1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 22 March 2012

ሶርያ፦ ጸረ ኣቢያተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን መጥቃዕቲ::

 ሶርያ፦ ጸረ ኣቢያተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን መጥቃዕቲ::
ቲ ሁማን ራይት ዎች ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ዘይመንግሥታዊ ማኅበር ቅድሚ ትምሊ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ፣ እቲ ጸረ ሥርዓት ርእሰ ብሔር ኣሳድ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ተቓዋሚ ኃይሊ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዓመጽ ይፍጽሙ ከምዘለዉ እንከመልክት፣ ብፍላይ ድማ እቲ ምስ ዓል ቃይዳ ኃይሊ ሽበራ ምቅርራብ ዘለዎ ብሪገድ ፋሩቕ እተሰምየ ኃይሊ ኣብ ሆምስ ኣዚዩ ሰፊሕ ዝኾነ ምንጻት ናይቶ ናይ ክርስትና እምነት ሰዓብቲ ዓሌት ይፍጽም ከምዘሎ ኣብቲ ከባቢ ካብ እትርከብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሓበሬታ ዝረኸበ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ሶሪያ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ጠቕላላ ብዝሒ ሰዓብቲ ክርስትና ሃይማኖት 60 ሚእታዊ ትሽፍን ከምዝኾነትን ካብቲ ጠቕላላ ሚእታዊ ብዝሒ ክርስትያን 90 ሚእታዊ በቶም ዕጡቓት ኃይሊ ሰዓብቲ ምስልምና ካብ ሆምስ ከምእተሰጉን ብሓይሊ ንብረቶምን ኣባይቶምን ከምእተወርሰን ምንጪ ናይ ሶሪያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ እቶም ኣባላት እስላማዊ ዕጡቓት ሓይሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ምእመን ኣባይቲ እናኣተዉ የሳድድዎም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ብሪገድ ፋሩቕ ብዕጡቓት ሓይሊ ኣልቃይዳን ብዝተፈላለዩ ጉጅለ ዋሃቢቲ ዝምራሕ ኮይኑ ካብ ዒራቕን ሊቢያን ዝተዋጽኡ ዑሱባት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘጠቓልል ከምዝኾነ እውን እንክንገር፣ ኣብ ኣለፖ ምኽትል ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ናዛሮ እዚ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ዘረጋግጽ ምንጪ እውን እንተዘይብልና፣ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም ዓመጽ እናረኣየ ከምዘይርኣየ ዝሓልፍ መራኸቢ ብዙሃን ካብቲ ዝመርጾ ሱቕታ ዘላቕቕ እዩ። እብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ከባቢ እቶም ምንቅስቓስ ምስልምናን ኣሸበርትን ጥራሕ ኢዩም ዝዕወቱ ዘለዉ። ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣለፖ ኣብ ዝርከብ ብፍራንቸስካውያን ኣኃው ኣብ እትመሓደር ቤት ትምህርቲ ከባቢ ሓንቲ ቦምቢ ዝተጸምዳ መኪና ከምእተባራዔትን ብዕድል ኣብቲ እዋን ፍራንቸስካውያን ኣኃው እቶም ኣብቲ ቅዱስ ቦናቨንተር ማእከል ትምርህተ ክርስቶስ ዝነበሩ 15 ሕጻናት ተመሃሮ ቅድሚ ምእኻል ሰዓቶም ንቤቶም ስለ ዝፍፈነዎም ንሞት ሓደጋ ዝተቓልዔ ሕጻናት ተመሃሮ ኣይተረኽበን፣ ኣብ ደማስቆን ካልኦት ከባቢታት ጸረ ውሁዳን ሃይማኖት ክፍሊ ኅብረተሰብ ሶሪያ ዝፍነዉ ዘለዉ መጥቃዕትታት ዘሕዝን እዩ። ኣብታ ሃገር እቲ ንቡር ሰላም ተመሊሱ ሕዝቢ ብዘይ ኣድልዎ ዝነብረላ ሃገር ክትከውን እዩ ጸሎትና ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ከተማ ሆምስ ዝተረፉ ካህናት ኣባላት ማኅበር ኢየሱሳውያን ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኩለ መዳያዊ ደገፍ ብምቕራብ ተጸሚዶም ዓቢይ ናይ እምነት ጅግንነት ዝሓትት ምስክርነት ይህቡ ከምዘለዉ ዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ እቶም ኣብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ዝዋስኡ ናይታ ሃገር ኅብረኣውነት ክኽብሩ እቶም ኣብ ሶሪያ ኣብ ደገፍን ሕንጸት ስደተይናታትን መንሰያትን ዝተጸምዱ ካህናት ማኅበር ኢየሱሳውያን ጻውዒት እውን ከምዘቕረቡ ሓቢሩ።
haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment