1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 6 April 2012

ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት 3ይ ክፋል ይቅጽል

 ሆሳዕና  በኣርያም ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት 3ይ ክፋል ይቅጽል
ኣቦታቶም ቤተ ንግዲ ዝገበሩዎን ከምኡ ኢሉ ዝጸንሖምን ሓደ (50 )ሓሙሳ ዓመት ዘምልእ ሰበኣይ መጺኡ ከውጽኦም ከሎ ከድንጽዎም ባህርያዊ እዩ።ስልምንታይሲ ካብኡ ብዕድመ ብትምህርቲ ኣብ ዓይኒ እቲ ህዝቢ ዝተራእዩ ሰባት ብዙሓት ስለ ነበሩ፡ ሊቃውንቲ ብኾፎም ሓደ ሓድሽ ነብይ በዓል ናዝረት መጺኡ ዓገብ ኢሉ። እዚ ዓገብ ዝብል ዘሎ ደኣ መን እዩ ብምባል ድማ ኩላ ተገሪማ።ሎሚ እንበኣር ኣብ ቤተ ክርስትያና ንዝርኣዩ ጉዳያት ዓገብ ክንብል ከለና ንዝቀርበልና ስቅ በሉ ዝብል ቃል ክንግርሃሉ የብልናን። ቤት ኣምላኽ ቤት ኣምላኽ እዩ።ን ቤት ኣምላኽ ቤተ ፖሎቲካ ኣይትግበሩዎ መጋበሪ ረብሓ ኣይትግበሩዎ ከምታ ኣቦታትና ቅዱሳን ዘጽንሕዋ ደኣ ንኺድ ወንጌል ንስበኽ፡ ክንብል ጎይታ ሎሚ ብ መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ይጽውዓና ኣሎ።
ሓንቲ ቤተ ኣምላኽ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ክትርአ ተኾይና  ውሽጣ ኩሉ ግዜ ክትፍትሽ ይግብኣ ስለምንታይ ኣምላኽ ብኹልንትናና ንጹሃትን ጽሩያትን ክንከውን ይደልየና። እንተኾነ ነገርና ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓይኒ ሰብ እኳ ነገራትና ክሽፈን ኣይከኣልን ዘግህን ኮይኑ ኣሎ። ሓላፊ መገዲ ከም ዝስሕቀና፡ኮይና ንርከብ፡ፓትሪያርክ ኣሲሮም ፓትሪያርክ ዝሸሙ፡ መሳርሒ ፖሎቲካ ዝኾኑ ኮይና ኣለና። ነዚ ሕርሚ እዚ ሎሚ ከነውጽኦ ተዘይፈቲና፡ኣምላኽ ንሕና ኮፍ ኢልና ከለና ኣብ ህጻናት ክግለጽን ብህጻናት ክግልገልን እዩ። ከምቶም ጎይታ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ኣታ ግደፍ ዝበልዎን ተጸሊሉ እዩ  ዝብልዎን ነበሩ ሰባት።ነዚ ቃልዚ ንዘውጽኡ ተጸሊሎም እዮም ።ስቅ ዘይብሉ ክንብል ተጀሚርና ግን ንየሱስ ክርስቶስ ዘይኮና እንመስልሲ ንዕኦም ነቶም ጠበርቲ ርእሶም ንመስል ምዃና ዝሕብር እዩ እሞ ነፍሲ ወከፍ ሂወትና ን መርምር ።ሆሳዕና እንበኣር ከቢድ ሓላፍነት እንስከመላ መዓልቲ እያ።ትሕትናን ሓቅን ተዓጢቅካ ነፍስኻን ኣገልግሎትካን ብ ምምርማር ን ጉዕዞ ወንጌል እንብገሰላ ቅድስቲ መዓልቲ፡ ን ኣምላኽ ዘየኽብር ኣምላኽ ዘይፈትዎ ባህርን ጠባይን ካብ ሂወትና ነውጽኣላ ቅድስቲ መዓልቲ።
እቶም ቤተ መቅደስ ቤተ ምስያጥ ኮይና ስቅ ኢሎም ዝርእይዋ ነበሩ ሰባት የእምሮኦም ከይበርሀ ብዕውሩ ተረፈ፡እቶም ኣብ ግዜ ሆሳዕና ሆሳዕና ኢሎም ዝዝምሩ ነበሩ ህዝቢ  እውን ዓርቢ ስቅለት  ይሰቀል ኢሎም ክጭድሩን ወዓሉ።እንበኣር እዞም ሎሚ ቤተ እግዚኣብሔር እንዳሓመመ ስቅ ኢሎም ዝርእዩ ዘለዉ ጽባሕ ስቀልዎም ክብሉና ምኻኖም ፈሊጥና ንዝመጸና ፈተናን ግፍዕን ድሉዋት ክንከውን ኣለና። ክሕድሰና የብሉን።ተመሃራይ ከም መምህሩ ጊልያ ኸኣ ከም ጎይታኡ ስለ ዝኾነ።
 ደቂ መዛሙርቱ ብ ዓብይ ድምጺ ከመስግንዎ ዝሰምዑ  ንደቂ መዛሙርትኻ ስቅ ኣብሎም በልዎ።ንሱ ግን እዚኦም እኳ ስቅ እንተበሉስ እዞም ኣእማን ክጭድሩ እዮም በለ።ምጭዳር መቸስ ማዕሮ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።ንሱ እቲ ጎይታ ክዝምሩ ዘይኮነ ኢሉስ ዉዕዉዕ መዝሙር ነቲ መዝሙር ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ንምግላጽ <<ክጭድሩ እዮም >>በለ።ኣብ ቤተ መቅደስ ሕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መጽኡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።ኣብ ቤተ መቅደስ ዝነበሩ ህጻናት ድማ  ዓው ኢሎም ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት ኢሎም ዘመሩ።
ነዚ ኹሉ ካብ ፈለማ ደቂ መዛሙርቱ ብስም እግዚኣብሔር ብሩኽ እዩ፡ ዝሰምዑን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን  ዝርኣዩ ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን ፡የዒንቶም ደም መልኦ፡ተናደዱ  እሞ እዚኣቶም ዝብልዎስ ትሰምዖዶ ኣለኻ በልዎ።የሱስ ድማ <<እወ ካብ ኣፍ ቆልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ ዝብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም >>በሎም።ሎሚ እንበኣር ስቅ በሉ ወንጌል ኣይትንገሩ ፡ሓቂ ኣይትዛረቡ ፡ተዓበሱ ፡ሓቀኛ ምስጋና ኣይተቅርቡ።መሳኻኽር ሓሶት ኩኑ። ነፍስኹም ጠቢርኩም ኣብ ሓሶት ንበሩ፡ ኢሎም ክኽልክሉና ንዝፍትኑን ይጽዕሩ ንዘለዉን ንሕና እኳ ስቅ ተበልና ኣኽራናት ክዘሉን  ክሳራሰሩን ክምስክሩን ምዃኖም ከነተሓሳስቦም ንደሊ፡እወ ንሕና እኳ ስቅ ተበልና የእማን ክጭድሩ እዮም።
ሰብ የእምሮ ኢና ፈላጣት ኢና ንህዝቢ ነስምዕ ኢና ህዝቢ ዘይ ንዓና ንመን ከይሰምዕ ኢሎም ብትዕቢት ተነፊሖም ብ ናይ ሰጣን ምኽሪ ተታሕዙ ሊቃውንቲ ካህናት፡ልቦም ዘንጊዑ ነበረ ንሶም እቶም ኣምላኽ ብእኦም ጥራሕ ዝግልገል ኮይኑ ዝስምዖም ሊቃውንቲ ኮፍ ኢሎም ከለዉ  ።ኣምላኽና ግን በቶም ሓንቲ ዘይፈልጡ ህጻናት ተናገረ።ኣምላኽ ናይ ህጻናት ልሳን ከፈተ ምስጋና ካብ ህጻናት ኣዳለወ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ ግን ተዓኒዶም ንምስጋና የሱስ እቲ ህያዎ ምጻር ስኢኖም ክሳዕ ዝናደዱ ብምዃን ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ተረፉ። ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን።ኣምላኽ ብትሑታት ዝግልገል ኣምላኽ ነቶም ዝተሓቱ ዝግለጸሎም መንፈሱ ዝህቦም ምስቶም መቃሸሽትን ተጻረፍትን፡ ነፍሶም ሊቃውንቲ ገሮም ዝሓስቡዋን  ንነፍሶም ጥራሕ ናይ ኣምላኽ ሰባት ሃይማኖተኛታት ገሮም ዝሓስቡዋን  ዘይመክር ኣምላኽ ኣሰራርሕኡ ፍሉይ ዝኾነ ኣምላኽ ይኽበር ኩሉ ግዜ ንዕኡ ምስጋና።ይቅጽል ናብ 4ይ ክፋል,,,,,,,።
haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment