ንዓይሲ እዚ ኹሉ!!!
ኣብ መብልዒ ማል ክትውለድ
ካብ እንዳ ሃብታማት ክትሓሪ ድኻታት
ናትካስ ዘገርም እዩ የሱስ በዓል ናዝሬት
ተባራዪ መግረፍቲ ናይ ጭግራፍ
እና ገረፉ ከም ዘይሓልፍ ክትጽረፍ
ዕጭ ከውድቁሉ ክዳንካ ክትግፈፍ
እዚ ኩሉስ ንዓይ ንሰነፍ
ባሕርታት ትገንሕ ሰማያት ትዝርግሕ
ጠንቋሊ ኢሎምኻ ብ ቢኤል ዙቤል ዝሰርሕ
እዚ ኹሉ ግን ስለይ እዩ ነይሩ ስለ ዘይረብሕ
ዋላ እኳ ተጥእፋእኩ ብሰንኪ ክፉእ ግብረይ
እወ ድኹም ኮይነ ሲሒተ በቲ ተጻራራይ
ንስኻ ግን ጎይታ ኣይጨከንካን ን ሞተይ
ከተድህነኒ መሪጽካ መጺእካ ደድሕረይ
ይነብር ኣለኹ ተመሊሱ ክብረይ
ኣጽዋሮም ገፊፍካ ኣሕፊርካዮም ጸላእተይ
ግን ዘገርም እዩ እዚ ኹሉስ ንዓይ
ንዓይ ገርካዮ እወ መላእኽቲ ዝግዝኡኻ ጎይታ
ክትውዕል መሪጽካ ከም ርጉም ኣብ መስቀል ጎልጎልታ
ንዕይሲ ዝኹሉ ከመይ እዩ ምሕረትካ ጎይታ
ሂወተይ ብግብረይ ዝነበረት መይታ
ይናፍቀካ ኣለኹ ማራን ኣታ
ሰጣን ሰንቢዱ ብልደትካ
ፈሊጡ ርእሲ እቲ ተመን ትጭፍልቅ ምኻንካ
ህጻናት ክቅተሉ ኣዘዘ ተረኸበ ንዓኻ
ኣይተረደኦ ነይሩ ኩሉ ትፈልጥ ኣምላኽ ምኻንካ
ነገረ ፍጡር ዘይበጽሖ ዕቤትካ
ግን
ግን ክንደይ ተፍቅረኒ ኣነስ ይገርመኒ
ኣብ ትሕቲ ሞት ዝነበርኩ ሓጢኣት መሊኹኒ
መሪጽካ ክትእውጅ ሓራ ክትገብረኒ
ክትስቀል መሪጽካ ብቋንዛኻ ከተሕውየኒ
ክትስዕሮ ንሞት ሂወት ክትህበኒ
ፍቅሪ ሰሓቦ ን ወልዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ
ክውዕል ገበሮ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ
ክሳለቁስ ጽሑፍ ኣብ ርእሲኡ ገበሩ
ንጉስ ኣይሁድ ዝብል ክስዕሩ ሰማያዊ ክብሩ
ግን ገይሩዎ ን ዓይ እዚ ኩሉ ይኽበር ንሓዋሩ
መረገመይ ክወስድ ምስ ዓመጸኛታት ተቆጺሩ
ናይ መስቀል ውዕለትሲ ለከ እዚ ነይሩ ምስጢሩ
መን ኣሎ ክንድዚ ዘፍቅር ሂወት ዝህበካ
ኣነ ግን ኣፍቂርካኒ ኢየሱስ መን ኣሎ ከማኻ
ርእሲኻ ኣድሕን እናበሉ ክሳለቁ ኣብ ቅድመኻ
እስከ ውረድ ካብ መስቀል ክብሉ ክዕንቅፉ ዕላማኻ
ጸማእኩ ተበልካ ብሰፍነግ ሓሞት ከስትዩኻ
ጎይታይ ከማኻስ መን ኣሎ እሞ ንዓይ ፍሉይ ኢኻ
በይንኻ ግዛእ ኣብ ልበይ እንሀለኹ ባርያኻ
ኢየሱስ መን ኣሎ ከማኻ ንዓይ መን
ብደሙ ዝገዝኣኒ ዝመለሰ ክብረይ
ሞተይ ዝወስደ ከንብረኒ ምስ ሂወተይ
ከመይ ገይረ እየ ኽሰርዕ ምሳኻ እንታዋይ
ንዓይሲ ፍሉይ ኢኻ እንበር ኣታ እሙን ኣፍቃራይ
ሕማሞይ ዝጸረ ክገብረኒ ጥዑይ
ሃሌ ሉያ ኢየሱስ ኣምላኸይ ክበረለይ
መን ኣሎ ዝመውት ክንድቲ ዝፈትዎ
መን ኣሎኸ ንሞት ከ እናረአኣየ ዝኣትዎ
ኣምላኽ ግን ንወዱ በጃይ ወፊይዎ
ክሳዕ ክንድዚ ኣፍቂሩኒ ኣብ ግብሪ ምስኪሩዎ
ተገረፈ ብሓጥየተናትት እና ዘለፍዎ
ንዑኡ ምዝማርሲ እኳ ዊሒዱዎ
ኩሉኹም ኣህዛብ ተለበሉ ኣምላኽና በልዎ
ናይ ዘልኣለም ሂወት ኣብ ኢዱ ኣለዎ
ኮንካለይ ሞጎሰይ ኮንካለይ ጠበቃይ
ኮንካለይ ዘግዒ ናይ ድኹማት ዘራይ
ኮንካለይ በጃ ካብ ሕማም ፈዋሳይ
ተመስገን ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ክበረለይ
ኣመስጊነ ኣይጸግብን ዝገበርካዮ ንዓይ
ንውዕለትካ ክነግርሲ ዓቅሚ ውን ነይብለይ
ጥራሕ ተመስገን ንሱ እዩ ዓቅመይ ንሱዩ ቋንቋይ
ተለዊጡ ታሪኸይ ብሳላ ምሕረትካ
ን ሞተይስ ደምሲስዎ ሂወት ሂቡኒ ሞትካ
ብምንታይ እየ እሞ ክውድስ ከመስግን ንዓኻ
ዝደለካዮ ትገብር ዘየሎ ዝብል መን ኢሉካ
ሰማይት ትዝርግሕ ተቁሞም ብቃልካ
ኣኽራንት ዘንቀጥቅጡ ብነድርኻ
ግን ክንዳይ ክትመውት ክንዲዚ ምዕባይካ
ዘደንቅ እዩ ጎይታይ ኣሰራርሓኻ ፍሉይ ኢኻ
ለቱ ስብሃት
ቀሺ ሙሴ ሺሻይ 25/09/2011
No comments:
Post a Comment