1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 12 September 2011

ታሪኽ ቅዱስ ዮሓንስ


ታሪኽ ቅዱስ ዮሓንስ ቅዱስ ዝብል ቃል ትርጉሙ ፍሉይ ምሩጽ ክቡር ማለት እዩ። ሰብ ወይ’ውን ዝኾነ ነገር ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ክፍለ እንከሎ ቅዱስ ይበሃል። ዘሌ 19፣2 1ጴጥ1፣15 በዚ መሰረት መንገዲ እግዚአብሔር ንኸቕንዕ ትንቢት እተነግረሉ። ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ብስራት እተወልደ ንሕዝቢ እስራኤል ንእግዚአብሔር ዘዳለወ ልኡኽ፣ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኣብ ሻድሻይ ወርሑ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ጸጋ ንመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ናይ ኣምልኾ ስግደት ዝሰገደ ናዝራዊ ኮይኑ ኣብ በረኻ ዝዓበየ ጥምቀት ንስሓ ንስርየት ሓጢኣት ዘጥመቐ ኩሉ ሳዕ ርእሱ ዘትሕት ሰባት ሓጢኣት ምስ ፈጸሙ ከይሓፈረን ከይፈርሐን ዝግስጾም ዝወቕሶምን ትንቢት ንኽፍጽም ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ባሕሪ ዮርዳኖስ ዘጥመቐ። ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ኢሉ ብዛዕባ ኣምላኽነት ክርስቶስ ሓቀኛ ዝዀነ ምስክር ዝሃበ ምዃኑ ቤተክርስቲያን ቅድስናኡ ትምስክረሉ። ንሱ ድማ መጥምቀ መለኰት ካህን ሓዋርያ ሰማዕት ዝኾነ ቅዱስ ዮሐንስ እዩ። ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ካብ ኣንስቲ ካብ እተወልዱ ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዝዓብይ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን፣” ማቴ11፣11 ብምባል ጸዋማይ ተሓራሚይ ባሕታዊ ድንግልን ንጹሕን ንዝኾነ ንቅዱስ ዮሓንስ መስኪርሉ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ካብ ቅዱሳት ወለዲ ዝተረኸበ ናይ እግዚአብሔር ሰብ እዩ፣ ኣብኡ ካህን ዘካርያስ ኣዲኡ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ይበሃሉ። ሉቃ1፣5-23። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ምድረበዳ እዩ ዓብዩ። “ጐደና እግዚአብሔር ጸረጉ መንገዱ ውን ኣቕንዑ” እንዳበለ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምጺ ዝተባህለሉ ንሱ እዩ። “ክዳን ዮሐንስ ኣብ ጸጉሪ ገመል ነበረ ዕጣቕ ሕቑኡ ድማ ፈልቍ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓርን ስንካልን ነበረ።” ምድረ በዳ እተባህለ ልቡና ኣይሁድ እዩ። ኣብ ምድረ በዳ እኽሊ ኾነ ተኽሊ ከምዘይርከብ ኣብልቦና ኣይሁድ ምግባረ ሃይማኖት ኣይርከብን ማለት እዩ፣ መንገዲ እግዚአብሔር ኣዳልው እንዳብለ ዝእውጅ ክብል ከሎ ነዚ የረድእ። ንጉስ ክመጽእ ከሎ ጐቦን ኩርባን ፈሪሱ ጉድጓድ ዘበለ መሊኡ እሾኽ ተመንቁሱ ኣእማን ተፈንቂሉ ንፈረስን ንሰረገላ ከምዝጥዕም ኰይኑ ክጸንሕ ንጉስ ሰማይ ወምድር ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጽእ እዩ እሞ መሕደሪ እግዚአብሔር ዝኾነ ሰብነትኩም ካብ ሓጢኣት ካብ ጣኦት ፍሉይዎ። መሕደሪ ሓጢኣት ንጣኦትን ዝኾነ ልቦናኹም መሕደሪ እግዚአብሔር ግበርዎ እንዳበለ ይምህር ኔሩ። ካብ ወገን ሰዱቃውያን ዝዀኑ ሰባት ሓጥኣን ክንሶም ጻድቃን ኩፉኣት ገበርቲ ጽቡቕ መሲሎም ክዳውንቶም ቀይሮም ነቲ ካልእ ሕዝቢ መሲሎም ናይ ኦሪት ምሕላፍ ናይ ወንጌል ድማ ምትካእ ክንርኢ ብምባል ናብ ጉባኤ ክመጹ ከለው ቅዱስ ዮውሓንስ ምስ ረኣዮም ኣንቱም ውሉድ ኣትማን ካብቲ ዝመጽእ ቁጥዓ ከም እትመልቁ’ከ መን ሓበረኩም። ማቴ፣3-7 እዚ ማለቱ ድማ ኣብ ዘመን ጥጦስ፣ ካብ ሓሳዊ መሲሕ፣ ኣብ ዕለተ ምጽኣት ካብ ዝመጽእ መከራ ከም እትድሕኑ መን ነገረኩም ምባሉ እዩ። ካብ ሕጂ ንንየው ንምእማን ዘብቅዕ ግብሪ ግበሩ። <<…. ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። እብለኩም ኣለኹ ካብዞም ኣእማን ንኣብርሃም ውሉድ ከተንስኣሉ ይከኣሎ እዩ።>> ማቴ3፣9 ነቶም ዕንጸይቲ ጸሪቦም እምኒ ኣወቂቦም ጣኦት ዘምልኹ ኣሕዛብ ደቂ ኣብርሃም ከምዝዀኑ ብምግላጽ ንኣይሁድ ገሲጽዎም’ዩ። ኣብርሃም ዝኣክል ኣቦ ከለና ውሉዳት ኣትማን ይብለና ከምዝብሉ ፈሊጡ ነዚ ተዛረበ። ደቂ ኣብርሃም እንተኰይንኩም ግብሪ ኣብርሃም ግበሩ ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣቦና ኣብርሃም ካብቶም ጣኦት ዘምልከ ወገናትካ ተፈሊኻ ውጻእ ምስ በሎ ሕራይ ኢሉ ተኣዘዘ። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩ ብምባል ቅዱስ ዮውሓንስ ገሰጾም። ካብ ሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጉንዲኦም ተነቢሩ ኣሎ ። ስለ’ዚ ነቲ ጉንዲ ካብ ጨንፈር ነቲ ጨንፈር ድማ ካብቲ ጉንዲ ንኽፈሊ ናባኹም ተዘርጊሑ’ሎ። ጽቡቕ ስራሕ ስርሑ።ነዚ ማለቱ ናይ ኣብርሃም ኣቦነት ካብ’ቲ ናትኹም ውሉድነት ናትኩም ውሉዱነት ድማ ካብ ናይ ኣብርሃም ኣቦነት ንኽፈሊ ሥልጣነ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌኹም ተዘርጊሑ’ሎ። እዚ ድማ ወንጌል፣ ሕጊ ሕዝብን ኣሕዛብን ስለዝዀነት። ጥዑምን ጽቡቕን ፍረ ዘየፍሪ ኦም ኩሉ ቆሪጾም ኣብ ሓዊ የቃጽልዎ ማለት ኣሚኖም ተጠሚቖም ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ተባሂሎም ክነሶም ናይ ክርስቲያናት ስራሕ ንዘይሰርሑ ፈራዲ ሓቂ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንነፍሶም ካብ ስጐኦም ፈልዩ ኣብ ገሃነም እሳት የቃጽሎም፣ በዚ ምክንያት እመኑ ተጠሙቑ ጽቡቕ ግብሪ ግብሩ እቲ ናይ ቀደም ግብርኹም ገደፉ በሎም፣ “ኣነስ ንንስሓ ብማይ የጥምቐኩም ኣሎኹ እቲ ብድሕረይ ዝመጽእ ግን ካባይ ይሕይል እዩ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን፣ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ፣”( ማቴ 3፦11) ብምባል ኩሉ ናይ ምግባር ስልጣን ናይ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባሕሪኡ ገንዘቡ ምዃኑ መስኪሩ፣ ንሱ ግን ርእሱ ትሕት ብምባል ግብሪ ትሕትና ምሂሩ፣ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይማዓቶም ንትሑታት ግን ጸጋ ይህቦም እዩ’ሞ። ኩላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትግዝኡ ትሕትና ተዓጠቁ ” (1ይ ጴጥ. 5፦5)፣ መጥመቀ መለኰት ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ነቢያት መወዳእታ ናይ ሓዋርያት ድማ መጀመርያ እዩ፣ ብናይ ቤተክርስቲያን ትምህርቲ ቅዱስ ዮሓንስ ነብይ። ሓዋርያን ሰማዕትን እዩ፣ ነቢይ እተባህለሉ፣ 1. መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ ኣሞ ተነስሑ (ማቴ.3፦1) 2. እቲ ብድሕረይ ዝመጽእ ግና ካባይ ይኅይል ኢዩ ኣነስ ኣስእኑ ክጸውር እኳ ኣይበቅዕን ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቀኩም እዩ፣…( ማቴ.3፦11-12) ኢሉ ስለ ዝተነበየ ሓዋርያ እተባህለሉ ምክንያት ድማ።- 1. ኣብ ግዜ ብሉይ ኪዳን ሓደ ሰብ ሓው እንተመይቱ ሰበይት ናይ’ቲ ሓው ሰበይቱ ክወርስ ከም ሕጊ ተሰሪዑ ኔሩ፣ ኣብ ግዜ ሓድስ ግን ሓደ ሰብ ልዕሊ ሓንቲ ሰበይቲ ክትህልዎ ኃጢኣት እዩ፣ በዚ መሰረት መጥምቀ መለኰት ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ’ውን ምዃኑ ንክግለጽ ሄሮድስ ሰበይቲ ሓውካ ክትወርስ ኣይተፈቀደልካን ኢሉ ብትሪ ስለዝተቓወም (ሉቃስ 3፦18-20)፣ ሰማዕት ዝተባህለሉ ድማ ብሰማዕትነት ስለዝሓለፈ እዩ፣ መጥምቀ መለኰት ቅዱስ ዮሓንስ ዝዓረፈሉ ዕለት መስከረም 2 እዩ፣ እንተኰነ ግን ከምቲ ናይ ነብያት መወዳእታ ናይ ሓዲስ ኪዳን መጀመሪያ እዩ፣ በዚ ድማ ክረምቲ ናይ ብሉይ ሓጋይ ድማ ናይ ሓዲስ ኪዳን ምሳሌ ስለዝኰነ ንርእሰ ዓወደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ቤተክርስቲያንና መስከረም ’1’ ተብዕሎ፣ ከምቲ ኣብ (2ይ ጢሞ. 1፦7) “ ከመይ ኣምላኽ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን እምበር መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን፣”ዝተባህለ ቅዱስ ዮሓንስ ከይፈርህ ኣብ ኣዳራሽ ነገሥትት እንዳኣተወ ብትብዓት ይግስጽጾምን ይምህሮምን ስለዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ ተቆጢዑ ንዮሓንስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ንጉሥ ሄሮድስ ዓብይ ግብጃ ጌሩ መዓልቲ ልደቱ የብዕል ኣብ ዝነበረ ግዜ ጓል ሄሮድያዳ ኣብቲ በዓል ተረኺባ ሳዕሳዓትሉ በቲ ሳዕሲዒት ንሄሮድስን ካልኦት ኣብኡ ንዝነበሩ መኳንንቲ ስለዘሓጐሰቶም ሄሮድስ ክሳብ ፍርቂ መንግሥቱ እኳ እንተኰነ ክህባ ምዃኑ ቃል ብምእታው ንጓል ሓው እንታይ ከም እትደልይ ሓተታ በዚ ግዜ ጓል ሄሮድያዳ ነዲኣ ስለዘማኸረታ እቲ ዝቃወምና ዮሓንስ እንተመይቱ ፍርቂ መንግሥቱ ኣይኰነን ምሉእ መንግሥቱ ናህና እዩ ብምባል ክሳድ ዮሓንስ ኣብ ሰፍኢ ጌርካ ሃበን በልዮ ኢላ መኽረታ በዚ ድማ መጥምቀ መለኰት ቅዱስ ዮሓንስ መስከረም 2 ብሰማእትነት ኣለፈ፣ ሄሮድያዳ እቲ እትደልዮ ስለዝተፈጸመላ “ ኣንቲ ንንጉሥን ንንግሥትን ብድፍረት እትጸርፊ መልሓስ ሕጂ ሱቕ ኢልኪ፣” እንዳበለት ንናይ ዮሓንስ መልሓስ ብመስፈ ምስ ወግኣታ ርእሱ መንፈር ኣውጺኣ ኣብቲ ሰፍኢ ብተኣምራት ነፈረት፣ ቅዱስ ዮሓንስ ስጋ ዝለበሰ መልኣኽ እዩ እተባህለ በዚ ምክንያት እዚ እዮ፣ በዚ መሰረት ርእሲ ዮሓንስን 15 ዓመት ዝኣክል ኣብ ምድረ ዓረብ ኣብ ሊብያ ከምዘሰተማህረት መጽሓፈ ገድሉ ይነግር፣ እዚ ኣብ እምነት ንዘየሎ ሰብ ንኽኣምኖ የጸገም ይኸውን እንተዀነ ግን ከምቲ ኣብ (ት.ዳን. 5፦5 ኣብ ቁ. 25-28) ከምዝተገልጸ ኢድ ስብ ወጻኢ ኣብ መንደቕ ከም ዝጸሓፈትን ከምኡ’ውን ኣእማን ቢታንያ ብተኣምራት ከምዝተዛረቡ (ሉቃ.19፦40) ክሳድ ዮሓንስ’ውን ብተኣምራት ምሂራ እያ፣ ኣብ መወደእታ ኲላትና ከነስተውዕሎ ዝግባኣና ነገር እንተሃለወ ሓንቲ መዓልቲ ክትሓልፍ እንከላ ብኡኡ መጠን ናብ ሞት ንቀርብ ምህላውና እዩ፣ ስለ’ዚ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ዝበሎ ኣነ ተዋህዶ እየ እንዳበልና ግብሪ ተዋህዶ እንተዘይጌርና ካብተን ዝቑረጻ ጨንፈር ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግባእ፣ ነዚ ንኣትዎ ዘሎና ሓድሽ ዓመት ብንስሓ ተሓጺብና ሥጋ ወደሙ ወሲድና ሓድሽ ሕይወት ክንመርሕ ረድኤትን ምሕረትን ኣምላኽ፤ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ተራዳእነት ቅዱስን መላእኽቲ ምስ ኲላትና ይኹን፣
  በረኸት ቅዱስ ፓትሪያርክ  ቀደማዊ እንጠንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሃገረ ኤረትራ የካፍለና ኣሜን።
           ለቱ ስብሓት

No comments:

Post a Comment