1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 24 July 2012

ማዕዶት ጋዜጣ ሓዳስ ኤረትራ ዶ ዋልስ መስከርም.ነት መጽሄት ፖሎቲካ።


ማዕዶት ጋዜጣ ሓዳስ ኤረትራ ዶ ዋልስ መስከርም.ነት መጽሄት  ፖሎቲካ።
እዚ ዘለናዮ ቀው ኢልካ ተስተውዒልካ ዘገርም ጥራሕ ኢኻ ትሰምዕ። ሓቀኛን ሓሳውን ክትፈልየሉ ዘይትኽእል፡ ውላ ትንፈር ዑፍ እያ ዝብሉ ሰባት እዝንኻ ትሰምዓሉ፡መላኽን ተመላኽን ዘይብሉ ኩሉ ኣነ እየ ዝብለሉ እዋን።ናይዚ ኹሉ ሽግር መቸስ እቲ ሕግንስ ርዓትን ዘይኽተል ግን ከ ስርዓት እየ ዝብል ኣካል ኣስመራ ምኻኑ ልቢ ዘለዎ ኣይስሕቶን እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብ ዘበን ኣምጸኦም ፖሎቲካ ኤረትራ እትምራሕ  ንምፍልላይን ምንቋትን ህዝቢ ኦርቶዶክስ ዝተሰርዐት ብሎግ ዝዘርገሐቶ ኢና ከነቅርበልኩም።ኣብታ ብሎግ ዝተጻሕፈ ኩሉ ካብ መጽሔት ህዝብን ፖሊስን ሓዳስ ኤረትራን  ዝተወስደ ኮይኑ ከም ጭብጢ ተቅሪቦ ድማ  ፖሊስን መንግስትን ኤረትራ ዘቅረቡዎ እዩ።ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዘይብላ ሃገር  ዘቀመጠቶ ፖሊስን ፈጻሚ ኣካልን ፡መቸስ በየናይ እዩ ንሰባት ዝፈርዶም ይገርመና እዩ።ደሓን ነዚ ንሕለፎ እስከ ናብዛ ሃዋርያ ዶ መጋበርያ ኢላ ናይ ፖሊስ ኣርእስቲ ብምውሳድ ጀሚራ ዘላ ብሎግ ንኺድ ገለ ካብቲ ዝሰፈረ  ከምዚ ኢላ ትጅምር ብሎግ መዓዶት፡-
ኣብዚ ናይ ሎሚ “ንቕሑ” ዓምድና: ምክንያተ ጽሑፍ ዝኾነና ጒዳይ: ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ወይውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝረኸብናዮ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ካብ ልሳን ፖሊሲ ኤርትራ ዝኾነት መጽሔት ‘ህዝብን ፖሊስን’ ኅታም ጥሪ - ለካቲት ቍ.38 2012 ዝተወስደ እዩ። ርእሲ እቲ ዝያዳ ዘገደሰና ኣብታ መጽሔት ዝሰፈረ ጽሑፍ ከኣ “ሃዋርያ ዶ መጋበርያ” ዝብል እዩ። ምናልባት ገሌና ኣብዚ ደገ ነዛ መጽሔት’ዚኣ ኣቐዲምና ናይ ምንባብ ዕድል ረኺብና ብኣግራሞት ተዋሒጥና ንኸውን፤ ዘየገርም ድማ ኣይኮነን። በቲ ብስም ‘እምነት’ ብዝግበር ኣሽካዕላልን: ኣማኒ መሲልካ ብዝፍጸም ዘሎ ምድንጋርን: ኣብ ውሽጢ ሃገር ነዛ መጽሔት ዘንበቡ ብዙኃን ሰባት: ኣዝዩ ከምዝደንጸዎም፤ ንዝተወሰነ እዋን’ውን ኣብ ከተማታት መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝቐነየ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። ኮይኑ ድማ ብኸምዚኦም ዚኣመሰሉ ተዃሉ ሓራጥቃውያን ዘይሩ ዘይሩ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ እቲ በጊዕ ምእመን እዩ'ሞ ንቤተ ክርስቲያን ብቀንዱ ዝምልከታ ኣርእስቲ ስለዝኾነ ክንግደሰሉ እምበር "እዚስ ምጾት እዩ" ጥራይ ኢልና ክንሓልፍ ኣይመረጽናን።


በዚ መሠረት'ዚ ከኣ ኣብዛ ዝጠቐስናያ መጽሔት ዝሰፈረ ውጽኢት ገበናዊ መርመራ ዝኾነ ጽሑፍ ብመንጽር ሃይማኖታዊ መልእኽቱ ምስ ገለ ውሑድ ዕቃቤታትና ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተራእየናን: ምስቲ ብቀጻሊ ንምእመናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት: ዕላማ መናፍቓን እናጠቐስና ክነቕሕሉ ከነተሓሳስቦ ምስ ዝጸናሕና ጽሑፋትና: ብፊደል ይኹን ብመንፈስ ዝሰማማዕ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮን ብቀጥታ ከምቲ ዘለዎ ናባኹም ከነቕርቦ ወሰንና።
ከምዝፍለጥ ስለነናቶም በበይኑ ዕላማታት: ብዙኃን “በጻሕቲ” “ዳህሰስቲ” “ልኡኻት እምነት (ሚስዮነሪ)” “ትካላት እምነትን ረድኤትን” ወቦዘ… ብፍላይ ድኅሪ ፲፮/16 ክፍለ ዘመን ናብ ሃገርናን ከባቢናን በብእዋኑ ብምምጻእ፤ ዝተፈላለየ ስዉር ዕላማታቶም ንምስዋር ቀዳማይ ግዳይን መጋበርያን ክገብርዋ ዝፍትኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ደቃን እዮም።
 ብፍላይ ድማ ብመጠን ይኹን ብዓይነት ብዝረቀቐ ሜላ ኣብዞም ዝሓለፉ ፶/50 ዓመታት: ኣብተን ኣቦታት መንእሰያት ንምምሃር ኢሎም ብቅንዕና ኣብ ዝጀመርዎን ማኅበራትን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ሃገርና ኣመንቲ መሲሎም ሰሊኾም ብምእታው ቈርበት በጊዕ ተኸዲኖም፤ ንምእመናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ከደናግሩን ካብ ደንበ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን፤ ሃይማኖት ኣቦታቶምን ክጨውዩን: መጋበርያ ካልእ ዕላማታቶም ክገብሩዎምን ጸኒሖም እዮም።

እዚ ኣካይዳ’ዚ ድኅሪ ናጽነት ሃገርና: ዝያዳ ብዝተወደበ መልክዕን፤ ንመሓውራት እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክሳዕ ምቍጽጻር ብዝበጸሐ ኣገባብ ይዓዩ ከምዝነበሩ ከኣ ዝርሳዕ ኣይኮነን። በብቝሩብ ዓውድታትን ቀጽርታትን ቤተ ክርስቲያንና፤ ብግልጺ ብስም ጉባኤ “ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ” ኑፍቄ ብዕሊ ዝንገረለን: ካልእ ሓድሽ “ወንጌል” ዝስበኸለን: መሰጋገሪ ድንድል ናብ ካልኦት ዘመን ዘምጽኦም “ሓደሽቲ እምነታት” ተቐይረን ምንባረን ከኣ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። እምበኣር ሕዝብና ብእምነቱ ጽኑዕ ይኹን ደኣ እምበር፤ ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ ብመራሕቲ ኣቦታት ዝግበረሉ መንፈሳዊ ጕስነት ኣዝዩ ብምድካሙ፤ ሕጂ’ውን ምሉእ ብምሉእ ተሪፉ እንተዘይተባህለ’ውን: ደቅና ብዘጋጥሞም ወራር “እምነታት” ክዝመቱ: ግዳይ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ተመሳሲሎም ስዉር ዕላማታቶም ዘካይዱ “ትካላት እምነት” ክኸውን ዝተገደደሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ሕጂ’ውን እቶም ክሕልዉዎ ዝግባእ ጓሶት ከምቲ ዝግባእ ስለዘይተበራበሩ: እቲ ወራርን ምዝራእ ክርዳድን ይቕጽል ከምዘሎ እዚ ኣብዚ መጽሔት ወጺኡ ዘሎ ዛንታ ህያው ምስክር እዩ። እምበኣር ደቂ ካህናት ተባሂሎም ኣብ ኸምዚ ዚኣመሰለ መርበብ ኣትዮም ይሰርሑን የስርሑን ካብ ዝነበሩ ከኣ: እዚ ሎሚ እከይ ግብሩ ብሕዝብን ፖሊስን ተቓሊዑ ዘሎ መንግሥተአብ ወዲ ቀሺ መብራህቱ አርአያ እዩ።ኢላ ብምውሳክ ውርድ ኢላ ድማ ነዚ ወስ ኣቢላትና ኣላ ።
ሎሚ መዓልቱ ኣኺሉ: ገበን ናይዚ ሓደን ውሑዳት ሰዓብቱን ብዕሊ ተቓሊዑ ደኣ እምበር፤ ገበናት እቶም ኵሎም ንመንግስተአብን ካልኦት ኣዕርዅቱን ዝመልመሉን: ሎሚ’ውን ብፍላይ ኣብዚ ደገ ገሊኦም ጉልባቦም ቀሊዖም “ፓስተር” እናተበሃሉ ዝጽውዑ፤ ገሊኣቶም ከኣ ጌና “ኣይተፈለጥናን” እናበሉ ብደረጃ "ክህነት" “ቀሺ” “መሪጌታ” ክስቶ እናተባህሉ ብምድንጋርን ብንግዲ “እምነት” ጁባታቶምን ባንካታቶምን ገንዘብ ዝመልኡ ዘለዉ ሰባት በብሓደ ዘርዚርካ’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። ነዚኦም’ከ መን እዩ ከቓልዖም? መዓስ’ከ ይቓልዑ ይኾኑ? እግዚአብሔር ይፈልጥ! ዕላማ ተረፍ መረፍ ናይዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ዝተሓንገጡን፤ ሕጂ’ውን ብክልተ ማንካ ዝበልዑን (double agent): መሲሎም ዚሰርሑን ብፍላይ ከኣ ካብ ኣትላንታ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብዝምጠወሎም ገንዘብ ድሌታቶም ኣብቲ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ብደረጃ ሓላፍነት ዘተግብሩን’ከ መዓስ እዩ ሓቀኛ መንነቶም ክጋሃድ?።
ብምባል ድማ ነዚ ወብሳይት ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤረትራ ብምቅራብ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱሳ ከነንብብ ኣቅሪባትልና ኣላ።
ኣስተውዕል ኦርቶዶክሳዊ ካብዚ ጽሑፍ እዝስ እንታይ ተማሂርካ መጻህፍቲ ተዋህዶ ተወዲኦም ድዮም ንመጽሓፍ ቅዱስ በዚ ተተኪኡ፡ነገረ ጭዋ ሽግር እዩ። ተዋህዶ ዘገድሳኸ እንታይ  እዩ???ሰባት ምእሳሮምን ምርሻኖምን ዋላስ ሰባት እንታይ ??፡፡ ንምዃኑ ኸ ኦርቶዶክስ መሳርሕቲ ፖሊስ ድያ???፡ንምኻኑኸ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤረትራ ዝወጸ ኩሉ ሓቂ ድዩ??ከምኡ እውን ኣብ መጽሔት ህዝብን ፖሊስን ዝወጸ ን መጽሓፍ ቅዱስ ተኪኡ ኣብ መድረኽ ክምሃረሉ ካብ መዓስ ተጀመረ፡ካብ መዓስ እዩ መጽሔታት ን መጽሓፍ ቅዱስ ዝተክአ!፡ካልእ ኣይኮነን ብሽም ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ቅዱሳን ሰባትን ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ገርካ ሰባት እንዳ ሸርሸርካ መሳርሒ ፖሎቲካ ምግባር እዩ።ምትቃዕ እዩ፡እዚ ኣካል ናይቲ 03 ተባሂሉ ዝንገር ምዕቡል መሳርሒ ንምጥቃዕ ሰባት እዩ።ኣብ ከምዚ የውጽእዎ ደሓር ሰብ ምስ ተጨውየ ዋእ ደንጉዮም እኳ ይብል ክንደይ የዋህ ።ዋእ ደው የብሎ ዝመንግስትና ኢሉ  መስኪን ነቲ ጥጅእ ዘይፈልጥ ይምርቅ።ይቅጽል….ናብ ካልይ ክፋል.,,,።
               ሃይማኖተ  ኣበው
             haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment