1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 8 January 2013

ዜና ምርጫ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ኣብ ምሽብሻብ።


ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘ ኢትዮጵያ መገዲ ሰላም ተዓጽዩ!፡ ሓድሽ ፓትሪያርክ ንምምራጽ ትሻባሸብ።

ናይ ዘበናት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ሰንኪ ኢድ የእታውነት ነገስታት መዋእላ ትሕመስ ትርከብ።እንሆ ድማ እታ መምህር ሰላም ክትከውን ዝግበኣ ቤተ ክርስትያን ዕንቅፋትን ፡ጠንቂ ምስኣን ሰላም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኮይና ትርከብ።እታ ኣብ ትሕቲ መንበረ ፓትሪያርክ ግብጺ ክትመሓደር ንዘበናት ዝጸንሐት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ። ናይ ገዛኣ ርእሳ ፓትሪያርክ ካብ ዝፍቀደላ ንደሓር እንሆ፡ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ፓትሪያርካት ካብቶም ብሕማም ወይ ብንቡር ካብ ዝሓለፉስ እቶም ብ ተንኮል ዝጠፍኡ ፓትሪያርካት ይበዝሑ።ካብ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ከምኦም ዝበሉን።
እዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝኣተወ ብ ኣቡነ ተኽለ ሃይማኖት ኣቢሉ ዝኣተወ ሽግር ክሳዕ ህጂ ኣይዓረፈን።ኣቡነ ደስቆሮስ ኣብ ኤረትራ ኣእትዮሞ ዘለዉ ሸጣንካ ጽባሕ ክወጽእ ዲዩ ዋላ ከም ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ን ቤተ ክርስትያን ክመቅላ ኢዩ።ድሕሪኦም ዝመጹ፡ኣቡነ መርቆርዮስ ስርዓት ደርግ ምስ ወደቀ፡ብገዛእ ፍቃደይ ስልጣነይ ሓዲገ ኢሎም።ካብ ኢትዮጵያ  መንበሮም ሓዲጎም፡ን 20 ዒስራ ዓመታት ብ ማዕዶ ኣብ ስደት ኮይኖም ነታ ብመመኽነይታ ዝገደፉዎ መዓርግ፡ብማዕዶ ካብ ዝርእይዋ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ ።በዚ ድማ ነታ ቤተ ክርስትያን ዳርጋ ናብ ናይ ክልተ ፓርቲ ኣንፈት ከም ትምቀል ገይሩዋ ኢዩ።
እንተኾነ እቲ ሰላም ሃንቀው ዝበለ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፡ድሕሪ ሞት ኣቡነ ጳውሎስ ህጅስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሓደ ክትእከብ ኢያ።ፓትሪያርክ ከለዉ ፓትሪያርክ ኣይትምረጹ ሰላም ግበሩ ብዝብል፡ ተስፋ ክግበር ወሪሑ ኢዩ።ዋላኳ ሰላም ዝደልዩ ገለ ሊቃነ ጳጳሳት ተለዉ፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ዓዲ ዝጸንሐ ሲኖዶስ ነቲ ናይ ሰላም መገዲ ብ ወግዒ ዓጽዩ፡ናብ ሓድሽ ምርጫ 6ይ ፓትሪያርክ ኣምሪሑ ኣሎ።
እዚ ናይ ምምራጽ ሓድሽ ፓትሪያርክ መስርሕ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዘሎ።ሓላፊ ጠቕላሊ ቤተ ክህነት ጉባኤ ሊቃውንቲ መጋበ ብሉይ እዝራ ገብሩ  ገሊጾም ኣለዉ።ንሶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ክሳዕ ህጂ ፓትሪያርክ ዘይምሻሞም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ፓትሪያርክ ኣቡነ መርቆሪዎስ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ስልጣኖም ይመለሱ ዝብሉ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ስለዘለዉ ኢዩ ኢሎም።
ንሶም ብ ተወሳኺ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡”ኣቡነ መሪቆሪዎስ ከለዉ ኣቡነ ጳውሎስ ዝተሸሙሉ ኣገባብ ስርዓተ ቀኖና ብምፍራስ ኢዩ ዝብል ምድንጋር “ኢዩ፡ኣቡነ መርቆሪዎስ ፓትሪያርክነቶም ገዲፎም ናብ ኣመሪካ ምስ ኣተዉ ድሕሪ ዓመት ከምዝተሸሙን ፡ንሶም ስልጣኖም ገዲፎም ምስ ከዱ ቅድመ ኣቡነ ጳውሎስ ቤተ ክርስትያን ብ ዓቃበ መንበር ኣቡነ ዜና ማርቆስ ዓመት ምሉእ ከምዝተመሓደረትን ከም ዝጸንሐትን ፡ዕድመይ ኣሪጉ ኢዩ፡ ዓብየ ኢየ ኢሎም ምስ ከዱ፡ኢዩ ስርዓተ ሲመት ኣቡነ ፍሊጶስ ተካይዱ ተፈጺሙ “ኢሎም’ኢሎም ይትንትኑ።
ብተወሳኺ መጋበ ብሉይ ምስ ሬድዮ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ ምልልስ”ፓትሪያርክ እናሃለወ ካሊእ ፓትሪያርክ ምሻም ሕጂ ዝተጀመረ ከምዘይኮነን ክገልጹ ከለዉ ኣብ ዝሃቡዎ ሓብረታ።”ቤተ ክርስትያን ተበዲላ ኢያ።ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ነገር እዚ ልሙድ ኢዩ።ቅድመ ህጂ እውን ኣቡነ ቴዎፍሎስ ብሂወት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ፡ሕጊ ፍትሃ ነገስት ብምጥሓስ ፡ኣቡነ ተኽለ ሃይማኖት ናብ ስልጣን ከም ዝመጹን እታ ቤተ ክርስትያን ነቲ ሕጊ ሽዑ ኢዩ ጥሒሳቶ” ክብሉ ሓቢሮም።
“እቲ ምርጫ ንምክያድ ኣማራጺት ኮሚተ ከም ዝወጸትን፡ ሓድሽ ምልዊዋጥ ተዘይ ተገይሩ።ንዕለት 30 ጥሪ   ሕሩያት ሰባት እቲ ኣማራጺ ኮሚተ ከቅርብ ተመዚዙ ኣሎ ኢሎም”።እንደገና እቲ ሲኖዶስ  ን ጥሪ 6 ኣኸባ ኣሎ ይብል ነይሩ ምናልባሽ ኣብኡ ለውጢ ተዘይ ሃሊዩ።”ኣብ ጥሪ 30 እዚኦም ሕጹያት ኢዮም ድምጺ ሃቡዎም ተባሂሎም ክወሃቡና ኢዮም።ን ጥሪ 30  ክንጽበ ኢና” ኢሎም።
ሃይማኖተ ኣበው

                            haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment