1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 4 February 2012

ናብ ፡ ሃይማኖተ ኣቦው


ዕለት 12/1/2012
ናብ ፡ ሃይማኖተ ኣቦው:-

ዝ ኸበርኩም ሃይማኖተ ኣቦው ብቀዳምነት ሰልምታይ ይብጻሕኩም ቀጺለ ድማ፡ ኣነ ሓደ ካብ ተኻታተልቲ መደባትኩም እየ።ንእትገብሩዎ ግን ዝግባኣኩም እኳ  እንተኾነ ትገብርዎ: ዘለኹም ንፉዐት። ን ሎሚ ግን ነዛ ዘቅርበልኩም ዘለኹ ሕቶ  ብግልጺ ክትምልሱለይ ይምሕጸን !፡
1 ,ስለምንታይ እያ ናይ ናይ ሓበሻ ቤተ/ክርስትያን ኩሉ ግዜ ናይ ዘዝመጹ ነገስታት ኣጋፋሪት ትኸውን?? ማለት ስለምንታይ መሳርሒ ፖሎቲካ ትኸውን???።
2 ,ስለምንታይ ከ ናይ  ኤረትራ ይኹኑ ናይ ኢትዮጵያ ኣብያተ ክርስትያናት መራሕተን ኣብ መንግስቲ ዝጽግዑ?? ስለምንታይ ኣብ ኣምላኽ ዘይጽግዑ??።ርእሰ ተኣማንነት ስለ ዘይብሎም ድዩ???፡ ስለምንታይ ከ ናይ ኤረትራ መራሕቲ ሃይማኖት ጳጳሳት ይኹኑ ናይ ኢትዮጵያ  ከም መራሕቲ ምስሪ ንዝመጾም ሕቶ ብ ዓይነ ፍቅሪ ዘይምልስዎ ፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ንተፈጥረ ክርክር ናብ ነገስታት ሓገዝ ዝደልዩ?? ነዚ ኣብነት ከ ካበይ ወሲዶሞ???። መልስኹም ይጽበ
                              እግዚኣብሄር ይባርኽኩም ።
                  ዲ/ ኣስመላሽ ሓጎስ ካብ ሱዳን እየ።


ክቡር ዲያቆን
ክቡር ዲያቆን ሕቶኻ ሪኢናዮ ኣለና ብዝኾነ ግን መልሲ ብ ኣቦታት ክስዕ ዝመጸና ሓንሳእ ተጸበ ፡እቲ ሕቶኻ  እውን ኣይነጸረን ዘሎ።
ካልኦት እውን ትሰዱዎ ሕቶ ኮነ ሪኢቶ ክንምልስ ድሉዋት ኢና፡ ግን ንጹር ኪኸውን ኣለዎ። ተኾነ ግን ኣብ ጸርፍን ዘለፋን ተዘየድሃብኩም ይምረጽ።
               ሃይማኖተ _ኣቦው

No comments:

Post a Comment