1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 6 June 2012

ጊደፍ ተዳነ ብሓውና ዲያቆን በረኸት ዓቢ መልእኽቲ ዘለዋ መንፈሳዊት ግጥሚ ክትሰምዕዋ ንምህጸን።።

ሓውና ድያቆን በረኸት ነቶም መስቀል ሒዞም ሰብ ዘጣቁሱ፡ብሻራ ሃይማኖት ዘፍርሱ፡ ዓገብ ንዝበለ ኸኣ ጸለመ ዘቅሩሱ ፡ኣቦኦም ሰቂሎም ንጹሓት ኢና ኢሎም ዝቅድሱ ፡ብግዝያዊ ረብሓ ሃይማኖት ምስ ፖሎቲከኛታት ኮይኖም ዘፍርሱ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖታትን ኣቦኦምን  ዝምዕድ  ግጥሚ ሰዲዱልና ብ ሓቂ ባህ ተብል ጽሕፍቲዲያቆን ሓውና ። ተዋህዶ ወሊዳ እያ  ከም ኣርዮስ  ዝበሉ ከሓድቲ  ብሓይሊ ስምዑና ዝብሉ እኳ ተመጹ  ስደት ተላዓሉ፡  ከም ቅዱስ ኣትናቲዎስ ዝበሉ ተበዓትን ዲያቆናት  ከኣ ሂቡና ኣሎ ።ብልቢ ኢና ነመስግነካ ዲያቆን በረኸት ሓውና ።ኣብ ቀጻሊ ንትሰዶም ጽሑፋት ከነቃልሖም ድሉዋት ምዃና ንገልጸልካ
                                                                ስብሐት ለእግዚኣብሔር
       haymanoteabewo@gmail.com

1 comment: