1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 7 September 2011

ኣቡነ ደስቆሮስ ዋላ ተዋሃብዎ ዕላማ ክህነቶም ዚዘንግዑ እዮም ዝመስሉ ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን፡ብጣዕሚ ዲማ እዩ ዘገርም ሚሒልካ ንሃይማኖት ክትሕሉ ዝወሰድካዮ መዓርግ ከም ሳውል ኣብ ምዕጻው ኣብያተ ክርስትያናት ከተውዕሉ ከለኻስ ጽልኣት እዝጊዶ ዋላስ ዕድል ዋላስ ሕማቅ ምርጫ።ሰብ ይሓንኽ እዩ።ካብቲ ኣምላኽ ንሰባት ዝሃቦም ህያብ ኣምላኽ ዝሓስቡን ዘይከውንን ነውራም ነገራትን ክገብሩ ከለዉ ሕልነኦም ይወቅሶም እሞ የቃርጽዎ ወይ ድማ በቲ ዝገበሩዎ ክሳቀዩ ይነብሩ።ኣቡነ ደስቆሮስ ግን ካብዚ ኣዝዮም እዮም ሪሒቆም ዘለዉ ብዕድመ ኣይ ነኣሱን ግን ስለምንታይ ጸረ ክርስቶስ ኪኾኑ መሪጾም ።ደሓር ክዳን ሰብ ቀንጢጥካ ተኸዲንካ ከም ነጋውስ ስጎዱለይ ምባልከ ምስ ምንታይ ይቁጸር። ቅዱሳን ኣቦታትና ከምዚ ድዮም ነሮም።
መስቀል ኣብ ቅድመኻን ኣብ ድሕረኻን ኣብ ኢድካን ገርካስ ክፋእ ምስራሕከ እንታይ ይበሃል።ካብቲ ዘገርም ድማ ኣቡነ ደስቆሮስ ተወጊዞም ከለዉ ኣብ ትሕቲ ኩኔነ እና ነበሩ ክንዲ ንስሓ ምእታው ሓሓሊፎም ኣውጊዘካ ኣለኹ ብምባል ነቲ ሃዋርያት ዝጥቀሙሉ ነበሩ ቃል መኣዝኡ ከጥፍእዎ ይርከቡ።ምስ ኣቡነ ደስቆሮስ እቲ ፓትሪያርክነድ ደልዮም ናብ ግብጺ እናተማላለሱ ከለዉ ኣብ ኤረትራ ኣብ ቤት/መግቢ ሰንዓፈ ተራኺብና ነርና።ካብቲ ዝሓተትኩዎም ሕቶ ብዛዕባ  እቶም ንሶም  ዕልዋ ዘካይድሎም ኣቡን እንጠንዮስ እዩ። እንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣቡነ እንጠንዮስ ሓቂ ድዮም ምስ መናፈቃን ርክብ ነሩዎም ዝበሃል ምስ በልኩዎም ዋእ ዘሕቲተካ ገበን ኣይትዛረብ እዮም ኢሎም ገኒሖምኒ ኣቡነ እንጠንዮስ መንግስቲ ደኣ ደልይዎም እንበር ኣብ ሃይማኖቶም ገለ ኣበኼላ ዘይብሎም ኣቡን እዮም ኢሎም ብምምስካር ።መንግስቲ እዩ ዝኹሉ ዝገብር ዘሎ ክብሉ ገሊጾም።ኣነ ድማ ንዘረባ ቀሺ ገብረሞካኤል ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ተዛረቡዎ ምስ ኣቅረብኩሎም እሞ ንሕና ንፈልጦ የለን መንግስቲ እዩ ኢሎም ተዛሪቦም።ቅንይ ከይበሉ ፓትሪያርክ ኪኾኑ ደኣ ረኣኹዎም ኣብ ቲቪ ኤረ ።
መራሕቲ ሃይማኖት ሃቂ ዘይተዛረብናስ እቶም ታራ ኣመንቲ ደኣ እንታይ ኮን ክብሉ እዮም።ኣቡነ ደስቆሮስ ናይቲ ንሃይማኖት ተዋህዶ ንምፍራስ ተልእኾ ዘለዎ ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ ተልእኾ ንምፍጻም ህጂ እውን ዝደኸሙ ኣይመስሉን።ህጂ እውን ምስተን ኣብ ኣውረጳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ኲናት ንምግባር ናብ ከተማ ሚላኖ ክመጹ እዮም።ህዝቢ ሚላኖ ን ኣቡነ ደስቆሮስ ብናይ የእምሮ ሽግር ዘለዎም ኣቡን እዮም ዝፈልጥውዎም ኣቲ ኣቡኡ ዝነብር ህዝቢ እውን።99% ተስዓን ትስዓተን ሚኢታዊት ነቲ ስርሖም ብዘለዎ ጽልኢ ቤተ/ክርስትያኖም ሓዲጉ ኣብቲ ብሓደ  ብምባዓድን ብሂኮትን ዝፍለጥ ብቡዙሕ ገበናት እውን ቤተ/ክርስትያን  ዝውኒኖ ቀሺ እዮም ምኻድ መሪጾም። ንሰጣን ሰጣን ኣልለዎ ኢዮም ዝብሉኻ።ህጂ ኣቡነ ድአስቆሮስ ከምታ ከም ዓረብያ ዝጥቀመላ ቤተ/ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ሮማ ንምግባር ንምላቲ ኢታልን ኣውረጳን  ካብ ኣቶ ኢሳያስ ተላአኢኾም ይመጹ ኣልለዉ ።ግን ነገር መሊሹ ደኣ ኽገድድ እዩ።ድሮ ኣብቲ  ናይ ግሊ ቤተ/ክርስትያን ናይ ኣውራጃ ምስሕሓብ ክቅልቀል ጀሚሩስ ኣብ ከቢድ ነውጺ ይርከብ ዋላ እኳ ሃንዳሲ ኣዚ ጉዳይ ቆንስ ሃገረ ኤረትራ ኣብ ሚላኖ እንተኾነ ግን መንእሰያት ተቢዕም ክቃወሙ ድሉውነቶም የራጋግጹ ኣለዉ።ምስ ደቂ እንጠንዮስ ንምስራሕ ድልዉነቶም ከራጋግጹ ጀሚሮም ኣለዉ።ግን ስለምንታይ ኣዮም ኣቡነ ደስቆሮስ ነዛ ዘዕበየቶም ቤተ/ክርስትያን ምፍራስ መሪጾም ዘለዉ። እንታይ በዲላ እዛ ቤተ/ክርስትያን።
ኣቶ ይፍታሀ ኣብ ተዋህዶ ዝገበሮ ስሪሒት ምሉእ ብምሉእ ተዓዊቱ እዩ ኣብ ኢታሊ እቲ ምንታይሲ ኣብ ሚላኖ ጥራሕ ብሽም ተዋህዶ ፋሕ ዝበለ ኣብያተ ክርስትያን ኢና ኢለን ንርእሰን ዝጸወዓ ብዙሓት እየን። እቲ ኾነ እቲ ኣቡነ ደስቆሮስ ዋላ ኣኳ ብ ጎይተኦም ይፍታሀ ህዝቢ ሚላኖ ክጥረፍ ዘይኽእል እንተኾነ ተመሊሱ ኣብታ ብ ኣቡነ ደስቆርስ ተወገዘ ጳጳስ ኣስመራ እትምራሕ ቤተ/ክርስትያን ከገልግልን ክጽልን ዝደሊ ዋላ ሓደ መንእሰይ ከም ዘየለ ከይ ረገጹ ምድሪ ሚላኖ ከነራጋጊጸሎም ንፈቱ። ኣይ ስጋ ምራኽ ኣይ ስጋ ኣምላኽ ከይኾኑ ትራሕ ርህቅ እንተበሉ ዝሓሸ ይመስለና ።ስለምንታይሲ ንሪኦ ስለ ዘለና። ብሓፈሻ  ኣቡነ ደስቆሮስ  ህጂ እውን ነተን ዘለዋ ኣብ ኣውረጳ ኣብያተ ክርስትያናት ንምዕጻው ብተሓባበርቶም ገለ ዲያቆናት ኣኼባ ብምግባር ኲናት ክኸፍቱ ይመጹ ኣለዉ ከም ሳውል ከም ዝሰዓሩ ንባዕሎም  እውን ነታ ዘሳጉጉዋ ዘለዉ ቤተ/ክርስትያን ሓደ መዓልቲ ተንሲኦም ክጣበቁላ  ምኻኖም  እቲ ብርቱዕ ብርሃን ምስ ረኸቦም ነረጋግጸሎም።
 ኣገዳሲ ክስትውዓል ዘለዎ ነግረ

  ምልክታ ነቶም ኣብ ዓዲ ኣንግሊዝን ካሊእ ሃገራት ዘለኹም መንእሰያት ቢባሕሪ ዜኣተኹም እሞ ቢ ኢታሊ ገርኩም ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ካሊእ ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት።ክሳዕ ህጂ ዶኾን ይልቡ ኢልና ብተጻወርነት ክንጽበ ከም ዝጸናሕና ክንሕብረኹም ንፈቱ ካብዚ ሰዓት  እዚ ግን ትዕግስቲና ስለ ተወደአ ምስ  ኣቡነ ደስቆርቶስ ኣቶ ይፍታሀ ዲመጥሮስን ዘለኩም ርክብ እንተዘይ ኣቃሪጽኩሞ ።ምስ ምሉእ ኣሽማትኩም ናብ መንግስቲ እንግሊዝን ኢታልን ብምርካብ ናብታ ፈለማ ዝኣተኹምላ ሃገር ኢታሊ ክትምለሱ ከም እንገርብ ፍለጡ።ነቲ ዘለኩም ጽቡቅ ነግር ኣብ ሰናይ ደኣ ከተዎልዎ ነሩም እንበር ዘለኩም ግዜ ኣብ ምግዳእ ቤተ/ክርስትያን ካብ ኣውዓልኩሞ ። ጽቡቅ ገርኩም መታን ንሰባት ከተገልግሉዎም ናብ ኢታሊ ንኽትምለሱ ክስራሕ ምኻኑ ክትፈልጡ ኣለኩም። 
ንሕና ዝመሰለና ኣቡኡኮንኩም ስለ ሃይማኖትኩም ትጣበቁ ዕላማኹም ናይ ምድሪ ካብ ኮነ ግን ብናይ ምድሪ እውን መቅጻዕቲ ከም ዘሎ ምፍላጥ ኣለኩም። ድሮ እውን ነዚ ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ኢታሊ ተዛሪብናሉስ ኣሽማቶም ተሂብኩምና ኢታሊ ክትመልስ ስልጣን ከም ዘለዋ ምፍላጥ ኣለዎ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ነገር ድማ ንስኹም ጸረ ሃይማኖት ደው ስለ ዝበልኩም እዩ። ካብዚ ግዜ እዚ ግን ተመስገን ኢሉ ክበልዕ ዘይደሊ መሓረኒ ክብል ዝመጻ ፈውሲ ከም ዘሎ ምፍላጥ ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ ኣሽማት ናይቶም ኣብ ነርወይን ዓዲ እንግሊዝን ሺወደንን  ጀርመንን ካሊእ ሃገራት ኣውረጳን ዘለዉ ኣሽማቶም ብዝርዝር ክቀርብ ምኻኑ ንሕብር።ድሕሪ ኣሽማት ምውጻእና ድማ  ኣይምለስን ዝበለ ኢታሊ ምምላሱ ድሕሪ 2 ቅነ ኣብ እዝኑ በሪ ናይ ዝቅመጠላ ሃገር ፖሊስ ክንገሮ እዩ።
  እግዚኣብሄር ዝተመስገንን ዝተባረኸን ይኹን።
   ማሕበር ተሓላቅቲ  ሃይማኖትት ኣብ ኤረትራ።

የቀንየልና ማሕበር ተሓለቅቲ ሃይማኖታት ኣብ ኤረትራ ብዛዕባ ዝሰደድኩሞ ጽሑፍ ኣዚና ነመስግነኩም።ኩሉ ግዜ ዝሰደድኩሞ ጽሑፍ ድማ ክንዝርግሖ ድሉዋት ስለ ዘለና ክትሰዱልና ብትሕትና ደጊምና ነረጋግጽ ።ከምኡ እውን ካልኦት ሪኢቶ ዘለኩም ምስ እትሰዱልና ብፍላይ ምስ ሕግን ስርዓትን ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ክሳዕ ዘይተጻረረ ከነቅርብ ከም ንኽእል ብትሕትና ንገልጽ
 ስብሓት ለእግዚኣብሄር
ሃይማኖተ ኣቦው

No comments:

Post a Comment