1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 21 October 2011

ሕጊ (ቀኖና) ቤተ ክርስትያን

           
                ሕጊ (ቀኖና) ቤተ ክርስትያን
"ሕግሰ ጣባይዓዊ ተውህቦ ለሰብእ ቀዲሙ እምኀበ እግዚኣብሔር’’ እዚ ማለት ‘’ሕጊ ኣቐዲሙ ብእግዚኣብሔር ንሰብ ዝተዋህበ ባህርያዊ ትዕድልቲ እዩ’’ ከም ዝበለ ፍትሓ ነገሥት፡ ኣብዚ ዓለም ልዕልና ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ካብ ኣቦና ኣዳም ዝጀመረ ምዃኑ ተገሊጹ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ከምዚ ሎሚ ሕጊ ኣብ ወረቐትን ጽሑፋትን ከይሰፈረ ከሎ፡ ቀዳሞት ኣበው ‘ብሕጊ ልቦና’ እዮም ዝምርሑ ዝነበሩ። ኩሉ ወዲ ሰብ ንግዝኣተ-ሕጊ ከኽብርን ክእዘዝን ከኣ ግዴታ እዩ። እዚ ክንብል ከሎና ሕጊ ዘኽበረ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ይኸብር። ሕጊ ዘሕስር ሰብ ድማ ንሕይወቱ እዩ ዝሓስር። ሕይወትና ንባዕላ’ውን ብሕጊ ዝቖመት ኣካል እያ። ስለዚ ወዲ ሰብ ንሕጊ ስድራ ቤት፡ ሕጊ ሃገርን ሕጊ ዓለምን ፈሊጡ ንልዕልና ሕጊ ኣኽቢሩ ብሰላም እንተ ተመላለሰ ነዛ ዓለም ዓቢይ ረብሓ እዩ።

ኵልና ከምዘንበብናዮ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ጳጳሳት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልሲ "ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ዝኽእል የሎን። ሕጊ ድማ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ" ክብሉ ሓጺርን ንጹር ብዝኾኑ ቃላት ንልዕልና ሕጊ ገሊጸሞ እዮም። ኣቦና እዚ ክብሉ ከለዉ ንዝኾነ ፓትርያርክ ብኣድማ ይኹን ብጸለመ--ሻራ ከተውርዶ ከምዘይትኽእል ብምግላጽ፡ ፓትርያርክ ገለ ገበን እንተገበረ ግና ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብዝፈቕዶን ዲድስቅልያ ብዝእዝዞን መሠረት ተኸሲሱ ካልእ ፓትርያርክ ናብ ዝመርሖ መንፈሳዊ ጉባኤ ከተቕርቦ ከምዝከኣል ሓቢሮም እዮም። ነዚ ዝምልከት ኣብ ቅዱስ ወንጌል እቶም ሕጊ ገዲፎም ‘’ሰይፊ ዘልዕሉ ኵሎም ብሰይፊ እዮም ዝጠፍኡ’’ ከም ዝበለ እቶም ንልዕልና ሕጊ ዘኽብሩ ድማ ብኽብረት ክነብሩን ክዝከሩን ምዃኖም ክንፈልጦ ዘሎና ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ማቴ 26፡52።

ኣቦና ዳዊት ‘’ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕግኻ ይሕሸኒ’’ ከም ዝበለ መንፈሳዊ ሕጊ ልዕሊ ኵሉ ሃብትን ንብረትን ዝሕረ ምዃኑ እዩ ዘነጽረልና። (መዝ 119፡72)። ስለዝኾነ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ነቲ ሓዋርያት ዝጸሓፉልና መንፈሳዊ ትእዛዛትን፡ ቅዱሳን ኣቦታት ዘቖሙልናን ቀኖናን መሠረታዊ ሕጋን ሥርዓታን ጌይራ እያ ትጎዓዝ ጸኒሓ። እቲ ኣብ ቀዳማይ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ብ325 ዓ.ም ኣብ ኒቅያ፡ ካልኣይ መንፈሳዊ ጉባኤ ብ381 ዓ.ም ኣብ ቁስጥንጥንያ፡ ሣልሳይ መንፈሳዊ ጉባኤ ብ431 ዓ.ም ኣብ ኤፈሶን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ሕብረት ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምን ዝተወሰነ ሕግታት ከኣ ን1700 ዓመታት ጸኒዑ፡ ኣጽኒዑና ዘሎ ናይ ልዕልና ሕጊ ሓይሊ ጭቡጥ ኣብነት እዩ።

እምበኣር ሎሚ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ልዕልና መንፈሳዊ ሕጊ ስለዝተጣሕሰ ከም ክንፊ ዘይብሉ ኣሞራ ክብራን መሓውራን ኣጥፊኣ፡ ካብ ዓለምን ካብ ሓፍታ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ መንበረ ማርቆስ ተነጺላ፡ ብህልኽ፡ ሕሜታን ክስን ትርመስ ኣላ። እዚ ድማ ንዘስተውዕል ልቢ ዘለዎ ኣማኒ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ከም ክርስቲያን መጠን እምበኣር ነቶም ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ሰማዕታት ዘኪርና ‘’ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ’’ ኢልና ምእንቲ ልዕልና ሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ክኽበር ኵልና መራሕትን ኣመንትን ሠሚርና ክነሰርሕን ልዕልና ሕጊ ክርገጽ ከሎ ድማ ሓቅን ሕግን ሒዝና ብጽንዓት ክንከላኸልን በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ።
6.ምፍራስ ሕጊ ዘስዕቦ ጉድኣት
ምፍራስ ሕጊ ማለት መገዲ እግዚኣብሔር ገዲፍካ መገዲ ሰይጣን ምስዓብ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ሰይጣን ሰማያዊ ሕጊ ስለዘፍረሰ እዩ ካብ ብርሃናዊ መልኣኽ ናብ ማዕሙቕ ጸልማት ዝተደርበየ። ንኣዳም ሕጊ ኣምላኹ ከፍርስ ዘታለሎን፡ ቃኤል ንኃዉ ኣቤል ክቐትሎ ዝመኸሮን ድማ ረቂቕ ምኽሪ ሰይጣን እዩ። ስለዚ ብምፍራስ ሕጊ ኵሉ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ክሲ፡ ስርቂ፡ ውድቀት፡ ኃጢኣትን ሞትን ኣብዚ ዓለም መጸ። በዚ መሠረት ሕጊ ከተፍርስ ከሎኻ ኣንጻር ክብርኻን ሕይወትካን ትጎዓዝ ምህላውካ ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ። ዝኾነ ሰብ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን። እቲ ‘’ኣይትዘሙ’’ ዝበለ ‘ኣይትቕተል’’ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ ካብ ትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ። ያዕ 2፡10
ምፍራስ ሕጊ ዘስዕቦ ጉድኣት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ጉድኣቱ ምድራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ሰማያዊ ጉድኣት’ውን ኣለዎ። እቲ ሰማያውን ሓጋግ ሕግን ዝኮነ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ነታ ቀዳመይቲ ስድራቤት (ኣዳምን ሄዋንን) ዝሃባ ሕጊ ብዘይ ምእዛዝ ዘምጽእዎ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ኣብ ዘፍ 3፡14-19 እንተ ተመልከትና፡ ጉድኣቱ ማዕረ ክንደይ ዓቢይ ከም ዝኾነ ይነግረና። ምፍራስ ሕጊ መቅጻዕቲ ስለ ዘስዕብ ወዲ ሰብ እንሆ ተሰካሚ ተዋራራሲ ሓጢኣት ሞት ኮይኑ ይነብር ነበረ። ካብታ ብሓጎስን ብደስታን ንኽነብርዋ ዝተዋሃበቶም ገነት፡ ተደርብዮም ካብ ክብሪ ናብ ሓሳር፡ ካብ ጽጋብ ናብ ጥሜት፡ ካብ ሓጎስ ናብ ሓዘን፡ ካብ ምርቓ ናብ መርገም፡ ካብ ትብዓት ናብ ፍርሃት ከም ዘውደቆም ነንብብ። ብሓቂ ከምቲ ቃል ኣቦና ፓትርያርክ እንጦንዮስ ”ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ’ዩ ዝረግጸካ” ዝበልዎ: እቶም ቅድሚ ሕጂ ሓይሊ ኣሎና፡ ግዜ ኣሎና ኢሎም ንሕጊ ዝረገጽዎ ሰባት በቲ ሓቀኛ ሕጊ ተረጊጾም እዮም። ሎሚ ዝረግጽዎ ዘለዉ ድማ ጽባሕ ክርገጹ እዮም።
ከምኡውን ታሪኽ እስራኤላውያን ሃዲእና እንተ ርኢናዮ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ዝሕልዉሉን ዘኽብርሉን ጊዜ ንጸላእቶም ብምስዓር ዓወት ይረኽቡ ምንባሮም ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ብኣንጻሩ ሕጊ ምስ ዘፍርሱን ሸለል ኢሎም ኣብ ዝኸዱሉን ጊዜ ከኣ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ይቃልዑን ይማረኹን ምንባሮም ቃል ኣምላኽ የዘንቱ። ስለዚ ሕጊ ምስ ዝፈርስ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ብሰላም ቅሳነት ከይነብርን ንኸይንዓብን ከም ኣብ እሾክ ዝበቆለት ቆልቋል ኩይኑ እንዳ ተሳቐየን እንዳ ነበዔን ይነብር።
ብሕጊ ምንባር ግድን ድዩ? ወዲ ሰብ ኣብዛ እንነብራ ዓለም ብሰላምን ተኸባቢሩ ክነብር እንተድኣ ኮይኑ ሕጊ ክህሉ ግድን እዩ። ከም ኣብነት ኣብዚ ብምቾትን ብኽብርን እንነብረሉ ዓዲ ሰሜን ኣመሪካ እንተ ሪኢና፡ ንሰብ ካብቲ ሕንጹጽ መስመር ንኸይወጽእ ዝሕልዎ ሕጊ ደኣ’ምበር ተክኖሎጂ ዘምጽኦ መሳርሒ ኣይኮነን። ስለዝኮነ ከኣ፡ ነዚ ብሚልዮናት ዝቑጸር ስደተኛ ዘለዎ ሃገር ንኩሉ ዜጋ ጸሊም ኮነ ጻዕዳ ብማዕረ ክነብር ንርእዮ ኣሎና። ሕጊ ምንባር ኣብ ሃገርን ሕብረተ ሰብን ዘምጽኦ ጠቕምን ዕብየትን ልዑል ስለዝኾነ ውሑስ ሕይወትን ሰላማዊ ናብራን ዝደሊ ሰብ ንሕጊ ክግዛእ ሠናይ እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ እንተ ዘይህሉ ወድሰብ ናይ ምንባር ዕድሉ’ውን ኣዝዩ ኣጣራጣሪ ኮይኑ ምተረኽበ።
‘’ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ቅኑዓት ገይሩ ፈጠረና። ንሕና ግና ብልሓት ኣብዚሕና ንሕይወትና ሕልኽልኽ ኣእቶናላ’’ ከም ዝበለ መክብብ 7፡29። ሎሚ ወዲ ሰብ ብፍርሓት ኣምላኽን ግዝኣተ-ሕግን ተዓጊሡ ኸይነብር፡ ብስስዐ ሥጋዊ ድሌቱ ስለ ዝተዋሕጠ ኣብ ዓለምና ብሰንኪ ምፍራስ ሕጊ ቁጽሪ ዘይብሎም ኣብያተ ማእሰርትን ቤት ፍርድታትን ብብዝሒ ሰባት የዕለቕሊቖም ንርኢ ኣሎና። እዚ ድማ ሰብ ክሳብ ክንደይ ካብ ሰማያውን ምድራውን ሕጊ ርሒቑ ከምዘሎ ንምርዳእ ኣየጸግምን እዩ። ሕጊ ኸኣ ንጻድቃን ከም ዘይተሠርዐ ንፈልጥ ኢና። ሕጊ ዝተሠርዐ ንመፍረስቲ ሕጊ፡ ንጕሒላታት ነቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ፡ ንኃጥኣን፡ ንርኹሳት፡ ነቶም መንፈስ ዘይብሎም፡ ነቶም ኣቦኦምን ኣዲኦምን ዚቐትሉ፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ ንኣመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፡ ነቶም ሰብ ዚሸጡ ነጋዶ፡ ንሓሰውቲ፡ ነቶም ብሓሶት ዚምሕሉ፡ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዚቃወሙ እዩ። 1ጢሞ 1፡9።
ንኣብነት፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጊ ምጥሓስ ዘምጽኦ ጉድኣትን ሳዕቤኑን እንተ ተመልከትና፡ ኣመንታ ብምፍልላይ፡ ብሻራ፡ ብጽልኢ፡ ብቂም፡ ብባእሲ፡ ብትዕቢት ብሓሶት እትፋላለየሉ እዋን፡ ገለ ኣብ ገዛ፡ ገለ ኣብ ካልእ እምነት፡ ገለ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ባእስን ቆዮቛን ክሰምዕ ኣይከይድን ብምባል ኣብ ቤቱ ተዓጽዩ ዝነብር ብዙሕ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና ናይ ክብሪ ሚዛና ቀኒሳ እትራኣየሉ ዘላ ናይ ፈተና ጊዜ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይከኣል። እዚ ዅሉ ካበይ እዩ መጺኡ? ሳዕቤኑ’ኸ እንታይ እዩ? ኢልና ንነብስና ምስ እንሓታ፡ መልሱ ኩልና ኣመንቲ ናይዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ከምቲ ክቡር ኣቦና ቀዳማዊ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ “ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ ክረግጸካ እዩ” ዝበልዎ ቃል ብዘይ ምስትውዓልና፡ ክንድዚ ዝኣክል ስቓይን መከራን በጽሓና።
ኣብዚ ብንጹር ልዕሊ ዝኾነ ከነብርሆ እንደሊ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዚርከብ ‘’ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር’’ ዝብል ዓቢይ ሕጊ በቶም ንዓለም መኒኖም ዝመንኮሱን፡ ንዕዮ ቤተ ክርስቲያን ክመርሑ ዝጰጰሱን ኣቦታት ክንዲ ናይ ፍቕሪ ፡ ናይ ዕርቅን ሓቅን ኣብነት ዝኾኑ፡ ንቀዋሚ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪሶም፡ ስም ሥላሴን ውግዘትን ረጊጾም፡ ንመራሒኦምን ብጻዮምን ጠሊሞም፡ ናይ ፍርሒ ጽልእን ህርፋን ሥልጣንን መራሕቲ ክኾኑ ምርኣይና ብልቢ ዘሕዝነና ነገር እዩ። ነቲ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ተጀሚሩ ዝነበረ ቅልጡፍ ምዕባለን ብሩህ ተስፋን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖሞ ከምዘለዉ ከኣ ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። ጳጳሳት ኤርትራ ብሓቂ ንኣምላኾምን ንማዕርጎምን ክሳብ ሞት እሙናት ኮይኖም ስለ ዘይተረኽቡ ሕጊ ብምፍራሶም ካብ ዓለምን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ተነጺሎም ኣለዉ።
እግዚኣብሔር ነቶም ሕጉ ኣፍሪሶም ካብኡ ዝረሓቑ ሕዝቢ ‘’ናባይ ተመለሱ እሞ ኣነ ድማ ክምለሰኩም እየ’’ ከምዝበሎም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ ሕጊ ብምፍራስ ዝተወስደ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ዝመቓቕል ዓመጻዊ ውሳኔ ኵሎም እቶም ብኢዶም ፈሪሞም ዝወሰንዎ ጳጳሳት ጌጋኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ተኣሚኖም ብንስሓን መንፈሳዊ ጣዕሳን ተመሊሶም ንእግዚኣብሔር ክኽሕሱን ንሕዝቦም ክድብሱን ሕጂ’ውን ግዜ ኣለዎም። ሕጊ ፈሪሱ ከሎ ‘’ኃጢኣት የብልናን እንተ በልና ግና ንገዛእ ርእስና ንጥብር ኣሎና እታ ሓቂ ኸኣ ኣባና የላን’’ ዝብል ማዕዳ ቅዱስ ዮሓንስ ምዝካር’ውን ጽቡቕ እዩ።1ዮሓ 1፡8።
7.ንሕጊ ምእዛዝ ዘምጽኦ በረኸት
ሕጊ እግዚኣብሔር እቲ ናይ መጀመርታ ቅዱስን መሠረት ናይ ኩሉ ቅኑዕ ሕግን እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ እግዚኣብሔር ብሓቂ ፍጹም ስለዝኾነ ጉድለት ዝበሃል ኣይርከቦን እዩ። ኢየሱስ’ውን ንደቀ መዛምርቱ ክምህሮም ከሎ ኸምዚ በሎም፡ “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ክትሕልዉ ኢኹም። (ዮሓ 14፡15)። ስለዚ ንእግዚኣብሔር ምፍቃር ማለት ትእዛዛቱ ምሕላው ማለት እዩ። ኵሎም ነቢያትን ሓዋርያትን ቅዱሳን ሰማዓታትን ድማ ንሕጊ ኣምላኽ ስለ ዘኽበሩ እዮም ንውሉድ ወለዶ ብቕድስንኦም ዝዝከሩ ዘለዉ። ንሕና ኸኣ እቲ ዝዓበየ ህያብ ካብ ሰማያዊ ኣቦና ዝተቐበልናዮ፡ ሕጊ ሞትን ሕይወትን ከምዘምጽኣልና ፈሊጥና ብነጻ ጽቡቕን ሕማቕን ናይ ምምራጽ ክእለት ተዓዲሉና እዩ። ዘዳ 30፡19።
ኣቦና ዳዊት ብዛዕባ ሕጊ እግዚኣብሔር ክዝምር ከሎ ከምዚ ይብል፡- ሕጊ እግዚኣብሔር ፍጹም እዩ፥ ሓድሽ ሕይወት ይህብ፥ትእዛዝ እግዚኣብሔር እሙን እዩ፥ ንገርህታት ጥበብ ይህቦም። ሕጊ እግዚኣብሔር ቕኑዕ እዩ፥ ነቶም ዚእዘዝዎ የሓጉሶም፥ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ንጹሕ እዩ፥ ንኣእምሮ ምስትውዓል ይህብ ንእግዚኣብሔር ምፍራህ ጽቡቕ እዩ፥ንዘልዓለም ይነብር። ፍርድታት እግዚኣብሔር ሓቂ እዩ። ኩሉ ጊዜውን ቅኑዕ እዩ። ካብ ወርቂ፥ አረ ኻብቲ ኣዝዩ ዝጸረየ ወርቂ እኳ ዝኅረ እዩ። ካብ መዓር፥ አረ ኻብ መዓር ወለላ እኳ ዚጥዕም እዩ። ንኣይ ንባርያኻ እውን ፍልጠት ይህበኒ፥ ዚሕልዎ ዘበለ ከኣ ዓቢ ኻሕሳ ኣለዎ። (መዝ 19፡7-11) ይብል። እምበኣር ብኽብሪ ንዝቕበሎ ሓድሽ ሕይወት፡ ንዓያሹ ጥበብ፡ ንኣእምሮ ምስትውዓልን ሓጎስን ዝህብ፡ ካብ ወርቅን መዓርን ንላዕሊ ዝኅረ ሕጊ እግዚኣብሔር ጥራይ ብምዃኑ ክንትግብሮን ክንቅበሎን ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ።
ብምኽባር ሕጊ መንፈሳውን ሥጋውን በረኸት ከምዝርከብ ዘየጠራጥር እዩ። ምኽንያቱ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ እቶም ሕጊ ኣምላኽ ዘፍርሱ ብመርገም፡ ምንቕጥቃጥ ምድርን፡ ማይ ኣይኅን ክቅጽዑ ከለዉ፡ እቶም ንሕጊ ተኣዚዞም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝመላለሱ ድማ ንውሉድ ወለዶ ዝጸንሕ ሃብትን በረኸትን ተቐቢሎም እዮም። ሕጊ ድማ ንደቂ ሰባት ከም መስትያት እዩ ተዋሂቡና። ናብቲ ሕጊ ምስ እንምልከት መንፈሳዊ ኩነታትና ንርኢ እሞ ጉድለትና ተረዲእና ናብቲ ጥንታዊ መገዲ ኣምላኽን ጽቡቕ ጎደናን ተመሊስና ብሰላም ክንጎዓዝ ይሕግዘና። ሕጊ እንተዘይህሉ ግና ሕማቕን ጽቡቕን ክንፈልጥ’ውን ምስ ተሸገርና ኔርና። ስለዚ ንሕጊ እግዚኣብሔር ዝእዘዝን ዘስተንትንን ሰብ ብጹዕ እዩ። መዝ 1፡2።
ብተወሳኺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ምስ ናይ እግዚኣብሔር ሕጊ ዝጻረር ኣይኮነን። ብመሠረቱ’ውን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተመሥረተ ቅኑዕ ሕጊ እዩ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ዝወሰንዎም ቀኖናታት ከኣ፡ ኣዝዮም ጠቐምቲ ብምዃኖም ኣኽቢርና ክንሕልዎምን ዝኾነ ሰብ ‘’ልዕሊ ሕጊ ክነብር እየ’’ ዝብል እንተመጸ ካብ ኣምላኽ ፍርዲ ከምዝቕበል ክነረድኦን ይግበኣና እዩ። 3ይ ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ’ውን ነቲ ብሓዋርያት ‘’ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብጋዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ’’ (ግሓ 20፡28) ዝብል ሕድሪ ስለ ዘኽበሩ ከቢድ ፈተናን ጸበባን እኳ ይወርዶም እንተሎ፡ ብውሽጦም ብዙሕ ከም ዝሕጎሱን በረኸት እዙዛት ከምዝቕበሉን ርዱእ እዩ። እቶም ንሥጋኦም ፈሪሆም፡ ፍቓድ ሰብ ምእንቲ ክፍጽሙ ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝረገጹን ብዘይ ሕጊ ዝነብሩን ግና ውሽጣዊ ጓህን ሕልናዊ ወቐሳን ከምዝስምዖም ዘየጠራጥር እዩ። ሕድሪ ኣምላኾም ስለ ዝጠለሙውን ዝቕበልዎ ጸጋን በረኸትን የሎን። ኣብ ቅድሚ ሰብ ክሓፍሩን ኽሓስሩን ከኣ ግድን እዩ።
እምበኣር ነቲ ዝተዋህበና መንፈሳዊ ይኹን መመሓደሪ ዓለማዊ ሕጊ ክንጥሕሶ ዘይኮነስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ከነኽብሮ ጽቡቕ እዩ። ሕጊ ብምኻባር ኢና ድማ እሙናት፡ እዙዛት፡ ብሓቂ ኣብነታውያን ክርስቲያናትን ምዃንና ከነረጋግጽ ንኽእል። ኵሎም እቶም ቅዱሳንን ክቡራት ሰባትን እንብሎም ዓበይቲ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ስለ ዘኽበሩ እዩ ኣምላኽ ሞገስን በረኸትን ሂብዎም። እግዚኣብሔር ድማ ንወዲ ሰብ ብቅሳነትን ህድኣትን ክነብር ድኣ’ምበር ብሕጊ ኣልቦነትን ጥልመትን ክነብር ኣይኮነን ፈጢርዎ። ንኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብርሃም ብትእዘዝ እግዚኣብሔር ዝመላለስ ስለ ዝነበረ፥ “ብኸብትን፡ ብሩርን ወርቅን ኣዝዩ ሃብታም ነበረ”። (ዘፍ 13፡2) እቲ ዕጉሥ ኢዮብ ጻድቕ’ውን ንሕጊ ኣምላኹ ብምኽባር እዩ ብውሉድን ጥሪትን ተባሪኹ።
ስለዚ ከምቲ ኣምላኽ ብነቢይ ሙሴ ጌሩ ‘’ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እንተ ሓሎኹም፡ ብመገዱውን እንተ ኸድኩም እግዚኣብሔር ‘’ርእሲ እምበር ጭራ ኣይክገብረኩምን እዩ’’ ተጠንቒቕኩም ሕግታቱ እንተ ኣኽበርኩም ከኣ ብላዕሊ እምበር ኣብ ታሕቲ ከቶ ኣይክትኮኑን ኢኹም’’ ምስ በለ ‘’ነዚ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግታቱን እንተ ኣፈረስኩም ግና ብዙሕ መርገም ውርደትን ክበጽሓኩም እዩ’’ ከምዝበሎም ምዝካር ግቡእ እዩ። ዘዳ 28፡13።
በዚ ምኽንያት ንመንፈሳዊ ሕጊ ምእዛዝ ማለት ንእግዚኣብሔር ምኽባርን ምምስጋንን ማለት እዩ። እቶም ዝወሃቡና ሕግታትን ትእዛዛታት ድማ ከም ኣርዑትን ጽዕነትን ዘይኮነስ፡ ከም መምርሒታትን መገድታትን ኢና ክንቆጽሮም ዘሎና። ምድራዊ ሕግታት ከየኽበርና ድማ ንሰማያዊ ትእዛዛት ከነኽብር ብፍጹም ኣይንኽእልን ኢና። ‘’ከመይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ሰብ’ውን ሠናይ ንምግባር እዩ ዕላማና’’። ስለዝኾነ ከምቲ ሓዋርያት ዝኣዘዙና ነቲ ቅኑዕን ሕጋውን ክርስቲያናዊ ኣካይዳና ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣምላኽና ምእንቲ ከመስግንዎስ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣካይዳና ነጸብቕ። 2ቆሮ 8፡21።
8.መደምደምታ
ኣብዚ ብዛዕባ ልዕልና ሕጊ ክንዛረብ ከሎና፡ ብመጀመርታ ኣብ ዓለም ሕጊ እንተ ዘይህሉ ወዲ ሰብ ከመይ ኢሉ ምነበረ? እንታይከ ምኾነ ነይሩ? ኢልና ክንሓስብ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ሕጊ መሠረት ሕይወትን መምርሒ ምድራዊ ጉዕዞናን እዩ። እቲ ‘’ካብ ሕጊ ሓንቲ ነጥቢ ካብ እትወድቕሲ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል’’ ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ናይ ሕጊ ልዕልና ብንጹር ቃላት ገሊጹልና እዩ። ሉቃ 16፡17። ብፍላይ መንፈሳዊ ሕጊ ብግዜን ኵነታትን ከይተሓጽረ፡ ኣሚኖም ንዝፍጽምዎ ሕይወትን በረኸትን ከውርሶም ከሎ፡ ነቶም ንልዕልና ሕጊ ዕሽሽ ዝብሉ ግና ናብ ሕይወቶም መዓትን መቕጻዕትን ኣስዒብሎም እዩ (ኤር 44፡23)።
ኵልና ከምንፈልጦ ኣቦና ኣዳም ንሕጊ ኣምላኹ ኣኽቢሩ ኣብ ገነት ክነብር ከሎ ምሉእ ሰላምን ብዙሕ በረኸትን ነበሮ። ትእዛዝ ምስ ኣፍረሰ ግና ግርማኡ ተቐንጠጠ፡ በረኸቱ ድማ ሃጸጸ። ነቢይ ኢሳያስ’ውን ብዛዕባ ሕጊ ‘’ሕራይ እንተበልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምን ምድሪ እተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ኽትበልዑ ኢኹም’’ ይብለና። ኢሳ 1፡19። ስለዚ ንሕጊ ምእዛዝ ሠናይ ነገራት የብልዕ፡ ዕረፍቲውን የምጽእ እዩ። ንሕጊ ዘይምእዛዝ ድማ ሞትን ውድቀትን እዩ ዘስዕብ። እግዚኣብሔር ንሙሴ ክእዝዞ ኸሎ ‘’ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስ ካብቲ ሕጊ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይተልግስ’’ በሎ (ኢያ 1፡7)።
እምበኣርከስ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ከምዝረኣናዮ ብሰንኪ ምፍራስ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ብዙሕ ተጻሒፉን ተዘሪቡን እዩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ሕጊ ኣምላኾም ዓቒቦም ነታ ዝመሓሉላ ቤተ ክርስቲያን በይኖም ክሳብ ሰማዕትነት ግቡኦም ፈጺሞም እዮም። ሎሚ ከነመሓላልፎ ንደሊ መልእኽቲ ብዛዕባ እቶም ካብ እምነት ሓላፊ ሽመት፡ ካብ ሓቂ ሓሶት፡ መሪጾም ኣብ ጌጋ መገዲ ዘለዉ ‘’ኣምላኽ ዕርቂ ንብኡሳት፡ ንስሓ ንጥፉኣት’’ ሰሪዑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ዝወረስዋ እቶም ጽኑዕ መንፈስ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ካሌብን ኢያሱን ምዃኖም ዘኪሮም፡ ምድራዊ ሕይወቶም ከየብቅዐ፡ ጻዕረ ሞት ከይመጸ፡ ከሎ ካብ ሓጻር ኢድ ሰብ ወጺኦም ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ከዕቁቡ ሓደራ ንብል።
ብዝተረፈ ቅዱስ ጽሑፍ ‘’እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም’’ ከምዝበለ እቶም ንልዕልና ሕጊ ዝረግጹ ድማ ‘’ብዙሕ ጭንቀትን ሕልናዊ ስቕያትን ኣለዎም። ስለዚ ነቶም ብ25 ሚያዝያ 2004 ብሕጋዊ መገዲ 3ይ ፓትርያርክ ክኾኑ ዝተመርጹ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ዮፍታሄን ጳጳሳትን ሕጊ ጥሒሶም ብ13 ጥሪ 2006 ካብ መንፈሳዊ ሓላፍነትኩም ኣውሪድናኩም ኢሎም ንኣባ ዲዮስቆሮስ እኳ እንተመዘዙ፡ ልዕልና ሕጊ ወትሩ ሕያው ስለዝኾነ ዓለማዊ ተነጽሎን ውርደትን ጥራይ እዩ ኣስዒብሎም ዘሎ እምበር፡ ንሓቂ ክቐብሩን ንቅኑዕ ሕጊ ክቕይሩን ኣይከኣሉን ዘለዉ እሞ ሕጊ ዝተሰርዐ ንመፍረስቲ ሕጊ ምዃኑ ተረዲእና ንልዕልና ሕጊ ንገዛእ!
 ቀኖና ቤተ/ክርስትያና እንታይ ይብሎ
 ምንጪ ካብ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ.ኦርግ

No comments:

Post a Comment