1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 27 April 2013

1ይ ክፋይ 8ይ ሰንበት ሆሳዕና


1ይ ክፋይ 
8ይ ሰንበት ሆሳዕና

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ሰዓት ዝንበብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስታት
ዝንበብ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ኣንባቢ
1,ዕብ 9፡11 ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ ዲያቆን (ገባሪ ሰናይ)
2,ይ ጴጥሮስ 4፡1-12~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ዲያቆን
3, ግብሪ ሓዋርያት 28፡11-22~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ካህን
                      ስብከት
እምኣፈ ደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳሎከ ስብሓተ
በእንተ ጸላኢ ከመትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ
ናይ ዕለት ወንጌል
ወንጌል የሓ 5፡11-13
ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ቅዳሴ
                   ናይ ዕለት ትምህርቲ
ኣብዚ ዕለት እዚ መሲሕ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳለም ክኣቱ ከሎ ዝተዘመረ መዝሙር እዩ።<< ሆሳዕና ን ወዲ ዳዊት ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ሆሳእና ኣብ ኣርያም ይብል ነበረ። ናይ ዕለቱ ትምህርቲ  እውን ነዚ እዩ ኣምጺኡ ናይ ቅዱስ ያረድ ስያማዊ ቃል እውን ካብዚ ተበገሰ እዩ ሆሳእና ኢሉ ነዛ ሰንበት ክህባ ዝወሰነ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ደቂ መዛሙርቱን ናብ ኢየሩሳለም ቀረባ ናብ ዝኾነት ከረን ደብረዘይት ኣብ እትርከብ  ቤተ ፋጌ  እትበሃል ቦታ በጽሑ። <<ኢየሩሳሌም>> ማለት ናይ ሰላም ከተማ ክኸውን ከሎ።<<ቤተ ፋጌ>> ማለት ድማ ናይ በለስ ቤት  ወይ ድማ ቦታ የስምዕ።ብ ናይ ኣቦታትና ኣበሃህላ ድማ ዝተመሳቀለ ጎደና ተባሂሉ ተተርጊሙ ንረኽቦ።ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ን ደቂ መዛሙርቱ ናብ ኣብ ቅድመኹም ዘላ ዓዲ ኪዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ኣድጊ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ።፴፩ - ሓደ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም? ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ።ሃዋርያት ፈቲሖም ኣምጽኡሉ፡እዚ እውን ትርጉም ነይሩዎ ናይ ሃወርያት  ኣገልግሎት ንዝተኣስሩ  ቃለ ወንጌል ሰቢኽካ ምፍታሕ ምዃኑ እዩ ዝተገብረ።
ልቦም ብኣጋንንቲ ዝተኣስሩ ናይ ሓጢኣት እሱራት ኣለዉ፡ነዚኦም ካብ ዘለዉዎ ክፍትሑ ን ተመሃሩኡ ኣዘዘ።ተፈቲሖም ማህደር መንፈስ ቅዱስ ክኾኑንን ኣምላክ ክኸብረሎምን ነገረ።እዚ መልእኽቲ እዚ ንዓና እውን ይምልከተና እዩ።ነቶም ብሓጥያትን ኣጸየፍቲ ልምዲታትን ናብ ኣምላኽ ዘይብጽሑ ባህልታትን ሓግሒግና ብምግሓፍ ን ሰባት ካብዚ ዘለዉዎ መዝማዝን ጠባርን መፈስ ወንጌል ሰቢኽና ክንፈትሖም ይግባእ ንዑ ናብ ቤት ኣምላኽ ወንጌል ተመሃሩ ንበሎም ንዑ ንበሎም እንታይ ኢልኩሞም ተኢሎምና ድማ ጎይታ ይደልዮም ኣሎ ንበሎም።
ክንደይ እሱራት ኮን እዮም ኣብ ከባቢና ዘለዉ። እሞ ድማ  ንባዕላቶም  ብ ሓይልታት ጽልመት ተኣሲሮም ከለዉ ን ሰባት ካብ ማእሰርትኹም ከነውጽኣኩም ኢና ዝብሉ ሓይልታት ጽልመት ክንደይ ኮን እዮም።ንባዕልና እውን ካብኦም ከይንኸውን መዓልታዊ ነፍስና ክንምርምርን ክንፍትሽን ይግብኣና እወ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቅ።ሉቃ11፡35)
ኣብ ትንቢት ዘካርያስ9፡9 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሐጐሲ፡ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ። ከም እተባህለ  ሃዋርያት ኣብ ዝባን እታ ዒሉ ኣንጸፍሉ።ናይ ዓለም ሓጢኣት እተርሕቅ ሓድሽ ልብሲ ኢየሱስ ክርስቶስ ልብሲ ሕፍረትና እትሽፍን እትጋርድ ኣምላኽ እንዳበሉ ኣንጸፍሉ።ኣድጊ ካብ እንስሳታት ዝተነዓቀት እያ።እዚ እውን ርእሶም ንዘትሓቱን ዝተሰብረ መንፈስ ንዘለዎም ጎይታ ከም ዝምልከቶምን ከም ዝጥቀመሎምን ከም ዝደልዮምን ን ኸረድእ ደልዩ እዩ።ኢሳ43፡23፡ማቴ11፡29።መዝ 50፡17-18። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣንኳንዶ ንዓኻስ ነታ ዝተወጣሕካያ ኣድጊ እዃ ሓመድ ክትጽየቅ ኣይግባኣን ኢሎም ክዳውንቶም ኣንጸፉ እዚ ኹሉ ድማ ንንጉስ ዝግባእ ክብረት እዩ ዝነበረ። 2ይ ነገስት9፡13። ሆሳእና  ን  ወዲ ዳዊት ሆሳዕና ብ ኣርያም>> ኢሎም  ዘመሩ።
ሆሳዕና ማለት ህጂ ኣድሕን ማለት እዩ። ኣብቲ ናይ ዳዊት ቃለ መዝሙር እውን ኦ እግዚኦ ኣድህንሶ፡ዎእግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ መዝ118፡25።
ኣብ ኣርያም ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ እትነብር ኣብ ሰማይ እትነብር ሰማያዊ ዝኾንካ መድሓኒና ህጂ ኣድሕን እንዳበሉ ዘመሩ።ካሊእ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ሮማውያን ብምንባሮም ካብ ናይ ሮማውያን ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ኣድሕን ዝብል ናይ  ስጋ ሓሳብ ክኸውን ከሎ ፡በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብ ናይ ነፍስን ስጋን ሞት ኣድሕን ማለቶም ነበረ።ኣብዚ ናይ ስምጋናኦም መዝሙር እንረኽባ ቃል ወዲ ዳዊት እትብል ክትከውን ከላ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ህዝቢ ተረዲእዎም ከም ዝነበረ የመልክተልና፡(ማቴ12፡23።20፡23።20፡30፡22፡41፡9፡
ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስት>> ማለትና ን ዳዊት ዝተዋህበ ናይ ተስፋ ቃል ምፍጻሙ የመልክት። ናይ እስራኤል መንግስቲ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ነበረት፡ናይ ሰብ ኩሉ ገዛኢ እግዚኣብሔር ዝለዝኾነ ካብ ኣዳም ክሳዕ ሳሙኤል ንህዝቢ ዝገዝእ ወይ ድማ ዝእዝዝ ዝመርሕ እግዚኣብሔር ደኣ እንበር ዝኾነ ንጉስ ኣይነበረን።
ኣብ ግዜ ሳሙኤል ግን እቶም ህዝቢ ንጉስ ደለዩ ።ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡፭ - እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኩሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ።፮ - ዚፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ።፯ - እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂሉ ቓሎም ስማዕ።1ይ ሳሙኤል8፡4-7። ሸመሎም ድማ። ንሳኦል ድማ ሸመሎም ጓሳ ኣድጊ ዝነበረ ሳኦል ድማ ሸመሎም።
ንእግዚኣብሔር ዘይግዛእን ንዝበለ ህዝቢ ከም ሳኦል ዝበለ ጓሳ የእዱግ ይገዝኦ።መግዛእቲ ኣምላኽ ዘይደለየ ወይ ዘይደሊ ህዝቢ ኣእዱግ ዝሕሉ ጓሳ መጺኡ ኣብ ልዕሊኡ ይነግስ።ዘገርም ነገር ንኣምላኽ ኣይንግዛእን ብምባልና ክንደይ ሓለውቲ ኣእዱግ ኮን ኢዮም ዝገዝኡናን ዝረግጹናን ዘለዉ።እስከ መግዛእቲ ኣምላኽ ንድለ።ንኣምላኽ ንስኻ ኣብ ልዕለና ኣይትነግስ ኢኻ እስከ ኣይንበሎ።ተዘይኮነ ግን ብዛዕባ ንግስነት ተመክሮ ዘይብሉ ሓላዊ እእዱግ ንጉስና ኽኸውን።ንሕናን ብዘላ ቤትናን ድማ ባረቱ ክንከውን ኢና።
መንግስቲ ሳኦል ን ኣምላኽ ዘይተኽብር መንግስቲ ምስ ኮነት ድማ  መንግስቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ዳዊት ተዋህበት፡ እቲ ከም ሳኦል ዝበለ ርጉምን ን ኣምላኽ ዘየኽብር ንጉስ ንግስነቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ትወሃብ።መንግስቲ ዳዊት ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ነበረት ኣምላኽ ን ኣቦና ዳዊት  ን መንግስትኻ ካባኻ ንዝውለድ ወድኻ ክህቦ እየ ዝበሎ ንግዝይኡ ን ወዱ ሰለሙን ክኸውን ከሎ ፍጻመ ግን ጎይታና ካብኡ ከም ዝውለድ ቃል ኣትዩሉ ንዝነበር ጎይታ እዩ ዝነበረ።ገብርኤል መልኣኽ ብስራታዊ እውን ነዚ እዩ ዝተዛረበ (ሉቃ1፡33)።ካብ ናብ ብስዉር ትመሓላለፍ ዝነበረት ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ  ብ ወዲ ኣምላኽ ምውላድ ስለ ተገልጸት ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስቲ ኢሎም ዘመሩ።
 ኣብዚ ግዜ እዚ መሲሕ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጸ መላእ ከተማ ብኹላ<<እዚ መን እዩ??>> ኢላ ተናወጸት።ህዝቢ እዚ ካብ ገሊላ ዝመጸ ነብይ ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ኢዩ በሉ። ሽዑ ድማ እዩ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ናይ ንግዲ መእከል ንዝተቀየረ ቤተ መቅደስ እዚ ቤት ጾሎት እዩ ቤተ ንግዲ ኣይኮነን ኢሉ ብግልጺ ዝገሰጾምን ዝተቃወሞምን ዝጎሓፎምን።ሎሚ ነዚ ታሪኽ እዚ ክንዝክር ከለና እዛ ንነብረላ ዘለና ቤት መቅደስከ ካብ ዘበን ንጉስ ዘርዓ ያዕቆብ ክሳዕ ህጂ ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ ምሕሳብ ከድልየና ኢዩ።ኣብ መቅደስ እንታይ ኮን ኢዩ ነጊሱ ዘሎ??።እዛ ናይ ኣምላኽ  ቤተከ ናብ እንታይ ተቀይራ ኣላ ኢልና ምሕሳብ ከድልየና እዩ።
ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ተትዛረቡስ ኣይምተኾንኩምን ነርኩም ከም ዝበለና።(2ይቆሮ13፡5) ሎሚ ብዛዕባ ኣብ ካልእ እምነታት ዘሎ ጉድለት ካብ ንጽብጽብን ካብ ብዛዕባ ካልኦት ካብ ንዛረብን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያናኸ ናብ ምንታይ እንዳ ተቀየረት ኢያ ትኸይድ ዘላ።ከነስተውዕልን ውሽጥና ክንፍትሽን ምኽንያት ምብቲታናን ምድካምናን ምፍራስ ዕርዲታትናን ምዝማት ምርኮናን እንታይ ኢዩ ኢልና፡ካብ ስምዒታዊ ኣኽራሪ ኦርቶዶክሳውነት  ናብ ፍጹም ሓቀኛ ርዱእ ክርስቲያናዊ  ኦርቶዶክሳውነት ብምስትውዓል ክንዓቢ ይግብኣና ኢዩ።ንሕና ኣበይ ኣለና ትምህርቲ ናይ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያንከ እንታይ ይብል ኣሎ??።ብሓቂዶ ኣብቲ ቀዳሞት ናይ ኣቦታት ቤተክርስቲያን ዝመስረቱዎን ዝሓንጸጹዎን ኣለና ኢና??።ናበይ ኢና ንጸድፍ ዘለና፡መዝሙርና ስብከትና ብዘሎ መገዲና ዓይኒና ከፊትና ኣበይ ኣለና ክንርኢ ኣለና።
ሓቂ ክንዛረብ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን መናፍቅን ጠባርን ዝኸብረላ፡ሓቀኛን ሰባኺ ወንጌልን ዝሓስረላን ዝስጎጎላን ዝዋረደላን።ቃል ኣምላኽ ዕሽሽ ተባሂሉ ሓሳብ ሰብ ዝነግሰላ ኮይና ኣላ።ሓሳውን መፍቀሪ ረብሓን ዝኸብረላ፡ልኡም ክርስቲያናዊ ወንጌላዊ ዝዕዘመላን ዝእሰረላን።ሓሶት ዝነግሰላ ሓቂ ዝቅበረላ።ቃል ኣምላኽ ተገዲፉ ቃል ንጉስ ዝኸብረላ፡ኣምልኾ ተገዲፉ ስርዓተ ኣምልኾ ዝኸብረላ፡ካራ ዘይኮነስ ሰፈር ካራ ኢዩ ዘድልየ ተባሂሉ ዝምጎተላ፡ሓቀኛታት ሰበኽቲ ወንጌል ስሞም ዝጽልሙላን ዝጽረፉላን ተቀይራ ኣላ።ቅዱስ ፓትሪያርክ ተሓይሩ ብተወገዙ ሰባት ሓቂ ዝዕበጠላ ኮይና ኣላ።ነዚ ኢና እንበኣር ከም ጎይታና ክንድንኩል ክንለዓል ዘለና።
ሎሚ ብዛዕባ ካብ እምነትና ወጻኢ ዝኾኑ ክንምድር ግዜ ዘባኸናዮ ዘኽሰረና ብምርዳእ፡ከምኡ እውን ንኻልኦት ክንወቅስ ካብ እነንቅድ ብ መጀመርታ ቤትና ከመይ ኣላ ኢልና ቀው ኢልና ምዕዛብ ከድልየና እዩ??።(1ይቆሮ5፡12) ጉዳይ ቤተ መቅደስ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘሓበሻ ኣበይ ኣሎ??ከመይ ኣሎ??።፡ቤተ ክርስትያን ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ፡ናብ ቤተ ምክፊፋል ፡ናብ ቤተ ኮሬነላት፡ ናብ ቤተ ነገስታት ፡ናብ ቤተ ፖሎቲካ፡ ናብ ቤተ ኣጻላላም፡ናብ ቤተ ንግዲ ሎሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዝመጽእሲ ምስ ኣዮናት ኮን ምረኸበና ምስቶም ቤተ ክርስትያን እንዳ ተሓመሰት ከላ ጽቡቅ ኣላ ኢሎም ዝኸዱ ዘለዉዶ ምስቶም ኣብ ውሽጣ ኣትዮም ዝነግዱ ወይሲ ምስቶም ዘናግዱ።ከምቶ ኣብ ግዝይኡ ዝጎሓፎም ዶኾን ምጎሓፈና ነይሩ።ንሶም እኮ ጽቡቅ ኣለና ኢዮም ዝብሉ ዝነበሩ ምስትውዓል ስለ ዘይነበረም።ግንከ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽስ ናብ ቤተ ንግዲ ደኣ ን ቤት ኣምላኽ ቀይሮሞ ነበሩ።
ትዘገርም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ገሊኦም ተጸሊሉ እዩ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ ስለምንታይሲ እቲ ንግዲ ኣብ ቤተ መቅደስ እቲ ዘጸይፍ ንዕኦም ከምኡ ኢሉ ስለ ዝጸንሖም ለሚዶሞ ሓድሽ መሲሉ ኣይርኣዮምን ኢዩ ነበረ።ሓድሽ ንዕኦም እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰርሖ ነበረ ጥራሕ እዩ ዝነበረ።ሎሚ እንበኣር ከምቲ ንሱ ቤተይሲ ቤት ጾሎት ትበሃል ንስኹም ግን ቤተ ንግዲ ገበርኩማ ዝበሎም። ተዓጢቅና፡እዚ ቤት ጸሎት ደኣ እንበር ቤተ ንግዲ ኣይትግበሩዎ።እዚ ብስራት ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሰረሉ ደኣ እንበር ቤት ካልእ ኣይትግበሩዎ ንበሎም።
ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ሓያል ተዋፋይነት ከድሊየና ኢዩ።ነፍስና ቀቢጽና ግን ንበገስ ፡ዝድንኮል ክንድንኩል ቤት ክርስቲያን ክርስቶስ ጥራሕ ዝኸብረሉን ዝውደሰሉን ደኣ ክኸውን ኣለዎ።ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ዝነግሰሉ ደኣ ክኸውን ኣለዎም።ንሶም እኳ ነቲ ጥንታዊ መገዲ ብዘይም ፍላጦም እንታይ ነይሩ ከመይ ኢዩ ነይሩ ክሳዕ ዝበጽሕዎን ዝምርምርዎን ከምቲ ጎይታ ነቶም ህዝቢ ከውጽኦም ከሎ ዝሓደሾም ኣብ ግዜና ኸኣ ነቲ ዘይነበረን ዘይግቡእን ነገር ሎሚዶሞን ኣብኡ ድማ ስለ ዝጸንሖምን ተሓደሶም፡ ምስ በጽሕዎን ንድሕሪት ተመሊሶም እቲ ጥንታዊ መገዲ ምስ ተመልከቱን ምስ ተዓዘቡን ግን ተነሲሖም ኣሰርና ክስዕቡ ኢዮም።ስለዚ ንኹሉ ን ኣምላኽ ዘየኽብርን ካብ ኣምላኽ ዘርሕቅን ካብ ቤት ኣምልኾና ከነርሕቅ ከም ጎይታ ከነልዕል የድልየና ኣሎ። ይቅጽል ናብ 2ይ ክፋል,,,,,,
                 ምንጪ ፡-http://etiqalsgakone.blogspot.it/2013/04/1-8.html
haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment