1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 13 September 2011

ቤተ/ክርስትያን ቆሮንቶስ ምስ ኣብ ዘበና ዘላ ቤተ/ክርስትያን ብኸመይ ትመሳሰል።

ቤተ/ክርስትያን ቆሮንቶስ ምስ ኣብ ዘበና ዘላ ቤተ/ክርስትያን ብኸመይ ትመሳሰል።
  
ቆሮንቶስ ኣብ ግዝኣት ግሪኽ እትርክበ ዝነበረት ከተማ እያ። ኣብ ቆሮንቶስ ዝነበረት ቤተ/ክርስትያን እያ። እዛ ቆሮንቶስ ዝተባህለት ወደባዊት ከተማ ብዙሕ ዝዓይነቱ ኣምልኾ ጣኦትን ምንዝርናን ዝግበረላ ዝነበረ ቦታ እያ። እዛ ቤተ/ክርስትያን እዚኣ ኣብቲ ፈለማ ጹቡቕ ክትስጉም እኳ እንተ ጀመረት ዳሕራይ ግና ኣዚያ ዓለማውነት ዘጥቕዓ ካብቲ ዝነበረ ናይ ከተማ ቆሮንጦስ ባህሊ ምፍላይ ዝተሳእና ቤተ/ክርስትያን እያ ኰይና። ነዚ እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክልተ መልእክታት ዝጸሓፈሎም። ነዛ መጽሓፍ ንኹላ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ንምትንታትን እኳ እንተ ዘይከኣልና ግና ገለ ገለ ኣገደስቲ ነጥብታት ብምውሳድ ክንርኢ ኢና።
ኣብ መንጐ እታ ቤተ/ክርስትያን ዝነበረ ምፍልላይ
ሃዋራያ ቅዱስ ጳውሎስ ካብቲ ሓደ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፈሎም ምኽንያት ብሰንኪ እቲ ኣብ ምንጐኦም ዝነበረ ምፍልላይ እዩ። ነዚ ድማ እዩ “ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ።” ብምባል ኣብቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ዝጸሓፈሎም። ኣብ ቤተ/ክርስትያን ቆሮንቶስ ዝንበራ ምግምማዕ ንሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣይሐጐሶን። ደጊሙ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ክጽሕፈለም ከሎ ድማ “ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ። ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧እቲ ሓደ፡ ኣነስ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ፡ ካብ ዚብል፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧እምብኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም፡ እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሀቦ እዩ።” ብምባል እቲ ዝንበሮም ምፍልላይ ክሳብ ክንደይ ዘሕፍር ምኻኑ ይነግሮም። እዚ ኩነታት ወይ ሃዋህው ሰብ ቆሮንጦስ ግና ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበረ ተርእዮ ጥራይ ዘይኰን ሰይጣን ኣብ ዘዘመኑ ኣብ ቤት/ኣምላኽ ዝፈጥሮ ዝነበረ ነውጺ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዘመን እዚ ኸኣ እሞ ሰፊሑን ዓብዩን ይርከብ።
ቤተ/ክርስትያን እታ ብደም የሱስ ክርስቶስ ዝቐመትን ብኡ ድማ ትነብር ዘላ ነቲ ሓደራ ኣምላኽ ማለት ተስፋ ናይቱ ቡሩኽ መድሓኒ ወንጌል ሒዛ ንቕድሚት ንኸይትሕንበበ ዝገብራ ዘሎ ሓደ ዕንቅፋት እዚ ኣብ ማእከል ዝረኣ ዘይምስምማዕ ወይ ምፍንጫል እዩ። እዚ ምፍንጫል ወይ ተፈሊኻ ነሕዋትካ እና ኣጸለምካ ዝግበር ጉያ ካብ ስጋውነት ሓሊፉ ሰይጣን ዘዋደዶ ውዲት ምኻኑ ትንተናን መርትዖን ዘየድልዮ ጩቡጥ ሓቒ እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ን ቤተ/ክርስትያኑ ብሓድነት ፍጽምቲ መታን ክትከውን እዩ ።እቲ ኣቦ ዝሃቦ ክብሪ ብምልኡ ሂብዋ ዝኸደ። ንሕና እውን ኣብቲ በእንተ ቅድሳት ጸሎትና ጸልዩ ምእንቲ ቅድስቲ ሓንቲ ቤተ/ክርስትያን ኢና ንብል።። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ዝተጻሕፈ ዝነወሐ ጸሎት መድሓኒ ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ 17 ተጻሒፉ ዘሎ ብዛዕባ ሕብረትን ሓድነትን ዝገበሮ ጸሎት እዩ። ኣብ ማእከል ቤት/ኣምላኽ ምፍልላይ ምምጻእ ማለት ድማ ነቲ መድሓኒ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ግብሪ ምቁሻሽ ከም ማለት እዩ።
ብዙሕ ግዜ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝረኣ ምፍልላይን ምብትታንን መሰረቱ ምፍልላይ ወይ ዘይምርድዳእ ናይ መሰረት እምነት ዘይኰነስ ስጋውነት ወይ ከኣ ናይ መሪሒነት ውድቀት እዩ።ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ምስባኽ ባህሪኦም ምስ ዝደክምን ብሰብ ተቀባልነቶም ምስ ዝጎድልን ወንጌል ምስባኽ ገዲፎም ኣብ ጸለመ ነቲ ዝመጸ ሓድሽ መምህር እዮም ዝውዕሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብቲ መምህር ጥራሕ ጽልኢ ዘሕድር ኣብ ምሉእ ናይቲ ቤተ/ክርስትያን ምጥርጣር ይጅምር ዋእ ንባዕሎም ኣብ ምምሃር ዘይተሰማሙዑ ደኣሞ ኣበይ ኣሎ እቲ ሓቂ ክብል ይጅምር እሞ ካሊእ ሃይማኖት ሃሰስ ናብ ምባል ይኣቱ። ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ መሰረት ዘይገበረ መሪሒነት ሓደ ሰብ ዝዓብለሎ ኣካይዳ ነቲ ብቀዳሞት ኣቦታት ዝተጻሕፈ ዘይምኽባርን ሸለል ምባልን ኣዝዩ ይሃስያን ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ይመርሓን ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ እዩ ስጋውያን ምኻንኩም ዶ ኣይኰነን ብምባል ዝወቐሶም። ብሰንኪ ኣብ ልቢ ዝተደጐነ ቅንእን ጥቕምን ህርፋን ስልጣን ዝመጽእ መንፈስ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ሰይጣን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝሰረጸ እዩ። ኣብዚ ዘመን እዚ ድማ ምስትዋዓልና ስለ ዝተደፈነ እንሆ ሰይጣን በዚ መንፈሲ እዚኣብ ውሽጢ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ይሰርሕ ኣሎ።
ንሓድነት ቤተ/ክርስትያን ምትንካፍ ማለት ከም ንብሌን ዓይኒ ኣምላኽ ምትንካፍ ማለት እዩ። ኣካል ክርስቶስ ኣብቲ ርእሲ ማእዝን ክርስቶስ ተሰሪታ ዘላ ኣካል ክርስቶስ እያ። ንሕና ድማ ኣካላታ ኢና። ነዚ እዩ ሃዋራያ ጳውሎስ “ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና።” ብምባል ንሰብ ቆሮንጦስ ብዛዕባ ትርጉም ሓድንት ይዛረቦም።ሎሚ ግን ዓለም ናብ ሓድነት እናመጸትን ከምቲ ቃል ኣምላኽ እውን ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ክነብሩስ ክንደይ ጽቡቅን ሰናይ እዩ ዝበለ ሕብረት ደቂ ኣምላኽ ሰናይን ጽቡቅን እዩ።ምሕሓይ ግን ናይቲ እኩይ እዩ።ሎሚ ስጋ ለቢስና ከለና ናብ ሰጣን ዝተቀየርና ንዘይንፈልጦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ቅርድድ ኣቢልና ከም ሽጉርቲ ናብ ድስቲ ብምእታው ሓዪኽና እንበልዖም ስጋኦም ሓሊፉናስ ናብ ዓጽሞምም ዝበጻሕንና ብዙሓት ኢና።ክንደይ ቅቡኣት ኣምላኽ ሊቃውንቲ ቤተ/ክርስትያን ብዘይጠቅሙ ቆልዑ ብዘይ ወዓልዎን ብዘይ ገበሩዎን ሽሞም ኣብ ምጽላም ይርከብ።ዘገርም ዘበን ኢና በጺሕና ዘለና ነደኣስ ጓላ ሕማም ሕርሲ ትሕብረላ ከም ዝበሃል ነቶም ባዕሎም ግዝያዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቂሞም ክትፍለጥ ዝገበሩን ዚጻወሙን ዘገልገሉን ክንዲ ኣቦታትና እንድዮም ኢልካ ምኽባርን ምእዛዝን ይብሉ ነሮም እናበልካን ኮነይ ኢልካ ብቅንኢ ጥራሕ ሽም ሰብ ምጽላምን ነቶም ኣቦታትካ ኖእ ንስኹም ካሊእ ኢኹም ትምህሩና ዘለኹም እንዳበልካ ዝግበር ዘሎ ነቲ፡ ቀደም በቦታትና ኣብቲ መወዳእታ እዋንሲ ጽናሕ ኣቦይ ኣነ ክዛረብ ዝብሉ ክውለዱ እዮም ከም ተባህለ ኣቦ ቐሺ ኣይተረደኩምን ሲሒትኩም ኣለኹም ኢሎም ትርጉም ብስምኣብ ዘይፈልጡ ንኻህናቶም ክጸርፉ ክውዕሉ ከለዉ ንመርገም ዝተመደብ ወለዶ ትብል !!!።
እቲ ካብ ኣካል ክርስቶስ ተፈልዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ጐጆ ክፈሊ ዝደሊ ሰብ ትምኒት ገዛእ ርእሱ ይደሊ ከም ዘሎ ክዝንግዕ የብሉን። ኣምላኽ ናይ ሰላም ኣምላኽ እምበር ናይ ምፍልላይ ኣይኰነን። መለለይት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ሓድነት እምበር ዝተፈላለየ ጐጀለታት መስሪትካ ምጭዳርን ምዝማርን ኣይኰነን። ሓድነት ቤተ/ክርስትያን ክርስቶስ ብሕጂ ዝመጽእ ዘይኰነስ ድሮ ብደም መድሓኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረጋገጸ እዩ። የግዳስ ምዕቃቡ ክንክእል ግና ካብ ሻራን ምፍልላይን ነጻ ክንወጽእ የድልየና። ሎሚ ብዝሒ ሰባት ሒዝካ ምኻድ ዘይኰነስ ሓድነት ቤት ኣምላኽ ተዓቒቡ ንኣምላኽ ከተኽብር ምጉያይ እዩ እቲ በረኸት።
ሎሚ ካብየናይ ወገን ኢና? ሓድነት ቤት ኣምላኽና ክሕሎ መታን ካብቶም መስዋእትንተን ንወስድ ሰባት ዲና ወይ ከም ሰብ ቆሮንጦስ ወገንን ሻራን እናፈለና ንሓድነት ቤተ/ክርስትያን ክርስቶስ ንሓማምስ? ኣምላኽ ይርድኣና። ቤተ/ክርስትያን ኢየሱስ ክርስቶስ እታ ኣካሉ ሓንቲ እያ ኣይትምቀል ኣይትመቓቐልን እያ። ስለዚ ከም ሰብ ቆሮንጦስ ንምፍልላይ ዘይኰነ ንሓድነት ንጋደል።ቀደም ሓንቲ ቤተ/ክርስትያን እያ ዝነበረት ክሕደትን ክፋእን ምስ መጸ ግን ቤተ/ክርስትያን ተፋናጪላ፡ናይዚ ሰብ እና ኣሕዘኖ ግን ነዛ ብሰላምን ፍቅርን እትፍለጥ ኦርተደክስ ቤተ/ክርስትያን ኪከፍሉዋን ክፈናጩሉዋን ን ኣገልገልታ ኪጓዛዝይዎምን ክስቶ ደኣ ከምዚ እንድዩ እናተባህለ ኣብ ምፍራስ ቤት/ኣምላኽ ይውዕሉ ኣለዉ።ግን ተዋህዶ ኣይትምቀልን ።
እታ ናይ ቆሮንቶስ ቤተ/ክርስትያን ዝነበራ ነገራት
ቤተ/ክርስትያን ቆሮንጦስ ካብቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝወቐሰላ ካልእ ምኽንያት ድማ ንሓጥያት ዝነበራ ተጻዋርነት ልዑል እዩ ኔሩ። ተጻዋርነቶም ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክገልጾ ከሎ ኣብቲ ሓሙሻይ ምዕራፍ “ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም ኣሎ።ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም ኣሎኸም እሞ፡እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጒሃኹምን።” ብምባል ይገንሖም፣ እዛ ቤተ/ክርስትያን እዚኣ ኣብ ማእከላ ንኣምላኽ ዘግህይ ነገር ተፈጺሙ ክነሱ ግናኸ ገለ ከም ዘይኰነ ኣምልኾኣ ትቕጽል ነብረት።ልክዕ ከምዚ ቤተ/ክርስትያና ኣብ ዓለም እኳ ኣብ ነገስታት ዝተረፈ ዕልዋ መንግስቲ ዕልዋ ፓትሪያርክ ተገይሩ ከሎን፡ሕጋን እምነታን ፈሪሱ ከሎን፡ ጽቡቅ ከም ዘሎ ትጋዓዝ ዘላ።ማለት ንሓጥያት ተጻዋርነት ክንብል እንከሎና ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ኣበሳ ምንም ዝዓይነቱ ርትዒ ከይተሰማዓካ ከም ሓደ ባህ ዘበል ጌርካ ተሸኪምካዮ ክትከይድ ከለኻ።ልክዕ ከምዚ ኣቡነ ደስቆሮስ ተወጊዞም ከለዉ ክንዲ ምንሳሕን ምጥዓስን ምግሃይን ደቀይ ሓቅኽUም በደል ፈጺመ ክንዲ ዝብሉ ስቅ ኢሎም ዝጋዓዝዎ ዘለዎ ጽቡቅ ከም ዘለዉ እዩ። ሓደ ሓው “ሓደ ኣማኒ ሓጥያት እንተ ጌሩ ብዉሑድ ድቃስ ክስእን ኣለዎ”።ክጣዓስ ብሓጥያቱ ክግህን ከይምለስ ክውስስንን ኣለዎ። ንሓጥይት ክሳብ ክንደይ ክንጻውሮ ከም ዘይብልና እዩ ቃል ኣምላኽ ዚዛረብ ዘሎ። ካብቲ ቀንዲ ጸገምና ከም ማሕበር እቲ ክእለ ዘለዎ ነገራት ብኣግኡ ስለ ዘይንኣልዮ ዳሕራይ ከም ሓደ ቁኑዕ ልምምድ ሒዝናዮ ንተርፍ በዚ ከምዚ ዝመጸ ድማ እቲ ድኻምን ዕንወትን ዓቢ ይኸውን። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሃዋርያ ዮሓንስ ን ቤተ/ክርስትያን ቲያትራ ክግስጻ ከሎ “ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኪበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢልዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ ኣሎኹ።” ብምባል ኣብ ራእይ 2፣20 ይዛረብ።
ሎሚ ንዝዀነ ኣንጻር ቃል ኣምላኽ ንዝትስእ ዘሎ ሓይሊ ስቕ ኢልና ንርእዮ ስለ ዘሎና እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያና ዝረአ ዘሎ ዘይተደልየ ኣካይዳን ኣብ ገዛእ ርእስና እነምጸኦ ዘሎና መዘዝን ይዓቢ ኣሎ። ምንልባት ኣብ ሓጥያት ዘይምሕባርና ሰናይ እዩ ግና ንሓጥእያት ካልኦት ብፍላይ እኳ ነቲ ከም ቃል ኣምላኽ ዘይኰነ ኣካይዳ ስቕ ኢልና እንተ ሪእናዮ፣ ነቲ ኣንጻር ሓቂ ስቅ ኢልና እንተ ሰሚዒናዮ ንሕና እውን ንገዛእ ርእስና ካብ ዘመጽእ ዝዀነ ዓይነት መዘዝ ነጻ ከም ዘይንኸውን ክነስተውዕል ይግባኣና። ነዚ እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። ብምባል ዝመዓዶም። ኣብ ቤት/ኣምላኽ ገለ ኣብሳ ምስ ዝፍጸም እቲ ሱር ኣብ ኩሉ ዀይዱ ስለ ዝልሕም ኢና ብኣግኡ ከነውጾን ክንገንሖን ክንገብሮ ዘለና።
ፊንሃስ ወዲ ካህን ኣሮን ኣብ ማእከል ህዝቡ ሓደ ከቢድ ንኣምላኽ ዘሕዝን ናይ ምንዝና በደል ምስ ተፈጸመ ኣዝዩ ተናደደ። ኣብቲ እዋን እቲ እቶም ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ማእከል ጉባኤ ኣምላኽ ንዝዀነ ፍጻሜ ግዲ ኣይበሉሉን። ፊንሃስ እቲ ኻህን ግና ሰይፉ መዚዙ ነቲ ዝንበረ ርኽሰት ንኽእሊ ብነድርን ፍርድን ብቕንኣት ተላዒሉ ነቲ ቑጡዓ ኣምላኽ ኣዝሒልዎ። ሎሚ ንሕና ቕጥዐ ኣምላኽ እንህድእ ሰባት ክንከውን ኣምላኽ ይደግፈና። ኣምላኽ ንሓጥያት ክሳብ መወዳእታ ክንቃለሶ ፍቓዱ እዩ። ነዚ እዩ ኣብ እብራውያን ንሓጥያት ክሳብ ደም ኣይተቓለስክምዎን ብምባል ንሰብ እብራውያን ይዛረቦም። ሎሚ ንሓጥያት ዝጻወር መንፈስ ክህልወና የብሉን።
ቤተ/ክርስትያን ቆሮንጦስ ብስርዓት ዘይትመላለስ ቤተ/ክርስትያን
ካልእ ጸገም ቆሮንጦሳውያን ኣብ ማእከሎም ስርዓት የግዱሉ ኔሮም ብፍላይ እዚ ነገር እዚ ኣብ 1ቆሮ 11, 12 ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ብዙሑ ክፋል ህይወቶም ስራዓትን ኣገባባትን ዘጥፍኡ ምእመናን ኔሮም። ኣብ ምዕራፍ 11 ብዛዕባ ድራር ጐይታ ዝነበሮም ኣካይዳን ኣብ ምዕራፍ 12 ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህበት ዝነበሮም ኣጠቓቕማ ስራዓት ዝጐደሎ እዩ ኔሩ። ከም ዝመስሎምን ከም ዝርድኦምን ጌሮም ይጥቅመሉ ነበሩ። ነዚ ድማ እዩ ኣብ 1ቆሮን 13, 14 መምሪሒ ሂብዎም። ኣምላኽ ኣብ ማእከል ቤተ/ክርስትያኑ ስርዓትን ኣገባብን ክህሉ ይደሊ እዩ። ብፍላይ እዚ ዘመን እዚ ኣብ ውሽጢ ቤት/ኣምላኽ ከም ድላይ ልብኻ ምምልላስ ዝረኣየሉ ዘሎ ሰዓት ከመይ ከም ለባማት ክንመላለስ ከም ዝግብኣና ከነስተውዕል ኣሎና። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ተስሎንቄ ክዛረቦም ከሎ “ማለት ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዐዩ፡ ንሰምዕ ኣሎና።’ ብምባል ይምዕዶም።
ሰበ መዓስ እዩ ብዘይስርዓት ዝመላለስ እንት ኢልና ፍልጠት ምስ ዝውሕዶን ጸላኢ ሰናያት ምስ ዝመልኮን እዩ። ካብቲ ሓደ ሰብ ቆሮንጦስ ኣገባብን ስርዓትን ዝሰኣንሉ ግዳይ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ ኣምላኽ ን ቤተ/ክርስትያኑ ክሃንጸላ ብመንፈሱ ዝሃቦ ውህበት መንፈስ ቁዱስ እዩ። እዚ ብነጻ ዝተዋህበ ብነጻ ማለት ብጸጋ ክዕየየሉ ዝተዋህበ ውህበታት ግና ኣብ ቤተ/ክርስትያን ቆርንቶስ ቅጥዒ ሲኢኑ ኩሉ ብዘይፍልጠት ይግበር ነበረ ነዚ እዩ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሐብኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ፡ ኢየሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብል፡ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ኤፍልጠኩም ኣሎኹ።” ኢሉ እብ 12፣1-3 ይዛረቦም። ሎሚ እዚ መንፈሳዊ ፍልጠት ስለ ዝወሓደና እዩ ኣብ ዘይተደለየ ሃተውተው ንኣቱ ኣሎና። ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህበታት ዘሎ ምድንጋር ብዙሕ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ናብ ገዛእ ርእስናን ብገዛእ ርእስና ኣብ እንጥቀመልኡ ዘሎና እዋን ኢና ዘሎና። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ወሃቢ ዘለና ፍልጠት ሒደት ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ ኣተኩረና ናብቲ ውህበት ይኸውን። ጸገም ሰብ ቆሮንጦስ እዚ እዩ ኔሩ። ዋላ ብዛዕባ እቲ ድራር ጐይታ ተመጻና እውን ሰብ ቖሮንጦስ ሰራዒ እዚ ትእዛዝ እዚ መን ምዃኑ ስለ ዘይፈለጡ ኣተክርኦም ናብቲ ንመዘከርታ ግበርዎ ዝተባህለ ብልዒ ኰይኑ። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብታ ማሕበር ድኻም ሕማም ካብኡ ሓሊፉ እሞን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣስዒብሎም። ነዚ እዩ ቃል ኣምላኽ ህዝበይ ግና ሰኣን ፍልጠት ይጠፍኣ ኣሎ ዝተባህለ። ብኣንጻሩ ከይንጠፍእ ንኣምላኽ ንፍለጦ ክንፈልጦ ድማ ንስዓቦ ተባሂሉ ኣሎ።
እምብኣር ሎሚ ስርዓት ጐዲልና ብብዝመስለና መንግዲ ምልላስና ፍልጠት እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ጐዲልና ከምዘሎ ምልክት እዩ። ንቓል ኣምላኽ ምፍላጥን ቃል እቲ መንፈስን ምፍላጥ በበይኑ እዩ። ብዛዕባ መንፈስ እቲ ቓል ዝፈልጥ ሰብ ኣካይድኡ ዝፈልጥ ስርዓት ዘለዎ ኣማኒ እዩ ዝኸውን። ዘለዎ ውህበት ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ይጥቀመሉ።እቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተሓጊጉልና ዘሎ ስርዓታት ከኣ ብፍርሓት ኣምላኽ ተደሪኹ ይጓዓዝ። ኣብ ዘመን መሳፍንቲ ዝነበሩ እስራኤልውያን ከም ዝመስሎምን ዝተረድኦምን ዝመላለሱ ዝነበሩ ነቲ ስርዓት ዝሃቦም ኣምላኽ ስለ ዘይፈለጡ እዩ። ሎሚ ኣምላኽ እታ ንኸደላ መንገዲ ከርእየና ንዓና ዝጠቅም ክምህረና እሞ ብስርዓታቱ ብስርዓት ክንመላለስ ክንክእል ንኣምላኽ መንፈሳዊ የዒንትና ክኸፍተልና ንጸሊ።
ኩቡራት ኣንበብቲ ሎሚ ንሻራን ምፍልላይን ኣፍ ደገ ከይንኸውን እሞ ዝገደደ ፍርዲ ከይነምጽእ ንጠንቀቕ። ንሓጥያት ከም ሓደ ንቡር ወሲድና ምሳና ተሓንጊጥናዮ ከይንውዕልን ከይንሓድርን ንኣምላኽ ንፍራሕ፣ ፍልጠት ጐዲልና ስርዓት ከይነጉድል እሞ ካብ ኣብ ኣምላኽ ንላዕሊ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣቶኪርና ከይንመላለስ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንጋደል። ሰብ ቆሮንጦስ ድሕሪ ናይ ሃውርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ናብ ኣምላኽ ምምላሶም ዘመልክት ጥቕሲ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ተጻሒፍሉና ኣሎ እምብኣር ሕጂ በዛ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝበሎም ጥቕሲ “በታ ደብዳበይ ኣጒህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡ ተጥዒሰ ኽነሰይ ኣይጠዐስን እየ። እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንጊዜኡ ጥራይ እንተ ዀነ እኳ፡ ከም ዘጒሀየትኩም እርኢ ኣሎኹ እሞ፡ ካባና ገለ ጒድኣት ምእንቲ ኸይትረኽቡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጒሄኹም፡ ንንስሓ ስለ ዝጒሄኹም እምበር፡ ሕጂ ስለ ዝጒሄኹም ኣይኰንኩን ዝሕጐስ ዘሎኹ። ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዐሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ። እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጒሄኹምዎ ኽንደይ ጸዓት ዝየምጽኣልኩም፡ ክንደይ ምምጽራይ፡ ክንደይ ምንጽርጻር፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣልኩም። በዚ ነገርዚ ብዂሉ ንጹሃት ምዃንኩም ርእስኹም ኣርኤኹም። እምብኣርሲ እንተ ጸሓፍኩልኩም ከኣ፡ እቲ ጸዓትኩም ስሌና ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሀድ እምበር፡ ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ። ስለዚ ድማ ተጸናናዕና።” 2ቆሮ 7 ኣምላኽ
ኣምላኽ እስከ ልቢ ይሃበና።”
ቀሺ ሙሴ ሺሻይ
ለቱ ስብሓት

No comments:

Post a Comment