1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 11 January 2012

ዘረባ ኒቆዲሞስ ኣብ ጸልማት፥ ዘረባ ገማልያል ኣብ ቅርዓት!

  ዘረባ ኒቆዲሞስ ኣብ ጸልማት፥ ዘረባ ገማልያል ኣብ ቅርዓት!
ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ባቡር ደቅስዝብል ጥንታዊ ምስላ ወለድና ክቡርን ረዚንን መልእኽቲ ኣለዎ።
ንሱ ድማ ሓቂ ተዛሪብካን ንሓቂ ሒዝካን መከራ ይኹን ፈተና እንተ መጸካ ኣይትፍራሕ፡ ወላ ክሳብ ሞትውን ምእንቲ ሓቂ ተጣበቕ፡ እቲ ኣምላኽ ሓቅን ጽድቅን ድማ ብተኣምራታዊ ሥርሑ ከድሕነካ ምዃኑ ዘክር ዝብል ኢዩ።እወ! እቲ ቅኑዕን ግቡእን ዝኾነ ዘረባ ኣብ ጊዜኡ እንተ ተዘሪቡ ድሕነትን ሕይወትን የውህብ። ጊዜ ምስ ሓለፈን ጉዳይ ምስ ተወድአን እንተ ተዘሪቡ ግና ከምቲድሕሪ ማይ ናብ በዓቲዝበሃል ኢዩ ዝኸውን። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዘረባ ኣብ ቅዱስ ወንጌልእትጸድቕ ብቓልካ፥ እትዅነን ድማ ብቓልካ ኢኻክብል እቲ እንዛረቦ ኩሉ ቃል ከም እንሕተተሉ ብምንጻር ናይቲ ሠናይ ዘረባና ዓስቢ-በረኸት ናይቲ ዘይጠቅም ዘረባና ግና ፍርድን ኵነኔን ከም ዘለዎ ብቓላቱ ኣብሪሁልና ኣሎ። ሓዋርያ ጳውሎስውንእቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፥ ከከም ዘድልዮም ከኣ ክሓንጽ ዝኽእል ሠናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጥቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእእናበለ ምዒዱና ኣሎ (ኤፈ 429)
ንዘረባ ዘረባ የምጽኦከም ዝበሃል ናይ ሎሚ ምኽንያት መጽሓፊና ብዛዕባ እዞም ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፍና ተጠቒሶም ዘለዉ ክልተ ሰባት ማለት ኒቆዲሞስን ገማልያልን ዝበሃሉ ክልተ ፈሪሳውያን፥ መምህራን ሕጊ፡ ብህዝቢ ከኣ ክቡራትን ሕፉራትን ዝነበሩ ሰባት ዝተዛረብዎ ኢዩ። ዘረብኦም በብሓደ ምእንቲ ክንዕዘቦ ብኒቆዲሞስ ክንጅምር። ኒቆዲሞስ ናብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብለይቲ መጺኡመምህር! በጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፥ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢናበሎ። ዮሓ 32 ካብዚ እንዕዘቦ ክርስቶስ ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝተላእከ ኒቆዲሞስ ብንጹር ይፈልጥን ይኣምንን ነበረ። ይኹን እምበር እናፈለጠ ካብ ሕሜታን መስጎግቲ ኣይሁድን ስለ ዝፈርሐ እምነቱ ኣየግሃደን። ሓደ መዓልቲ ግና እታ ኣብ ልቡ ተቐርቒራ ዝነበረት ሓቂ ስለ ዝደፍኣቶ ካብ ገጽ ሰብ ተሓቢኡ፥ ጸልማት ተጎልቢቡ፥ ምስቲ ጎይታ ኵሉ ፍጥረትን ወሃቢ ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ብኣካል ተራኸበ። ነቲ ሰብ ከይብለንን ኣይሁድ ከይሰጉንን ኢሉ ብፍርሒ ዓቝርዎ ዝነበረ እምነትን ምስክርነትን ድማ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ብግህዶ ተዛረበ። ክርስቶስ ድማ ንድሕነትን ንዘለዓለማዊ ሕይወትን ዝኸውን መገዲ-እምነት ንኒቆዲሞስ ነገሮ። ጎይታ ቀጺሉ ……..ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃም ጸልማት ፈተዉክብል ኣጠንቀቖ። ኣየወ! ዘረባ ኒቆዲሞስሲ ብመዓልትን ኣብ ቅርዓትን እንተ ዝኸውን ክንደይ ሠናይ ነበረ! (ዮሓ፡ 3)
እስከ በሉ! ናብ ዘረባ ገማልያል ከኣ ንስገር። እዚ ሰብ እዚ ለባም መዓዲ፥ ቅኑዕ-ፍትሓዊ፥ ተባዕ ተዛራቢ፥ ንዝኣመነሉ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣብ መድረኽ ቅርዓትን ንኽዛረቦ ድሕር ዘይብል እሙን ሰብ ከም ዝነበረ ካብ ዘረብኡ ክንዕዘቦ ንኽእል። ቀንኣት ኣይሁድ ንሓዋርያት ቃል ኣምላኽ ሰቢኽኩም፥ ሓቂ ተዛሪብኩም ኢሎም ድሕሪ ምእሳሮም ኣብ መጋባእያ ኣቕሪቦም ክቐትልዎም መደቡ። ካብ ሕማቕ ምኽሪ ሰብ ግና ሠናይ ምኽሪ ኣምላኽ ስለ ዝስዕር፥ ልዑል እግዚኣብሔር ነቲ እኩብ ህዝቢ ብኣፍ ገማልያል ጌሩ ግሩም ምኽሪ ለገሰሎም።እቲ ዘረባ ድማኣቱም ሰብ እስራኤል! ብዛዕባ እዚ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘሎኹም ነገር ተጠንቀቑ። …….. እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ናይ ሰብ እንተ ኾይኑ ኪፈርስ እዩ። ናይ ኣምላኽ እንተ ድኣ ኮይኑ ግና ነዞም ሰባት እዚኣቶም ከተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም። ምስ ኣምላኽ ምብኣስ ከይኮነኩምበሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ንምኽሩ ተቐበልዎ። ንሓዋርያት ድማ ብመግረፍቲ ቀጺዖም ብስም ኢየሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ኃደግዎም። ብፍትሓዊ ዘረባ ክቡር ገማልያል ድማ ፍርዲ መቕተልቲ ናብ መቕጻዕቲ ከም ዝተለወጠ ንርኢ ኣሎና።ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን!!! ግሓ 534
ነቢይ ኢሳይያስክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፥ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕከም ዝበለ ክቡር ሓሳብን ሠናይ ምኽርን ካብቲ ክቡርን ኣቦ ኩሉ ሠናያትን ዝኾነ እግዚኣብሔርን እዩ ዝመጽእ። ነቲ ኣብ ልብኻን ኣእምሮኻን ዝተቐመጠልካ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ንካልኦት ሰባት ክትመኽሮን ከተካፍሎን ሃይማኖታዊ ግደታ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣማኒ ይኸውን። ነቲ ቅኑዕ ነገር እናፈለጥካን ክትገብሮ ዘሎካ እናተረድኣካን ከሎ እንታይ ገደሰኒ፥ ኣበይ ከይሰምዑኒ፥ ሰብ ከይጸልኣኒ ብዝብል ድኹም ሓሳብ ተደሪኽካ ተዓዛባይ ኮንካ ምኻድ ግና ብሓቂ ዘጣዕስን ዘሕትትን ናይ በለጽ መገዲ ኢዩ። ቅዱስ ወንጌልንሓቂ ሓዝዋ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም ኢያከም ዝበለ፥ ንሓቂ ሒዙን ሠናይ ምኽሪ ለጊሱን ዝተጣዕሰ ወይ ብኣምላኽ ዘይተሞገሰ ሰብ የሎን። ግናኸ ከምቲ ኣንጻር ክቡር ሕሱር፥ ኣንጻር ሓቂ ድማ ሓሶት ተጻራሪ ዘሎ ሓቂውን ዋጋ ከም ትሓትት ኩልና ክንዝንግዕ ኣይግባእን። እቶም ሎሚ መንፈሳዊ ጽሑፋቶምን ታሪኽ ሕይወቶምን ብተመስጦ እንዝክሮም ዘሎና ቅዱሳን ነቢያት፥ ሓዋርያት፥ ሰማዕታትን ኩሎም ጻድቃንን ዋጋ-ሕይወት ከፊሎም ኢዮም ብዋጋ ዘይትመን ክቡር ሕድሪ እምነት ሓዲጎሙልና ሓሊፎም። ንሕና ኣመንቲ ድማ ኣብዛ ሓላፊት ሕይወትና ዘይሓልፍ ሠናይ ታሪኽ እምነት ክንገድፍ ብጣዕሚ ባህ ዘብል ምዃኑ ንዘክር።
ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዘረባንነፍሲ ወከፍ ብቑዕ መልሲ ሂብኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣዘራርባኹም ኵሉ ሳዕ ብጸጋ ዝመልአ፥ ብጨው ዝተቓመመ ይኹንእናበለ ይምዕደና። እወ! ጥዑም ዘረባ ኣብ እዝኒ ቅኑዕ ሰማዒ ብጣዕሚ ዘሐጉስ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ብኣንጻሩ ግና በቶም ኣብ ኃጢኣት ዝወደቑ፥ ብሰይጣን ዝተገዝኡ፥ ክንዲ ጥዑም ሕሱም፥ ክንዲ ምርቓ መርገም ክሰምዑ ባህ ዝብሎም ሰባት ተቓውሞን ምጽራርን ከስዕብ ከም ዝኽእል ግድን ኢዩ። ኣብ ምድራዊ ጉዕዞ ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ተዓዘብና ጎይታ ኣብ ዝኸዶ ዓድን መገድን ብዙሕ ዕግርግርን ሁከትን ይለዓል ከም ዝነበረ ነንብብ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ክርስቶስ ሠናይ ዘርኢ ክዘርእ ከሎ ጸላኤ-ሠናያት ዝኾነ ሰይጣን ድማ ንዕዮ እግዚኣብሔር ብምጽራር ሕማቕ ክርዳድ ዘርኢ ይዘርእ ስለ ዝነበረ ምዃኑ ኣይንስሕቶን። ይኹን እምበር እቲ ብብርሃን መዓልቲ ዝተዘርአ ዘርኢ ግቡእ ማሕረስን ጽቡቕ መሬትን ስለ ዝረክብ ብዙሕ ፍረን ምህርትን ክሕፈስ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። እቲ ሰባት ምስ ደቀሱ፥ ብጸልማትን ብኽፍኣትን ዝዝራእ ናይ ሓሶት ክርዳድ ግና ንሰማዒኡን ባሃሊኡን ዝርብሕ ኣይኮነን። እዚ ማለት ከምቲንኣምላኽ ምስጋና እንተ ዘይኮይኑ፥ ዘሕንኽ ወይ ዘነውር ዘረባ ወይ ብዕሉግ ዋዛ ኣባኻትኩም ኪስማዕ ኣይግባእን እዩዝተባህለ ኣብ ኩልና ኣመንቲ ናይ እምነት ቃል ጥራይ ክዓዝዝ ይግባእ (ኤፈ 54)
ክቡራን ኣንበብቲ እስከ ናብ ገዛእ ርእስና ንመለስ እሞ ከም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ መጠን ንገዛእ ሕይወትና እስከ ንሕተት። ኣብ ጎደና ሓቅን ዘረባ ጽድቅን ንነብር ኣሎና? ንትእዛዝ ሰብ ንትእዛዛት እግዚኣብሔር ዝያዳ ንግዛእ ኣሎና? ንሥጋና ወይስ ንነፍስና ኣብ ዝጠቅም ዝያዳ ንሠርሕ ኣሎና? ከምኡውን ንሕና ህዝበ ክርስቲያን ስም ሰብ ካብ ምጽላም፥ ዝመሓልናሉ ካብ ምጥላም፥ ብሓሶት ካብ ምምስካር፥ ብሕሹኽሹኽን ብጸልማትን ካብ ምዝራብ ተቖጢብና ኣሎና? እወ ንሕና ከም ልኡኻት ወንጌልን ኣምበሳደራት ክርስቶስን መጠን፡ ናይ ኣምላኽ ትእዛዛትን መገዲ ሕይወትን ክንሰብኽ ግዴታና ኢዩ። መንፈሳዊ ሓቅን ሓዋርያዊ ሕግን ካብ ቀጽሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ጠፊኡ ድማ ከብቲቤተይሲ ቤት ጸሎት ኢዩ ዝስመ፥ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉ ገበርኩምዎዝብል ወቐሰ ኣይከነምልጥን ኢና። ስለዚ እምበኣር ከምቶም መንፈሳውያን መራሕትና እምነትን ጸሎትን ሒዝና ዘረባና ከም ኒቆዲሞስ ኣብ ክንዲ ብጸልማት፥ ከም ገማልያል ኣብ ቅርዓት ክንዛረቦ ግዜ ባዕሉ ይሓተና ኣሎ ናይ ገለ ሰባትምስ ህዝብኻ መዓት ደርጋ ገዓት ወይካብ ሓቂ ምስ ውሑዳት፥ ሓሶት ምስ ብዙሓትዝበሃል ኣዘራርባ ጉጉይ ኣበሃህላ ምዃኑ ነስተውዕል። ምኽንያቱ ምስ ህዝብኻ መዓት ምስቲ ጥዑም ገዓት ዝወዳደር ዘይኮነስ ድርብ ሞት ምዃኑ ካብቶም ብመዓት ዝጠፍኡ ሰብ ማየ-ኣይኂ ክንመሃር ንኽእል ኢና (ዘፍ 7)
ኣብ መደምደምታ ነቲ ጎይታ ብቓላቱኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝተኣመነኒ ኵሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ”(ማቴ 1032) እናበለ ዝሃበና መንፈሳዊ ትእዛዝ ብግቡእ ተረዲእና ኣምላኽ ዝኸብረሉን ንሕና ንባረኸሉን ሓቀኛ ዘረባን ምስክርነትን ክህልወና ይግባእ። ሰብ በሃሊ ድማ ዝበልዖን ዝሰትዮን ደኣ ይስእን እምበር ዝዘረቦስ ኣይሰእንን ኢዩ። ሰብ ካብ ምባሉ ድማ ዓዲ ኣይውዕልን ኢዩ። ስለዚ ንዓናን ንሰማዕትናን ንበረኸት ዝኸውን ጥዑም ዘረባ ብመዓልትን ኣብ ቅርዓትን ክንዛረብ ኣምላኽ ኣዕይንቲ ኣእምሮና የብርሃልና።

No comments:

Post a Comment