1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 24 October 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 1ይ ክፋል።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 1ይ ክፋል።

ኣብዚ ዘበን እዚ ገለ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደና ዘነኣእሱን ዘቛናጽቡን ገለ ኸኣ ብ ኣንጻሩ ናብ ደረጃ ኣምላኽ ዘሰጋገሩዋ ክሳዕ 4ይቲ ኣካል ስላሴ እያ ዝብሉ ሰባት ክንሰምዕ ከለና ብጣዕሚ እዩ፡ ዝገርመና ን መሳኽን ልቢ ገርሀኛታትን ስለ ዘስሕቱ ድማ ካብ ትምህርቲ ሃዋርያት ዝጸሓፉልና ክንምልሰሎም ንግደድ።እዚ ርእይቶ እዚ ኣብቲ ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ዘውጽእዎ መጽሓፍ ተመርኪሱን ካብኡ ዝተወስደን እዩ።ገለ ካብኡ እውን ሓሳብና ኣለዎ።እዚ ርእይቶ እዚ ን ሰባት ሓቂ ነገር ንምምሃር ደኣ እንበር ነቲ ሓደ ሓቀኛ ኣምሲልካ ነቲ ሓደ ከም ሓሳዊ ንምቅራብ ኣይኮነን ታይ ደኣ እቲ ሓቂ ሰብ ክፈልጦ።
እስከ በቶም ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕማቅ ኣመለኻኽታ ዘለዎም  ሓይልታት ወስ ክንብል።ገለ ገለ ሰባት ወይ ማሕበራት ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣየኽብሩን ከምቲ ንሕና እንብሎ ድማ ጸልይልና ኣይብሉን፡ከም ቅራፍ እንቋቁሖ ድማ ይምልስልዋ፡”ንሳስ ከምታ ብድሕሪ እቲ ህያው ካብኣ ምስ ወጸ ቁምነገር ዘይብላን ቅራፍ እንቃቕሖ ኢያ፡”ይብልዋ።ዘሕዝን ኣበሃህላ እዩ።
ገሊኦም ከኣ “ሓፍትና” ይብልዋ፡ ብድፍረት፡እዚ ቃል እዚ ኣብዞም ሓደሽቲ እምነታት ከም እኒ ኩለን ማሕበራት ጰንጤ ልሙድ ኣበሃህላ እዩ።
3.ገሊኦም ከኣ ምስታ ኣብ ኤርምያስ7፡18) ኤርምያስ 44፡17-25።ተገሊጻ ዘላ ጣዖት ብምምስሳል ንኽብሪ ኣደና ማርያም መዓዝኑ ብጥዋይን ፡ነቲ ቤተ ክርስትያን ዘለዋ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስተ ድንግል ማርያም  ብምጥዋይን ፡ተዋህዶ ነዛ ኣብ ኤርምያስ ተጠቂሳ ዘላ እዮም።መስዋእቲ ዘቅርቡላ ብምባል ን ገለ ገርሂ ልቦም የዕሽዉ።
4,ብዘሕፍርን ድማ ብድሕሪ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ምስ ዮሴፍ ጸራባይ ከም በዓልቲ ቤቱ ተቀሚጣ ከምኡ እውን በዓልቲ ቤቱ ን የሰፍ እያ፡ካብ የሰፍ ቆልዑ ወሊዳ ፡መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕዋት ኢየሱስ ዝብል ኣሎ ይብሉ።
5,ከምኡ ኸኣ ንሶም ነቲ ቤተ ክርስትያን እትህባ መጸውዒ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣይጽዉዑዋን።
6.ን ዘይምኽባራን ተቓዉሞን ንምግላጽ፡ኣብ ክንዲ ከምቲ መልኣኽ ዘበሰራ ብ “ምልእቲ ጸጋ “ኢሎም ዝጽዕውዕዋ፡ትርጉሙ ቀይሮም”ዝተጸገወት” ይብልዋ።እረ ገሊኦምስ እቲ ዝተጸገወት እኳ ኣይብልዎን።
7.ኣብ ክንዲ ፡ወላዲተ ኣምላኽ” (ሲኦቶክስ)ዝብልዋ፡ ኣደ ኢየሱስ ኢሎም ይጽውዕዋ።
ንሕና ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ብፍቅርን ሓጎስን ብዘይ ምጥርጣርን ነኽብራ፡እዚ ድማ ዝግብኣ ስለ ዝኾነት እዩ።ነዚ ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ጥራሕ ኣኻሊ እዩ፡ ንሱ ድማ ርሑቅ ከይከድና እታ “ሽንሆ ካብ ህጂ ኩሎም ወለዶታት ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም።”(ሉቃ፡1፡48)። “ኩሎም ወለዶታት”እትብል ቃል፡እቲ ካብ ልደት ጀሚሩ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ዝቕጽል ኣኽብሮት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ሃይማኖታዊ መምርሒ፡ከም ዝኾነ ዘመልክት ኢዩ።
ከምኡ እውን ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹዎ ዘሎ፡እቲ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ዝበለታ ኢዩ።)ንሳ ዕድመ ዝደፍአት፡ክንዲ ኣደኣ ትኸውን ኢያ ነይራ) “ኣደ ጎይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡እዚ ካበይ ኮነለይ?፡እንሆ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ህጻን ተሳራሰረ።”ኣብዚ ድምጺ እቲ ኣብ ከርስኺ ዘሎ ህጻን ምስ ሰምዐ ዘይኮነት ትብላ ዘላስ “ድምጺ ሰለምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ህጻን ተሰራሰረ ኢያ ዝበለታ።(ሉቃ1፡33-44)። ኤልሳቤጥ ሰልምታ ኣደና ማርያም ብምስማዕ ጥራሕ ብ መንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ፡(ሉቃ1፡41).. ድምጺ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምስማዕ ጥራይ መንፈስ ቅዱስ ክመልኣ ከሎ ካብቲ ዘገርም ዕብየት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኢዩ።
ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ሰባት ጥራሕ ኣይኮነትን ክብሪ ረኺባ።ካብቶም ኣብ ቅድመ ገጽ ኣምላክ ዝቀርቡን ኣብ ቅድመኡ ዝለኣኹን መላእኽቲ እውን እንበር፡እዚ ከኣ እቲ  ገብሪኤል መልኣኽ ሰላም ኣብ ዝበለላ ተጋሂዱ ንረኽቦ።”እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፡ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡እግዚኣብሄር ምሳኺ ኢዩ እሞ፡ባህ ይበልኪ፡ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ።”(ሉቃ1፡28_። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ “እትብል ቃል ካብ ኩለን ኣደና ቅድስቲ ማርያም ከም እትኸብር ብግልጺ የብርህ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,ናብ 2ይ ክፋል።
ካብ ወብሳይት ቃል ስጋ ኮነ ተወስደ http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/10/1.html
                                          haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment