1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 6 October 2012

2ይ ክፋል ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።


2ይ ክፋል ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!።
       ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
እንበኣር ኩላትና እንጸድቅ በቲ ብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ምሕረትን በጃ ምሕላፍን፡ምእማንን ምቅባልን  ንዕኡ ካብ ኮነስ ንምንታይ እንዱንጊ።ህጂ ብድድ ኢልና ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ ክንምድብ ኣለና፡ ጎይታ ምስኡ ክትዕረቅ ከም ሰባት ብዙሕ ሽማግለ  ዘድልዮ ኣምላኽ ኣይኮነን። ርሑቅ ከይከድካ ኣብታ ዘለካያ ኮንካ ዎ ኣምላኽ ምሕረት ግበረለይ ዘግሃኹኻ ዘበን ይኣክል ፡ን ሓጢኣት ክምልኮ ድማ ሓይሊ ሃበኒ በሎ፡ ኢዮብ 8:5:ንስኻ ንኣምላኽ ተጠንቂቕካ እንተ ደሊኻዮ፡ ነቲ ዂሉዚኽእልውን ሕረት እንተ ለሚንካዮ ክሓድገልካ ድሉው እዩ።
በጃኻ  ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ኣይቅበልንን ኣይትበል።ከምኡ ምባል ን ኣምላኽ ከም ጨካን ገርካ ምሕሳብ እዩ።ስለዚ ፍቁር ሓወይ ገበንካ ኣይትኸውል ንገሮ ነቲ ለዋህ ኣምላኽ፡ ምሳሌ 28:13:ገበኑ ዚኽውዎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ። ነዛ ሓጻር ዕድመና ሰላም ዘለዎ ሂወት ዘይንነብር።ብዙሓት  ሰባት ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓርኪ ጻድቃን ጥራሕ ገይሮም ብምርኣዮም፡ በቃ ሓጢኣተኛ እንድየ ድሕሪ ህጂ ኣምላኽ ኣይቅበለንን እዩ ኢሎም ተስፋ ይቆርጹ። እዚ ግን ናይ ጌጋ ገይጋ እዩ ኣምላኽ ዓርኪ ሓጥኣን ኮላይ እዩ።እዝስ ን ኣምላኽ ከም ምጽራፍ ነቲ ንሱ ንደቂ ሰባት ዝሃቦ ምሕረት ምንዓቅን ምቁንጻብን ደኣ ይቁጸር ።
ምኽንያቱ ኣምላኽ ንጡፉኣት ክደሊ እዩ ዝመጸ ማቴዎስ 18፡10-14።ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።፲፩ - ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡፲፪ - እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ክደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን ?፲፫ - እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዝሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።፲፬ - ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ክጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።
ፍቁር ሓወይ ዋላ ኣነን ንስኻን ብዙሕ ሓጢኣት ተገበርና ብንስሓ ክንምለስ ደኣ እንበር ክንጠፍእ እቲ ዝሞተልና ኣይደልን እዩ።መድሓኒና ፡ ክንጠፍእ ስለ ዘይደሊ ድማ እዩ ኣብ መስቀል ዝወዓለልና።ነዚ ክፈልጡ ስለ ዘይከኣሉ ድማ እዮም፡ ነቲ ምሕረት ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም ፈሪሳውያን ንሓጥኣን ይቅበል ምስኣቶም እውን ይበልዕ ኢሎም ዝተገረሙ ሊቃስ15፡17።ዘገርም ነገርሲ ኣነን ንስኻን እዚ ኹሉ በዲልና ግን ብምላስናስ ዝገበርናዮ ኩሉ ተረሲዑ፡ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ይኸውን እዚ እውን ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ፍቅሪ  መግለጺ እዩ።ንሱስ ንሓኪም ሕሙማት ደኣ እንበር ጥዑያት ኣየድልዩዎን፡ ደኣ ተዛረበ።ን ሓጥኣን ደኣ እንበር ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እዩ ዝበለ ዘገርም ፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣተኛታት ሉቃስ5፡30።
 ዘገርም ግን ብዙሓት ሰባት ነዚ ከይተረዳና ዋእ መራሒ ሃይማኖት ተባሂሉስ፡ <<መራሒ መንግስቲ ተባሂሉስ >>፡<<ምስ መንዩ ዘዕልል ዘሎ>>  ፈኪሽ ዘይረዚን ምስ ዝስሕቆን ዘዕሊሎን ዘይርድኦ ፡ምባልና።  ዋላ ንብዙሓት ሰባት እውን ዋእ ክብረቱ ዘይሕሉ እዩ ወደይ ፡ኣታ ክብረትካ ዘይትሕሉ ዋእ፡ፈኪስ እኻ ንብል ግን፡ግን ሰብ ክብሪ ኣምላክ ክሕሉ ደኣ ክጥንቀቅ ኣለዎ እንበር ክብሩስ ክሓስባ እኳ የብሉን።ክብርና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡እሞ ናቱ ክብሪ ክሓስር ከሎ ጥራሕ ክስመዓና ይግበኦ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ሂወት ዝረሳዕና ብዙሓት ኢና።ንሱ ምድራዊ ኣገልግለቱ ናይቲ መድሓኒና ምስ ሓጥኣን የሕሊፉዎ ።
እዚኦም ኩሎም ጎዶሎታት ኣይኮነን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ፍጹም ኣምላኽን ሰብን ኣብ መረት  ኣብ ዝነበረን ናይ ምድሪ ኣገልግሎቱ ፍጹም ምስ ጻድቃን ፈላጣት መጻሕፍቲ ውሩያት መማህራን መዘምራን ኣይከደን፡ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ካብኦም ዘይደሊ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡እቶም ንዕኡ ዘድልዩዎ እቶም ብሰብ ድርቡያት፡ንዑቃት ፍንፉናት፡ ርጉጻት ዝነበሩ ሰባት ጥራሕ ስለነበሩ እዩ።
እንበኣር እቶም ኣገልገልቱ ኢና እንብል እውን ነዚ ግብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ኣለና።ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸብር እየ ከይበለ ነፍሱ ብምሕሳር ኣብዛ ምድሪ ኣገልጊሉ። ዘገርም ነገር ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ንሕና ሰባት እንሓስቦ ዘይምኻኑ እዩ።ከም ናቱ ለዋህነትን ፍቅርንስ ኣብዛ መረት የለን።ነዚ ክገልጽ ደልዩ ድማ እዩ ቅዱስ የውሃንስ ኣፈወርቂ ፍቅሪ ን ወልድ ካብ መንበርሩ ሰሓቦ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጸሖ ዝበለ።
ስለዚ ምናልባሽ ኣብ ምፍላጥ ኣምላክ ገይጋ ርድኢት ሒዝና ከይንህሉ ክንሓስብ ኣለና።መልክዕ ኣምላኽ ከምቲ ሰባት ዘርድኡና ኣይኮነን፡ከምቲ ሰባት ዝምህሩና እውን ኣይኮነን፡ፍጹም ፍሉይ በእምሮ ክብጻሕ ዘይኽእል እዩ።ብኹሉ ነገራቱ ብኹሉ  ን ኣምላኽ ክሳዕ ህጂ ደቂ ሰባት ክበጽህዎን ክፈልጥዎን ኣይከኣሉን ዘለዉ።እንበኣር ንሱ እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተ ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ ህያው ክርስቶስ ከም ቃሉ ክትነብር ይኹሕኩሕ ኣሎ ፡ እሞ ነቲ ዝሞተ ህያው ዝገብር ክርስቶስ ጻውዒቱ ሸለል ኣይትበል።እንሆ ንሱ ኣብ ኣፍደገ ልብኻ ኮይኑ በዚ ቃል እዚ ይኹሕኩሐካ ኣሎ፡ በጃኻ ኣይትእበዮ ምሳኻ ክድረር ራእይ ዮሐንስ 3፡20 እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል ኣለኹ።ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ ፡ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ክድረር እየ፡ንሱ እውን ምሳይ ፡በጃኽ ሕራይ በሎ ተኣዘዝ !! ይቅጽል,,,,,,,,,,,,።
haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment