1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 31 October 2012

ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ኣሎ ዶ!! ??



 ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት  ኣሎ ዶ!! ??
ፍቁር ሓወይ እዚ ዘለናዮ ዘበን ምልክታት መወዳእታ ዘበን ዝርኣየሉ፡ዓለምና ናብ ፍጻመ ትጓዓዘሉ፡ምጽኣት እቲ መሲሕ ክርስቶስ እንጽበየሉ።(ማቴ24፡6-8)(ማር13፡7-8)(ማቴ24፡14)ንሱ ብስልጣንን ብግርማን ክመጸና እንጽበየሉ እዋን  በጺሕና ከም ዘለና ትርእዮ ዘለኻ ሓቂ ኢዩ።እሞኸ ተቀሪብካ ዶ ኣለኻ?።(ሉቃ9፡26)
ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይበለና፡(ራእ20፡15)”ዝኾነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ድማ ናብቲ ቃላይ ሓዊ ተደርበየ”።እሞኸ ክቡር ሓወይ ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉዶ ኣሎ??!!።ክርስቶስ ምስ መጸ ከምኡ እውን ዕድመና ኣኺሉ  ድዩ ዋላ ብ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ምስ ገዓዝና ስምና ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተዘየለ ጭንቂ ክኸውን ኢዩ።እዛ ነገር እዚኣ ካብቲ ኩሉ ሻዕ ተተሓሳስበኒ ነገር እያ።ኣስማቶም ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ከይተጻሕፈ ዝጸንሑ ሰባት፡እቶም ኣየር እንዳ ነቀለት ኣየር ትከት ዘይብሎም ሰባት ይመስሉ።እሞኸ ትኣየር ትመጽእ ኣላ፡ቦታ ንምሓዝ ትከት ቆሪጽካ ዶ።
ኣብ (ራእ20፡12) “ምዉታት ድማ፡ዓበይትን ናእሽቱን፡ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ።መጻሕፍቲዉን ተገንጸሉ።ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት ኢዩ።እቶም ምዉታት ድማ፡ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሔ ከከም ግብሮም ተፈርዱ”።ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን ሓወይ ግብረይን ግብርኻንሲ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ከመይ ኮን ይኸውን!!።ብሓቂ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ብምስትውዓልዶ ንማላለስ ኣሎና።ኣምላኽ በቶም ንገብሮም መዓልታዊ ሂወትናን ሓሳብናን ዝጉሂ ተኾይኑ እቲ መጽሓፍ ሂወት ምስ ተገንጸለ፡ግብርና ክፉእን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋንን ኮይኑ ተጸኒሑ፡ከም ግብርና ክንፍደ ኢና።እሞኸ ብግብርኻ ን ኣምላኽ ተኽብሮዶ፡ከተኽብሮ ኸ ሓሲብካ ዶ ትፈልጥ ??።ብ ክርስቶስ ከ ብኣውራኡ ጋና ኣማኒ ዲኻ ??!!።ን ኣምላኽ ከተኽብሮ ዝወሰድካዮም ስጉምቲታት እንታይ ኣሎ።
ብዙሓት ሰባት ን ኣምላኽ ምኽባር ሂወቶም ን ኣምላኽ ከይሃቡ፡ገንዘብ ን ቤት ኣምላኽ ምሃብ ከም ስራሕ ወይ ድማ ኣበርክቶ ዝቆጽሩዎ መሊኦም እዮም።ግን ኣምላኽ ቀዳምነት ዘድልዮ ካባና ገንዘብና ዘይኮነስ ሂወትና ኢዩ።እምበኣር ሎሚ ብ ልዉጥ ሂወት ክትነብር ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ክጽሕፎ ጎይታ ይጽወዓካ ኣሎ።ግን ክንደይ መዓልቲ ኮን ኢና ዘይልዉጥ ሂወት እንዳነበርና፡ ክርስትያናት ኢና እንዳበልና መንፈሳውያን ኢና እንዳበልና ንጻዊዒት ኣምላኽ ጸማም እዝኒ ሂብናዮ ንኸይድ ዘለና!!!!።(ሮሜ 2፡12-13) (ገላ5፡21)
 ናይቲ ሕያዋይ ኣምላኽና ቃል ከምዚ ይብል።(ዕብራውያን3፡8) “ከምቲ ብ ነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ ልብኹም ኣይተትርሩ”(ዕብ 3።15)እሞኸ ክሳዕ መዓስ ኢና ልብና ኣትሪርና ክንከይድ።ነየነይቲ ሂወት ኢና ኸ ካብ ኣምላኽ ርሒቅና ንነብረላ።ዘይ ኣኽለና ክሳድካ ምትራር (ዘዳ10፡16)ከምቲ (ኤር29፡13)”ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ ፡ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም”ይብለና። እሞኸ ን ኣምላኽ ከይንረኽቦ ዝዓግተና ዘሎ ሓይልስ እንታይ ኮን ይኸውን?!፡ነዚ መጋራጃ እዚ ግን ሎሚ ኣብ እግሪ ጎይታ ኣብታ ዘለናያ ተንበርኪኽና ጎይታ ምሕረት ግበረለይ ኣነ ገበነኛ ኢየ ምሓረኒ ንበል።ንነሳሕ ድሕሪ ንስሓ ድማ ኣምላኽ ከም ዝሓደገልና ብምሉእ ልብና ንእመን ።ካብ ሽዑ ን ሂወትና ከም ስድራ ኣምላኽ ብምውሳድ ኣብቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ቤት ኣምላኽ እንዳ ተማላለስና ፡ዘለና ጾርን፡!!ሰኸምን ንዕኡ እንዳ ሃበና ዱሉዋት ንኹን።
ምርጫኻ ሎሚ እንበኣር የሱስ ክርስቶስ በዓል ናዝረት ይኹን።(ህዝ33፡11)”ኣነ ህያው እየ፡ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ረሲእ ካብ መገዱ ኽምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ብ ሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን ኢዩ።ኣቱም ቤት እስራኤል፡ስለምንታይ እትሞቱ፡ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ተመለሱ,,,”ይብል እግዚኣብሄር ።ኣይፋል ተልና ግን ክንጠፍእ ኢና “፡ኣይፋልኩምን ተዘይ ተነሳሕኩምሲ፡ኩላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡እብለኩም ኣለኹ”።(ሉቃ13፡5)( ዘዳ8፡20) እንበኣር ኣይትዶንጊ ነዛ ዘላትካ ሰዓት ናይ ዕርቅን ንስሓን ሰዓት ግበራ።(ራእ1፡7)”እንሆ ብደበና ይመጽእ ኣሎ።ኩለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ ኢዮም፡ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪዉን ኪበኽዩሉ ኢዮም”።እወ ኣሜን።
                ኣምላኽ ይደግፈና
              ሓውኻ ቀሺ-ሙሴ
           from etiqalsgakone blogs,http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/10/blog-post_30.html
                     haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment