1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 21 August 2012

ዕረፍቲ ኣቡነ ጳውሎስ ኣብ ኦርቶዶክስ ታራ ሞትዶ ኣለዎ ጽልዋ!???።


ዕረፍቲ ኣቡነ ጳውሎስ ኣብ ኦርቶዶክስ ታራ ሞትዶ ኣለዎ ጽልዋ!???።
ብጹእ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን 5ይ ፓትሪያርክ ኣቡነ ጳውሎስ ዘ ኢትዮጵያ፡ሊቀ ጳጳስ ኣኽሱም፡ዘ ወዕጨጌ ዘ መንበረ ተክለሃይማኖት ፕረሲደንት ዓለም ለኸ ኣብያተ ክርስትያናት ሊቀ መንበር ዓለም ለኸ ቤተ ምኽሪ ናይ ዓልም ለኸ ሃይማኖተኛታት ናይ ክብሪ ፕረሲደንት ንሰላም።ኣብ መበል76 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብ ሞት ምፍላዮም ካብቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ቀንዩ ዘሎ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያን ዓለምናን ዘለዎም ጽልዋ እንታይ ሳዕበን ከምጽእ ይኽእል፡ን ደምበ ኦርቶዶክስ ጎዳኢ ዶ ጠቃሚ ኣብ ዝብል ኣርእሲ ብዙሓት ወገናት ነናቶም ርእይቶ ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ።ብ ወገና ዘለና ርእይቶ ምስ ርእይቶ ዝበዝሑ ብምዝማድ ክንገልጽ ክንፍትን ደስ ይብለና።
ኣቡነ ጳውሎስ ብትምህርቶም ጸብለል ዝበሉ ሓይል ክኢላ፡ፈላጥ ከም ፍልጠቶም ዘይዛረቡ ሓያል ኣቦ እዮም ነሮም ይብሉ ተንተንቲ።ኣቡነ ጳውሎስ ዋላኳ ኣወንትኦም ዝዛይድ ተኾነ ከም ኩሉ ሰብ ግን ድኽመታት ኣይነበሮምን ማለት ኣይኮነን፡ካብቲ ዘስርሕዎ ሓወልቲ ኣትሒዝካ፡ክሳዕ መንበሪ ገዝኦምን፡እቲ ዝበዝሐስ ካብ ዝሓለፉ ፓትሪያርካት ኢትዮጵያ ፍልይ ዝበለ ሰፊሕ ምንቅሲቃስ ዝገበሩ ፡ተዓጽዮም ዝነበሩ ኮሎጃት ብምኽፋት ኮርሳት ብምሃብን ትምህርቲ ሰንበት ሓፍ ንኽብል ሓያል ጻዕሪ ካብ ዝገበሩ ኣቦታት እንኮ እዮም እውን ።
ኣቡነ ጳውሎስ ብፍላይ ድማ ነቶም ብሽም ሃይምናት ኣብ ምሽቃጥ መዋእሎም ዘባኽኑ ኣብ ምእካብ ገንዘብ ተዋፊሮም  ዘለዉ:: ካብ ወንጌል ዝወጹ፡ንእምነት ኦርቶዶክስ ብምትሕዊዋስ ካልእ ወንጌል ከእትዉ ህርድግ ዝብሉ ኣብ ኤረትራ ከይተረፈ ጽልዋ ዘለዎም።ብ ኢኮነሚ እውን ሓያላት ማህበረ ቅዱሳን ደው ኢሎም ብሕግን ስርዓትን ተማእዚዞም ክኸዱን፡ካብ ስርዓት ኣምልኾ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ንምውጻእ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ብምቅዋምን ተፈላለዩ ክሽቅጥሎም ዝኽእሉ ኣፋፈት ብምዕጻውን፡ነታ ብ ማሕበረ ቅዱሳን ክትህወኽ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ናብ ምርጊጋእ ኣብ ምምራሕ ሓያል ታራ ነሩዎም እዩ።
ምፍላይ ኣቡነ ጳውሎስ ብ ሞት ን ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ናብ ምግምማዕን ፋሕፋሕን ክመርሓ ከም ዝኽእል ተዓዘብቲ ይዛረቡ።እቲ ክሳዕ ህጂ ኣብ መንጎ ትምህርቲ ሰንበትን ማሕበረ ቅዱሳንን፡ገለ ጳጳሳትን ማሕበረ ቅዱሳንን፡ከምኡ እውን ከም እኒ በጋሻው ዝበሉ  ድሮ ኣብ ልቢ ህዝቢ ዝኣተዉ ዉሩያት ሰበኽቲ ህላወኦም ኣብ መጻኢት ኢትዮጵያ ከመይ እዩ ክኸውን ንዝብል ኣስጋኢ ነገር እዩ።
ብ መሰረት ኣጀንዳ ማሕበረ ቅዱሳን ፡ቤተ ክርስትያን ነዞም በላሕትን ንፉዓትን ሰበኽትን ዘመርትን፡ ተውጊዛቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ምንቅሲቃስ ክገብሩ እውን ከም ዝኽእሉን  ን ደሞክራሲ ኢትዮጵያ ተጠቂሞም ተዓዘብቲ ይዛረቡ።ኢትዮጵያ ነዚ ተገይራቶ ከምቲ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ልዕሊ 40.000 ሽሕ መንእሰያት በ ገዛእ ኢዳ ዝኸሰረት ክትከስር ትኽእል ዘይኮነስ ልዕለኡ ዕንወት እውን ከጓንፋ ይኽእል እዩ።፡ ዘሎ ጉድለታት ስለ ዝፈልጡ ተጠቂሞም ድማ  ከፍሪስዋ ከም ዝኽእል ንህልውና እታ ቤተ ክርስትያን ዝደልዩ ሰባት የተንብሁ።
ማሕበረ ቅዱሳንን ኣቡነ ጳውሎስን ብዙሕ ግዜ እዮም ክራጸሙ ተራእዮም።ማህበረ ቅዱሳን ን ቤተ ክርስትያን ካብ ሊቃውንትን ካብ ኣሕዋት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስትያናት ጨውዮም ክወስዱዋን፡ኣቡነ ጳውሎስ ድማ ኣይፋልኩምን ደቀይ ካብ ጽርግያ ኣይትውጽኡ ከይትጸድፉ ክብሉን።ክሳዕ  ማሕበረ ቅዱሳን  ኣቡነ ጳውሎስ ምባል ገዲፎም <<መስፍን ጳውሎስ>> ኢሎም ክጽውዑ ገይሩዎም እዩ።ማሕበረ ቅዱሳን ከምቲ ኣብ ኤረትራ ምስ መንግስቲ ኤረትራ ብ ምትሕብባር ን ኣቡነ እንጠንዮስ ከውርድ ዝተጻወቶ ኣጻያፊ ስራሕ፡ኣብ ኣቡነ ጳውሎስ እውን ክትግብሮ ብዙሕ እዩ፡ጽዒሩ።ብ መገዲ ኣቡነ ኣብርሃም ዝበሃል ኣቡን ።ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ ግን< እሮማይ ኢትዮጵያ ብ ሃይማኖት ኮነ ብ ፖሎቲካ ኣብቂዓ >እዮም ዝብሉና ዘለዉ፡ስለምንታይ ከም ኣቡነ ጳውሎስ ዝበሉ ክኢላታት ኢትዮጵያ ከምዘይብሎም ድሮ ካብ ንግሀኡ በለጭ ክብል ጀሚሩ ኣሎ።እዚ ከም ጭብጢ ክኸውን ዝኽእል ድማ ተቃያያሪ መግለጺ ሲኖዶስም እዩ።
ኢትዮጵያ እዚ ወርሒ እዚ ፓትሪያርካ ጥራሕ ዘይኮነስ  እንኮላይ እቲ ካብ ኣፍሪቃ ብሕይልነቱ ዝእመነሉ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቅድመኡ ነበሩ መንግስታት ፍሉይ ለውጢ ዝገበረ፡ኣባይ ኣብ ረብሓ ኢትዮጵያውያን ክውዕል ዝሰርሐ ሓያል መራሒኣ ጣቅላይ ምንስተር መለስ ዜናዊ እውን ሲኢና ኣላ።እዚ ኣዝዩ  ዘተሓሳስብ (2) ክልተ ኣጋጣሚ ነታ ብ ኣስላም ትህወኽ ዘላ ኢትዮጵያ ናብ ካልእ ኣንፈት ክመርሓ ይኽእል እዩ ይብሉ ኣለዉ ተንተንቲ።ኣብ ፖሎቲካ ከይኣተና ግን ነቲ ክትንክፈና ዝኽእል ነገረ ሃይማኖት ዝትንክፍ እስከ ከነምጽእ።ማሕበረ ቅዱሳን መንግስቲ ኢዱ ከየእቱ ኣብ ከቢድ ሻቅሎት እዮም ዘለዉ።ስለምንታይ ነቲ ምርጫ ፓትሪያርክ ከም ድላዮም ክዝውሪዎ ንኽጥዕሞም።ስለምንታይ መንግስቲ ኢዱ ከየእቱ እንዳበሉ ንሶም ግን ኢዶም የእትዉ ኣለዉ ግን ን ተዓዛቢ ዘስደምም ኮይኑ ኣሎ።

ድሕሪ ቀብሪ ኣቡነ ጳውሎስ ምርጫ ፓትሪያርክ ከነካይድ ኢና ኢሉ ዝኣወጀ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ናይ ኣቡነ ፍሊጶስ ኣካይዳ ን ማሕበረ ቅዱሳን ስለ ዘይተዋሕጠሎም ምርጫ ንንግሀኡ ክግበር  ተገይሩ።http://www.awdemihret.blogspot.it/2012/08/blog-post_20.html እዚ ድማ ማሕበረ ቅዱሳን፡ እቶም ቀንዲ ልኡኹ ዝኾኑ ኣቡነ ፍሊጶስ ድሕሪ ሞት ኣቡነ ጳውሎስ ሰናይ ስርሕ ኣቡነ ጳውሎስ  ኣብ ምድናቅን ኣብ ምጽባቅን ስለ ተጸምዱ እዩ።
ብ ማሕበረ ቅዱሳን ዝፍተዉን ዝተኣምኑን በየ ኣዳራሹ እንዳ ኸዱ ዝባርኹን መዝሙር ማሕበረ ቅዱሳን ዝዝምሩን ነበሩ ኣቡነ ፍሊጶስ ን ሰብ ዘገልገለ ጉቡኡ ውርደት ምዃኑ ከይወግሐ ኣብ እዝኖም ተነጊሩዎም ኣሎ።ስለምንታይ ግን ክንዲ ሲኖዶስ ዝኸውን ኣብ ቅድሚ ማዕከናት ዜና ዓለም ወጺኡ ድሕሪ ቀብሩ ኣቡነ ጳውሎስ ዓቃበ መንበር ክንመርጽ ኢና ኢሉ ዝኣወጀ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ፡ኣብ ቅድመ ህዝቢ ዓለምን ህዝቢ ኢትዮጵያ እንታይ ረኸቦ ብ ቃል ሓንቲ ማሕበረ ቃሉ ዝቅይር!! ዘሕፍር እዩ።እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣቡነ ጳውሎስ ሓመድ ከይጸቀጦም ብ ዛዕባ ሽመት ጳጳሳት ኢትዮጵያ ድሮ ኣነ እየ ኣነ እባ ኣነ እባ ክንድዚ መጻሕፍቲ ኣሕቲመ ኣነ እባ ክብሉ  ይራኣዩ ኣለዉ፡ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጵያ።ድሮ ካብቶም ኣብ ስልጣን ናይ ምምጻእ ድልየት ዘለዎምን ኣብ ሕልሚ ዘለዉን ጳጳሳት ኢትዮጵያ፡ኣቡነ ሉቃስ፡ኣቡነ ህዝቅኤል ከምኡ እውን ፡ኣቡነ ጢሞቴዎስ፡ ኣቡነ እስጢፋኖስ  ምኻኖም ካብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ዝተረኽቡ ሓበረታታት የርድኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ብ ገለ ወገናት ን ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ማሕበረ ቅዱሳን እዩ ከም ዓረብያ ዝዝውሮ እንዳተባህለ ዝቀርብ ነበረ ክሲ በዚ ህጂ በጺሕናዮ ዘለና ጭብጥታት 100% ምሉእ  ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።ካብዚ ንደሓር ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዝብል ተሪፉ ፡ሲኖዶስ ማህበረ ቅዱሳን ተባሂሉ ተተጸወዐ ዝሓሸ ኮይኑ ይስመዓና።ማሕበረ ቅዱሳን ተሓወሶ ምኽሪ ከኣ እንትርፎ ደም ካልእ ሰላም ከም ዘየምጽእ ኣቀዲምና ክንሕብር ባህ ይብለና።ምስ ኮነ ካብ ምዝራብ ከይኮነ ምንጋር ዝያዳ ይምረጽ።
ከም ቅንዕና ካብ መንበር ሓፍ ኢሉ ክዛረብ ዘይኽእል ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ቤተ ክርስትያን ክመርሕ።ንምዃኑ እዞም ተመሪጾም ዘለዉ ኣቡን ከ ዓቅሚ ኣለዎም ዲዩ ዓቃበ መንበር ክኾኑ ተልካ እቲ ብኹሉ ዝወሃብ መልሲ ሽንቶም ክደፍኡ እኳ እንዳ ኣጸገሞም እዩ ኢኻ ትሰምዕ።ኣቡነ ናትናኤል ስርሖም ነቲ ብ በዓል ኣቡነ ኣብርሃም ዝተዋህቦም ምፍራም ጥራሕ እዩ ስርሖም እዮም ዝብሉ በሃልቲ።
ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ክሳዕ ህጂ ኩርኩር ማሕበረ ቅዱሳን ንምዃን ዝተማረኸ እዩ ዝመስል ።ኣብ ዝቅጽል ከ ኣብ ምርጫ ፓትሪያርክ ግደ ማሕበረ ቅዱሳን ከመይ እዩ ክኸውን ንዝብል ሕቶ ንብዙሓት ሰላም ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝደልዩ ወገናት የተሓሳስቦም እዩ ዘሎ።ስለዚ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ብሓደ ሓደ ከይተዓሸወ መንፈሳዊ ሓላፍነቱ ፈሊጡ ክሰርሕ ይግባእ።እንተኾነ ግን ኢትዮጵያውያን ንስልጣንን ፡ጸጽልወኦም ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ንከሕድሩን ነታ ቤተ ክርስትያን ናብ ጸልማት ዝመርሑዋ እዮም ዝመስሉ ዘለዉ።
ማሕበረ ቅዱሳን እውን ህጅስ ተጋላጊልና ኢና ድሕሪ ደጊም ኢትዮጵያ ብ ሓደ ማህበር ክትዝወር እያ። ናብ ዝብል ስምዒት የምርሑ ከም ዘለዉ ተዓዘብቲ ካብ ተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ኢትዮጵያ ይዛረቡ።
ንኹሉ ንምርኣይ ምቅናይ ጥራሕ ኢና ንብል፡እስከ ንቀኒ።
 ካልእ እውን ስለምንታይ እዩ ኢትዮጵያ ምርጫ ፓትሪያርክ ዘድልያ ፓትሪያርክ ኣብ ደገ ከሎ ዝብሉ ብዙሓት ሰባት እውን ኣይተሳእኑን። ደጀ ብርሃን ዝብሃል ብሎግ ኣብ ዘውጽኦ ፓትሪያርክ መንቆሪዎስ ናብ መንበሮም ይመለሱ ዝብል ጽሑፍ http://dejebirhan.blogspot.it/2012/08/blog-post_1360.html° <ፓትሪያርክ ከሎ ኣንኳን  ፓትሪያርክ ክትመርጽሲ ክትሓስቦ እካ ኣይግባእን°> ክብል ጸብጺቡ ኣሎ።እንተበቲ እንተ በቲ ግን ኣብታ መንግስትን ሃይማኖትን ነቅነቅ ዝብለላ ዘሎ ኢትዮጵያ ድሒሩ ዝመጽእ እንታይ እዩ ቀስ ኢልካ ሞዕዛብ ከድልየና እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖታት ብ ሞት ኣቡነ ጳውሎስ ዘለዎም ሓዘን ብምረት ይገልጹ ይርከቡ።ናይ ቫቲካን መራሒ http://www.radiovaticana.va/et2/Articolo.asp?c=614049 ብ ወገኖም ዝተሰመዖም ሓዘን ክገልጹ ከለዉ ተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖታት ኣድናቆቶም ን ኣቡነ ጳውሎስ ይገልጹ ይርከቡ።
እግዚኣብሔር ነፍሲ ዝመቱ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን የዕርፍ! ኣሜን።
                              ሃይማኖተ ኣበው
                       haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment