1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 21 October 2011

ሕጊ (ቀኖና) ቤተ ክርስትያን
ሕጊ ቤተ ክርስትያን ምስ ናይ እግዚኣብሔር ሕጊ ዝጻረር ኣይኮነን። ብመሠረቱ’ውን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተመሥረተ ቅኑዕ ሕጊ እዩ። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን (ማቴ. 16፡13-19። ዮሓ. 20፡21-23) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቦና ቅዱስ ጴጥሮስን ንኹሎም ሓዋርያትን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እምነት ክርስቶስ ከም ዝተመሥረተት የረድእ። ከምቲ እግዚኣብሔር ኣቦ ንወልድ፡ ብፍቓዱ፡ ንዓለም ከድኅን፡ ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ብሥጋ ግሁድ ኪገብሮ ዚለኣኾ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ንሓዋርያት። “ከምቲ ኣቦ ነኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም ኣለኹ’’ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። ኃጢኣቶም ንዝኃደግኩሙሎም ኪኅደገሎም፡ ንዘይሓደግኩሙሎም ግና ኣይኪኅደገሎምን እዩ በሎም” (ዮሓ.20፡21-23)።

እዚ መልእኽቲ እዚ፡ ከም ሓደ ኣምባሳደር ወረቐት ኣትሒዝካ ምልኣኽ ኣይኮነን። መልእኽቲ መንፈስ ቅዱስ፡ ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ ዚወሃብ ኣምባሳዳርነት እዩ። እዚ ድማ መልእኽቲ ኣብ: ወልድን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝኾንዎ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሥልጣን እዚ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሎ ሰብ ከም ይሁዳ ነቲ መገዲ ረጊጹን ክሒዱን፡ ከም ኣርዮስ ተገሲጹን ተማዒዱን ካብ ጌጋ ኣይምለስን ኢሉ፡ ክሳብ ዘይከደ፡ ህያብ ኣምላክ ብጸላእኩኻ ፈተኹኻ ምትካእ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ (ግብ.ሓዋ.1፡21- 25)። ቤተ ክርስቲያን ኣካል ክርስቶስ ካብኡ ዘይትፍለ እያ (“ኤፈ.1፡22-23)። ክርስቶስ ርእሲ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ዝተረፈ ኣካሉ እያ። ኣካል ካብ ርእሲ ተሪፉ እንተ ተፈልዩ ድማ መዋቲ እዩ።

ቅዱሳን ኣቦታትና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣካል ክርስቶስ ምዃናን ክርስቶሳዊ ሰንሰለትን ሓዋርያዊ መገድን ተኸቲላ ብዛዕባ ቀጻልነታ ዚበልዎ ንመልከት።

ቅዱስ ቀሌምንጦስ ረድኣ ቅዱስ ጴጥሮስ (95 ዓ.ም)።

“ሓዋርያት ቅዱስ ወንጌል ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተቀቢሎም ናባና ኣብጺሖም፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ ተላኢኹ። ስለዚ ኩሉ ብፍቓድ ኣምላኽ መሥርዑ ሓልዩ፡ ብትብዓትን ተኣማንነትን ድማ ትንሣኤ ክርስቲስ ንምምስካር፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ እሙናት ብምዃን፡ ድሕሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞሩ ኣመንቲ ኣጥረዩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ፈቲኖም ድማ ጳጳሳትን ዲያቆናትን ሾሙ።1ቀሌ.42፡1-2)
ቅዱስ ኣግናጥዮስ ምጥው ለኣንበሳ ተመሃራይ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ (69 ዓ.ም).
“ኩሉ እትገብርዎ ብፍቕሪ ኣምላኽ ግበርዎ፡ ጳጳስ፡ ኣብታ ኣካሉ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንበር ኣምላኽ ኮይኑ ብእምነት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካህናት፡ ዲያቆናት ምእመናን ከቢቦሞ፡ ምርኣይ ንኣይ እቲ ኣዝዩ ዝመቀረ እዩ። (ኣግናጥዮስ ናብ ማግናስዮስ 6፡1)። ቀጺሉውን ቅዱስ ኣግናጥዮስ፡ “ኩልኹም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሾመ ንሊቀ ጳጳሳት ከም ኢየሱስ ክርስቶስ፡ንጳጳሳትን ካህናትን ከም ሓዋርያት ተቀበልዎም።” (Magnesians 6:1)።

“ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሕይወትና ዘይፍለ፡ ዕላማ እግዚኣብሔር ኣቦ ዘሥመረ፡ ከምኡ ድማ ጳጳስ ዕላማ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምሥማር ብመንፈስ ቅዱስ ዝተላእከ እዩ።” ኣግናጥዮስ ናብ ኤፌሶን 3፡2። “ካብ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ንበይኖም ተነጺሎም ዝቖሙ ካብ ዝቖሙ ረሓቕ” ኣብታ ኣካል ክርስቶስ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዘየለ፡ ኩሉ ኣካል ክርስቶስ እዩ ምባል ኣይከኣልን። ኣግናጥዮስ ናብ ኤፌሶን 3፡5።

ቅዱስ ኢራንዮስ፡ ቅዱስ ኢራንዮስ ኣብ 180 ተመሃራይ ፖሊካርፓስ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ወዲ ወዱ ብመንፈስ እዩ። “ ቤተ ክርስቲያን ሓቀኛ እምነታ ብሓዋርያዊ መተካእታ ኣቦታት ተኸቢሩ ኣባና በጺሑ። ኣንጻር ከሓድቲ 3፡3
ሊቃነ ጳጳሳት፡ ተኸተልትን ሓዋርያትን እዮም። ንኣኻትኩም ዝተቐበለ ነኣይ ተቐበለ ዝበሎ እዩ።” ቀኖና ሂፖሊዶስ ሓዋርያዊ ትውፊት 3።
እግዚኣብሔር ኣቦ ንክርስቶስ ልኢኽዎ ክርስቶስ ንሓዋርያት፡ ሓዋርያት ንሰዓብቶም (1ቀሌ.17፡1-2)። ጉባኤ ኒቅያ ናይ 318 ጉባኤ መንፈስ ቅዱስ ውሳኔ ኣብ ርእሲ ፓትርያርክ። “ኣብ ትሕቲ ሓደ ሊቀ ጳጳስ (ፓትርያርክ) ዘለዉ ጳጳሳት፡ ‘’ኣብ ርእሲ ፓትርያርክ ክሲ ተቐቢሎም ዝኾነ ውሳኔ ክህቡ ኣይክእሉን። ዝኾነ ገበን እንተ ሃለዎ ካልእ ኃዉ ፓትርያክ ኣብ ጉባኤ ተረኺቡ ገበን እቲ ዝተኸሰ ፓትርያርክ ከየርጋገጸ፡ ክውስኑ ኣይክእሉን።” ውሳኔ ጉባኤ ኒቅያ 51።

ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጳጳሳት ኤጲስ ቆጶሳት እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ ሃገረ ስብከታት ዚርከቡ ጳጳሳት ሓለቓኦም መን ምዃኑ ኪፈልጡ ይግባእ እዩ። ብዘይፍቓዱ ድማ ዓብይ ይኹን ንእስ ስራሓት ኪሰርሑ ኣይግባእን። ንሱ ድማ ብዘይምኽሮም ዓበይቲ ነገራት ኣይስራሕ። 3ይ ቀሌምንጦስ (ኣብጥሊስ ቀኖና 25)።
“ዝኾነ ጳጳስ ብፓትርያርክ ወይ ፓትርያርክ ብዝመርሖ ጉባኤ ካብ ኣግለግሎት ደው ኪብል ተኣዚዙ ነቲ ውሳኔ ስዒሩ እንተ ኣገልገለ ውጉዝ ይኹን፡ ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል የብሉን” (ቀኖና ጋንግራ 325-381ዓ.ም. ቀኖና 3)።
  • “ዝኾነ ጳጳስ ብዘይፍቓድን ኣፍልጦን ፓትርያርክ ዝኾነ ይዕበ ይንኣስ ስራሕ ቤተ ክርስቲያን ኪሰርሕ ኣይክእልን። ኣብ ሃገረ ስብከቱ ዝሰርሖ ስርሓት ብምልኡ ብኣፍልጦ ሊቀ ጳጳሱ ጥራይ ይኹን” (ቀኖና ጋንግራ-325-381ቀኖና 9)
  • “ጳጳስ ብዘይፍቃድን ኣፍልጦን ፓትርያርክ፡ ናብ ዓለማዊ መጋባእያ ቤተ መንግስቲ ጥርዓን እንተ ኣቕረበ፡ ካብ መዓርግ ጵጵስናኡ ይውረድ። ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ከም ዝበሎ ኣምላኽና።” (ቀኖና 11)።
  • “ጳጳስ ብፓትርያርክ ይኹን ብምልኣት ሲኖዶስ ንዝበጽሖ ግፍዒ፡ ናብ ዓቢይ ሲኖዶስ ጥርዓኑ የቕርብ እምበር ናብ ቤት መንግስቲ ኣይኺድ። ከምኡ እንተ ገበረ ግና ምሉእ ብምሉእ ናብ ስልጣኑ ኣይመለስ።” (ቀኖና ጋንግራ 325-381 ቀኖና 12)።
  • “ዝኾነ ካህን ወይ ጳጳስ፡ ነቲ ዝሾሞ ጳጳስ ወይ ፓትያርክ ንዒቑ ብገዛእ ሥልጣኑ ናቱ ምምሕዳር ዚምሥርት፡ ዝተዋህቦ ዝሓደገ እዩ እሞ፡ ክሳብ ብንስሓ ናብ ጳጳሱ ወይ ፓትርያርኩ ዚምለስ ይከልከል።” (ቀኖና 17)።
  • “ኣብ ምምራጽ ጳጳስ ዓለማዊ ምእመን ከድምጽ ኣይግብኦን። (ቀኖና ሎዶቅያ 13)
  • “ዝኾነ ጳጳስ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተኸሲሱ ኣብ ጉባኤ ቀሪቡ ብዝለዓለ ፓትርያርክ ገበነኛ ምዃኑ ከይተረጋገጸ፡ ካብ ቦታኡ ኣይተኣለ ኣብ ቦታኡ ካልእ መተካእታ ኣይገበሮ። (ሰርዲቅያ 343 ዓ.ም. ቀኖና 5)።
  • “ጳጳስ ንሕሙማትን እሱራትን ብርሕራሔ ዘይበጽሕን ዘይሓትትን እንተኾነ ነቲ እሱርን ሕሙምን ኣይንታዮምን እዩ፡ ንረብሓ ቤተ ክርስቲያንውን ኣይኮነን።” (ቀኖና ኣትናቴዎስ 15)።
  • “ቤተ ክርስቲያን ንካህናታ እኹል ዘመሓድር ዓቕሚ እንተ ዘይብላ፡ እቲ ጳጳስ ነቶም ካህናት ዘድልዮም ኩሉ ይሃቦምን ይፈጽመሎምን። እዚ ኪገብር ዓቕሚ ዘይብሉ ጳጳስ እንተ ኾነ ግና፡ ኣብ እንዳ ሃብታማት ይኺዱ። ጉድለት እቶም መንበረ ታቦት ሓዲጎም ዝኸዱ ካህናት ኣብቲ ጳጳስ ይመለስ።” (ቀኖና ኣትናቴዎስ 23)።
  • “ዝኾነ ኣብ መዓርግ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ካብ ኣጻዌ ኆኅት (ዓጻዊ ማዕጾ) ጀሚሩ ክሳብ ጳጳስ፡ ገበኑ ብሠለስተ መሰኻክር እንተዘይተረጋጊጹን እንተዘይኣሚኑሉን፡ ገበነኛ ተባሂሉ ኣይከልከል።” (ቀኖና ኣትናቴዎስ 53)።
  • ወሊቀ ጳጳሳትሰ፡ ወይደልዎ ሎቱ ከመ ይትማከሮሙ፡ ለሰብኣ ኣእምሮ በእንተ ኩነኔ ወፍትሕ፡። ፍ.መንፈሳዊ ዓንቀጽ 4፡81።
  • ትርጉም፡ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ብዛዕባ ፍትሕን፡ መቕጻዕትን ምስ ፈላጣት መጻሕፍቲ ክማኸር ይግብኦ።
.ብኃይሊ፡ ብተንኮል፡ ብኣድማ፡ ብህያብ፡ ብገዛእትን ሰበ ስልጣ ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር፡ ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፍለ። ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠልቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡ 172- 185ቲ ብሕርየት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአ ርእሰ-ኣቦታት (ሊቀ ጳጳስ) ብዘይካ በዘን ዚስዕባ ሰለስተ ጉድለታት ብዝኾነ ካልእ ምኽንያት ካብ መዓርጉ ኣይእለን እዩ።
ልቡ እንተ ሰሓተ እሞ ከም ዘይኃዊ እንተ ተረጋገጸ።
  • ምሉእ ክሕደት ኣምልኮተ እግዚኣብሔር ከም ዘለዎ ምስ ዚረጋገጽ።
  • ኣብ ዝሙትን ቅትለትን እንተ ተረኽበ (ፍትሕ መ. 4፡87:91:.

No comments:

Post a Comment