1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 6 April 2012

ሆሳዕና ሻሙናይ(8ይ) ሰንበት ራብዓይ(4ይ)ክፋል ይቅጽል ። ኩቡር ክርስትያን

ሆሳዕና ሻሙናይ(8ይ) ሰንበት  ራብዓይ(4ይ)ክፋል  ይቅጽል
                 ኩቡር ክርስትያን።
ን ሃወርያት ልቦም ዘንቀደ ኣምላኽ ልብኻ ከንቅድን ኣጸቢቁ ክግለጸልካን ናብኡ ብትሕትና ቀሪብካ ጸሊ።ንኹሉ ዝንዕቖ ፍጥረት ዘይንዕቅ ካብ ሓመደ ኣልዒሉ ሰብ ዝገብር ኣምላኽ ምዃኑ ኣስተውዕል፡ ምንም እኳ ሓጢኣተኛታት ተኾና ብንስሓ ናብኡ ክንቀርብ ከለና ክቅበለና ከም ዝኽእል ፍለጥ ፡ፈሊጥካ ብኹልንትናኻ ቅረቦ ንሱ ሕያዋይ እዩ።ገለ ገለ ሰባት ክብሪ ይደልዩ ኣይረኽቡን ፡ ኣየ ክበሃለሎም ይደልዩ ኣይረኽቡን ድማ፡ህዝቢ ኩሉ ክፈትዎም ይደልዩ፡ ኣይኮነሎምን ድማ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ዶ ናይ ክርስቶስ ማሕደር ን ሂወቶም ክትከውን ቀዳምነት ስለ ዘይለወጥዋ እዩ።ናይ ክርስቶስ ማሕደር ን ሂወትካ ክትከውን ተደሊኻ ቅድም ናይ ክርስቶስ ማሕደር ክኸውን ዝኽእል ሰብ ከመይ ዝበለ እዩ መርምር ፡እንታይ ምስ ዝኸውን እየ ማሕደር ኣምላኽ ዝኸውን  በል።ነቲ ኣብ ጥቃኻ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ኣንብቦ እሞ።ኣብኡ ን ሂወትካ ፈትሻ ተዘየሊኻ ከመይ ገርካ ማሕደር ክርስቶስ ክትከውን ከም ዘለካ ጸዓርን ጸልን።
እዛ ን የሱስ ክርስቶስ ዝጾረት ኣድጊ ኣስተውዕላ፡ ብኹሉ ዝተናዕቀት፡ ቆርበታ ሰብ ኣይንጸፎ፡”ጸበኣ ሰብ ኣይሰትዮ፡ ስጋኣ ሰብ ኣይበልዖ፡ጥራሕ ንሕስራን ሰብ ዝደልያ ንሱ ክኸብረላ  እቲ ልዑል ደለያ፡ ንርእሳ ኣብቲ ዝተነጽፈ ጨርቂ ክትረግጽ፣ ቆጽሊ-ስየ ተወንዚፋ ክትከብር ርኢናያ።  ኩሎምቶም ንክርስቶስ ብልቦም ዝቕበልዎ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ይሰጋገሩ ።ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ክትሳጋገር ዶ ትደሊ ን ክርስቶስ ሰዓቦ። ኣምላኽ ንዓይን ንዓኻን እውን ክጥቀመልና ከም ዝደሊ ኣስተውዕል ንስኻ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ክቡር ኣገዳሲ ፍጥረት ምዃንካ  ፍለጥ።ሓደ ሓደ ግዜ ኣምላኽ ይመጽእ ክጥቀመልና ይደልየና ኣብ ቦታና ስለ ዘይረኽበና ድማ እቲ ንዓና ዝተባህለ ን ካልኦት ይወሃብ።ኣምላኽ ን ኣዳም  ከም ኩሉ ግዜ መጾ ኣዳም ግን ኣብታ ናይ እምነት ቦትኡ ኣይጸንሐን ፡ኣበይ ኣለኻ ኢሉ ክሓቶ ከሎ ድማ ብስጋ ሓሲቡ ድምጽኻ ሰሚዐስ ፈሪሐ ተሓባእኩ ኢልዎ።ኣምላኽ ኣበይ ከም ዘሎ ምፍላጥ ሲኢንዎ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ምስትውዓል ኣዳም ክፈልጥ ደለየ ኣዳም ግን ብስጋ መለሰ ግን ከ ገበን ምግባሩ ተረዲእዎ ጥርሐይ እየ እሞ ተሓባእኩ በለ ስለዝስ ምስ ክዳና ኣለና እንዳበልና ጥራሕና ከይንህሉ ን ሂ ወትና ን መርምርን ክዳን ተባህለ ክዳን ዘይኮነስ ጽድቅኻ እዩ እሞ ጽድቂ ዘይብልና ከይንከውን ንነብር ዘለና ንጠንቀቅ።
ንርእሶም ክብረትን ተደላን ዝደልዩ ሰባት መምህር ኢሎም ሰባት ክጽውዕዎም ዝደልዩ ሰባት  ኩሉ ኣይረኽብዎን እዮም።ክትከብር ኣብ ታሕቲ ጽናሕ ኣምላኽ ድማ ልዕል ከብለካ እዩ። ናይ ክብሪ ወናኒ የሱስ ክርስቶስ እቲ ተሰቅለ እዩ።መንፈሶም ዝተሰብረ ስለ ቃሉን ወንጌሉን ንነፍሶም የሕሊፎም ዝሃቡ ቅዱሳን ግን ነፍሶም ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮነት።በዚ መዓልቲ እዚ እንበኣር ከምቶ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ህጻናት ዲና ወይሲ ከምቶም ፈላጣት ኢና እንዳበሉ ጥርሖም ዝጸንሑ መማህራን ሕግን ጸሓፍቲ ፈሪሳውያንን። ካብ መን ምዃና ነፍስና ንፈትሽ።
 ቅዱሳን ናቱ ማሕደር ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ ድማ ኢና ንሕና ነኽብሮም ንሱ ባዕሉ ናይ ቅዱሳን ክብሪ እዩ።እወ እሱ ክብርና እዩ እሞ ስለ ቃሉ ንምምስካር ንሙማት ንምስቃል፡ ስለ  ሓቂ ንምሕሳር ኣይትማታእ ሽዑ ንሱ ልዕል ከብለካ እዩ።ብ ቃሉ ምስ ማንም ኣካል ዋጋ ዕዳጋ ኣይትእቶ፡ንቃሉ ድማ ምስ ማንም ቃል ኣይተነጻጽሮ፡ኣይተዋዳድሮ ቃል ኣምላኽ ክብርኻ እዩ ብፍላይ ድማ ብ ወንጌል ንእሽቶ እትበሃል ሸለል ኣይትበል ሸለልትነት ን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ ኣምላኽ ክፍንፈኑ ዝገበሮም ረሳሕ ባህሪ እዩ። ቀዳምነት ነቲ ሆሳዕና እንዳበሉ ዝተቀበሉዎ ህያው ጎይታ ሃብ ፡ ሽዑ ኣምላኽ በኣኻ ገይሩ ክኸብር ከሎ ክትርኢ ኢኻ።
                 ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኣሜን
                       ቀሺ ሙሴ ሽሻይ





No comments:

Post a Comment