1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 3 September 2011

ኦርተደክሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ጥራሕ ኣብ ካርሸሊታት ኤረትራ ይሳቀዩ!!!!።ብ ቀሺ ሙሴ ዓዲ ጥልያን።

ኦርተደክሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ጥራሕ ኣብ ካርሸሊታት ኤረትራ ይሳቀዩ!!!!።

ኤረትራ ሓንቲ ካብተን ሓደሽቲ ሃገራት ዓለምና እያ።ዕድመ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራን ዕድመ ሃገረ ኤረትራን ብዙሕ ፍልልይ ኣልዎ።እታ ናይ ዕስራ ዓመት ዘለዎ መንግስተ ዘማሕድራ ኣስመራ ን ኦርተደክስ ተዋህዶ ንምዕናው ዝተዓጠቀት እያ ትመስል ዘላ።መንግስተ ኣስመራ ዋላካ ኣብ ፈለማ ን ፍሉያት መራሕቲ እቲ ሃይማኖት ሽሞም እና ኣጸለምን ድኽመት ናይ ዘይምምሃርን ግርህነትን እቲ ህዝቢ፡ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቅርን ተጠቂሙ ንፍሉያት ሰባት እኳ ከጥቅዕ እንተጸንሐ።ካብታ ነታ ቤተ/ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምቁጺጻር ዘእትዋ ግን ብግልጺ ክሰርሕ ጀሚሩ ኣሎ።
ካብቲ ዘገርም እቲ ኣንጻር ሓደሽቲ ሃይማኖታት እየ እዚ ኣተን ፖለቲካዊ ትሕዝቶን ተልእኾን ኣለወን ክብለን ዝጸንሐ ን ከም ጴንጠ ኩለን ሓደሽቲ ሃይማኖታት መራሕቶም  ካብ ቤት/ማኣሰርቲ የውጺኣዎም ይርከብ።ካብ ዝፍትሑ ኣስታት 6 ወርሒ ገይሩ ኣሎ።እዚ ኣይኮነን ስለምንታይ ይፍትሑ ኣይኮነን ዘዛርበና ዘሎ ናይቱ ሕብሩ ዝቀያይር ዘሎ መንግስተ እንበር ዋላ እቲ ድልየቱ ከነማልኣሉ ተደለና እውን እንበር ባህሩ ምሊላይ ሲኢናዮ።ህጂ ኣብ ኤረትራ ናይ ሃይማኖት እሱራት ናይ ኦርተደክ ተዋህዶ መራሕቲ ጥራሕ ኮይኖም ኣለዉ።መንግስተ ኤረትራ እቲ ከም መደብ ሒዙዎ ዝጸንሐ ን ኦርተደክሳውያን ኣመንቲ ነንሕድሕዶም እና ኣባላዕካ ፡ንመራሕቲ ተዋህዶ እና ኣጋጨኻ ዝግበር ፖለቲካ ፍጹም ፈሺሉ ምኻኑ ኣብ እዝኑ ዝሰምዖ ዘሎ መርድእ እዩ። መራሕቲ ተዋህዶ ሎሚ ነቂሕናሉ ኢና።ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ እታ ብ መንግስቲ እትመሓደር ቤተ/ክርስትያን ዘገልግል ነቶም መንግስቲ ኢድካ ጠርፍ ዘይሕጋዊ ፓትሪያርክ ነስሓ እቶ ውረድ፡ሕጊ ሃይማኖትና ክቅየር የብሉን ዝብሉ ዘለዉ ካህናት ደገፉ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ እንኮላይ በቢ መዓልቱ  ክሕወስን ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ዘሕፍር ስራሕ ደው ኢሉ ክቃወምን ይርአ ኣሎ እዚ ትንሳኤ ናይታ ቤተ/ክርስትያን እዩ።
እዚ ድማ እዩ መንግስተ ኤረትራ ብቅሉዕ ኣንጻር ተዋህዶ ደው ክብል ብስውር ዝግበር ነበረ ብቅሉዕ ኪኸውን ገይሩዎ ዘሎ።ካብቲ ገሪሙና ዘሎ ግን እቶም መንግስቲ ዓርኪ ተዋህዶ መሲልዎም ሆ ዝብሉ ነበሩ ፡ንሓደሽቲ ሃይማኖታት ዝቃወም ዘሎ ድማ ነተን ጥንታውያን ንምሕጋዝ ዝመስሎም ገለ ገለ የወሃት ስለምንታይ እዩ፡ሎሚ መንግስተ ኤረትራ ን መነኮሳትን ካህናትን ኣብቲ ሰብ ክነብረሉ ዘይኽእል ምዕጢር ዝተባህለ ዘሳቅዮም ዘሎ።ብዘደንቅን ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ/ክርስትያን ዘለዎ ንዕቀት ድማ ን ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ናይ ሕክምና መሰሎም ተኸሊኦም ኣብ ማሕዩር ዘሳቅዮም ዘሎ!!!።እንታይ ተረኺቡ ደኣ ሎሚ ሓደሽቲ ሃይማኖታት ተፈቲሖም እቶም ጥንታዊ እምነት ኢና ንኽተል ዝብሉ ድማ ክሳቀዩ ብዘይ ፍርዲ ተሓዲጎም ዘለዉ። ንቅሓትን ደው ኢልካ ኣብ ጎድኒ ኣገልገልትኻ ምስላፍ ናይተን ሓደሽቲ ሃይማኖታት ደኾን ኣስጊእዎ? ንሱ ይፈልጣ እሱ ኣየገድሰናን እዩ።
ፖለቲካኛታት ኣስመራ ንገለ ከምዚ ከማይ ዝበሉ ብቃልዕ ክንዛረብ መሪጽና ዘለዉ ኣብ ፖለቲካ ይኣትዉ ኣለዉ ።መራሒ ሃይማኖት ክጽልን ክምህርን ጥራሕ ኣለዎ ፡ኢሎም ካብ ምኽሳስ ዓዲ ኣይወዓሉን፡ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ ከምቲ ቀድም ዝገበሮ ተግበሩ ስቅ ኢልና ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ንገብሮ ትም ንብሎ ነበርና ስለ ዘስከሮም ዶኾን ይኾኑ።ዝለመዱዎ ስለ ዝሰኣኑ።እቲ ብሓይሊ መራሒ ተዋህዶ እየ ዝብል ዘሎ ስጋ ዝለበሰ ሰጣን ኣቶ ይፍታሀ ዲመጥሮስ እውን ሎምስ እቲ ዝዋሃቦ ዕዮ ገዛ ምስላጥ ኣብዩዎ እዩ ዘሎ።ኣቦታትና ኣብ ኣስመራ ዘለዎ ኣይከም ቀደምን፡ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ነቶም ኣብ ኣውረጳን  ዘለዉ  እሞ ናይ ቀሳር ን ቀሳር ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ዝብሉ ዘለዉ ካህናት ንኸውግዝዎም ዝተዋህቦ ዕዮ ገዛ ፡ኣቶ ይፍታሀ ኣውግዝዎም እዚኦም ተቃወምቲ  እዮም፡ንስኹም ጉጉያት ሓሰውቲ ይብልኹም ኣለዉ ኣውግዝዎም ኢሉ ንዘቅረበሎም ጸብጻብ ኣቶ ይፍታሀ ኖ ብምባል ተቃዊሞሞ ኣለዉ።ይፍታሀ ብጣዕሚ እዩ ሰንቢዱ ዘየሰንብድ ዶ ኸኣ ኣልይዎ ኢልኩሞ ። እዚ ኣብ ቤተ/መንስግቲ ኣስመራ ቁጠዓ ፈጢሩ ይርከብ ምኽንያቱ ስቀሎ ስቀሎ ክብሉ ኢዩ ተጸብይዎም እንተኾነ ኣቦታትና ጸቅጢ ደኣ በዚሕዎምን ካብ ህዝቦም ከኣ ተስፋ ስለ ዝሰኣኑን ደኣ እንበር ዝኸዱዎ ዘለዉ ጉዕዞ ፈደረሽን ምስ መንግስቲ ናይ ጌጋ ጌጋ ምኻኑ ይኣምኑ እዮም።ይኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ሽሞም ንምዕቃብ ግን ኣጀኹም ከምዚ ኣይመሰለናን ርድኡና ይብሉ ኣለዉ ሎምስ ብ ተለፎን እኳ ከይፈርሑ።
እቲ ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ምስ ቶም ቅዱሳን ኮፍ ኢሉ ዝሓሒ ዘሎ ኣቶ ይፍታሀ ፡ነቶም ኣቦታት ን ፖፖ ሺኖዳ ናይ ግብጺ ከውግዝዎም ከይተረፈ እውን እዩ ጸብጻብ ኣቅሪቡ።ነዚኣስ ልዕሊ ዓቅምና  እዩ ደሓር ድማ ስልጣና ውሱን እዩ ን ፖፕ ከነወግዝ ደሓር ድማ ናይ ማርቆስ መንበር ኣይከውንን ምስ እምባ ክትገጥም ኣይካልን ከም ዝበልዎ እዮም በሃልቲ ዚዛረቡ።እዚ ክብልዎም ጀሚሮም ኣለዉ።እዚ ዝግበር ዘሎ ሰፈር ካራይ ዝወስድዋስ መይተ ድየ እኳ ኣንተኾነ ግን  መራሕቲ ሃይማኖት ብዘይካ እቶም ብ መንግስቲ ከም ሰልያ ተቆጺሮም ዘለዉን ጽባሕ ኣብቲ ሃይማኖት ቦታ የብልናን ኢሎም ዝገመቱን ከም ቀሺ ሃብቶም  ዝኣመሰሉ ገዲፍካ ልቢ መራሕቲ ተዋህዶ ናብ ሓደ ይመጽእ ኣሎ።
ሊቃውንቲ ቤተ/ክርስትያና ከምቲ ንገሊኦም ዝመስሎም ዘጣቅዑ  ፈራሓትን ዘይኮነስ ተበዓትን ቆረጻትን ተኸተልቲ እቶም ቅድመኦም ዝሓለፉ ቅዱሳን ከም በዓል ቅዱስ ጀወርግስ ዝኣመሰሉን እዮም።ከምኡ ስለ ዝኾኑ እዮም ከኣ ናይ ኤረትራ ናይ ጊባኤ ሊቃውንቲ መራሒ ልቅ መጋበ ምስጢር መብራህቱ መባኣ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ኣብ ቅድሚ ጀነራላትን ኮነረላትን ደው ኢሎም ህዝቢ ዓገብ በል  ቤተ/ክርስትያን ትህሰ ኣላ ኢሎም ዝጸውዑ ኣብ ኣደባባይ ባሕቲ መስከረም ኣብ እቲ ኩቡር በዓል  እዚ ምስ በሉ ግን ብ ሰበስልጣን ኤረትራ ዝተዋህቦም ዝሰብኣይ የእምሩኡ ሲሒቱ ኣሎ ተባሂሎም።ሓሚሞ ተባሂሉ ድማ መይቶም ዝብል መርድእ ሰሚዕና፡ንሕና ን ሞት መጋበ ምስጢር መብራሕቱ መባእ ፍጹም ኣይንቅበሎን ሱሳ ኣላታ። ግን ኣሎና ኣብ ላዕሊ ዝጋሲ ኣምላኽ ንዑኡ ንህቦ።ድሕሪ እዛ መግለጺ እዚኣ ምኻኑ ግን ንልቢ ዘለዎ ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ  ንዓሻ ኸኣ ደርጋሓሉ ኣበይ ከይፈልጦ ስለ ዝኾነ ነቶም ለባማት እውን ስለዝኾነ እዚ መልአኽትስ ባዕሉኹም ገምቱ ንብል።ህዝቢ ግን ካብ ሰብ ከም ዝመተ ምጽ ,,ምጽ,, ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ኣይበለን።
ህዝቢ ኤረትራ ኸ ?፡
ህዝብና ተዝነቅሕን መራሕቲ ሃይማኖቱ ተዘኽብርን እቲ ሃይማኖትና ክንዲ ዝብል፡ንብድሕሪ ህጂ ደኣ ታሪኹ የጸብቆ እንበር ክሳብ እዘን ዝሓለፋ ዓመታትሲ ካብ ነቶም መዋእሎም ምሳታቶም ዝዓበዩን ኣሃዱ ኣብ ቅዱስ ኢሎም ዘቅርቡዎምን ዘስግድዎምን ነበሩ ቅዱሳን ኣቦታትሲ ነቲ ትማሊ ዝመጸ ናይ 20 ዕስራ ዓመት ዕድመ ዘለዎ መንግስቲ እዩ ክሰምዕ መሪጹ።ብፍላይ መንእሰያት ክሳዕ ህጂ የዒንቶም ኣይተኸፍተን ዘሎ።ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ዝተገብረ ግን መምሃሪ ኪኾንም ተስፋ ንገብር። ናይ ካተሊካውያን ኣመንቲ ን መንግስተ ኣስመራ  ዋእ ከምዚ ውን ዶ ኣሎ እዩ ክብል ገይሮምዎ እዮም።መራሕቲ ሃይማኖት ኣይኮኑን ተቃዊሞም ህዝቢ እንበር መስቀሉ ሒዙ ናበይ መራሕቲ ሃይማኖትና ቅድመኦም ደኣ ንስቀል እንበር ኢሉ ናብ ቤት/ጽሕፈታት ምምሕዳር ዘምረሐ። ተኣሲሮም ግን ህዝቢ መሊሱ ተቆጢዑ  ደኣ ኣንበር ለውጢ ኣይምጸአን ።መንግስቲ ዝሓሰቦ ቀይርዎ።ንውሑዳት ናዕበኛታት ኢሉ ብምጽላም እኳ እንተ ሓዞም ተኣሰሩ ኣስታት 200 ኣመንቲ ክርስቲና ናጻ ክፍትሑ ተገይሩ።መንግስቲ በቢ ሓደ ክፈትሖም ምስ ደለየ ብሓደ  ተኣሲርና ብሓደ ንፍታሕ ብሓደ ንመውት ኢዮም ኢሎም ኣብዮም።እዚ ድማ እዩ ሃወርያዊ  መንገዲ ዝኽተል ህዝቢ።ድምጺ መራሕቱ ዝሰምዕ ቅድመ መራሕቱ ዝሓልፍ ህዝቢ ስለዝስ ብ ኣፍካ ወዲ ሃይማኖት የ ምባል ዘይኮነስ ግብሪ ክህሉ ኣለዎ።
ናይ ኤረትራ ካህናት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት መነኮሳት እኳ ደኣ  ከይተረፈ  ፡ኣብ ምዕጢርን ካልእን ይሳቀዩ ኣለዉ።ገለ ገለ ሕልናኦም ዝዓረቦም ናይ መንእሰይ ባህሪኦም ዘጥፍኡ መንእሰያት ግን ነቲ ኣቦታትና ኣብ ምዕጢርን ዊዓን ዘሳቂ ዘሎ ኣብ ካርሸሊታት ን ሊቃውንቲ ኤረትራ ዘሳቂ ዘሎን ዕድመኦምዘብልዮ ዘሎን ብምዕባለ ቤተ/ክርስቲያና ስቀንአ መንግስቲ ክንዲ ዝምጉቱ፡ ክንዲ ኣቦታትና  ኣበይ ኣለዉ ኢሎም ክንዲ ዝሓቱን ምሳና ኪቋየቁ ዝመረጹ እዮም ዝመስሉ።ክንዲ ስለምንታይ ንህሰ ኢልና ዝሓተትና ኣብ ፖለቲካ  ኣይትእተዉ ክብሉ ይስምዑ፡ምናልባሽ ድኽመት ዕምቆት ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ፍልጠቶም እካ እንተኾነ። ግን ነቶም ኣብ ጀነቫ “ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና” ክብሉ ዝወዓሉን ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ኣብ ጀነቫ ዝወዓሉን ምኾነንዎም ነሮም ሓቂ ተዝህልዎም ።ግን እቲ ህዝቢ መቅጻዕቲ ኣምላኽ ጋና ክቅጽል ስለ ዝደለዮ ግዲ ኾይኑ ግን ነቦታቶም ክምህሩ ኮንቱ ይደኽሙ ኣለዉ።
ንሕና ብጣዕሚ ኢና ሕጉሳት ብዛዕባ እቲ ኣባና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ክወርድ እንጽበዮ ግፍዕን ድማ ድሉዋት ኢና ፡ምኽንያቱስ ደቂ እቶም ኣብ በዓል ምዕጢር ዝሳቀዩ ዘለዉ ተበዓት መነኮሳት፡ ተመሃሮ እቶም ኣብ ካርሸሊታት ዝሓልፍ ዘለዉ ልቃውንትን ደቂ ቅዱስ እንጠንዮስ ዘሃገረ ኤረትራ ስለ ዝኾና።ቁሩብ ዝስመዓካ ግን እዞም ሎሚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ተዓበጠ ንሕና ኸኣ ከይንገልጾ ቦታ ተኸሊእና ቤተ/ክርስትያና ትግፍዓሉ ዘላን ፡ንሶም ግን ከይፈለጥዎ ደድሕሪ ገለ ንዶላር ሃይማኖቶም ዝሸጡ ሉኡኻት ፖለቲካ ሰሚዖም ዝገብርዎ ዘለዉ ጽባሕ ክጠዓሱሉን ክግህዩሉን ስለ ዝኾኑን ኣንጻር ሂወቶም ኣንጻር ረብሓኦም ይነብሩን ስለ ዘለዉ ጥራሕ። ንሕና ካብቲ ዘገርም ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ኣስመራ ክኣትዉ ከለዉ እዞም መንግስቲ ካብ ቤተ/ክርስትያን ኢዱ ከውጽ ኣለዎ ንብል ሰዓብቲ እታ ጥንታዊት ቤተ/ክርስትያን ኦርተደክስ ተዋህዶ፡ ግን ረሳ ዝመቱ ምእመናና ኣኳ ከይፍትሑ ኣብ ኤረትራ መንግስቲ ኣዊጁ እዩ።ስለዚ ንሕና ዘይኮና ኣብ ፖለቲካ ንኣቱ ዘለናስ እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ወጽዓን ንመጻኢ እውን ነታ ቤተ/ክርስትያን ሃደሽደሽ ንምባል ሒዝዎ ዘሎ ኣጀንዳን ስለ ንፈልጥ ኢና ምስራሕ ስለዝኸልኣናን እዩ። እቶም መንግስተ ኤረትራ ወገን በቴ/ክርስትያንኩም መሲሉም ትነብሑ ሰባት ግን  ኢዋእ ንብለኩም።ኤረትራ ፡ናይ ኤረትራ ኦርተደክስ ተዋህዶ መራሕቲ ሃይማኖት ዝሳቀዩላን ዝባሳበሱላን  ሃገር ክትከውን ኮይና ኣላ፡መንግስተ ኤረትራ መነኮሳትን ካህናትን ብዓቢኡ ድማ ፓትሪያርክ የሳቅዮም ኣሎ።ነቶም ሎሚ ኣይንዛረብን ኢሎም ኣብ ቤተ/መንግስተ ኤረትራ ጢዒምዎም ዝምድሩን፡ ሃገርና ክንኣቱ ምስ መንግስቲ ምምስሳል ይሕሸና ኢሎም መንግስቲና የቁመልና ኢሎም ዝምርቁን ዘለዉ ግን ነቲ መርዶካይ ዝብሎ ኢና ጥራሕ ንደግመሎም።ማርዶካይ ድማ ንኣስቴር መሊሶም ከምዚ ኺብልዋ ለመኖም፡ ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘሎኺ፡ ካብ ኲሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፡ ንበይንኺ እድሕን ኢልኪ ብልብኺ ኣይትሕሰቢ።፲፬ - በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልክስ፡ ንኣይሁድ፡ ሓገዝን ሓራን ካብ ካልእ ቦት ኺመጽእ እዩ፡ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኡ ኢኹም። ንስኺ ኸምዚ ንዚበለ እዋን ናብ መንግስቲ መጺእኪ እንተዀንኪኸ፡ መን ይፈልጥ?። መጽሓፍ ኣስቴር ምዕራፍ 4፡13-14።ስቅ እንተበልኩም ንዓናስ ካብ ካሊእ ቦታ  ሓገዝ ክመጸና እዩ ንስኹምን ቤት/ኣቦኹምን ግን ክትጠፍኡ ኢኹም።እንሆ እኳ ንዓይኒ ዘለዎስ ጀሚሩ ኣሎ ኢድ ኣምላኽ ነዋሕ እያ ቀስ ብቀስ ከኣ ተረኻኽብ።ኣብ ኢድ እቲ ልዑል ምውዳቅሲ ክንደይ ዘሰክሕ ኮን እዩ።
                        ለቱ ስብሓት
                           ቀሺ ሙሴ ዓዲ ጥልያን



No comments:

Post a Comment