1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 6 April 2012

ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት 2ይ ክፋል


    ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት 2ይ ክፋል
ኣብ ኣርያም ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ እትነብር ኣብ ሰማይ እትነብር ሰማያዊ ዝኾንካ መድሓኒና ህጂ ኣድሕን እንዳበሉ ዘመሩ።ካልእ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ሮማውያን ብምንባሮም ካብ ናይ ሮማውያን ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ኣድሕን ዝብል ናይ  ስጋ ሓሳብ ክኸውን ከሎ ፡በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብ ናይ ነፍስን ስጋን ሞት ኣድሕን ማለቶም ነበረ።ኣብዚ ናይ ምስጋናኦም መዝሙር እንረኽባ  ሃይለ ቃል ወዲ ዳዊት እትብል ክትከውን ከላ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ህዝቢ ተረዲእዎም ከም ዝነበረ የመልክተልካ፡(ማቴ12፡23።20፡23።20፡30፡22፡41፡9፡።ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስት>> ማለትና ን ዳዊት ዝተዋህበ ናይ ተስፋ ቃል ምፍጻሙ የመልክት። ናይ እስራኤል መንግስቲ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ነበረት፡ናይ ሰብ ኩሉ ገዛኢ እግዚኣብሔር ዝለዝኾነ ካብ ኣዳም ክሳዕ ሳሙኤል ንህዝቢ ዝገዝእ ወይ ድማ ዝእዝዝ ዝመርሕ እግዚኣብሔር ደኣ እንበር ዝኾነ ንጉስ ኣይነበረን።
ኣብ ግዜ ሳሙኤል ግን እቶም ህዝቢ ንጉስ ደለዩ ።ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡፭ - እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኩሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ።፮ - ዝፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ።፯ - እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂሉ ቓሎም ስማዕ።1ይ ሳሙኤል8፡4-7። ሸመሎም ድማ  ን ሳኦል ድማ ሸመሎም ጓሳ ኣድጊ ዝነበረ ሳኦል ድማ ሸመሎም ዘገርም እዩ ካብ ፈጣሪ ሰማይን ምድርንሲ ናብ ሰብ ተመሊሶም እዚ ንሕና ደቂ ሰባት ክብረት ዘይኮነስ ሓሳር ዝመረጽና ንዓና ዝሕሸና ዘይንፈልጥ ፍጡራት ምኻና የረድእ።ንእግዚኣብሔር ኣይግዛእን ንዝበለ ህዝቢ ከም ሳኦል ዝበለ  ሓደ ጓሳ የእዱግ ይገዝኦ።
መንግስቲ ሳኦል ን ኣምላኽ ዘይተኽብር መንግስቲ ምስ ኮነት ድማ  መንግስቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ዳዊት ተዋህበት፡ እቲ ከም ሳኦል ዝበለ ርጉምን ን ኣምላኽ ዘየኽብር ንጉስ ንግስነቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ትወሃብ።መንግስቲ ዳዊት ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ነበረት ኣምላኽ ን ኣቦና ዳዊት  ን መንግስትኻ ካባኻ ንዝውለድ ወድኻ ክህቦ እየ ዝበሎ ንግዝይኡ ን ወዱ ሰለሙን ክኸውን ከሎ ፍጻመ ግን ጎይታና ካብኡ ከም ዝውለድ ቃል ኣትዩሉ ንዝነበር ጎይታ እዩ ዝነበረ።ገብርኤል መልኣኽ ብስራታዊ እውን ነዚ እዩ ዝተዛረበ (ሉቃ1፡33)።እታ ካብ ናብ ብስዉር ትመሓላለፍ ዝነበረት ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ  ብ ወዲ ኣምላኽ ምውላድ ስለ ተገልጸት ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስቲ ኢሎም ዘመሩ።
 ኣብዚ ግዜ እዚ መሲሕ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጸ መላእ ከተማ  ብኹላ<<እዚ መን እዩ>> ኢላ ተናወጸት።ህዝቢ እዚ ካብ ገሊላ ዝመጸ ነብይ ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ኢዩ በሉ። ሽዑ ድማ እዩ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ናይ ንግዲ መእከል ዝነበረ ቤተ መቅደስ እዚ ቤት ጾሎት እዩ ቤተ ንግዲ ኣይኮነን ኢሉ ብግልጺ ዝገሰጾምን ዝተቃወሞምን ዝጎሓፎምን።ሎሚ ነዚ ታሪኽ እዚ ክንዝክር ከለና እዛ ንነብረላ ዘለና ቤት ኣምላኽ ከ ናብ ቤተ እንታይ ተቀይራ ኣላ ኢልና ምሕሳብ ከድልየና እዩ።ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ተትዛረቡስ ኣይምተኾንኩምን ነርኩም ከም ዝበለና ብዛዕባ ሓጢኣትናዶ ብዛዕባ ሓጢኣት ካልኦት ክንምድር ንውዕል ኣለና።
ሎሚ ብዛዕባ ካብ እምነትና ወጻኢ ዝኾኑ ነገራት ክንኩንን ካብ ግዜና ነጥፍእን እነንቅድን ብ መጀመርታ ቤትና ከመይ ኣላ ኢልና ቀው ኢልና ምዕዛብ ከድልየና እዩ። ጉዳይ ቤተ መቅደስ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከመይ ኣሎ፡ቤተ ክርስትያን ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ፡ናብ ቤተ ምክፊፋል ናብ ቤተ ኮሬነላት ፡ጀነራላት ዘማሓድሩዋ፡ ብ ተወገዙን  ጭዋታትን እትመሓደር ቤተ ክርስትያን ምስታ ናይ ሃወርያት ቤተ ክርስትያን ብ ኸመይ ትመሳሰል፡ናብ ቤተ ነገስታት ፡ናብ ቤተ ፖሎቲካ፡ ናብ ቤተ ኣጻላላም፡ናብ ቤተ ንግዲ ሎሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዝመጽእሲ ምስ ኣዮናት ኮን ምረኸበና???፡ ምስቶም ቤተ ክርስትያን እንዳ ተሓመሰት ከላ ጽቡቅ ኣላ ኢሎም ዝኸዱ ዘለዉዶ??? ምስቶም ኣብ ውሽጣ ኣትዮም ዝነግዱ??? ወይሲ ምስቶም ዘናግዱ??። ወይሲ ምስቶም ካህን ኣዛርያ ምስ ሰማንያ ተበዓት ካህናቱ ኮይኑ ን ንጉስ ዖዝያን ንስኻ ኣብዚ ኣይምልከተካን እዚ ሲራሕ ካህናት እዩ፡>> ኢሉ ክቃወሞ ከሎ ስቅ ኢሎም ዝርእዩ ነበሩ እሞ ስቅ ብምባሎም ብለምጺ ዝተቀጽዑ ምስ መን ምረኸበና?? 2ይ ዜና መዋእል 26፡ 17 18።ትዘገርም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ገሊኦም ተጸሊሉ እዩ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ ስለምንታይሲ እቲ ንግዲ ኣብ ቤተ መቅደስ ካብ ቀደም ብምንባሩ እቲ ዘጸይፍ ንዕኦም  ዘጸይፍ ኣይመስሎምን ነበረ ።ከምኡ ኢሉ ስለ ዝጸንሖም ሓድሽ መሲሉ ኣይርኣዮምን ነበረ ሓድሽ ንዕኦም እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሰርሖ ነበረ ጥራሕ እዩ ዝነበረ።ይቅጽል ናብ 3ይ ክፋል,,,,,,,።
haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment