1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 25 March 2012

ፖፕ ሽኖዳ መይቱ ማለት ሕጊ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን መይቱ ማለት ኣይኮነን !!!።


ፖፕ ሽኖዳ መይቱ ማለት ሕጊ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን መይቱ ማለት ኣይኮነን !!!።
ኣብዚ ዘለናዮ ቅንያት ክቡር ብጹእ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ምዕራፎም ኩሉ ፈሊጥዎ ዘሎ እዩ።እንተ ኾነ ኣብዚ ናይ ሓዘን ወርሒ ክንዲ ሓደ ፖፕ ዝኣክል መይቶም ክንዲ ጸሎት ስለኦም ምግባር ብ ወገን ናይ ኤረትራ መንበረ ፓትሪያርክ ዝግበር ዘሎ ማንካ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ኣስመራ ኮንካ ህዝቢ ዝንቡዕ ሓበረታ ክህልዎ ላዕልን ታሕትን ይበሃል ኣሎ።ዘሕዝን እዩ።ስቅ ተበልካ መረት ይመልእ ተተዛረብካ ከኣ ከብዲ ይመልእ ዝብልዎስ ለከ ከምዚ ግርም ነሩ ኩሉ ጸወትኦም ዝገብሩዎ ዘለዉ ድራማታት ኩሉ ናይ ዕዋላ ምስራሕ ግን  ኣምላኽስ እንካ ክሒዶሞ እዮም።ግን ን ህዝቢ ከምቲ ቀደም ከዕሽዉዎ ዝውዕሉ ነበሩ ክገብሩ ምጽዓሮም እዩ።ሎምስ ተፈሊጥኩም ኢኹም ድማ ንብሎም።
ልሳነ ህግድፍ ዝኾነት ልሳነ ተዋህዶ ኢየ በሃሊት ወብሳይት ጺሒፋቶ ከም ዘላ ተንቢብና፡4ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ወቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ 3ይ ንምስታፍ ምስሪ ከይዶም ትብል።ጸኒሓ ድማ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናብ ኢምባሲ ግብጺ ብምኻድ ናይ ሓዘን መግለጺ ኣስሚዖም ትብል።ዝኹሉ ዝግበር ዘሎ ሸንኮለል ግን ካብ ሕጊ ንምህዳምን ነቲ ኩሉ ግዜ ገርሂ፡ ዓለም ክትጎርሕ ዘይጎርሐ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ ንምትላል እዩ።እተወገዚ ናይ ኣስመራ ኣቡነ ኣቡነ ደስቆሮስ ብልክዕ ናብ ምስሪ ከይዶም ከዱ ደኣ እንበር እንታይ ኣፍረዩ እንተኢልና ብዘይካ ውርደትን ሕፍረትን ዘምጽእዎ የለን።ከም ሕጋዊ ወኪል ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝተቀበሎም በፍጹም የለን ነቲ ቪዶ ተተዓዚብኩሞም ፓትሪያርክ ኢትዮጵያን ሶርያን ጸሎተ ፍትሓት ከካይዱ ከለዉ ኣቡነ መንግስተ ኤረትራ ዝኾኑ ኣቡነ ደስቆሮስ ግን ኣብ ማእከል ጭዋታት እዮም ነሮም።ከነቅርበልኩም ኢና ነቲ ቪዶ ።ግብጻዊ ጳጳስ ዓቃበ መንበር ኣቡነ ባኽሙስ እውን ን ኣቡነ ደስቆሮስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣበይ ኣሎ እዩ ኢልዎም።ድሕሪ እታ ሕቶ ዝምልሳ ምስኣና ግን ኣብ ሓዘን ኢና ዘለና ትብል ቃል ጥራሕ ኢያ ተደጊማ።
ብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ተላኢኾም ዝኸዱ ሰለይቲ ቀሺ ነበር ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ይፍታሀ ዲመጥሮስን ድማ እዮም እቶም ተርጎምቲ ነቲ ቃል ሒዞሞ መታን ከይወጽእ ተባሂሎም ዝተላእኩ ።ኣቡነ ደስቆሮስ ሲ ከዱ ግን ኣበይ ወዓሉ ደኣ ጳጳሳት ኢትዮጵያ መሓራ እግዚኦ ለነፍሲ ገብሪከ ኣቡነ ሽኖዳ ክብሉ ከለዉ መሓራ ዘይበሉ ደኣ ኣበይ ወዓሉ??።ተመሊስካ ድማ ናይ ምድያ ነገር ንምኽሳብ ኣብ ኣስመራ ናብ ኢምባሲ ግብጺ ከይዶም ናይ ሓዘን ቃል ኣስሚዖም!!፡ ዘገርም ኣስቀያሚ ዝኾነ ተንኮልን ክፋእን ግን ብከምዚ ድዩ ህዝቢ ክስዕበካ ብሰንኪ እዞም ሕሱማት ሰባት እኮ ተዋህዶ ጸሊእናያ ሃይማኖትና ክንፍንፍኖ ደሊና፡ ኣቡናት ናይ ነገስታት መሳርሒ ኮይኖም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ንረብሓ መን፡ኣቡነ ሽኖዳን ቆንስል ግብጽን ከ እንታይ ኣራኸቦም!!!።እቶም ኣብ ቀብሪ ኣቡነ ሽኖዳ ከይዶም ተባህለሎም ናይ ሓሶት ፓትሪያርክን መራሒ ተዋህዶ እየ በሃሊ ኣቶ ይፍታሀን ሰዓብቶምን ከ ን ነፍሶም ወኪሎም ዲዮም ከይዶምስ ዋላ ን ተዋህዶ፡እቲ ሓዘን ንሲኖዶስ ግብጺ እዩ ዝምልከት፡ እንታይ ኮይኖም ደኣ ኣብቲ ናይ ሓዘን ክታሞም ኩላቶም ናይ ዓለም መራሕቲ ሃይማኖት ዘንብሩሉ ፈርማኦም ዘየንበሩ። ተሓዚ መዝገብ ንስኹም ደኣ ሽፍታ እንዲኹም ምስ በሎም ዲዮም ናብ  ኢምባሲ ግብጺ ኣብ ኣስመራ ተመለሱ።ምስኪን ከተማ ኣስመራ ዘሎ ጽያፍ ናይ ዓለም ዝስርሓላ ከተማ፡ኢዋእ ኣስመራ !!!፡ንምንታይ ናብ ኢምባሲ ግብጺ ኣብ ኣስመራ ተደልየ ተልና ግን፡ህጂ እውን ንህዝቢ ንምድሕላልን ነቲ መዓልታዊ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ኦርተደክስ ንምድዕዓስ ህዝቢ ዋእ እሞ ንሕና ጥራሕ ኣይኮናን እንኮላይ ግብጻውያን እዮም እባ መንግስቶም ዘማሓድሮም ኢሉ መታን ክኣምን ተገብረ ፖሎቲካዊ ተንኮል እዩ።ናይቶም ፖሎቲከኛታትሲ ዕላማኦም ይገብሩ ኣለዉ ናይቶም ቆቢዕ ለቢሶም ዘሕንኽ ስራሕ ዝገብሩ ዘለዉኸ እወ ናይዞም ኣብዚ ዝዋስኡ ዘለዉ ገሪሙና!!! ንደፋፋእ ኣለና ኪኖ ጸሎት ስጉምቲታት ክንወስድ!!።
ፖፕ ሽኖዳ ተፈልዮም ዓለም ኣብ ዓቢ ትዝታን ሓዘንን ኣብ ዘለዎ ግዜ እቶም ኣብ ዓለም ዝጠፈሹ ጸረ ኦርተደክስ ባእታት ኣስመራ ግን ኣቡነ ሽኖዳ ተመቱስ ሕጎ ኦርተደክስ ተዋህዶ ዝቅየር እዩ መሲልዎም ዘሎ።ድሮ ድማ ምስ ግብጺ ተዓሪቅና ኢና ዝምድናና ተመሓይሹ እዩ ኣብ ቀብሪ ኣቡነ ሽኖዳ እኳ ዊዒልና ክብሉ ተሰሚዖም፡ዋእ እሞ እስከ ኣርእዩና ገለ ደኮመንቲ ናይ ሓዘን ፈርማ ከንብሩ ከለዉ ናይ ሓሶት ኣቡን ዝብል እውን ኣይተረኽበን መስኪን ህዝቢ ኤረትራ ዘርከበ እወ ዓይኑ ዘንቆሐ ዘዕሽዎ ህዝቢ።እዚ ሕቶ ዚ ሕቶ ህዝቢ ኤረትራ ሕቶ ቤተ ክህነት ኤረትራ እዩ።መንግስተ ኤረትራ ነዚ ነገር እዚ ከዕርፍ ተደልዩ ምሳና ምስ ሰብ ነገሩ ደኣ ምተዛረበ እንበር ፡እንታይ ኣምጸኦ ወሰና ወሰን ምኻድ፡ወዮ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ኣይኮነን ሲ ዓለም እያ ፈንፊናቶም ዘላ፡ዋላ ዓለም ተትቅበሎም እውን ጉዳይና ወዳእቱ ንሕና ምዃና ዘይተረድኦም ይመስሉ፡ ንሕና ኢና ኸኣ ንቃወም ዘለና እተን ካልኦትሲ ነቲ ተቃዉሞ ጥራሕ እየን ዝድግፋ ዘለዋ መርገጺአን ዝነብራ እንበር ወሰንቲ ነገርና ንሕና ኢና።ቀዳመይቲ (1ይቲ)ቀዳመይቲ ሕቶና ድማ መንግስቲ ኤረትራ ካብ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያና ኢዱ የውጽእ፡ ሕጋዊ ፓትሪያርክ ድማ ናብ በትኡ ይመለስ፡ይፍታሀ ዲመጥሮስ ዝቀየሮ ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከምቲ ናይ ቀደም ቅዱሳን ኣቦታት ዝገደፉልና ይቀጽል ኣይትቀዩሩ እያ ትብል  እታ ሕቶ።ካብዚኣ ንምኹብላል ግን ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ክበሃል ንሰምዕ ኣለና። ደጊምና እንብሎም ተልዩ ድማ እዚ ጉዳይ ጉዳይ ህዝቢ ኤረትራ ተኾይኑስ ምስ ኤረትራውያን ምዝታይ ይሕሸኩም ንብል።ኣብ ጉዳይና ኣሳሰይቲ ኣየድልየናን፡መዓጹ ማርሻል ጣንጣዊ ተተኻሕኮሐ ዘምጽኦ ለውጢ የለን።ኣሽንኳን ኣይ ኦርተደክሳዊ ኣይ ክርስትያን ማርሻል ጣንጣዊሲ እቲ ኣማኒ ሉተርያን ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ፕረሲደንት ሃገረ ኤረትራ እኳ ኢድካ ካብ ሃይማኖትና ኣውጽእ ኢና ንብል ዘለና ተዋህዶ ደቃ ጥራሕ ዝመኽሩላ ሃይማኖት እያ።በየናይ መስኮት ኣትዮም እዮም ምስ ዝምረጽ ሓድሽ ፓትሪያርክ ዝምዲና ክንገብር ኢና ዝብሉና ዘለዉ መሕለፊ ግዜን ንሂወቶም ከኣ ተስፋ መውሃብን ይኸውን እንበር ዘምጽኦ ለውጢ የለን።
ቀሺ ነበር ኣቶ ሃብቶምን ኣቶ ይፍታሀን ኣብ ዘዕለሉዎ ድማ፡ ብ ተፋላለየ መገዲ ነዞም ክልተ እንኮላይ ነቶም ዝኽድምሎም ዘለዉ ኣቡነ ደስቆሮስ ማለት እዩ።ብ ዝገበርካ ገርካ ብምቅታል ምስ ግብጺ ይቅረታ ገርካ ፡ከም ብሓድሽ ምርጫ  5ይ ፓትሪያርክ ምግባር እዩ።ከምቲ ኣብ ምምራጽ ቀዳማይ ፓትሪያርክ ኤረትራ ኣቡነ ፍሊፖስ ዝገበሩዎ ጆክ ተንኮል ክጥቀሙ ሕንጻጽ ከም ዘሎ ንሱ ይሕሱ ኣሎ ንዕኦም ዝኽድም ብ ተንኮል ክመርጹ።ህጂ እውን ነዚ ዘይምፍላጥ ጥራሕ ኢና ንብሎ።እዞም ኣቦታት ይምቱ ይሃልዉ ብዘየገድስ ዋላ እውን ከምቲ ራሻ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ኦርተደክስ ዝገበረቶ ይገበር ርኡይ ናይ ቅንጸላ መድረኽ ይተግበር፡እቲ ሕቶ፡ ፖሎቲካውያን ክንስሑ ጥራሕ ዝመጹላ ቤተ ክርስትያን ምውናን ጥራሕ እዩ።መንግስቲ ኤረትራ ካብ ቤተ ክርስትያን ኢዱ የውጽእ!!!።እዚኣ ምስ ትትግበር ጥራሕ ኣብ ኤረትራ ሰላም ይርከብ።ትዘገርም ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ፖፕ ሽኖዳ ን ኣቡነ መቃርዮስ ናይ ኩላተን ናይተን ኣብ ስደት ዘለዋ መራሒ ገሮም ምስ መዘዝዎም ፡ን ፖፕ ሽኖዳ ኣውግዝዎ ኢሉ ትእዛዝ ዝሃበ ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ እሞ ብ  ኣቡነ ሉቃስ ግን ወደይ ኩሉ ገርና ኢና ነዚኣ ግን ክንገብራ ኣይንኽእልን ኢና፡ምስ ጎቦዶ ትገጥም ኢኻ ኢሎም ከም ተቃወሙዎ ዝጠፍኦ ይመስል።ትማሊ ኣውግዚ ይብል ነሩ ደኣ ሎሚ ናበይ ደልዩ እዚ ጭዋ።
ላምስ ብኢዳ ዝቀርባስ ብእግራ ትሓክኽ ከም ዝበሃል ድማ ክንዲ ምስ ናይ ኤረትራ ፓትሪያርክን ምስ ዉሉደ ክህነቱን ምስ ህዝቢ ኤረትራን ምምካር ብሽም ግብጺ ገርካ ልቢ ገርሀኛታት ንምስላብ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ንዕዘብ ኣለና።ደጊምና እንብሎም ተልዩ ድማ ፖፕ ሽኖዳ መይቱ ማለት ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ መይቱ ማለት ኣይኮነን ንብሎም።ዝምጉቶም ዘሎ እቲ ሕጊ ደኣሉ እንበር ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ኣይኮኑን።ከምዚ ተቀጺሉ ግን ክንቃላላዕ ምዃና ምፍላጥ ኣሎ። እዚ ኹሉዝግበር ዘሎ ጸወታን ቀልድን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣምላኽ ግን ህዝቢ ተፈሊጥዎ ዱላ ሒዙ ከም ዝጎዮም ንፈልጥ።ስለዚ ፓትሪያርካት ተተቃያየሩ ዘይኮነ ዝመጽእ እቲ መሰረታዊ ፍታሕስ መንግስተ ኤረትራ ካብ ተዋህዶ ምሉእ ብምሉእ ምስ ዝወጽእ ጥራሕ እዩ።ልዕሊ ኦርተደክሳውያን ድማ ዝኾነ ይኹን ወዲ ካሊእ ሃይማኖት በዓል ስልጣን መንግስቲ ሓላዪ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።እዚ ኹሉ ድማ ንተዋህዶ ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ ዊዲትን ተንኮልን ምኻኑ ህዝቢ ክፈልጥ ኣለዎ።እዚ ን ተዋህዲ ኣፍሪስካ ን ከኒሻ ኣብ ኤረትራ ጎብለል ንምግባር ካብ 96 ዓመተ ምሕረት ተገብረ ተንኮል ድማ ኣብ ሰዓቱ ክግለጽ ምኻኑ ኩሉ ክፈልጥ ኣለዎ ንኹሉ ንምርኣይ ምቅናይ ጥራሕ።
ወ ስብሓት ለእግዚኣብሄር ልዑል ወለ ወላዲቱ ድንግል።
ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ኣገልጋሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን


No comments:

Post a Comment