1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 6 June 2012

ምልክታ ንኹሉም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝተፈተኹምን ዝተፈተኽን ተኻታተልትና፡

ምልክታ ንኹሉም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝተፈተኹምን ዝተፈተኽን  ተኻታተልትና፡
 ሃይማኖተ ኣበው ዝነበረት ጸገማት ኣልያ ብዳግማይ ውደባ፡ ከተሕጉሰኩም ብ ዓቢኡ ድማ  ን ኣምላኽ ከተገልግል ወሲና ኣላ።ብፍላይ ድማ ነቶም ቅድሚ ህጂ  ዝወጹ እሞ መአረምታኹም ምስ በጽሓና ዝደምሰስናዮም ስምዒታውያን ዝኾነ ጽሑፋት ከም ዝኣለናዮም  ተዓዚብኩም ትኾኑ ከምኡ እውን ስምዒታውያን ዝኾኑ ጽሑፋት ብዙሕ ነቀፈታን መዐንቀፍን ይስኸውን ስለ ዘሎ እትሰዱዎም ጽሑፋት ስምዒታውያን ተዘይ ኮኑ ይምረጽ፡ደሓር ስለምንታይ ይቃልሑ ብምባል ምሳና ካብ ትበኣሱ ጽሑፋትኩም ምዘኑዎም።ና ቅድሚ ህጂ ብፍላይ ድማ እዚ ብሎግ እዚ ብዙሓት ሰባት ዘማሓድሩዎ ብምንባሩ ብዙሕ ጸገም ነይሩና እዩ።ህጂ ግን ሓላፍነታውን ተሓታትነት ብዘለዎን ኣገባብ መደባታ ብምስራዕ ከተሕጉሰኩም ድልውቲ ከም ዘላ ነበስረኩም።
ህጂ እውን ዘልፍን ጸርፍን ዘይኮነስ ጽፉፍ ምክርኹም ን ረብሓ ኣምላኽን ቤተ ክርስትያንን ዝኾነ ሓሳባት ካባኹም ትጽበ። ስምዒታውያንን ኣብ ውልቀ ሰባትን ዘተኾሩ ከም ናይ ቅድሚ ህጂ  መጥቃዕትታት ግን ደው ከም ዘበልናዮም ከም ዘይንገብሮን ነፍልጥ።
 ብፍላይ ድማ ከምታ ማርያም ሚላኖ ኣብ ቦተኣላ እትብል ብፖሎቲከናት ን ረብሓ ዉሑዳት ዝተጻሕፈት፡ ዘይቅንዕቲ ጽሕፍትን ካልእ ተመሳሳሊ ና ገለ ኣብ ኣውረጳ ዝርከቡ ካህናትን ዝተባህለ ዳግማይ ይቅረታ ንሓትት። ኣቦው ዝደልዩዎ ሓበረታ ጽፉፍን ብ ናጻ ኣካል ዝተጻረየን ይደሊ። ስለዚ ጽባሕ ብሓባር ምስራሕናን ኣሕዋት ምዃናን ዘይተርፍ ኣብ ልቢ ሰብ ዝነብር ስንብራት  ምስራሕ ሰናይ ከምዘይኮነ ተረዲእና ኣለና።
ክትሰዱልና እትደልዩ ደብዳበ     haymanoteabewo@gmail.com ኢልኩም ትሰዱልና።          
                 ኣምላኽና እግዚኣብሔር ሃይማኖትና ይባርኽ
                  ስብሐት ለእግዚኣብሔር

No comments:

Post a Comment