዝጉባት ዝኾኑ ክርስቲያን ጋዜጠኛታት እዮም።
እቲ ሓፈሻዊ መስርሕ ምርጫ ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ እዩ ዝወስድ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም 2012 ኣቢሉ እዩ እቲ ምርጫ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ማለት እዩ። ኩለን ሃገረ ስበከታት ብሓደ መዓልቲ እየን ክመርጻ፡ ዕለተ ምርጫ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝውስኖ ብኣዋጅ ንኹለን ብወግዒ ኪንገረን እዩ።
ኣብ ኩሉ እዚ መስርሕ እዚ ካብ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝግበር ሓድሕዳዊ ምውካል ኣስማት ብቐረባ ናይ ዝፈልጥዎም ሊቃነ ጳጳሳት፡ ካብ ሓፈሻዊ ማሕበረ ምእመናን ዝግበር ምውካል ምእመናን ዝዓግቡሉ ምውካል መራሒ፡ ኮሚሽን ምርጫ ድማ ዘካይዶ ደቂቕ ናይ ምጽራይ መስርሕ፡ ወዘተ ዝህሉ ብድሆታትን ምሕጽንታታትን፡ ወካሊ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ምርጫ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን እቲ ብእግዚኣብሔር ክውሰን ዘለዎ ናይ ቤተመቕደስ ዕጫ፡ ዝያዳ መንፈሳውነትን ቅኑዕነትን ዘረጋግጽ መስርሕ ኢና ክንርኢ። እዚ ኣብ እግዚኣብሔር ብምውካል ዝግበር ናይ ቤተመቕደስ ዕጫ ድማ ብጸሎትን ብፍጹም ትሕትናን ዝግበር መስርሕ ስለዝኾነ ዘሐብን ፍጻመ እዩ።
4. ስእላዊ መግለጺ ዝርጋሐ-ግዜ ናይ መስርሕ ምርጫ
እቲ መስርዕ ናይ ትግባረ ቅደም-ተኸተል እኳ ዘይቅየር እንተኾነኮሚሽን ምርጫ ተወሳኺ ግዜ የድልየኒ እዩ እንተኢላ ግን ምናልባት ናይ ግዜ ምንዋሕ ከጋጥሞ ዝኽእል ሓፈሻዊ ሰሌዳ ከምዚ ቀጺሉ ቀሪቡ ዘሎ እዩ።
v    ቀዳማይ መዓልቲ፥- ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ ዝዓፉላ ዕለት፡ 17 መጋቢት 2012
v    ሻብዓይ መዓልቲ፥- ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ኣባላት ሓፈሻዊ ማሕበረ ምእመናን ግዚያዊ ፓትርያርክ ይመርጹ
v    መበል 40 መዓልቲ፥- ዝኽሪ (ተዝካር) ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ
v    መበል 60 መዓልቲ፥- ናይ ተመረጽትን መረጽትን ዝርዝር ይሕበር፡ ተቓውሞን ኣቤቱታን ንምቕራብ ክፉት ይኸውን
v    መበል 75 መዓልቲ፥- ናይ ተመረጽትን መረጽትን ናይ መወዳእታ ዝርዝር ይሕበር፡ ኣቤቱታን ጥርዓንን ይስማዕ
v  መበል 90 መዓልቲ፥- ኣጻራይት ኮሚተ ንጥርዓንን ኣቤቱታን ናይ መወዳእታ መልሲ ትህብ፡
v    መበል 120 መዓልቲ፥- ናይ ተመረጽቲ ዝርዝር ኣስማት ናይ መወዳእታ መልክዑ ሒዙ ይሕበር
v    መበል 150 መዓልቲ፥- ምርጫ ይካየድ
v    መበል 151 መዓልቲ፥- ውጽኢት ምርጫ ይንገር፡ እታ መዓልቲ ናይ ቤተመቕደስ ዕጫ መዓስ ምዃና ብወግዒ ይሕበር
v    ድሕሪ እዚ ኣብ ዘላ ሰንበት፥- ድሕሪ ቅዳሴ ዝፍጸም ናይ ቤተመቕደስ ዕጫ ተባሂሉ ዝጥቀስ ዕጫ ይካየድ። በዚ ድማ እቲ ኣብ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ መበል 118 ፓትርያርክ ዝኸውን መንበረ ሥልጣን ይርከብ።
                                              ስብሐት ለእግዚኣብሔር
                         haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment