1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 22 June 2012

ጳጳስ ዲበ ኩሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ሓደ ካህን 13 ዲያቆናት ቀቢኦም::


 ጳጳስ ዲበ ኩሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ሓደ 

ካህን 13 ዲያቆናት ቀቢኦም::

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝገበርዎ መንፈሳዊ ዑደት ኣዝዩ ዕውት ከምዝነበረ፣ ብረዲኤት አምላኽ ብዙሓት ኣገልገልቲ ባሪኾም ንምእመናን ድማ መንፈሳዊ ማዕዳን ምጽንናዕን


 ሂቦም። አብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት (ሰነ 16-17፣ 2012) ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፣  ንዲያቆን ተኽሊት ካህን ሽኖዳ ብዝብል መዓርግ ክህነት ቀቢኦሞ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ 13 ሰባት ብመንፈሳዊ መዓርግ  ዲቁና (ካብ መዓርግ ዘማሪ ክሳብ ዲቁና) ክቅብኡ ኮለዉ፡ ኣርባዕተ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ባሪኾም።
በዚ መሠረት ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝርከባ አብያተ ክርስቲያን
  • ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ማንቸስተር ሽዱሽተ ኣገልገልቲ ዲያቆናት፣
  • ኣብ ቅድስት ማርያም ሎንዶን: ሓደ ካህን (ቀሺ ሺኖዳሓደ ድማ ዲያቆን:
  • ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ በርሚንግሃም ሽዱሽተ ዲያቆናት ቀቢኦሞ፣ ኣብ ቅድስት ማርያም ሽፊልድ ድማ ምእንቲ ሰማዕታት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ምስ አካየዱ፡ ንምእመናን መጸናንዒ ዝኸውን መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣቕሪቦም።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምስ ናይ እንግሊዝ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሰራፊም ተራኺቦም፣ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ'ውን ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብናይ ኤውሮጳ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ተኽለማርያም ምርካጽዮን ተሰንዮም፣ ኣብ ምሉእ ሃገር እንግሊዝ ዝገብርዎ ዑደት፣ ምስ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት መራሕቲ ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘትዮም። ወሪድዋ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕን ግፍዕን አዘኻኺሮም፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ወሪዱ ዘሎ መዘና ኣልቦ ግፍዒ ድማ ኩሎም ብጸሎትን ምህልላን ክዝክርዎም ተላብዮም።
ረዲኤት አምላኽ ኣባና ይብዛሕ
ጸሎትን ቡራኬን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስንን ኣቡነ መቃርዮስን ምስ ኩልና ይኹን።
 ምንጭ tewahdo.orghttp://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=1131:-13-&catid=60:2008-08-24-02-52-15&Itemid=78
                     haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment