1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 27 April 2013

ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት (ጸሓይ ከም ቀደማ ኣላ)!!


ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት (ጸሓይ ከም ቀደማ ኣላ)!!


ብርዒ ቀሺ ዮናስ ወልደርፋኤል
ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ” ኢሎም ናይ ዝትንትኑ ገለ ጽሑፋት ትሕዝቶ ምስ ኣንበብኩ’የ ነዛ “ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት” እትብል ኣበሃህላ ዘኪረ። ኣብታ “ክልተ ቕነ ኣብ ድፋዓት” እትብል መጽሓፍ ናይ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ሓደ ናይ ስነ ጥበብ ባህግን ተገዳስነትን ዝነበሮ፡ ዝያዳ “ኦሮሞ” ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ፡ ተስፋልደት ዝበሃል ስዉእ ተጋዳላይ ኣሎ። ኦሮሞ፡ ሓደ እዋን ላባ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ሓደ ሩባ ማይ እናሰተየ ከሎ፡ ጸሓይ ኣብቲ ማይ ተንጸባርቕ ነበረት’ሞ፡ ነጸብራቓታ ድማ ዘይምኖ ትርኢት ፈጢሩ ነበረ። ነቲ ጸሓይ ዝፈጠረቶ ጽባቐ ዘስተብሃለሉ ግን ማንም ሰብ ዘይምንባሩ ኦሮሞ እናተገረመ፡ መወዳእታኡ ንሓደ ማይ ዝቐድሕ ዝነበረ ገባራይ ሓቢሩ ምስኡ ክዕዘብ ይዕድሞ። “ሰኒቱ እሊ?” ብምባል ድማ ይውከሶ። “ጽብቕቲ ዶ?” ማለቱ’ዩ። እቲ ገባራይ ግን ጽሉል ጌሩ ግዲ ወሲድዎ፡ ንጸሓይ ኣንቃዕሪሩ ድሕሪ ምጥማት፡ “ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት!” ዝብል መልሲ ጥራይ ሃቦ፡ ከምቲ “ከመይ ኣለኻ?” ንዝበልዎ፡ “እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና” ዝብል ምላሽ ዝሃበ ኮይንዎ ድማ ኦሮሞ፡ “ምስ እንዛረቦ እኳ ጠፊኡና!” ጥራይ ከምዝበለ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣዘንትዩ’ሎ።

ምስ እንዛረቦ’ኳ ጠፊኡና!

ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ” ዝብል ኣበሃህላ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ዋላ ነቲ ጸሓፊ ሓቲትካዮ ዘዕግብ መልሲ ዝህብ ኣይመስለንን። ዶግማን ቀኖናን ፈልዩ ከረድእ ዘይክእል ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ እሞ በየናይ መለክዒ እዩ ብዛዕባ ምምሕያሽን ዘይምምሕያሽን ሃይማኖት ክዛረብ!! ብመሰረቱ፡ እቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝብል ቃል ምስቲ እምነት ዝብል ቃል ሓናፊጽና ንርእዮ እንተኾንና ድማ ንምርዳኡ ዝያዳ ከሸግር ምዃኑ ብኣጋኡ ምግማቱ ኣየጸግምን። እምነት ውልቃዊ ኽኸውን ከሎ፡ ሃይማኖታዊ ስርዓት ግን ማሕበራዊ እዩ፥ እምነት መሰረትን ዓንድን እንተደኣኾይኑ ኸኣ ሃይማኖታዊ ስርዓት ድማ ቀጽርን መንደቕን ይኸውን ማለት’ዩ። እምነት ኣብ ኩሉ ቦታ፡ ምስ ባህልን ግዜን ዘይቅየር ክኸውን ከሎ፡ ሃይማኖታዊ ስርዓት ግን ምስ ግዜ፡ ምስ ባህልን ቦታን ክለዋወጥ ዝኽእል እዩ። ኦርቶዶክሳዊ እምነት ከም ኣብነት እንተወሰድና፡ ናይ ኩለን ኦሬንታል ኣብያተክርስቲያናት እምነት ሓደን ዘይቅየርን እዩ። እቲ ኣብ ግብጺ፡ ሶርያን ህንድን ዝርከብ ኦርቶዶክሳዊ ስርዓት ግን ብብዙሕ መለክዒታት ምስቲ ኣባና ዘሎ ሃይማኖታዊ ስርዓት ሓደ እዩ ክትብሎ ዝከኣል ኣይኮነን። ነዚ ሓሳባት ንምርዳእ ግር ዝብል እንተኾይኑ፡ ነቲ ንሕና ብእምነት ዘይኮነስ ብሃይማኖታዊ ልማድ እንኽልክሎ ምብላዕ ማንቲለን ሓሰማን ኣባታቶም ፍቑድ’ዩ ኢና ንብል ዘለና። ኣባና ሳእኒ ወዲኻ ናብ ቤተክርስቲያን ምእታው ነውሪ እንተኾይኑ ድማ ኣባታቶም ግን ከምኡ ምግባር ነውሪ ዝበሃል የብሉን። ኣብ ሃይማኖታዊ ልማድ እኳ እንተተፈላለና ኣብ እምነት ግን ምንም ዘፈላሊ ዘይብልና ሓደ ኢና!!

ዶግማን ቀኖናን

ዶግማ ማለት እምነት ማለት እዩ፥ ቀኖና ማለት ድማ ስርዓት። መሰረተ እምነትና ኣብተን ሓሙሽተ ኣዕማደ ምስጢርን ሾብዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያንን ክጠቓለል ዝኽእል፡ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ድማ ብንጹር ተገሊጹ ዘሎን እኳ እንተኾነ ብሰፊሑ ግን ኣብ ሕጊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ብንጹር ሰፊሩ ከምዘሎ፡ መሰረተ እምነትና መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ንምህሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንልውጦ ይኹን ከነመሓይሾ ኣይንኽእልን መሰል’ውን የብልናን። “ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ” ዝብል ኣምር እምበኣር ኣብ ከምዚ ኩነት ጥራይ እዩ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል። ቀኖና ማለት ግን ስርዓት ማለት እዩ’ሞ ቅድሚ ሕጂ ብሓሙሽተ ቀዳስያን ጥራይ ክግበር ዝእዘዝ ዝነበረ ስርዓት ኣብዚ እዋን እዚ ብሓደ ካህን ትራይ ምሉእ ቅዳሴ ክግብር ምፍቃድ ማለት እዩ። ስለዚ ቀኖና ከከማድላይነቱ ከመሓይሽን ክልወጥን ይከኣል’ዩ፡ ዶግማ ግን ፈጺሙ ዘይለዋወጥ ጸኒዑ ዝነብር መሰረተ እምነት እዩ። ገለ ካብቲ ኣብ ሃይማኖትና ዝተገብረ ምምሕያሻት ምጥቃሱ እምበኣር ነቲ ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ ዝብል ድፉን ኣርእስቲ ቀሊዑ ከርእየና ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ።

ያሬዳዊ ዜማ ካብ ጥንቲ ኣይነበረን

ሃይማኖት ተዋህዶ ናብ ከባቢና ክኣቱ ከሎ፡ (ገለ ሰባት ሃይማኖት ተዋህዶ ኣባና ዝጀመረ እዩ ዝመስሎም እሞ እቲ ሓቂ ከምኡ ከምዘይኮነ እግረ መገድና ጥቕስ ከነብሎ ሰናይ እዩ፡ሽዑ ያሬዳዊ ዜማ ዝበሃል ክነብር ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ያሬድ ኣብ ሻድሻይ ክፍለዘመን ወይ ልክዕ ንምዃን ኣብ505 .ም ከምዝተወልደ’ዩ ታሪኽ ዝነግረና፡ ስለዚ ያሬዳዊ ዜማ ድሒሩ ዝኣተወ እምበር ካብ ጥንቲ ዝነበረ ከምዘይኮነ ንምግማቱ ኣየጸግምን። እቲ ንቤተክርስቲያኑ ጸጋታት ብምዕዳል ዘሀብትማ ጐይታ ግን ንቕዱስ ያሬድ ናይ ዜማ ውህበት ብምሃብ ግርማ ቤተክርስቲያንና ዝኾነ ዜማ ረኸብና። እታ ሽዑ ዝነበረት ቤተክርስቲያን ነቲ ብቕዱስ ያሬድ ዝመጸ ዜማ ኣይንቕበሎን እንተትብልሲ እቲ ውህበት ጸጋ ኾን ማዕረ ክንደይ ምኸሰርናዮ ኔርና?! ብርግጽ ምስ ድርሰታት ቅዱስ ያሬድ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝመጹ ሓድሽቲ ናይ ስርዓት ለውጥታት ከምዝተኣታተዉ ድማ ዘየተሓታትት ብሩህ ይመስለኒ።

ጳጳሳት ሓበሻ ካብ ጥንቲ ኣይነበሩን

እታ ብመገዲ ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ሃይማኖት ተዋህዶ ዝተቐበለት ቤተክርስቲያን ሓበሻ (ኤርትራ ወ ኢትዮጵያንልዕሊ 1600 ዓመታት ናይ ገዛእ ርእሳ ጳጳስ ይኹን ባዕለ-ምምሕዳር ክህልዋ ክሳዕ ኣብ ፍትሓ ነገሥት ብዝሰፈረ ኣንቀጽ ፍቑድ ኣይነበረን። ለውጢ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዘይተርፍ ነገር ስለዝኾነ ግን ብፍቓድ እግዚኣብሄር ብጻዕሪ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያንን ሃጸይ ኃይለሥላሴን ብ1951.ም ንመጀመርታ ግዜ ናይ ባዕላ ፓትርያርክ ክህልዋ ከምዝተፈቕደ ከነውተውዕሎ የድልየና።

ሕገ ልቦና ኢሉ ብራና ዝበለ፡ ወረቐት ኢሉ ሶፍት ኮፒ ምባሉ ኣይተርፎን

ኣብ ኤርትራ ብተበግሶን መሪሕነት ንቡር ዕድ ዲሜጥሮስ ምንቅስቓስ ማሕበረ ሓዋርያት ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ዘጋጥም ዝነበረ ዋሕዲ መጻሕፍቲ ካብ ብራና ናብ ወረቐት ብምስግጋር ብዘመናዊ ማሕተም ከምዝሕተም ኣብ ዝተገብረሉ፡ “ብራና እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ወረቐት ጽሑፍ፡ ቅዱስ ዘይመስሎም ከምዝነበሩ ናይ ቅድሚ ትማሊ ተዘክሮ’ዩ። ቤተክርስቲያን ነቲ ዘመናዊ ሕትመት ኣብያቶ ኔራ እንተትኸውን ግንሲ ኣብ ከመይ ደረጃ ኾን ምሃለና ኢልካ ምሕሳብ እምበኣር የድሊ። ሕጂውን እንተኾነ ካብ ወረቐት ብመገዲ መርበባት ሓበሬታ ኣቢሉ ናብ ሶፍት ኮፒ ዝቕየረሉ መድረኽ ንምድያብ ድሕር ክንብለሉ ዘይግባእ ምዃኑ ኸኣ ብኣጋኡ ክንሓስበሉ የድልየና።

ካብ ባዕዳዊ ቋንቋ ናብ ግእዝ፡ ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ፡ ትግረ፡ ኩናማ ወዘተ

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግርኛ ተተርጕሙ ምስ ቀረበ፡ ምኽንያቱ ብዘይርድኣካ ብዙሓት ሕጉሳት ኣይነበሩን። አረ፡ “ጸላም መጽሓፍ ኣጥፍእ” ዝብሉ’ውን ከምዝነበሩ ኣርኪብናሉ ኢና። ለውጢ ዘይቅበል ርእሲ፡ ጸሓይ ከም ቀደማ ምህላዋ እምበር፡ ሕጂ እቲ ሙቐታ ኣብ ዝተፈላለየ ምንጪ ጸዓት ክውዕል ክኢሉ ከምዘሎ ክርዳእ ዝኽእል ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዳሴ ናብ ትግርኛ ምስ ተተርጐመ ዘጋጠመ ብድሆ ድማ ካብዚ ዘይሰንፍ እዩ ኔሩ። ገለ ገሌና ክሳዕ “እዚ መጽሓፍ እዚ ናይ ከኒሻ እዩ” ንምባል ዝተሃንደድና ምንባርና ውን ይዝከረኒ። ህድእ ኢልና ምስ ሓሰብናሉ ግን ብመሰረቱ’ውን እቲ ስርዓተ ቅዳሴ ይኹን ዋላ እተን 14 ቅዳሴታት ሓንቲ’ኳ ትኹን ካብኣተን ብቛንቋ ግእዝ ዝተደርሰት ከምዘይኮነት የግዳስ ካብ ካልእ ቋንቋ በቶም ሽዑ ዝነበሩ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ናብ ቋንቋ ግእዝ ከምዝተተርጐመ ምስ ተረዳእና ግን ንምቕባሉ ድሕር ኣይበልናን። ሕጂ’ውን እንተኾነ እምበኣር ነቲ ንምህናጽ ህይወት ደቂ ሰባት ብግዲ ዘድሊ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ካልኦት ቋንቋታት ክትርጐም ከምዝግብኦ ክንደፍእን ክንሕግዝን ከምዘድልየና ብሩህ ክኸውን የድልዮ።

መዛሙራት በኣርጋኖን ወኣውታር ወበእንዚራ


ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ኤርትራ ከም ዘማራይ ዳዊት ብበገና ምዝማር ዝውቱር ዝነበረሉ ግዜ ከምዝንበረ ኣብ ዝኾነ ጽሑፍ ኣይረኸብኩን። ብርግጽ ኣብታ ጐረቤትና ዝኾነት ኢትዮጵያ ግን በገና ዝውቱር መሳርሒ ሙዚቃ እዩ። ስለዚ "ንእግዚኣብሄር ብበገና ከነመስግኖ ይግባእ" ዝብል ሰብ እንተተንስአ፡"እዚ ኣብ ሃገርና ኣይነበረን እሞ ኣይንቕበሎን ኢናክንብሎ ልቦና ኣይኮነን። ንእግዚኣብሄር ብዋጣ እንተመስገንናዮ ኸ እንተበልና ድማ ብርግጽ ዋጣ፡ ኣብ ባህልና ምስ ምሕማይ፡ ምስ ዝሙት፡ ፍቅረ ንዋይን ተውኔትን ድኣ እምበር ምስ ቅዳሴን ውዳሴን ዘኽይድ ዛንታ ኣይነበራን፡ ይኹን እምበር ካብኡ መንዚዕና ንኽብሪ እግዚኣብሄር ከነውዕላ ኢና ዝብለና እንተተረኸበ ግን "መርሓባክንብሎ ደኣ እምበር "ብዋጣ ጌርካ ኣይዝመርን እዩክንብሎ ስንፍናና ጥራይ እዩ ዘመልክት፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ብኽራር፡ ብጊታር፡ ብኣርጋኖን (ኦርጋንወዘተ ክንዝምር ኢና እንተተባህለ ድማ መርሓባ!


ዘመናዊ ምህሮ ዓለም፡ ምህሮ ሰይጣን’ዩ ይበሃል ነበረ

ዘመናዊ ትምህርቲ ብብዙሓት ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ምህሮ ሰይጣን’ዩ ይበህል ከምዝንበረ ሓሶት እዩ ትብሉ እንተለኹም፡ ብርግጽ ንቤተክርስቲያንና ዘይትፈልጡ ሰባት ጥራይ ኢኹም ክትኮኑ ትኽእሉ። ዛንታ መምህር ይስሃቕ ተወልደመድህን ኣብ ዘንበብኩሉ ዘሐበነኒ ተግባር እንተሎ ግን ኣብ ምጉስጓስ ምትእትታው ዘመናዊ ትምህርቲ ገለ ኣባላት ቤተክህነት ልዑል ኣበርክቶ ምግባሮምን ንባዕሎም መምህራን ኮይኖም ምስታፎምን እዩ። ጓለንስተይቲ ምህሮ ዓለም ክትምሃር ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ፍቑድ ኣይነበረን። ሕጂ ግን እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ከበሮ ቤተክርስቲያን ክትሃርም፡ ብዜማ ክትዝምር፡ ክንርእያ ከለና፡ ነቲ ነጸብራቕ ርኢና ደኣ ነድንቕን ንግረምን እምበር፡ “ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት” ሲ ኣይንብልን!!
 ****************************************************************************

haymanoteabow@gmail.com


No comments:

Post a Comment