1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 11 September 2011

ሓደሽቲ ዘበን ኣምጸኦም መማህራን ናበይ ገጾም?፡ እናደናገርካ ካሊእ ምትእቲታው።





ሓደሽቲ ዘበን ኣምጸኦም መማህራን  ናበይ ገጾም?፡
    እናደናገርካ ካሊእ ምትእቲታው።
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ጹሑፍና ንጅምር።
ኣብ ኤረትራ ሃገርና ኮነ ኣብታ ማእከል ሃይማኖት ተባሂላ እትፍለጥ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ግን ብዙሕ ምቅዪያራት  እዩ።ካብቲ ዘገርም ግን እቶም ሓድሽ ቅድን ሓድሽ ስነ ሓሳብን ሒዞም ዝመጹ ዘለዉ መንእሰያት ንነፍሶም ጻድቃን ዝገብሩ ፡ነቲ ናይ ቀደም ዘባላሺዉ፡ነቲ ጥንታዊ ካብ ስሩ ሓግሒጎም እናደርበዩዎስ ምልስ ኢሎም ከኣ ጥንታውያን ክመስሉ ዝፍትኑ፡ኣየ ንስኻ ክትብሎም ጥራሕ ዝደልዩ እዮም መጺኦምና ዘለዉ።
ጉድዩ ተረኺቡ ዘሎ።ገለ ሓቂ ተተዛሪብካ ቀልጢፎም እዮም ዘይሽምካ ከጠምቁካ ዝጋየዩ ህዉኻት እዮም።እዞም ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብሎም ክንሶም ግንከ ኣፍልጦ ዘለዎም ኮይኖም ክቀርቡ ዝደልዩ ጸያቅቶ፡ እንበኣር ሕጊ ዘይገበሩን ዘይክተሉን ክንሶምሲ ግን ከ መማህራን ሕጊ ኮይኖም ክቀርቡ ምፍታኖም እዩ ዘገርመካ።እዞም ናቶም ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ሒዞም ዝመጹ ኣካላት ሓደሽቲ መንእሰያት ጸረ ሊቃውንቶምን መማህራኖምን ካብ ዝዕጠቁ ዳርጋ 10 ዓመት ገሮም ኣለዉ ።እስከ ነስተብህል ።
ናይ ኤረትራ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ከም ኩለን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ብጥንታውነት ትፍለጥ ብኡኡ ከኣ ክትከይድ ይግባእ።ኣብ ትምህርቲ መለኮት ጥምህርቲ መለኮት ብዛዕባቲ እቲ ስሙ ብሩኽ ዝኾነ ኣምላኽ ዝነግር ትምህርቲ እዩ።እቲ ንኣምልላኽ ዘይፈልጦን ብዛዕባ ኣምላኽ እውን ብውሑዱ እውን ን ኣምላኽ ብዝፈልጡ ዘይተማህረ ሰብ  ብዛዕባ ኣምላኽ ክዛረብ ኣይግባእን።ትምህርቲ መለኮት ዝተራቀቀን ናይ ምግላጽ ክእለት ፡ዘድልዮን እዩ። ዝተራቐቐ ምትርጋምን ከምኡ”ውን ኣብቲ ንሱ ዝውከሶ መሰረታዊ ፍልጠትን ኩሉ ብቅኑዑነቱ ዝኣምነሉን ዝዓግበሉን ክኸውን ኣለዎ።
ንሕና ኦርተደክሳውያን ተዋህዶ ከም ብ ውርሻ ኣበው  ተዋራሲት ቤተ/ክርስትያን (traditional) መጠን ከም ዓቃቢት ቤተ/ክርስትያን ( conservative) መጠን ፡ነቲ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ብ ሓዋርያት ዝተዋህበና እምነት ዓቂብና ኢና ክንሕዞ ዘለና።ይሁ3፡ ኣብ ሃይማኖትና ሓድሽ ነገር እንምህዞ ነገር ክህሉ ኣይግባእን፡ ከምኡ እውን እቲ ኣቦታትና ዘቆምዎ ናይ ቀደም ደረት  ከነዝብሎ ኣይግባእን።ምሳሌ 22፡28።
 እስከ ዘበን ኣምጸኦም መማህራን ገሮሞ ዘለዉ፡
ኣብ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ምምህራን ምስትምሃርን ናይ መን ሓላፍነት እዩ?፡
ናይ ኤረትራ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ሕግን ስርዓትን ኣለዋ።ኣብ  ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ከምዚ እዞም ንሪኦም ዘለና ኣብ ዝሸኑዎ ዝፋጽዩ ምስጢር ኣርቂቆም ዘይተማህሩ ብዕድመ ዘይበሰሉ ኣነንቲነታውያን ዘበን ዘምጽኦም ዝግበሩዎ ዘለዉ ኣይኮነን ፊን ከምዘበለካ ምስትምሃርን ምጉዓዝን።እንታይ ደኣ ኣብ ተዋህዶ ከይተላእከ ናብ ስብከተ ወንገል ዝወፍር ውጉዝ እዩ።ኣብ ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ እስከ ንርአ ፡ዓንቀጽ 25  ሰ,ዒስራን ሓሙሽተን ምዝርጋሕ ስብከተ ወንገል ኣብ ዝብል  ዓንቀጽ 25 ሠ.ትምህርቲ ሃይማኖት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ/ክርስትያን ይወሃብ።ትምህርቲ ስብከተ ወንጌል ክእለት ብዘለዎምን ቤተ.ክርስትያን ብዝኣመነትሎምን ሰባኽያን ጥራይ ይወሃብ።ከይተማህሩ ተማሂርና ከይተላኣኹ ድማ ተላኢኽና ኢሎም።ቤተ/ክርስትያን ከየፍቀደትሎም ዝሰብኩ ክልኩላት እዮም ይብል።እወ ከምዚ እዩ ዝብል እቲ ሕጊ ቤተ/ክርስቲያና እሞኸ ዞም ኩሎም ዲያቆናት ኢና ዝብሉ ድዩ ዲያቆን ከይኮኑ ነጸላ ተኸዲኖም ኣብ ምጽራፍ ሊቃውንቲ ዝውዕሉ ዘለዉ፡ደኣ መን ኣፍቀደሎም ክምህሩ ነዚ ሕግን ቅዋምን ቤተ/ክርስትያን ሲዒርካ ምግልጋል ከ ካበይ ወጸ መን በሎም እዝስ ናይ ፕሮቲስታንት ቅዳሕዶ ኣይኮነን።
ቤተ/ክርስትያን ካብቲ መጀመርታ ክፍለ ዘበን ካብ ጊዜ ሓዋርያት ኣትሒዛ ፡ ብ ቅኑዕ ኣስተምህሮ፡ነቲ ጥዑይ እምነታ ዓቂባ ንኽትርከብ ኣዝያ ጥንቅቅቲ እያ ዝነበረት።ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ን ተመሃራዩ ቅዱስ ቲቶስ ናይ ቅሬስጥስ  ኤጲስቆጶስ ከምዚ ዝስዕብ ይብሎ።ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ከም ዝግባእ ጌርካ ንገር( ቲቶ 2፡1) ።እዚ ጥዑይ ኣስተምህሮ እዚ ቀዳሞት ኣቦታት ኤጲስቅቆጶሳት ፡ምእንቲ ንዝመጽእ ወለዶ ብኣስተምህሮ እሙናት ዝኾኑ ክረኽቡ፡ብቀጠታ ካብ ሃወርያት ኢዮም ዝረኽቡዎ ዝነበሩ።በዚ ከምዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይሳጋገር። ኣብዚ ነጥቢ ኸኣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ን ተመሃራዩ  ኤጲስቆጵዕስ ጢሞቴዎስ ከምዚ ዝስዕብ ይብሎ።እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ነገር ንኻልኦት ክምህሩ ንዝከኣሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሃቦም።2ይጢሞ2፡2።
 ሓላፍነትን ኣስተምህሮን እንበኣር ከምዞም በዓል ብጽሓዮ ብጽሓዮ ዝገብርዎ ዘለዉ ዘይኮነስ ሓላፍነት ቤተ/ክህነት እዩ።
ኣስተምህሮ ሓላፍነት ኣስተምህሮ ሓዋርያት እዩ ዝነበረ፡ካብኡ ኸኣ ን ተማህሮኦም ኣቦታትና  ኤጲስቆጶሳትን ካህናትን ኮነ።ናይ ዲያቆናት ስራሕ ግን ሰርቪስ ምኻን ጥራሕ ደኣ እዩ።ባዕሉ እውን ፡ኣብሪህዎ ኣሎ  ኣብ ግብረ ሓዋርያት6፡2-4።እንተሪኢና እቶም ሃወርያት ኣብ ስከተ ወንጌል መታን ከድህቡ ኣብ ካሊእ ነገር ስራሕ ናይታ ቤተ/ክርስትያን ከይትሓዙ  ካብኣቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብጽቡቅ ምግባር ዝተመስከረሎም ክሓርዩ ከለዉ ንዕዘብ። ከምዚ እንታይ ደኣ እዩ፡እዚ ኣብ ቤተ/ክርስቲያና ሎሚ ንሪኦም ዘለና።እዚ ሓድሽ ምትእቲታው ዶ ኣይኮነን።ምስጢር ቤተ/ክርስቲያን መጻወቲ ኾይኑ ቀልቀሎም ዘየንቀጹ ቆልዑ ብዛዕባ ምስጢር  ክንምህር ኢሎም ክዛረቡን ን ቤተ/ክርስትያን ክፈላሉዩን ንዕዘብ።ህዝቢና እንበኣር መን ይምህሮ ኣሎ ከስተውዕል ይግበኦ እዞም ሰብ መን እዮም ናበይ ከ ኣንፈቶም ክርደኣና ኣይከኣለን ዘሎ።ከምኡ ስለ ዝኾነ ዲማ እዮም ን መጋበ ምስጢር መብራሕቱ መባእ ኣብ እንዳ ማርያም ርእሰ ኣድባራት መናፍቅ ብዛዕባ ኣደና ማርያም ሰቢኹ ዘይፈልጥ ኢሎም ክጸርፉ ዝሰማዕናዮም።
ጋና  እዞም ቆልዑ ዝኸዱዎ ዘለዉ መንገዲ ሰብ ተዓዚቡ ህዝቢ ሓሕ እንተዘይ ኢልዎም ሓደገኝነቱ ኣብ ሃይማኖት ከቢድ ኪኸውን እዩ።እስከ ኣብ መዝሙር ንተዓዘብ
 ናይ ሎሚ ዘበን ኣምጸኦም ኣብ ቤተ/ክርስቲያና ኣተኣታቲዮሞ ዘለዉ።
ኣብ ቤተ/ክርስትያን ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ቅድሚ 60 ዓመት ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስተ ማርያም ቤተ/ክርስትያን ኣብ ፍኖተ ብርሃን ከም ተጀመረ ታሪኽ ይነግር።እስከ  በልባስ ንጀምር። ቅድሚ ህጂ ዝነበራ ቤት/ትምህርቲ ሰንበታት ተሪኢናየን ክሳዕ ህጂ ዘለዋ ከም ትምህርቲ ሰንበት ዓዲ ቀይሕ ዝጥቀማሉ ዝነበራ ልብሲታት ፍጹም እዩ ሎሚ ተቀይሩ።እዚ ሎሚ ንሪኦ ዘለና ናይ ሰብ ቆሎ ዝመስል እድያት ዘለዎ ን ዕዳጋ ክጥዕሞም ዘስፈዩዎ ።ነቲ ናይ ቀደም ሓደ ዓይነት ልብሲ ብድሕሪኡን ብቅድመኡን መስቀል ዘለዎ ሕብራዊ ኣልባስ ናይ ህጂ ብ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ዝመጸ ከም ዝተከኦ ንዕዘብ ።ኣብ ኢትዮጵያ እውን ማሕበረ ቅዱሳን ቅድመ ምምጸኦም ዝነበረ ናይ መዘምራን ልብሲ ናይ ትምህርቲ ሰንበት እዚ ንሪኦ ዘለና ኣይኮነን።ፍጹም እዚ ህጂ ንሪኦ ዘለና ግን ሓድሽ  ቅደ ኣልባሰ ሃይማኖት ደኣ እዩ።ናይ ሃገርና ንግበር ይጽናሕ ናይ ኢትዮጵያ።ኣብ ሃገርና  እዚ ሎሚ ኣብ ኣስመራ መዘምራን ቆልዑና ተኸዲኖሞ ዘለዉ ኣልባስ  ፍጹም ሓድሽ እዩ።ከምዚ ሪኢና ኣይንፈልጥን።ኣዘማምራ  እውን ወዲ ትኹል ስለ ዘይወልዑ እንበር ናብ ዳንሲ ዘማሳስል ደኣ እዩ።
ንሶም እዞም ነዚ መልክዕ ኣምጺኦም ዘለዉ፡ነቶም ቅድመ ህጂ ዝነበሩ ትምህርቲ ሰንበታት ኪቃወሙዎም ከለዉ ክኸስዎም ከለዉ ።ዘቅረብዎ መዛሙሮም ያረዳዊ ኣይኮነን እዩ ዝብል ነሩ። ቢ ኦርጋን ገርካ ምዝማር ድማ ይቃወሙ ጽቡቅ ዘረባ እዩ።ሕራይ ህጂኸ ደኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ያረዳዊ። ይቅጽል,,,,,,,,.ናብ 2ይ ክፋል

No comments:

Post a Comment