1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 17 June 2012

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ሎንደን ሓዳሽ ቤተ ክርስትያን ተኸፊታ::


ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ሎንደን ሓዳሽ ቤተ ክርስትያን ተኸፊታ::
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከተማ ሎንደን ሓዳሽ ቤተ ክርስትያን ብስም ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ከም ተኸፍተት ተፈሊጡ ኣሎ።እዛ ብ ጠለብ ምእመናን ካህናትን ዲያቆናትን ብ ባርኾት ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ከም ዝተኸፍተት ዝተረኽበ ዜና ይሕብር።
ልቢ ኣምላኽ ዘማራይ ዳዊት ከም ዝበሎምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፣ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹንመዝ 38 ትማሊ 16/06/2012 ኣብ ከተማ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሓዱሽ ቤተክርስቲያን ( ቅድስት ድንግል ማርያም ) ከፊቶም። በዚ ኣጋጣሚ ካብተን ኣብ ከተማ ሎንደን ዝርከባ ናይ ኤርትራ ኣብያተ ቤተ-ክርስትያን እታ ሓንቲ ብፓትሪያርክ እንጦንዮስ እትማሓደር ቤተ-ክርስትያን ኮይና ኣላ።
 ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ዝመጻ ማሕበራትን ቤተ-ክርስትያናትን ተሳቲፈን ዊዒለን፡ ብፁዕ ኣቦና ኣብ ዕለት ውን ንሓደ ንፍቀ-ዲያቆን ቀቢኦም እዮም።ብምቕጻል ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ምእነቲ እቶም ክብርቲ ሂወቶም ስለ ዝፈትውዋ ሃገሮም ሂወቶም ዝኸፈሉ ስዉኣትና ድማ ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ንስድራ ቤት ስውኣት ብዘለና ዓቑሚ ክንሕግዞምን ክንድግፎምን ድሕሪ ምትብባዕ፡ ኩሉ ሰብ መንገዱ ናብ እግዚኣብሄር ከቕንዕን ዘለዎ ሽግር ድማ ንእግዚኣብሔር ክሓትትን ለበዋኦም ኣማሓላሊፎም።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ነዚ ሕጂ ተከፊቱ ዘሎ ሓዱሽ ቤተክርስቲያን ዘገልግሎ ካህንውን ሎሚ ሰንበት ዕለት17/06/2012 ሰንበት ኣብ ሸፊልድ አብ ዝካየድ ጉባኤ ካህን ክቐብኡ ምኻኖም ሓቢሮም። ንምእመናን ድማ ምስ ካህኖም ሓቢሮምን ሰሚሮምን ንኣምላኽ ባህ ዘብል መንፈሳዊ ጉዕዞ ክጓዓዙ መንፈሳዊ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። ኣቦና ብናይ ሕቶን መልስን እዮም መደቦም ዛዚሞም፡ ካብ ምእመናን ዝመጾም ሕቶታት ናይ ህሉው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያናውን ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።
ቤተ-ክርስትያን ቅድስተ ድንግል ማርያምምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፣ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹንመዝ 38 ብምባል ኩሉ ክድሕን ዝደሊ መርሓባ ኢላ ትቕበል። ንእግዚኣብሔር ድማ በረኸትካ ካብ ህዝብኻ ኣይፈለ እንዳበለት ዕለታዊ ጸሎታ ተብጽሕ።
እንተኾነ እቶም ኩሉ ግዜ ፖሎቲካ ሰትዮም ጸለመን፡ ጸርፍን ዝጉስዑ ታሪኽን እምነትን ቤተ ክርስትያን ዘይፈልጡ ብ 03 ዝፍለጡ ፖሎቲካዊት ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ሃይማኖቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ዉሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ፈስ ቡክ ሽሞም ሓቢኦም ንህዝቢ ንምግጋይ ተሃዲሶ መናፍቃን እንዳ በሉ ህዝቢ ንምድንጋር ተዋፊሮም ከም ዘለዉን ዓይኒና ዝርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ሃይማኖተ ኣበው ቅድመ ህጂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣምባሳድር ዓዲ እንግሊዝ  ን ገለ ካህናትን ዲያቆናት ብ ፓውንድ መሳርሒ ዝኾኑዎ ገዚኡ ኣብ ጸለመ ከዋፍሮም መዲቡ ከም ዘሎ ሓቢርና ነርና ኢና።ህጂ እውን ህዝቢ ክነቅሕን ነዛ ን ተዋህዶ ንምፍራስን ምዕናውን ብ ፖሎቲከኛታት ተላኢኻ ዘላ ጉጅለ ክነቅሓላ ኣለዎ። 
ብዛዕባ እዝን ሽጣራታቶምን ኣብ ዝመጽእ ከነቃልዖም ምኻና  ብትሕትና እንዳ ሓበርና ብትዕግስቲ ክትካታተሉ ንጽወዓኩምል።
               ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣጽኒዑ ነቶም ንምርባሽን ንምንዋጽን ተበጊሶም ዘለዉ ኸኣ ኣምላኽ ናብ ልቦም ይምለሶም።
                  ሃይማኖተ ኣበው !
          haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment