1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 6 August 2012

1ይ ክፋል ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!?።


         1ይ ክፋል
ስለምንታይ ክልተ ግዜ       ጥምቀት!?።
           ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

ቃል ኣምላኽ ኩቡር እዩ እንተኾነ ኣብዚ ሰዓት እዚ በቶም ዘይኣመንትን ዘይፈልጡን ንነፍሶም ከም ሓጢኣተኛታት ዝሓስቡዋ ዘይኮነስ በቶም ንነፍሶም ጻድቃን ዝሰምዩዋ ንኻልእ ግን ብሓጥያት ዝሓምዩን ዝፈርዱን ናይ ዘበና መማህራን ከቢድ ግፍዕን ምግሃስን ኣብ ቃል ኣምላኽ ይካየድ ኣሎ !።
ሓንቲ ካብኣተን እዛ ጥቅሲ እዚኣ ኣብ ልዕለኣ ዝግበር ግህሰትን ንዓኣ ንምጥዋይ ዝግበር ጥበባትን እዚ ኢልካ ኣይቁጸርን ግን ን ቃል ኣምላኽ መን ይምክቶ ከቶ ዘይምከት ዘይምለኽ ንኹሉ ደኣ ዝመልኽ ሓያል ናይቲ ሓያል ዝኾነ ቃል ቃል ኣምላኽና።(ኤፈ4፡5)
እዚ ዝህቦ ርእይቶይ ን ኣምላኽ ንምሕጋስ ደኣ እንበር ነዚ ናተይ ቤተ ክርስትያን ሓቀኛ ገርካ  ንምቅራብ ሓሊነ ከምዘይኮንኩ ኩሉ ክርድኣኒ ብትሕትና ይሓትት!፡እንታይ ደኣ ሰብ እንዳ ጠፍአ ስቅ ኢልካ ክትርኢ ከለኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታትነት ስለ ዘምጸአልና እንበር ።
ህዝቅኤል3፡18 ኣነ ነቲ ረሲኣ፡ሞት ክትመውት ኢኻ፡ምስ በልኩዋ፡እንተ ዘይመዓድካዮ፡ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን ፡እንተ ዘይተዛሪብካዮን፡እንተ ዘይመዓድካዮንሲ ፡እቲ ረሲእ ብ ሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፡ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ፡ዝብል ኣምላክ ሓታቲ ስለ ዘሎና!።
ጥምቀት ሓንቲ ካብተን ሰብ ንኽድሕን ክፍጽመን ዘለዎ  ኣገደስቲ ስርዓታት ኣምላኽ እያ።ሎሚ እውን ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ምስጢረ ጥምቀት ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ ከምኡ ተኾይኑ ን በይኑ መጽሓፍ እዩ ከድልየኒ ፡ግን ናይ ሎሚ ናብታ መሪጸያ ዘለኹ ስለምንታይ (2) ክልተ ግዜ ጥምቀት የድልየኒ!!?? ዝብል ቃል ኣርእስቲ ብምግባር እንበር ክዛረብ፡መሪጸ ኣለኹ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት መንእሰያት ክልተ ግዜ ይጥመቁ ኣለዉ።ስለምንታይ ግን ቃል ኣምላኽ  ሓደ ጎይታ ሓንቲ እምነት ሓንቲ ጥምቀት እንዳ በለ !?።
 ካብቲ ዝቀርብ ሕቶ ድማ” ስለምንታይ ኢኹም ንህጻናት ኦርቶዶክስ ኣቅሽቲ ተጠምቁ” ዝብል እዩ።ብዙሕ ግዜ ብዙሓት ሰባት ሓቲቶም ንዝሓተቱና ብዛዕባ እምነትና ክንገልጽ ባህ እዩ ዝብለና።መልሰይ ነቶም ዝሓቱኒ ወይ ኩሉ ግዜ ብግሊ ረኺብኩም ጸሓፈልና ዝበልኩምኒ ከምዚ እዩ ። ንሕና መጀመርታ ጥምቀት ኣብ ቤተ ክርስትያና እግዚኣብሔር ይመስገን ብ ማንም ሰብ ኣይትወሃብን እያ!፡ ኣብ ጥምቀት ኮነ ካልእ ዕዮ ኣምላኽ ንኹሉ ብፍርሓት ኣምላኽ ኢና ነካይዶ፡ንሱ ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስትያና ሰብ ኣየጠምቅን እዩ።ጥምቀት ኣባና ብ ሕጋዊ በቲ ብምስግጋር ብምንባር የእዳው  ሃዋርያት ተባሪኹ ዝመጸ ካህን እያ ትወሃብ።ይቅጽል,,,,,።
haymanoteabew@gmail.com
      ካብ ብሎግhttp://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/08/1.html ዝተወስደ።

No comments:

Post a Comment