1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 26 October 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 3ይ ክፋል።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 3ይ ክፋል።

እዚኣ እቲ መልኣኽ “መንፈስ ቅዱስ ክወርደኪ ሓይሊ ልዑል ከጽልለኪ ኢዩ”።ስለዚ ኸኣ እቲ ዝውለድ ቅዱስ ፡ወዲ ኣምላኽ ክበሃል ኢዩ።”(ሉቃ1፡35)።ዝበላ።እዚኣ እታ ኤልሳበጥ ከምዚ ዝስዕብ እናበለት ዘኽበረታ፡እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነግረላ ቃል ክፍጸም ኢዩ እሞ፡እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ፡’’(ሉቃ1፡45)።እታ ኩሉ ወለዶ ብጽእቲ ዝብልዋ..ቅድስቲ ምባላ ከሕፍረካን ቅድስቲ ኢልካ ከይትጽወዐ ክትጣራጠርን ዓገብ,,!።
እታ “ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ”እትብል ቃል ከኣ ብ መልኣኽ ገብርኤል ፡ብቅድስቲ ኤልሳበጥ ተባህለታ ፡እዚ ማለት ንሳ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዓለም ብርኽቲ ንኽትከውን ዝተሸለመት ኢያ።ምኽንያቱ ሓንቲ’እውን ትኹን ካብአን ካብቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ተሠጋዉነት ኣምላኽ ዝረኸበቶ ክብሪ ቅድስና ኣይረኸበትን።
ንሰንሲ እቲ ካብኣ ዝወሰዶ ስጋ ክርስቶስ ደኣ በሊዐን ሂወት ይረኽባን ንረክብን።ስለምንታይ ንሕና ኣብ እምነትና ካብ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ካብ ስገኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሰደ ኢልና ንምህር።እቲ ን ወስዶ ስጋ እውን እቲ ካብኣ ዝተወስደ ስጋ ደኣ እዩ።
ኣምላኽ ንዕኣስ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዓለም ከም ዝመረጻ ኣይንጣራጠርን ኢና።ከመይ ባዕሉ ብ መልኣኹ ስለ ተዛረበና።ካብቲ ምስኣ ዘሎ ጠባያት ሓንቲ ‘ውን ትኹን ማዕረኣ የላን፡ኣይነበረትን ፡ማዕረኣ እውን ከምኣ ሰብ ምስአ ኣይተረኽበትን።ኣብ ቅዳሴ ባህርያቆስ ኣብ እንብሎ እውን ከምተን ኣዋልድ እብራውያን ክሳድኪ ኣይትረርክን ብምባል ንዘለዋ ትሕትናን መንፈሳውነትን ንገልጾ ገልጻ።
ኣብዚ ኢዩ እምበኣር ፍሉዩነት ልዕልናን ዕብየትን ደረጃን ግርማኣን ዝተገልጸ፡ስለዚ ኸኣ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ግብጺ ዝመጸትሉ እዋን “ደበና”ክብል ዝሰመያ(ኢሳ19፡1)።
ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣፍልጦ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይነበሮም ብምዃኑ ነቲ ተዋህዶ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ማርያም እትህቦ ኣገላልጻ፡በቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብ ገበራ ጥራሕ ዝፈልጡዋ ምስ ተነበበሎም ተዋህዶ ከም ዝተሰሓሓተት ገይሮም ብምርዳእ ዝጠራጠሩን ሃይማኖት ዝቅይሩን መሊኦም እዮም እስከ ንርኣዮ እቲ ብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ልዕሊ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝጽዋዕ ኣስማት።
ኣምላኽ ብ ተሰጋውነቱ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስለ ዝሰፈረ፡ቤተ ክርስትያን “ካልኣይቲ ሰማይ”ኢላ ትጽውዓ።ከምኡ እውን መንበረ ታቦት ወይ ከኣ”ናይ ሙሴ ጽላት ኢላ ትጽውዓ።
ኣምላኽ ኣብኣ ስለ ዝሰፈረ ኸኣ፡ ቤተ ክርስትያን ከተማ ኣምላኽ ወይ ከኣ ከምቲ ኣብ መዝሙር ጽዮን ዝተባህለ፡ ኣንቲ ከተማ ኣምላኽ ፡ብዛዕባኺ ክቡር ነገር ተዘርበ”ብዛዕባ ጽዮን ድማ እዝን እትን ካብኣ ተወሊዶም ፡ክበሃል ኢዩ፡እቲ ልዑል’ውን ባዕሉ ከጽንዓ ኢዩ።”(መዝ87፡3,5)
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ንነፍሱ ብ ደመና ስለ ዝመሰላ፡እዚ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያው እንጌራ ስለ ዝኾነ (ዮሃ6፡58)ስለዚ ኸኣ ቤተ ክርስትያን “መሶበ ወርቅ እንተመና ኢላ ትሰምያ።ወዘተ,,
ካብቲ ኣገዳሲ ቤተ ክርስትያን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም እተኽብራ ምኽንያት፡መንፈስ ቅዱስ ኣብኣ ስለ ዝወረደን ን ኣምላኽ ስለ ዝወለደትን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብኣ ስለ ዝወረደን ን ኣምላኽ ስለ ዝወለደትን፡ንኹሉ ግዜ ድንግል ስለ ዝኾነትን ስለ ቅድስንኣን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ ስለ ዝመስከረን ጎይታ ባዕሉ ስለ ዘኽበራን ኢዩ።ከምኡ ኸኣ ቤተ ክርስትያን ስለ እቲ ተኣምራታትን ቅዱስ ምግላጽን ተኽብራ።
እዚ ኣኽብሮት እዚ ከኣ ኣብ ስርዓትና ንትግብሮ።ኣብቲ ንገብሮ ዜማታትን እውን ንገልጾ።
ጰንጤ ኮኑ ሉተርያን (ከኒሻ)ማሕበራት ነደና ማርያም ብድንግልነኣ ኣይኣምኑን።እዚ ዘርኢ ድማ ብዘይ ጭብጢ ሰብ ከም ዝኹኑ ዝርኢ ሓደ ዓቢ ጸገሞም እዩ።(ሉቃ6፡35)(ዮሃ7፡24)ቀጻልነት ድንግልና ኣደና ማርያም ኣይኣምኑንን።እዚ ጉዳይ እዚ ቅድመና ነበሩ መማህራን ኣቦታትና ካብ ካልኣይ ክሳዕ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ዝተዛረቡሉን ኢዩ።ከም እኒ ቅዱስ ኤረነዮስ(ጅሮም) ብ 383 ዓ/ምሕረት ዝተጻሕፈ መጽሓፍ እዚ፡ንደገፍ ቀጻልነት ድንግል ማርያም ዝገልጽ ኣንጻር ሃልፌርዮስ ዝተባህለ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ።ኩሉ እቲ ፕሮቲስታንት ዝምስክሩዎ ርእይቶታት ካብቲ እዚ ሰብኣይ ዝሃቦ ርእይቶ ኣይፍለን እዩ።ይቅጽል።።ናብ 4ይ ክፋል,,
from blog http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/10/3-135-145.html
        haymanotrabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment