1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 11 May 2012

ኣታ ሰማይ ብኣኣ ተሓጎስ ኣቱም ቅዱሳትን ሃወርያትን ነበያትን ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ ፡ብኣኣ ተሓጎሱ ራእ18፡20።

ኣታ ሰማይ ብኣኣ ተሓጎስ  ኣቱም ቅዱሳትን ሃወርያትን ነበያትን  ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ ፡ብኣኣ ተሓጎሱ ራእ18፡20።
ሃገረ ስብከት ኣውረጳ ጉባኤኡ ኣካይዱ  ካህናት ባዕሎም ብ ባዕሎም ብዘይ ዝኾነ ፖሎቲካውን ደጋውን ተጽዕኖ ዉሉደ ክህነትን ኣመንትን ተሳተፉዎ ትስፉው ዝኾነ ጉባኤ ብሓቂ ተኣምራታዊ ዝኾነ ጉባኤ እዩ ነይሩ።ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ናይ ኤረትራ  ኩሉ ዝግበር ነብረ እንበኣር  ተጽዕኖ ናይ ኤረትራ ፖሎቲከኛታት ዝነበሮን ን ዝረብሓ ቤተ ክርስትያን ዘይውክልን እዩ ነይሩ።ሎሚ ግን ታሪኽ ተሰሪሑ ኣብ ጉባኤ ጀነቫ ድምጺ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዓውታ ተቃሊሑ።
ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ሰባት ናይ ተዋህዶ መራሕቲ ባዕሎም ንባዕሎም ክመዓዓዱን ዘሎ ሽግር ክፈትሑን ኣይክእሉን እዮም ኢልካ ዝንዛሕን ዝውረን ነበረ  ሎሚ መልሲ ረኺቡ።ብሓቂ ቤተ ክርስትያን ህላወኣ ዘረጋገጸ ዕለት ፡ወንጌል ከም ዘይሰዓር ዘርኣየት ወርቃዊት ዕለት፡ብሓቂ ነዚ መዓልቲ ዕለት እዚ ክዝክር ከለኹ ብሂል ናይ ሓደ ኣቦ ዘኪረ ፡<<ጅግና ተኸደ ጅግና ነይነዲ >>ተባሂሉ። እወ ሎሚ እንበኣር ተዋህዶ ዋላኳ ናይ እምነት ጀጋኑ ብዙሕ ግዜ ተጠፍአት ፡ግን  እዚ ንሪኦ ዘለና ጩራስ ነቲ ዝደመየ ልቢ ቤተ ክርስትያን ዝድብስ ይመስል ።ሎሚ ኣታ ሰማይ ብኣኣ ተሓጎስ ክንብል እንደፍረላ መዓልቲ  በጺሕና!!!።
ናይ ሃወርያትን ነበያትን ጻድቃንን ፍርዲ ዝተተግበራላ መዓልቲ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃወርያትን ነበያትን  ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ ፡ብኣኣ ተሓጎሱ ራእ18፡20። ቅዱሳን ዝተሓጎሱላ መዓልቲ እወ እቲ ኣብ (ቀኖና ጋንግራ 325-381ዓ.ም. ቀኖና 3)።ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡ 172- 185 ዘውጽእዎ ሕጊ ዝተተግበረላ መዓልቲ  ቃሎም ዝኸበረላ መዓልቲ። ቀኖናን ስርዓትን ቅዱሳን ብ ጉባኤኦም ኣጽዲቆሞ ዝኸዱ ኣብ ግብሪ ዝወዓለላ መዓልቲ፡ሕድሮም ተተግቢሩ ዝቀሰኑላ መዓልቲ፡ማቴዎስ 22፡21 ።ናይ ቀሳር ንቀሳር ናይ ኣምላኽ ን ኣምላኽ ዝተባህለላ መዓልቲ እቶም ደቂ ኣምላኽ ኢህን ሚህን ዝተባህሉላ መዓልቲ ከም ምኻና መጠን ነቶም ነዚ ወንጌል እዝን ነዚ ስርዓትን ቀኖናን ቤተ ክርስትያን  እዝን ኣብ ኢድና ክበጽሕ ዝገበሩ ስለ ክርስቶስ ሂወቶም ዝሃቡ ቅዱሳን በዛ መዓልቲ እዚኣ ተሓጎሱ ንብሎም።ከመይ ከ ዘይሕጎሱ ቃሎም ተትግቢሩ፡ ።ኣምላኽ ኣብ ማእከልና ተኣምራት ገይሩ።
እወ እግዚኣብሄር ይመስገን ን ብዙሓት ዓለወኛታት ዘፍዘዘት መዓልቲ፡ ኣብ ኣስመራ ኮነ ኣብ ካልእ ከባቢታት ተፋላለዩ ዓመጸኛታት ስንባደን ነውጽን ምዕልባጥን ከም ዝፈጠረሎም ኣቦው ካብ ዝመጹዎ መልእኽታት ተረዲኡ ኣሎ።ማቴዎስ 23፡23-36 እቶም ግቡዛት ቃርማ መጺጹዎም ጡፍ ዝብሉ  ገመል ግን ዝውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ ዝብልዎ  ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ኣስመራ ን ሓቂ ንምዕባጥ ግዝይኦም ዘጥፍኡ ዘለዉ ። ንሓቂ ኣብ ዘይፍለጥ ጸልማት ዓቢጦም ክነብሩ ዝመሰሎም  ኣብ ኣውረጳ በዚሓስን ሰዊዳን ኣይፋል ሓሶት ያኣክል ህጅስ ክትብል ከላ፡ ሓቆም እዮም ዘየሰንብድ ኣይኮነን ፡ምእሳር ቅዱስ ፓትሪያርክን  ናይዞም ( 4 )ኣርባዕተ ኣቦታትን ሞነኮሳትን  ደኣሞ እንታይ ዋጋ ኣለዎ ተባሂሉ።እወ ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ካብ ነቢ ዝዓቢ ነቢ ኣብዚ ኣሎ ዝበሎ።ካብ ዶጓትር ዝበልጹ ዶጓትር፡ካብ ሊቃውንቲ ዝበልጹ ሊቃውንቲ ስለ ክብሮም ዘይኮነስ ስለ ቤቱን ወንጌሉን ከይደቀሱ ዝሓድሩ መንእሰያት ግን ከ ናይ ዓበይቲ ኣተሓሳስባ ዘለዎም፡ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ዝበሎ  ሎሚ ዝኾነ ስንባደ ተመጸ ኣይገርመናን እዩ።
ስለምንታይ ታሪኽ ክድገም  ባህርያዊ እዩ።ማቴዎስ 2፡3ንጉስ ሄሮዶስ ሰሚዑ ሰንበደ ኩላ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ። ክርስቶስ ብምውላዱ ዝሰንበዱ ከተማታትን ሕልቅነት ስልጣናትን ሎሚ እቶም ንክርስቶስ ዝውክሉ ክንዲ ክርስቶስ ኮይኖም ምስ ክርስቶስ ተዓረቁ ዝብሉ ሉኡኻት ወንጌል ክርስቶስ ክእከቡ ከለዉ፡ ከመይ ዲያብሎስ ዘይስንብድ እዚ ጉባኤ እዚ ምፍራስ ያርኮ ዘመልክት እዩ።ህጂ ዘድልየና ሓደ ክልተ ሰለስተ ኣርባዕተ ኢልካ ምፍቃድ ጥራሕ እዩ ቀጽሪ ያሪኮ ክፈርስ።2ይ ቆሮንቶስ5፡20-21። ሰጣን ኣዋጅ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሕልቅነት መናፍስቲ ስለ ዝኾነ ብዘሎ ንሱ ሒዝዎም ዘለዉ ክስንብዱ ግድን እዩ።
እዞም ካብ ተፋላለያ ሃገራት ኣውረጳ ነን ቤተ ክርስትያናቶም ወኪሎም ዝመጹ ዉሉደ ክህነት ኣብ ገጾም ዝንበብ ነበረ  ሓላፍነታውነት ናይታ ደቃ መዓልታዊ ትኸስር ዘላ ቤተ ክርስትያን እዩ። ብሓቂ ድማ ከመይ ገይሮም ነቲ ፈቀዱኡ ሰኣን ሓቀኛ ጓሳ ወንጌል ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሞጓሰ ከመይ ገሮም ይእክቡዎ ብ ሓንጎል ተረዳድኡ እዮም ምዃኖም ኣብ ገጾም ይንበብ ነሩ። እቲ ናይ ጸጋም ኢድ የእታውነት ኣብ መንጎ መራሕቲ ኦርቶደክስ ዝግበር ነበረ ናይ ዘይ ምትእምማን መንፈስ ንምፍጣር ሰጣን ዝጥቀመሉ ሜላ እውን ድሮ ተረዲኦሞ እዮም ።ድንዕኦም ሎሚ ሽርሕን ጉርሕን ጸላእቲ ወንጌል ከም ድሙቅ ብርሃን በሪሁሎም እዩ።።ጉባኤኛታት ን ቤተ ክርስትያኖም ሓፍ ንምባል ካብ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ኣታሓሳስባቶም ወጺኦም እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም። ይሃሉ ዝብል ኣብ ግብሪ ዘውዓሉላ እያ ነይራ።ሎሚ ን ኣምላኽ  ከነመስግኖ ይግብኣና  ከምዚኦም ዝበሉ ኣቦታት ስለ ዝሃበና፡እንተ ሳንባላጥ ግን ነህምያ 2፡19ኣምላኽ ተዛሪቡ ንብሎ።
             እግዚኣብሄር ሃይማኖትና ይባርኽ
             ንቅዱሳን ኣቦታት እውን ኣብ ኣገልጊሎቶም ኣሳልጦ ንምነ።
                 ስብሃት ለእግዚኣብሄር


No comments:

Post a Comment