1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 14 September 2011

መልእኽቲ ንሙሉእ ህዝቢ ተዋህዶ ኤረትራ።

መልእኽቲ ንሙሉእ ህዝቢ ተዋህዶ ኤረትራ።
ኩቡር ህዝቢ ኤረትራ ሰዓቢ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ። ብመጀመርታ ኩቡር ሰላምታና ተቀበል ። እንቃዕ ካብ ዘበነ ሉቃስ ናብ ዘበነ ዮሓንስ ኣብጸሓካ ክንብል ከለና ድማ ባህ ይብለና።ቀጺለ ድማ ነዚ ዘለና መልአኽቲ ከነመሓላልፍ ከለና ዝስምዓኒ ሓዘን  ክገልጽ ኣይክእልን።
ኩቡር ህዝቢ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ቤተ/ክርስትያና ኣብ ጸገም ካብ እትኣቱ እንሆ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ገይራ ኣላ።እዛ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ግን ንዝኾነ ዘጓንፍ ነበረ ምእንቲ ድሕነት ሃገረ ኤረትራን ይመሓየሽ ደኾን ካብ ዝብልን ተጸሚምና ክንሓልፎ ጸኒሕና።እዚ ካብ 93 ዓ/ም ምሕረት ዝጀመረ ኢድ ኣእታውነት ፖለቲካን ተጽዕነኡን  ኣብ ቤተ/ክርስትያን ንኽትገልጾ እኳ  እንተመሰለ ግን ከቢድ እዩ ነይሩ።እንሆ ድማ ሽዑ ዝኣተወ መዘዝ ክፍወስ ዘይኽእል  ከቢድ ሕማም ኣኸቲሉ ይርከብ እወ ጉድ ወሊዱ ኣሎ።
ኩቡር ህዝቢ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ኣብዚ እዋን እዚ ብዘይ ፓትሪያርክ ብተወገዘ ይፍታሄ ዲመጥሮስን ባዕሎም ኣብ ዉግዘት ብዝኣተዉ ከጠምቁን ከቅርቡን እኳ ዘይግበኦም ኣቡነ ደስቆሮስን ሰዓብቶምን ትምራሕ ከምዘላ እዝንና ዝሰምዖ፡ ዓይንና ዝሪኦ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።እዚ ነገርዚ ግን ዶኾን ይምለሱ ኢልናኳ ተተጸበና መሊሾም ክውስኸሉን ቤተ/ክርስትያን ኣብ ምዕናውን ንውግዘት ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ረጊጾም ፓትሪያርክ ብድፍረት ክባርኹን ተራእዮም።በዚ ድማ እዞም ሰባት እዚኦም ገለ ፈሪሖም ገለ ድማ እንታይ ገደሰን ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሃይማኖትና ተፈላለየ ድራማታት የካይዱ ይርከቡ።
ካብዚ ንምቅጻል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እነመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሎ እዞም ኣብ ኤረትራ ብይፍታሄ ቀሺ ዲመጥሮስ እና ተለኣኹ ሃይማኖት ዘዕንዉ ዘለዉ ጳጳሳት ኤረትራ ብስም ስላሴ ዉጉዛት ከም ዝኾኑ።ኣብቲ ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ሲዒሮም ኣብ ዓለም ዘይተገብረ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ ፓትሪያርክ ዘካይድሉ ግዜ።ዕልዋ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸሞም ኣቡነ እንጠንዮስ 3ይ ፓትሪያርክ ሃገረ ኤረትራ ብድሕረይ ፓትሪያርክ ከይትመርጹ ብስም ስላሴ ኣውጊዘ ኣለኹ ብምባል ከም ዘውገዝዎምን  ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ተተመለሱ ናብ ደገ ኣይውጻእ ተቀዳዲምካ እናተባህለ ቡዙሕ ተጸኒሑ። እንተኾነ እሶም ግን ውግዘት ስላሴ ብምጥሓስ ፓትሪያርክ ገይሮም፡ተዋህዶ ኤረትራ ካብ ዓለም ሙሉእ ተወጊዛ ካብ መሳልል እታ ኣዲኣ ዝኾነት ቤተ/ክርስትያን መንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ወጺኣ ኣብ ትሕቲ ኩነነ ኣምላኽ ትርከብ። ምስ እዞም ዉጉዛት ሰባት ዝተቀደሰ ኣብ ቅዳሴ ኦም ዝተሳተፈን ፡መስቀሎም ዝተሳለመን ኣብ ልዕሊ ኣጋእዝተ ዓለም ስላሴ የሽካዕልል ከም ዘሎ ክፈልጥ ይግበኦ።
ስለዚ ንሃገርና በረኸትን ሰላምን ክወርድ ካብ ዉጉዝ ዝርከብ በረኸት መርገም እዩ ከም ዝብሎ ታኣምረ ማርያም ካብዞም ሰባት እዚኦም ክትርሕቁንካብ ናታቶም ዘበለ ክትፍለዩን ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዘለኹም ኣመንቲ ሃለዋት መራሒ ሃይማኖትኩም ክትሓቱን ካብ ናታቶም ዘበለ ክትርሕቁን ብምሕባር ፡ከምቲ ኣብ ህዝቅኤል ነቲ ሓጥእ ክትመውት ኢኻ ብርግጽ ተበልኩዎም እሞ ተበልካዮ ተዘይተመልሰ ደሙ ኣብልዕሊኡ እዩ፡ተዘይ ነገርካዮ ግን ደሙ ካባኻ ክደልዮ እየ ከም ዝበለ ንሕና ነዞም ሰባት እዚኦም ዝስዓበ ንኣርዮስ ከም ዝሰዓበ ንብል ነቲ ዘይሰምዐ ግን ብደሙ ከምዘይንሕተት ከም ካህናት መጠን ከም ዘይንሕተት ነፍሲ ወከፍ ብምሕባር ኣብ ዘዘለናዮ፡ ፖለቲካ ብዘየገድስ ኣብ ዘለና ንሓሉ ነዛ ክትጥሕል ትልኽ ትብል ዘላ ሃይማኖት ክንረድኣን ተወገዙ ሰባት ፡ክርስቶስ ቤተይሲ ቤተ/ ጾሎት ትበሃል እስኹም ግን በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩማ ኢሉ ብጭጉራፍ ከም ዘውጸኦም ኣሰር ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ ንጽውዕ።
ብተወሳኺ ስለምንታይ ኢና ን ኣቡነ ደስቆሮስ ኮነ ባዕሉ ፕረሲደንት ኦርተደክስ ተዋህዶ እየ ኢሉ ኣዊጁ ዘሎን ኣብ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ን መራሕቲ ሃይማኖት ዘካላብት ዘሎን ኣረማዊ ይፍታሀ ዲመጥሮስ ምስ ሰዓብቱ  ንዝብል ሕቶ ።ብኃይሊ፡ ብተንኮል፡ ብኣድማ፡ ብህያብ፡ ብገዛእትን ሰበ ስልጣ ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር፡ ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፍለ። ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠልቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡ 172- 185።ስለዝብል ኢና።ኣቡነ ደስቆሮስ ብሓይሊ ብኣድማ ፡ ብተንኮል ፡ብ መንግስቲ ኤረትራ ተሓጊዞም  ውግዘት ሲዒሮም ናብ ስልታን ስለ ዝመጹ እዩ።በዚ ነንቢቦን ቅድስ ጽሑፍና ዝብሎን ኣቡነ ደስቆሮስ  ካብ ስልጣኖም ስዑር እዮም። ንሱን ሰዓብቱን ካብ ቤተ/ክርስትያን ይፈለ። ብኣካትኩም ከም ኣሬሜን ይኹን ስለ ዝብል ኢና። ንሰብ ከነሕጉስ ንዕኦም ተቀቢልና መንፈስ ቅዱስ ክርሕቀና ስለ ዘይንደሊ እዩ። መጽሓፍ እዚ እነበለ ግን ስለምንታይ ሰባት ይቅበልዎም ከየተሓሳሰበና ኣይተረፈን ግን ገንዘብን ጠቅምን ስልጣንን ሓላፊ እዩ ኢልና ንድምድም።
ብተወሳኺ ኣቡነ ደስቆሮስ ንትእዛዝ ኣቡነ እንጠንዮስ  ደው ከብሉ ዝተዋህቦም ብምጥሓሶም።ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን፡“ዝኾነ ጳጳስ ብፓትርያርክ ወይ ፓትርያርክ ብዝመርሖ ጉባኤ ካብ ኣግለግሎት ደው ኪብል ተኣዚዙ ነቲ ውሳኔ ስዒሩ እንተ ኣገልገለ ውጉዝ ይኹን፡ ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል የብሉን” (ቀኖና ጋንግራ 325-381ዓ.ም. ቀኖና 3)። ከም ዝብሎ መሰረት ፍጹም ኣንኳን ከገልግሉስ ናብ መዓርጎም ናይ ምምላስ ዕድል እኳ የብሎምን  ስለዚ ነዚ ቃልዚዶ ነኽብሮ ወይሲ ንሰባት።እሞ ድማ ምእንቲ ስልጣንን ምእንቲ ረብሓን ኢሎም ን ቤተ/ክርስትያን ኣብ ሓደጋ ዘውድቅዋ ዘለዉ ሰባት።
ብተወሳኺ  ኣቡነ እንጠንዮስ ህጂ እውን ፓትሪያርክ ኤረትራ እዮም ኢልና ንኣምን ስለምንታይሲ ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን፡ዝኾነ ጳጳስ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተኸሲሱ ኣብ ጉባኤ ቀሪቡ ብዝለዓለ ፓትርያርክ ገበነኛ ምዃኑ ከይተረጋገጸ፡ ካብ ቦታኡ ኣይተኣለ ኣብ ቦታኡ ካልእ መተካእታ ኣይገበሮ። (ሰርዲቅያ 343 ዓ.ም. ቀኖና 5)።  ስለ ዝብል በፍጹም ገበን ይሃልዎም ኣይሃልዎም ናይ ቅዱስ ማርቆስ ፖፕ ከይተረኽቡ ካብ መዓርጎም  ክእለዩ  በፍጹም ተቀባልነት የብሉን።ስለዚ ቤተ/ክርስትያን ኣብ ጸሎታ ክንዲ ጸልዩ በእንተ ብጹእ ወቅዱስ  ኣቡነ እንጠንዮስ ክብላ እዩ ዝግባእ።ስለዚ ናበይ ኢና እሞ ነዞም ጽሑፋት ኣዚኦም ክንጉሕፎም።እዚኦም ካብቶም ናይ ተዋህዶና መጻሕፍቲ ዘለዉ ጥቅሲታት እዮም ስለዝስ። ብሻራን ብ ወገነይ ወገንካን ብረብሓን ካብ ምስ ኣምላኽን  ቅዱሳን መጻህፍትን ምበኣስ ምስ ውልቀ ሰባት ም በኣስ ይሓይሽ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሲራክ ሰብ ምስ ሰብ ተተበኣሰ ሰብ የታዓርቆ ሰብ ምስ ኣምላኽ ተተበኣሰኸ ከም ዝበሎ ምስ ኣምላክ ክንበኣስ ኣይግበኣናን።
በዚ ኣጋጣሚ እንብሎ እንተ ኣሎ ህጂ እውን እቶም መሳርሒ ን ኸውን ዘለና ሰባት ካብ ምጥቃዕ ነዞም ንባዕሎም ተጋግዮም ን ህዝቢናን ብጾቶምን ዘጋግዩ ዘለዉ ፡ ኣቡነ ደስቆሮስ ንንስሓ ምጽዋዕ እዩ።ህዝቢና እውን ካብ ጥቀኦም ክርሕቅ ምግባርን ነዚ ዝግበር ዘሎ ብተፋላለዩ ካህናት ስለምንታይ ተዋህዶ ሕጋን እምነታን ይቅየር ስለምንታይ ፓትሪያርክ ይወርዱ ኢሎም ዝምጉቱ ዘለዉ ናይ ዘበና ሃወርያት ክነታባብዖምን ብሓሳብ ክንሕግዞምን ምስኦም ክንውደብን የድሊ።ንሕና ንሓቂ ንደልያ ኣለና!!!!።ንሓቂ ንካታዕ ኣለና እታ ሓቂ ሓራ ከተውጸኣና ምኻና ድማ ንኣምን። እቶም ብስምዒትን ይበላ ይበሎን ፡ጥርሑ የእምሮን ሕIዝኩም ኣሰር ቅዱሳን ኣቦታትኩም ካህናት ምስዓብ ትሕንግዱ ዘለኹም መንእሰያት ግን ጽባሕ ታሪኽን ሕልናኹምን ኪኸሰኩም ምኻኑ ንሕብረኩም።እቶም ኣብ ጎድኒ ቅዱሳን ኣቦታትኩም ደው ኢልኩም  ይኣክል ሎምስ ጸወታ ብሃይማኖት እትብሉ ዘለኹም ግን ኣጆኹም ኣምላኽ ክረድእ እዩ።ክሪስቶፎር ኮሎምባስ ንኣመሪካ (ንህንዲ) ንምርካብ ብመርከብ ይጐዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ እቶም ባሕረኛታት፡ ንስለሰተ ኣዋርሕ ዚኣክል ኣብ ባሕሪ ከም ታኒካ ኪገላበጡን ብማዕበል ኪደራበዩን ኢሎም ኣይሓሰቡዎም። ስለዚ ሓደ እዋን ንኮሎምባስ ጸዊዖም፡ ንሕና ንህይወትና ንሰግእ ኢና፡ እታ እተደልያ ዘሎኻ መሬት ከኣ ኣይረኸብናያን፡ ስለዚ ተሎ ንዓድና ምለሰና ምስ በሉዎ፡ ከምዚ ብምባል ተዛረቦም፤
ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣይትፍርሁ፡ ቅሰኑ፡ ቀሪብና ኢና። ግዜ ኪመጽእ ኢዩ፡ መንዩ ኣብ ኒኛ ፒንታ ሳንታ ማሪያ (እተን ሰለስተ መራኽብ ኮሎምባስ) ነይሩ ኪብሃል ኢዩ። ሽዑ ኣነ ኣብአን ነይረ፡ ኣነባ፡ ኣነባ ክትብሉ ኢኹም፡ ኢሉዎም ይብሃል።እወ፡ እቶም ኣብዚ ቅዱስ ስራሕ ኣምላኽ ብትብዓትን ንቅሓትን ቅድም ህላወ ቤተ/ክርስትያን ነውሕስ ኢልኩም ምስናይ ጸርፍን ዘለፋን እትጋዓዙ ዘለኹም፡ ኣስማትኩም ኣብ ታሪኽ ቤተ/ክርስትያን ኤርትራ ኪዝከር ኪነብር ኢዩ።ሽምኩም ከኣ ኣብ ዓምደ ወርቂ ኣብ ሰማያት ምስ ኩሎም ቅዱሳን ክጸሓፍ ኣዩ ከምቲ ጎይታና ዝበሎ እዩ።ሽምኩም ኣብ መጽሓፍ ሂወት ስለ  እተጻሕፈ ደኣ እንበር ኣጋንንቲ ስለ ዝወጹልኩምሲ ኣይትታሓጎሱ ከም ዝበሎ ንዕቤት ሽምካ ኣብ መጽሓፍ ሂወት ምጽሃፉ ስለዝስ ንሕና ንገብሮ ንሕሰብ ደኣ። ቤተ/ክርስትያን ብዓላውያን ተሃዊኻትሉ ፓትሪያርክ ኣብ ማሕዩር ኣትዩሉ ንጉስ ክስቶ እዚ ኣብ ዝገበረሉ ዘበን እወ፡ በዓል መን ነበሩ? ኪብሃል ኢዩ። ሽዑ ኣነ ኣብኡ ነይረ፡ ኣነባ ኪብሃል ከሎ፡ ብዓቢ ኩርዓትን ስምዒት ሃይማኖታዊ  ፍቕርን ኪኸውን ኢዩ። እወ ክዝከር እዩ። እቶም ትማሊ ኩቡር ኣቦና ይብሉ ነሮም ነቦታቶም ካህናት ህጂ ነዚ ተቃዉሞ እዚ ንዘልዓሉ ጥራሕ ፈልዮም  ቀሺ ክስቶ ከምዚ እዩ ቤተ/ክርስትያን እንዳ ክስቶስ እባ እናበሉ መሳርሒ ሸጣን ንዝኾኑ ዘለዉ ኣብ ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያና መዘከርታ የብልኩምን ።እንዳ በልና ኣብ ኢድ እቲ ሉዑል ምውዳቅሲ ክንደይ ዘሰክሕ እዩ ንብሎም።
                        ሃይማኖተ ኣቦው
                       ለቱ ስብሓት

No comments:

Post a Comment