1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 24 October 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 2ይ ክፋል።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 2ይ ክፋል።

ብ ተወሳኺ እውን እታ እታ”ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ እትብል ቃል ኣብቲ ኤልሳበጥ ሰላም ዝበለትላ ተደጊማ ንረኽባ፡ ንምስትውዓል እውን ኣብቲ ሥርዓት ኣዘራርባ መልኣኽ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ካብቲ ምስ ዘካርያስ ካህን ዝነበረ ኣዘራርባ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።ሉቃ1፡13)።
ጴንጤ ኮነ ከኒሻ፡- ንሕና ነደና ማርያም እንህቦ መጸውዒ ብጣዕሚ እዮም ዝጽየፉዎ።ኣብነት ንሶም ነደና ማርያም በፍጹም ኣደና ኣይብሉን።ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነት ኣደነታ ንኹሉ ኣስማት ክርስቶስ ይምልከት።ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ተደኣ ኮይኑ ኣደ ኣምላኽ ኢልካ ምጽዋዕ ስለምንታይ ገበን ይቆጽርዎን ይቃወሙዎን ካብቲ ኣገሪሙ ዘሎ እዩ።
ክርስቶስ ብርሃን ካብ ኮነ(ዮሃ1፡9)(ዮሃ8፡12) ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ብርሃን ተባሂላ ክትጽዋዕ ብ ኸመይ  ዘይቅበሉዎ።
ክርስቶስ ቅዱስ እዩ፡(ሉቃ1፡35) ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ቅዱስ ትኸውን።
ንሱ መድሓኒ ካብ ኮነ ፡(ሉቃ2፡11) ንሳ ኣደና ድማ ኣደ መድሓኒ ትኸውን።
ክርስቶስ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ (ዮሃ1፡1)(ራእ9፡)(ዮሃ20፡28) ስለዚ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ወላዲተ ኣምላኽ ትኸውን።
ምስናይ እዚ ኩሉ ግን ከኒሻ ኮነ ብሓፈሻ ከምኡ እውን ጰንጤ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን በዚ ኣስማት እዚ ጸዊዖማ ኣይፈልጡን።በዚ ጥቅስታት ተመርኪስና ወላዲት ኣምላኽ ተብልናያ እዮም እንበኣር ኣብ ምኽሳስና ዝውዕሉን ፡ዝፈርዱን ነተን ዘይደልደላ ነፍሳት (ምሳ 14፡25)
ከምቲ ኤልሳቤጥ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝበለታ፡”ኣደ ጎይታይ”(ሉቃ1፡43_። ጎይታ ስለ ዝኾነ፡ ኣደ ጎይታ ትኸውን ፡ኤልሳበጥ  ነዚ ተረዲኣ እያ ከምኡ ዝበለት።በዚ ድማ ኣደ ኣማኑኤል ትኸውን(ማቴ 1፡23)ከምኡ ኸኣ ኣደ እቲ እተሰገወ ቃል ኢያ።(ዮሃ1፡14)።
ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ክርስቶስ ካብ ኮነት፡ብ መንፈሳውነት ኣደ ኩሎም ቅዱሳን እያ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ከሎ፡፡ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ን ፍቁሩ ቅዱስ ዮሃንስ ፡”እንሆት ኣዴኻ “ዝበሎ እኹል ኢዩ።(ዮሃ19፡27)።ነዚ ኣቱም ደቀይ እናበለ ዝዛረበና ሓዋርያ ዮሃንስ ኣደኡ ካብ ኮነት(1ይ ዮሃ2፡1) ን ዓና ንኹላትና  ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ከይትኾነሉ ዝኽልክል ጽሑፍ ካበይ መጸ።ነቲ ኣቦና እንብሎ ዮሃንስ ኣደኡ ክንሳስ ከመይ ገይሩኸ ይኸውን “ሓፍትና “ ምባል።እታ  ኣደ ክርስቶስ ነቲ ብስም የሱስ ኣሚኑ ዉልድነት ዝረኸበ ሰብ፡ሓብቱ ክትከውን ካብቲ ዘይብቑዕን ዘይቅቡልን ተዋቃዕን ኣዘራርባ እዩ!።
ፕሮቲስታንት ብሓፈሻ ፍጹም ቅድስቲ ማርያም ኣይቅብሉን።እዚ ናብ ካልእ ይወስደና (ራእ 12፡13)  (ራእ 12፡17) ነደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ቦታ ቅድስናን ክብርን ከተውጽእ ምፍታን ተንልእኾ ናይዘ ገበል ምስራሕ ጥራሕ እዩ ዝኸውን።ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ክርስቶስ መድሓኒ ዝወለደትልና ክብሪ ደኣ ይግበኣ እንበር ኣሰር እቲ ገበል ክንቁጠዓ ኣይግባእን።(ራእ 12፡13)።
እቲ ቀንዲ ጸገም ናይዞም ኣሕዋትና ን መጽሓፍ ቅድስ ከይተረድኡ ብስሚዒት ጥራሕ ነቲ ቅዱሳን ሃዋርያት ዝጥቀምሉ ነበሩ ኣገላልጻን ርድኢትን ባዕሎም ኩሉ ግዜ ስለ ዝቅይሩዎን ን ነፍሶም ልዕሊ ሃዋርያት ገይሮም ስለ ዝሰርዑን እዩ።ሃዋርያት ግን ከምዚ ኢሎም ይጽውዑ ነይሮም።ሮሜ1፡7 ኣብ ሮሜ ን ዘለኹም ጽዉዓትን ቅዱስንን ፍቁራት,,,(ሮሜ15፡25-26) (ሮሜ15፡30-32) (ሮሜ16፡15) ብሉይ ኪዳን ስለ ዘይቅበሉ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዘሎ እዚ ያክል እዩ።ሃዋርያት ነቶም ከም ፍቃድ ኣምላኽ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ቅዱሳን ኢሎም ይጽውዕዎም ነበሩ።ነገረ ጰንጤን ዓባይ ከኒሻን  ግን ነዚ ኣይወሓጠሎምን ።እሞኸ ሃዋርያት ነቶም ብጸቶም ቅዱሳን ኢሎም ይጽውዑ ካብ ነበሩ ነታ ብ መላእኽቲ ዝተመስከረላ፡ ቅድስነኣ ኣምላኽ መስኪሩ ክኸብረላ ዝፈተወ “ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” ዝተባህለላ ኣደና ደኣሞ ስለምንታይ እዩ፡ ቅድስቲ  ዝብል መጸውዒ ዝኸልእዋ።ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስለ ዝበልናያ ድማ ዝኸሱና።ንሕናስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኢና እንብል ዘለና።ሃዋርያት ዝበልዎ ድማ ንብል ኣሊና።ርኣዩ እንበኣር መን እዩ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ።
እቲ ን ኣደ ክርስቶስ ዘየኽብር፡ንክርስቶስ ኢዩ ዘየኽብር።ኣደ ምኽባር ሓደ ካብቲ ቀዳማይ ቃል ትእዛዝ ኢዩ።(ኤፌ6፡2) (ዘጽ20፡12) (ዘዳ5፡16) ስለዚ ነታ ኣደና ኣደ ክርስቶስን ኣደ ሃዋርያትን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣይነኽብራን ዶ?።ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኢልካ ምጽዋዕካ ትእዛዝ ምፍጻም ዶ ኣይኮነን።ይቅጽል ናብ 3ይ ክፋል,,,,,,,,።
              ካብ ወብሳይት http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/10/2_24.html
                 haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment