1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday, 27 April 2013

ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት (ጸሓይ ከም ቀደማ ኣላ)!!


ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት (ጸሓይ ከም ቀደማ ኣላ)!!


ብርዒ ቀሺ ዮናስ ወልደርፋኤል
“ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ” ኢሎም ናይ ዝትንትኑ ገለ ጽሑፋት ትሕዝቶ ምስ ኣንበብኩ’የ ነዛ “ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት” እትብል ኣበሃህላ ዘኪረ። ኣብታ “ክልተ ቕነ ኣብ ድፋዓት” እትብል መጽሓፍ ናይ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ሓደ ናይ ስነ ጥበብ ባህግን ተገዳስነትን ዝነበሮ፡ ዝያዳ “ኦሮሞ” ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ፡ ተስፋልደት ዝበሃል ስዉእ ተጋዳላይ ኣሎ። ኦሮሞ፡ ሓደ እዋን ላባ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ሓደ ሩባ ማይ እናሰተየ ከሎ፡ ጸሓይ ኣብቲ ማይ ተንጸባርቕ ነበረት’ሞ፡ ነጸብራቓታ ድማ ዘይምኖ ትርኢት ፈጢሩ ነበረ። ነቲ ጸሓይ ዝፈጠረቶ ጽባቐ ዘስተብሃለሉ ግን ማንም ሰብ ዘይምንባሩ ኦሮሞ እናተገረመ፡ መወዳእታኡ ንሓደ ማይ ዝቐድሕ ዝነበረ ገባራይ ሓቢሩ ምስኡ ክዕዘብ ይዕድሞ። “ሰኒቱ እሊ?” ብምባል ድማ ይውከሶ። “ጽብቕቲ ዶ?” ማለቱ’ዩ። እቲ ገባራይ ግን ጽሉል ጌሩ ግዲ ወሲድዎ፡ ንጸሓይ ኣንቃዕሪሩ ድሕሪ ምጥማት፡ “ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት!” ዝብል መልሲ ጥራይ ሃቦ፡ ከምቲ “ከመይ ኣለኻ?” ንዝበልዎ፡ “እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና” ዝብል ምላሽ ዝሃበ ኮይንዎ ድማ ኦሮሞ፡ “ምስ እንዛረቦ እኳ ጠፊኡና!” ጥራይ ከምዝበለ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣዘንትዩ’ሎ።

ምስ እንዛረቦ’ኳ ጠፊኡና!

“ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ” ዝብል ኣበሃህላ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ዋላ ነቲ ጸሓፊ ሓቲትካዮ ዘዕግብ መልሲ ዝህብ ኣይመስለንን። ዶግማን ቀኖናን ፈልዩ ከረድእ ዘይክእል ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ እሞ በየናይ መለክዒ እዩ ብዛዕባ ምምሕያሽን ዘይምምሕያሽን ሃይማኖት ክዛረብ!! ብመሰረቱ፡ እቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝብል ቃል ምስቲ እምነት ዝብል ቃል ሓናፊጽና ንርእዮ እንተኾንና ድማ ንምርዳኡ ዝያዳ ከሸግር ምዃኑ ብኣጋኡ ምግማቱ ኣየጸግምን። እምነት ውልቃዊ ኽኸውን ከሎ፡ ሃይማኖታዊ ስርዓት ግን ማሕበራዊ እዩ፥ እምነት መሰረትን ዓንድን እንተደኣኾይኑ ኸኣ ሃይማኖታዊ ስርዓት ድማ ቀጽርን መንደቕን ይኸውን ማለት’ዩ። እምነት ኣብ ኩሉ ቦታ፡ ምስ ባህልን ግዜን ዘይቅየር ክኸውን ከሎ፡ ሃይማኖታዊ ስርዓት ግን ምስ ግዜ፡ ምስ ባህልን ቦታን ክለዋወጥ ዝኽእል እዩ። ኦርቶዶክሳዊ እምነት ከም ኣብነት እንተወሰድና፡ ናይ ኩለን ኦሬንታል ኣብያተክርስቲያናት እምነት ሓደን ዘይቅየርን እዩ። እቲ ኣብ ግብጺ፡ ሶርያን ህንድን ዝርከብ ኦርቶዶክሳዊ ስርዓት ግን ብብዙሕ መለክዒታት ምስቲ ኣባና ዘሎ ሃይማኖታዊ ስርዓት ሓደ እዩ ክትብሎ ዝከኣል ኣይኮነን። ነዚ ሓሳባት ንምርዳእ ግር ዝብል እንተኾይኑ፡ ነቲ ንሕና ብእምነት ዘይኮነስ ብሃይማኖታዊ ልማድ እንኽልክሎ ምብላዕ ማንቲለን ሓሰማን ኣባታቶም ፍቑድ’ዩ ኢና ንብል ዘለና። ኣባና ሳእኒ ወዲኻ ናብ ቤተክርስቲያን ምእታው ነውሪ እንተኾይኑ ድማ ኣባታቶም ግን ከምኡ ምግባር ነውሪ ዝበሃል የብሉን። ኣብ ሃይማኖታዊ ልማድ እኳ እንተተፈላለና ኣብ እምነት ግን ምንም ዘፈላሊ ዘይብልና ሓደ ኢና!!

ዶግማን ቀኖናን

ዶግማ ማለት እምነት ማለት እዩ፥ ቀኖና ማለት ድማ ስርዓት። መሰረተ እምነትና ኣብተን ሓሙሽተ ኣዕማደ ምስጢርን ሾብዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያንን ክጠቓለል ዝኽእል፡ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ድማ ብንጹር ተገሊጹ ዘሎን እኳ እንተኾነ ብሰፊሑ ግን ኣብ ሕጊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ብንጹር ሰፊሩ ከምዘሎ፡ መሰረተ እምነትና መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ንምህሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንልውጦ ይኹን ከነመሓይሾ ኣይንኽእልን መሰል’ውን የብልናን። “ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ” ዝብል ኣምር እምበኣር ኣብ ከምዚ ኩነት ጥራይ እዩ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል። ቀኖና ማለት ግን ስርዓት ማለት እዩ’ሞ ቅድሚ ሕጂ ብሓሙሽተ ቀዳስያን ጥራይ ክግበር ዝእዘዝ ዝነበረ ስርዓት ኣብዚ እዋን እዚ ብሓደ ካህን ትራይ ምሉእ ቅዳሴ ክግብር ምፍቃድ ማለት እዩ። ስለዚ ቀኖና ከከማድላይነቱ ከመሓይሽን ክልወጥን ይከኣል’ዩ፡ ዶግማ ግን ፈጺሙ ዘይለዋወጥ ጸኒዑ ዝነብር መሰረተ እምነት እዩ። ገለ ካብቲ ኣብ ሃይማኖትና ዝተገብረ ምምሕያሻት ምጥቃሱ እምበኣር ነቲ ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ ዝብል ድፉን ኣርእስቲ ቀሊዑ ከርእየና ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ።

ያሬዳዊ ዜማ ካብ ጥንቲ ኣይነበረን

ሃይማኖት ተዋህዶ ናብ ከባቢና ክኣቱ ከሎ፡ (ገለ ሰባት ሃይማኖት ተዋህዶ ኣባና ዝጀመረ እዩ ዝመስሎም እሞ እቲ ሓቂ ከምኡ ከምዘይኮነ እግረ መገድና ጥቕስ ከነብሎ ሰናይ እዩ፡) ሽዑ ያሬዳዊ ዜማ ዝበሃል ክነብር ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ያሬድ ኣብ ሻድሻይ ክፍለዘመን ወይ ልክዕ ንምዃን ኣብ505 ዓ.ም ከምዝተወልደ’ዩ ታሪኽ ዝነግረና፡ ስለዚ ያሬዳዊ ዜማ ድሒሩ ዝኣተወ እምበር ካብ ጥንቲ ዝነበረ ከምዘይኮነ ንምግማቱ ኣየጸግምን። እቲ ንቤተክርስቲያኑ ጸጋታት ብምዕዳል ዘሀብትማ ጐይታ ግን ንቕዱስ ያሬድ ናይ ዜማ ውህበት ብምሃብ ግርማ ቤተክርስቲያንና ዝኾነ ዜማ ረኸብና። እታ ሽዑ ዝነበረት ቤተክርስቲያን ነቲ ብቕዱስ ያሬድ ዝመጸ ዜማ ኣይንቕበሎን እንተትብልሲ እቲ ውህበት ጸጋ ኾን ማዕረ ክንደይ ምኸሰርናዮ ኔርና?! ብርግጽ ምስ ድርሰታት ቅዱስ ያሬድ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝመጹ ሓድሽቲ ናይ ስርዓት ለውጥታት ከምዝተኣታተዉ ድማ ዘየተሓታትት ብሩህ ይመስለኒ።

ጳጳሳት ሓበሻ ካብ ጥንቲ ኣይነበሩን

እታ ብመገዲ ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ሃይማኖት ተዋህዶ ዝተቐበለት ቤተክርስቲያን ሓበሻ (ኤርትራ ወ ኢትዮጵያ) ንልዕሊ 1600 ዓመታት ናይ ገዛእ ርእሳ ጳጳስ ይኹን ባዕለ-ምምሕዳር ክህልዋ ክሳዕ ኣብ ፍትሓ ነገሥት ብዝሰፈረ ኣንቀጽ ፍቑድ ኣይነበረን። ለውጢ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዘይተርፍ ነገር ስለዝኾነ ግን ብፍቓድ እግዚኣብሄር ብጻዕሪ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያንን ሃጸይ ኃይለሥላሴን ብ1951ዓ.ም ንመጀመርታ ግዜ ናይ ባዕላ ፓትርያርክ ክህልዋ ከምዝተፈቕደ ከነውተውዕሎ የድልየና።

ሕገ ልቦና ኢሉ ብራና ዝበለ፡ ወረቐት ኢሉ ሶፍት ኮፒ ምባሉ ኣይተርፎን

ኣብ ኤርትራ ብተበግሶን መሪሕነት ንቡር ዕድ ዲሜጥሮስ ምንቅስቓስ ማሕበረ ሓዋርያት ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ዘጋጥም ዝነበረ ዋሕዲ መጻሕፍቲ ካብ ብራና ናብ ወረቐት ብምስግጋር ብዘመናዊ ማሕተም ከምዝሕተም ኣብ ዝተገብረሉ፡ “ብራና እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ወረቐት ጽሑፍ፡ ቅዱስ ዘይመስሎም ከምዝነበሩ ናይ ቅድሚ ትማሊ ተዘክሮ’ዩ። ቤተክርስቲያን ነቲ ዘመናዊ ሕትመት ኣብያቶ ኔራ እንተትኸውን ግንሲ ኣብ ከመይ ደረጃ ኾን ምሃለና ኢልካ ምሕሳብ እምበኣር የድሊ። ሕጂውን እንተኾነ ካብ ወረቐት ብመገዲ መርበባት ሓበሬታ ኣቢሉ ናብ ሶፍት ኮፒ ዝቕየረሉ መድረኽ ንምድያብ ድሕር ክንብለሉ ዘይግባእ ምዃኑ ኸኣ ብኣጋኡ ክንሓስበሉ የድልየና።

ካብ ባዕዳዊ ቋንቋ ናብ ግእዝ፡ ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ፡ ትግረ፡ ኩናማ ወዘተ

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግርኛ ተተርጕሙ ምስ ቀረበ፡ ምኽንያቱ ብዘይርድኣካ ብዙሓት ሕጉሳት ኣይነበሩን። አረ፡ “ጸላም መጽሓፍ ኣጥፍእ” ዝብሉ’ውን ከምዝነበሩ ኣርኪብናሉ ኢና። ለውጢ ዘይቅበል ርእሲ፡ ጸሓይ ከም ቀደማ ምህላዋ እምበር፡ ሕጂ እቲ ሙቐታ ኣብ ዝተፈላለየ ምንጪ ጸዓት ክውዕል ክኢሉ ከምዘሎ ክርዳእ ዝኽእል ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዳሴ ናብ ትግርኛ ምስ ተተርጐመ ዘጋጠመ ብድሆ ድማ ካብዚ ዘይሰንፍ እዩ ኔሩ። ገለ ገሌና ክሳዕ “እዚ መጽሓፍ እዚ ናይ ከኒሻ እዩ” ንምባል ዝተሃንደድና ምንባርና ውን ይዝከረኒ። ህድእ ኢልና ምስ ሓሰብናሉ ግን ብመሰረቱ’ውን እቲ ስርዓተ ቅዳሴ ይኹን ዋላ እተን 14 ቅዳሴታት ሓንቲ’ኳ ትኹን ካብኣተን ብቛንቋ ግእዝ ዝተደርሰት ከምዘይኮነት የግዳስ ካብ ካልእ ቋንቋ በቶም ሽዑ ዝነበሩ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ናብ ቋንቋ ግእዝ ከምዝተተርጐመ ምስ ተረዳእና ግን ንምቕባሉ ድሕር ኣይበልናን። ሕጂ’ውን እንተኾነ እምበኣር ነቲ ንምህናጽ ህይወት ደቂ ሰባት ብግዲ ዘድሊ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ካልኦት ቋንቋታት ክትርጐም ከምዝግብኦ ክንደፍእን ክንሕግዝን ከምዘድልየና ብሩህ ክኸውን የድልዮ።

መዛሙራት በኣርጋኖን ወኣውታር ወበእንዚራ


ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ኤርትራ ከም ዘማራይ ዳዊት ብበገና ምዝማር ዝውቱር ዝነበረሉ ግዜ ከምዝንበረ ኣብ ዝኾነ ጽሑፍ ኣይረኸብኩን። ብርግጽ ኣብታ ጐረቤትና ዝኾነት ኢትዮጵያ ግን በገና ዝውቱር መሳርሒ ሙዚቃ እዩ። ስለዚ "ንእግዚኣብሄር ብበገና ከነመስግኖ ይግባእ" ዝብል ሰብ እንተተንስአ፡"እዚ ኣብ ሃገርና ኣይነበረን እሞ ኣይንቕበሎን ኢና" ክንብሎ ልቦና ኣይኮነን። ንእግዚኣብሄር ብዋጣ እንተመስገንናዮ ኸ እንተበልና ድማ ብርግጽ ዋጣ፡ ኣብ ባህልና ምስ ምሕማይ፡ ምስ ዝሙት፡ ፍቅረ ንዋይን ተውኔትን ድኣ እምበር ምስ ቅዳሴን ውዳሴን ዘኽይድ ዛንታ ኣይነበራን፡ ይኹን እምበር ካብኡ መንዚዕና ንኽብሪ እግዚኣብሄር ከነውዕላ ኢና ዝብለና እንተተረኸበ ግን "መርሓባ" ክንብሎ ደኣ እምበር "ብዋጣ ጌርካ ኣይዝመርን እዩ" ክንብሎ ስንፍናና ጥራይ እዩ ዘመልክት፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ብኽራር፡ ብጊታር፡ ብኣርጋኖን (ኦርጋን) ወዘተ ክንዝምር ኢና እንተተባህለ ድማ መርሓባ!


ዘመናዊ ምህሮ ዓለም፡ ምህሮ ሰይጣን’ዩ ይበሃል ነበረ

ዘመናዊ ትምህርቲ ብብዙሓት ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ምህሮ ሰይጣን’ዩ ይበህል ከምዝንበረ ሓሶት እዩ ትብሉ እንተለኹም፡ ብርግጽ ንቤተክርስቲያንና ዘይትፈልጡ ሰባት ጥራይ ኢኹም ክትኮኑ ትኽእሉ። ዛንታ መምህር ይስሃቕ ተወልደመድህን ኣብ ዘንበብኩሉ ዘሐበነኒ ተግባር እንተሎ ግን ኣብ ምጉስጓስ ምትእትታው ዘመናዊ ትምህርቲ ገለ ኣባላት ቤተክህነት ልዑል ኣበርክቶ ምግባሮምን ንባዕሎም መምህራን ኮይኖም ምስታፎምን እዩ። ጓለንስተይቲ ምህሮ ዓለም ክትምሃር ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ፍቑድ ኣይነበረን። ሕጂ ግን እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ከበሮ ቤተክርስቲያን ክትሃርም፡ ብዜማ ክትዝምር፡ ክንርእያ ከለና፡ ነቲ ነጸብራቕ ርኢና ደኣ ነድንቕን ንግረምን እምበር፡ “ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት” ሲ ኣይንብልን!!
 ****************************************************************************

haymanoteabow@gmail.com


ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት 2ይ ክፋል ይቅጽል


ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት 
2ይ ክፋል ይቅጽል

እቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ንግዲ ከም ንቡር ዝቆጸሩዎ ።ኣቦታቶም ቤተ ንግዲ ዝገበሩዎን ከምኡ ኢሉ ዝጸንሖምን ሓደ (50 )ሓሙሳ ዓመት ዘይምልእ ሰበኣይ መጺኡ ከውጽኦም ከሎ ከድንጽዎም ባህርያዊ እዩ።ስልምንታይሲ ካብኡ ብዕድመ ብትምህርቲ ኣብ ዓይኒ እቲ ህዝቢ ዝተራእዩ ሰባት ብዙሓት ስለ ዝነበሩ፡ ሊቃውንቲ ብኾፎም ሓደ ሓድሽ ነብዩ በዓል ናዝረት መጺኡ ዓገብ ኢሉ። እዚ ዓገብ ዝብል ዘሎ ደኣ መን እዩ ብምባል ድማ ኩላ ተገሪማ።ሎሚ እንበኣር ኣብ ቤተ ክርስትያና ንዝርኣዩ ጉዳያት ዓገብ ክንብል ከለና ንዝቀርበልና ስቅ በሉ ዝብል ቃል ክንግርሃሉ የብልናን። ቤት ኣምላኽ ቤት ኣምላኽ እዩ።ን ቤት ኣምላኽ ቤተ ፖሎቲካ ኣይትግበሩዎ መጋበሪ ረብሓ ኣይትግበሩዎ ከምታ ኣቦታትና ቅዱሳን ዘጽንሕዋ ደኣ ንኺድ ክንብል ጎይታ ሎሚ ብ መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ይጽውዓና ኣሎ።
ሓንቲ ቤተ ኣምላኽ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ክትርአ ተኾይና  ውሽጣ ኩሉ ግዜ ክትፍትሽ ይግብኣ ስለምንታይ ኣምላኽ ብኹልንትናና ንጹሃትን ጽሩያትን ክንከውን ይደልየና።(ሮሜ12፡1)እንተኾነ ነገርና ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓይኒ ሰብ እኳ ነገራትና ክሽፈን ኣይከኣለን ዘሎ  ሓላፊ መገዲ ከም ዝስሕቀና፡ኮይና ንርከብ።ሎሚ ሰኣን ከመይ ኣለና ውሽጥና ንፍትሽ ጸላእትና ክምክሑልናን ብኡኡ ገይሮም ከሳቅዩን ይርኣዩ ኣለዉ።ሎሚ መሳርሒ ፖሎቲካ ዝኾኑ ኮይና ኣለና ነዚ ሕርሚ እዚ ሎሚ ከነውጽኦ ተዘይፈቲናን፡ ከምቶም ጎይታ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ኣታ ግደፍ ዝበልዎን ተጸሊሉ እዩ  ዝብልዎን ነበሩ ።ነዚ ቃልዚ ንዘውጽኡ ተጸሊሎም እዮም።ኣይበሃልን ክንብል ተጀሚርና ግን ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮና እንመስልሲ ንዕኦም ነቶም ጠበርቲ ርእሶም ንመስል ምዃና ዝሕብር እዩ።እዚ ድማ በፍጹም ክርስቲያንዊ ስነ ምግባር ኣይኮነን። እሞ ነፍሲ ወከፍ ሂወትና ን መርምር።ሆሳዕና እንበኣር ከቢድ ሓላፍነት እንስከመላ መዓልቲ እያ።ትሕትናን ሓቅን ተዓጢቅካ ነፍስኻን ኣገልግሎትካን ትምምረላ፡ ን ኣምላኽ ዘየኽብር ኣምላኽ ዘይፈትዎ ባህርን ጠባይን ካብ ሂወትካን ኣገልግሎትካን እቲ ሓያL መጺኡ ብጭግራፍ ገይሩ ከይጎሓፈካ ባዕልኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ቆሪጽካ ተውጽኣላ ቅድስቲ መዓልቲ።
እቶም ቤተ መቅደስ ቤተ ምስያጥ ኮይና ስቅ ኢሎም ዝርእይዋ ነበሩ ሰባት የእምሮኦም ከይበርህ ብዕውሩ ተረፈ፡ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ኣዐሮም።(2ይቆሮ4፡4)እቶም ኣብ ግዜ ሆሳዕና ሆሳዕና ኢሎም ዝዝምሩ ነበሩ ህዝቢ ዓርቢ ስቅለት  ይሰቀል ኢሎም ክጭድሩን ወዓሉ።እንበኣር እዞም ሎሚ ቤተ እግዚኣብሔር እንዳሓመመ ስቅ ኢሎም ዝርእዩ ዘለዉ ጽባሕ ስቀልዎም ክብሉና ምኻኖም ፈሊጥና ንዝመጸና ፈተናን ግፍዕን ክሕድሰና የብሉን።ተመሃራይ ከም መምህሩ ጊልያ ኸኣ ከም ጎይታኡ ስለ ዝኾነ።
 ደቂ መዛሙርቱ ብ ዓብይ ድምጺ ከመስግንዎ ዝሰምዑ ሓያሎ ፈሪሳውያንን “ንደቂመዛሙርቲኻ ግንሓዮም” ስቅ ኣብሎም በሊዎ። እዚኦም እኳ ስቅ እንተበሉስ እዞም ኣእማን ክጭድሩ እዮም በለ።ምጭዳር መቸስ ማዕሮ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።ንሱ እቲ ጎይታ ክዝምሩ ዘይኮነ ኢሉስ ዉዕዉዕ መዝሙር ነቲ መዝሙር ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ንምግላጽ ክጭድሩ እዮም በለ።ኣብ ቤተ መቅደስ ሕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መጽኡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።ኣብ ቤተ መቅደስ ዝነበሩ ህጻናት ድማ  ዓው ኢሎም ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት ኢሎም ዘመሩ።
ነዚ ኹሉ ካብ ፈለማ ደቂ መዛሙርቱ ስም እግኣብሄር ዝሰምዑን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን  ዝርኣዩ ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን ፡የዒንቶም ደም መልኦ፡ተናደዱ እሞ እዚኣቶም ዝብልዎስ ትሰምዖዶ ኣለኻ በልዎ።የሱስ ድማ እወ ካብ ኣፍ ቆልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ ዝብልሲ እኳዶ ኣየንበብኮምን ኢኹም >>በሎም።ሎሚ እንበኣር ስቅ በሉ ወንጌል ኣይትንገሩ ሓቂ ኣይትዛረቡ ተዓበሱ ሓቀኛ ምስጋና ኣይተቅርቡ፡ኢየሱስ ኢየሱስ ኣይትበሉ ኢሎም ክኽልክሉና ንዝፍትኑን ይጽዕሩ ንዘለዉ ንሕና እኳ ስቅ ተበልና ኣኽራናት ክዘሉን ክምስክሩን ምዃኖም ከነተሓሳስቦም ንደሊ፡እወ ንሕና እኳ ስቅ ተበልና የእማን ክጭድሩ እዮም።ይቅጽልል ናብ 4ይ ክፋል,,
3ይ ክፋል ይቅጽል
ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት
ሰብ የእምሮ ኢና ፈላጣት ኢና ንህዝቢ ነስምዕ ኢና ህዝቢ ዘይንዓና ንመን ከይሰምዕ ኢሎም ብትዕቢት ተነፊሖም ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኣምላኽ ንሶም ብኾፎም ከለዉ ነቲ ህያው ቃል ብኻልእ ተነግሮም።(ማቴ23፡28-29)ቤቶም ድማ ዓንያ ተረፈት።ብናይ ሰጣን ምኽሪ ብትዕቢት ተታሒዞም ዘንጊዖም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ኮፍ ኢሎም ከለዉ  ናይቲ ሽዑ ዝነበሩ  ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብ ኾፎም ከለዉ ።ኣምላኽ ናይ ህጻናት ልሳን ከፈተ ምስጋና ካብ ህጻናት ኣዳለወ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ ግን ተዓኒዶም ንምስጋና የሱስ እቲ ህያዎ ምጻር ስኢኖም ቀዘዝ ኢሎም ተረፉ ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን።ኣምላኽ ብትሑታት ዝግልገል ኣምላኽ ነቶም ዝተሓቱ ዝግለጸሎም ኣምላኽ ፡መንፈሱ ዝህቦም ምስቶም መቛሸሽትን ፡ጠበርትን ንነፍሶም ሊቃውንቲ ገይሮም ዝሓስቡዋን ዘይሓብር መስተንክራዊ ዝኾነ ኣምላኽ።ምስ ተጻረፍትን መጸለምትን ዘይመክር ኣምላኽ ኣሰራርሕኡ ፍሉይ ዝኾነ ኣምላኽ።
ሎሚ እንበኣር ኣይንገራህ ከም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነገራት ከይፈሽለና።ዘይ ንሕና ኢና ንገብር ዘይ ህዝቢ ንዓና ኢዩ ዝሰምዕ።ዘይ ከምዚ ኢልና ከነስምዖ ንኽእል ኢና ኢልና፡ነፍሲና ከይነታልል።ኣብ ቅድመ ዓይኒና ንሕና ኮፍ ኢልና ከለና ዘሰንብድ ነገር ከይሰርሕ ቀዘዝ ከይንብል።ነዚ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ክብሩ ነዘንቱ ተኣቢና ግን ቤትና ዓንያ ክትተርፍ እታ መንግስቲ ኸኣ ንዝፈሪ ህዝቢ ከይትወሃብ ጥንቃቀን ምስትውዓልን ከዲሊየና ኢዩ።(ማቴ21፡43)(ሉቃ8፡18)
             ኩቡር ክርስትያን
ን ሃዋርያት ልቦም ዘንቀደ ኣምላኽ ልብኻ ከንቅድን ኣጸቢቁ ክግለጸልካ ናብኡ ብትሕትና ቀሪብካ ጸሊ።ንኹሉ ዝንዕቖ ፍጥረት ዘይንዕቅ ካብ ሓመደ ኣልዒሉ ሰብ ዝገብር ኣምላኽ ምዃኑ ኣስተውዕል፡ ምንም እኳ ሓጢኣተኛታት ተኾና ብንስሓ ናብኡ ክንቀርብ ከለና ክቅበለና ከም ዝኽእል ፈሊጥካ ብኹልንትናኻ ንቅረቦ ንሱ ሕያዋይ እዩ።ገለ ገለ ሰባት ክብሪ ይደልዩ ኣይረኽቡን ድማ ኣየ ክብለሎም ይደልዩ ኣይረኽቡን ድማ፡ህዝቢ ኩሉ ክፈትዎም ይደልዩ፡ ኣይኮነሎምን ድማ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ዶ ናይ ካርስቶስ ማሕደር ን ሂወቶም ስለ ዘይገበሩዋ እዩ።ናይ ክርስቶስ ማሕደር ን ሂወትካ ክትከውን ተደሊኻ ቅድም ናይ ክርስቶስ ማሕደር ክኸውን ዝኽእል ሰብ እንታይ ምስ ዝኸውን እዩ በል።ኣብኡ ን ሂወትካ ፈትሻ ተዘየሊኻ ከመይ ገርካ ምሕደር ክርስቶስ ክትከውን ከም ዘለካ ጸዓርን ጸልን፡
እዛ ን የሱስ ክርስቶስ ዝጾረት ኣድጊ ኣስተውዕላ፡ ብኹሉ ዝተናዕቀት ቆርበታ ሰብ ኣይንጸፎ”ጸበኣ ሰብ ኣይሰትዮ፡ ስጋኣ ሰብ ኣይበልዖ፡ጥራሕ ንሕስራን ሰብ ዝደልያ ንሱ ክኸብረላ ደለያ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣምላኽ ይመጽእ ክጥቀመልና ይደልየና ኣብ ቦታና ስለ ዘይረኽበና ድማ እቲ ንዓና ተባህለ ን ካልኦት ይወሃብ።ንርእሶም ክብረትን ተደላን ዝደልዩ ሰባት መምህር ኢሎም ክጽውዕዎም ዝደልዩ ሰባት ግን ኩሉ ኣይረኽብዎን እዮም።ክትከብር ኣብ ታሕቲ ጽናሕ ኣምላኽ ድማ ልዕል ከብለካ እዩ። ናይ ክብሪ ወናኒ የሱስ ክርስቶስ እቲ ተሰቅለ እዩ።መንፈሶም ዝተሰብረ ስለ ቃሉን ወንጌሉን ነፍሶም የሕሊፎም ዝሃቡ ቅዱሳን ግን ነፍሶም ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮነት።
ናቱ ማህደር ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ ድማ ኢና ንሕና ነኽብሮም ንሱ ባዕሉ ናይ ቅዱሳን ክብሪ እዩ።እወ እሱ ክብርና እዩ እሞ ስለ ቃሉ ንምምስካር ንሙማት ንምስቃል፡ ስለ  ሓቂ ንምሕሳር ኣይትማታእ ሽዑ ንሱ ልዕል ከብለካ እዩ።ብ ቃሉ ምስ ማንም ኣካል ዋጋ ዕዳጋ ኣይትእቶ፡ንቃሉ ድማ ምስ ማንም ቃል ኣይተነጻጽሮ፡ኣይተዋዳድሮ ቃል ኣምላኽ ክብርኻ እዩ ብፍላይ ድማ ብ ወንጌል ንእሽቶ እትበሃል ሸለል ኣይትበል ሸለልትነት ን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ ኣምላኽ ክፍንፈኑ ዝገበሮም ባህሪ እዩ። ቀዳምነት ነቲ ሆሳዕና እንዳበሉ ዝተቀበሉዎ ህያው ጎይታ ሃብ ፡ ሽዑ ኣምላኽ በኣኻ ገይሩ ክኸብር ከሎ ክትርኢ ኢኻ።
                 ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኣሜን
             ምንጪ፡-http://etiqalsgakone.blogspot.it/2013/04/3-8.html 
                    haymanoteabow@gmail.com

1ይ ክፋይ 8ይ ሰንበት ሆሳዕና


1ይ ክፋይ 
8ይ ሰንበት ሆሳዕና

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ሰዓት ዝንበብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስታት
ዝንበብ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ኣንባቢ
1,ዕብ 9፡11 ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ ዲያቆን (ገባሪ ሰናይ)
2,ይ ጴጥሮስ 4፡1-12~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ዲያቆን
3, ግብሪ ሓዋርያት 28፡11-22~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ካህን
                      ስብከት
እምኣፈ ደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳሎከ ስብሓተ
በእንተ ጸላኢ ከመትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ
ናይ ዕለት ወንጌል
ወንጌል የሓ 5፡11-13
ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ቅዳሴ
                   ናይ ዕለት ትምህርቲ
ኣብዚ ዕለት እዚ መሲሕ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳለም ክኣቱ ከሎ ዝተዘመረ መዝሙር እዩ።<< ሆሳዕና ን ወዲ ዳዊት ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ሆሳእና ኣብ ኣርያም ይብል ነበረ። ናይ ዕለቱ ትምህርቲ  እውን ነዚ እዩ ኣምጺኡ ናይ ቅዱስ ያረድ ስያማዊ ቃል እውን ካብዚ ተበገሰ እዩ ሆሳእና ኢሉ ነዛ ሰንበት ክህባ ዝወሰነ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ደቂ መዛሙርቱን ናብ ኢየሩሳለም ቀረባ ናብ ዝኾነት ከረን ደብረዘይት ኣብ እትርከብ  ቤተ ፋጌ  እትበሃል ቦታ በጽሑ። <<ኢየሩሳሌም>> ማለት ናይ ሰላም ከተማ ክኸውን ከሎ።<<ቤተ ፋጌ>> ማለት ድማ ናይ በለስ ቤት  ወይ ድማ ቦታ የስምዕ።ብ ናይ ኣቦታትና ኣበሃህላ ድማ ዝተመሳቀለ ጎደና ተባሂሉ ተተርጊሙ ንረኽቦ።ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ን ደቂ መዛሙርቱ ናብ ኣብ ቅድመኹም ዘላ ዓዲ ኪዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ኣድጊ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ።፴፩ - ሓደ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም? ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ።ሃዋርያት ፈቲሖም ኣምጽኡሉ፡እዚ እውን ትርጉም ነይሩዎ ናይ ሃወርያት  ኣገልግሎት ንዝተኣስሩ  ቃለ ወንጌል ሰቢኽካ ምፍታሕ ምዃኑ እዩ ዝተገብረ።
ልቦም ብኣጋንንቲ ዝተኣስሩ ናይ ሓጢኣት እሱራት ኣለዉ፡ነዚኦም ካብ ዘለዉዎ ክፍትሑ ን ተመሃሩኡ ኣዘዘ።ተፈቲሖም ማህደር መንፈስ ቅዱስ ክኾኑንን ኣምላክ ክኸብረሎምን ነገረ።እዚ መልእኽቲ እዚ ንዓና እውን ይምልከተና እዩ።ነቶም ብሓጥያትን ኣጸየፍቲ ልምዲታትን ናብ ኣምላኽ ዘይብጽሑ ባህልታትን ሓግሒግና ብምግሓፍ ን ሰባት ካብዚ ዘለዉዎ መዝማዝን ጠባርን መፈስ ወንጌል ሰቢኽና ክንፈትሖም ይግባእ ንዑ ናብ ቤት ኣምላኽ ወንጌል ተመሃሩ ንበሎም ንዑ ንበሎም እንታይ ኢልኩሞም ተኢሎምና ድማ ጎይታ ይደልዮም ኣሎ ንበሎም።
ክንደይ እሱራት ኮን እዮም ኣብ ከባቢና ዘለዉ። እሞ ድማ  ንባዕላቶም  ብ ሓይልታት ጽልመት ተኣሲሮም ከለዉ ን ሰባት ካብ ማእሰርትኹም ከነውጽኣኩም ኢና ዝብሉ ሓይልታት ጽልመት ክንደይ ኮን እዮም።ንባዕልና እውን ካብኦም ከይንኸውን መዓልታዊ ነፍስና ክንምርምርን ክንፍትሽን ይግብኣና እወ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቅ።ሉቃ11፡35)
ኣብ ትንቢት ዘካርያስ9፡9 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሐጐሲ፡ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ። ከም እተባህለ  ሃዋርያት ኣብ ዝባን እታ ዒሉ ኣንጸፍሉ።ናይ ዓለም ሓጢኣት እተርሕቅ ሓድሽ ልብሲ ኢየሱስ ክርስቶስ ልብሲ ሕፍረትና እትሽፍን እትጋርድ ኣምላኽ እንዳበሉ ኣንጸፍሉ።ኣድጊ ካብ እንስሳታት ዝተነዓቀት እያ።እዚ እውን ርእሶም ንዘትሓቱን ዝተሰብረ መንፈስ ንዘለዎም ጎይታ ከም ዝምልከቶምን ከም ዝጥቀመሎምን ከም ዝደልዮምን ን ኸረድእ ደልዩ እዩ።ኢሳ43፡23፡ማቴ11፡29።መዝ 50፡17-18። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣንኳንዶ ንዓኻስ ነታ ዝተወጣሕካያ ኣድጊ እዃ ሓመድ ክትጽየቅ ኣይግባኣን ኢሎም ክዳውንቶም ኣንጸፉ እዚ ኹሉ ድማ ንንጉስ ዝግባእ ክብረት እዩ ዝነበረ። 2ይ ነገስት9፡13። ሆሳእና  ን  ወዲ ዳዊት ሆሳዕና ብ ኣርያም>> ኢሎም  ዘመሩ።
ሆሳዕና ማለት ህጂ ኣድሕን ማለት እዩ። ኣብቲ ናይ ዳዊት ቃለ መዝሙር እውን ኦ እግዚኦ ኣድህንሶ፡ዎእግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ መዝ118፡25።
ኣብ ኣርያም ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ እትነብር ኣብ ሰማይ እትነብር ሰማያዊ ዝኾንካ መድሓኒና ህጂ ኣድሕን እንዳበሉ ዘመሩ።ካሊእ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ሮማውያን ብምንባሮም ካብ ናይ ሮማውያን ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ኣድሕን ዝብል ናይ  ስጋ ሓሳብ ክኸውን ከሎ ፡በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብ ናይ ነፍስን ስጋን ሞት ኣድሕን ማለቶም ነበረ።ኣብዚ ናይ ስምጋናኦም መዝሙር እንረኽባ ቃል ወዲ ዳዊት እትብል ክትከውን ከላ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ህዝቢ ተረዲእዎም ከም ዝነበረ የመልክተልና፡(ማቴ12፡23።20፡23።20፡30፡22፡41፡9፡
ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስት>> ማለትና ን ዳዊት ዝተዋህበ ናይ ተስፋ ቃል ምፍጻሙ የመልክት። ናይ እስራኤል መንግስቲ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ነበረት፡ናይ ሰብ ኩሉ ገዛኢ እግዚኣብሔር ዝለዝኾነ ካብ ኣዳም ክሳዕ ሳሙኤል ንህዝቢ ዝገዝእ ወይ ድማ ዝእዝዝ ዝመርሕ እግዚኣብሔር ደኣ እንበር ዝኾነ ንጉስ ኣይነበረን።
ኣብ ግዜ ሳሙኤል ግን እቶም ህዝቢ ንጉስ ደለዩ ።ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡፭ - እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኩሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ።፮ - ዚፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ።፯ - እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂሉ ቓሎም ስማዕ።1ይ ሳሙኤል8፡4-7። ሸመሎም ድማ። ንሳኦል ድማ ሸመሎም ጓሳ ኣድጊ ዝነበረ ሳኦል ድማ ሸመሎም።
ንእግዚኣብሔር ዘይግዛእን ንዝበለ ህዝቢ ከም ሳኦል ዝበለ ጓሳ የእዱግ ይገዝኦ።መግዛእቲ ኣምላኽ ዘይደለየ ወይ ዘይደሊ ህዝቢ ኣእዱግ ዝሕሉ ጓሳ መጺኡ ኣብ ልዕሊኡ ይነግስ።ዘገርም ነገር ንኣምላኽ ኣይንግዛእን ብምባልና ክንደይ ሓለውቲ ኣእዱግ ኮን ኢዮም ዝገዝኡናን ዝረግጹናን ዘለዉ።እስከ መግዛእቲ ኣምላኽ ንድለ።ንኣምላኽ ንስኻ ኣብ ልዕለና ኣይትነግስ ኢኻ እስከ ኣይንበሎ።ተዘይኮነ ግን ብዛዕባ ንግስነት ተመክሮ ዘይብሉ ሓላዊ እእዱግ ንጉስና ኽኸውን።ንሕናን ብዘላ ቤትናን ድማ ባረቱ ክንከውን ኢና።
መንግስቲ ሳኦል ን ኣምላኽ ዘይተኽብር መንግስቲ ምስ ኮነት ድማ  መንግስቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ዳዊት ተዋህበት፡ እቲ ከም ሳኦል ዝበለ ርጉምን ን ኣምላኽ ዘየኽብር ንጉስ ንግስነቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ትወሃብ።መንግስቲ ዳዊት ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ነበረት ኣምላኽ ን ኣቦና ዳዊት  ን መንግስትኻ ካባኻ ንዝውለድ ወድኻ ክህቦ እየ ዝበሎ ንግዝይኡ ን ወዱ ሰለሙን ክኸውን ከሎ ፍጻመ ግን ጎይታና ካብኡ ከም ዝውለድ ቃል ኣትዩሉ ንዝነበር ጎይታ እዩ ዝነበረ።ገብርኤል መልኣኽ ብስራታዊ እውን ነዚ እዩ ዝተዛረበ (ሉቃ1፡33)።ካብ ናብ ብስዉር ትመሓላለፍ ዝነበረት ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ  ብ ወዲ ኣምላኽ ምውላድ ስለ ተገልጸት ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስቲ ኢሎም ዘመሩ።
 ኣብዚ ግዜ እዚ መሲሕ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጸ መላእ ከተማ ብኹላ<<እዚ መን እዩ??>> ኢላ ተናወጸት።ህዝቢ እዚ ካብ ገሊላ ዝመጸ ነብይ ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ኢዩ በሉ። ሽዑ ድማ እዩ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ናይ ንግዲ መእከል ንዝተቀየረ ቤተ መቅደስ እዚ ቤት ጾሎት እዩ ቤተ ንግዲ ኣይኮነን ኢሉ ብግልጺ ዝገሰጾምን ዝተቃወሞምን ዝጎሓፎምን።ሎሚ ነዚ ታሪኽ እዚ ክንዝክር ከለና እዛ ንነብረላ ዘለና ቤት መቅደስከ ካብ ዘበን ንጉስ ዘርዓ ያዕቆብ ክሳዕ ህጂ ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ ምሕሳብ ከድልየና ኢዩ።ኣብ መቅደስ እንታይ ኮን ኢዩ ነጊሱ ዘሎ??።እዛ ናይ ኣምላኽ  ቤተከ ናብ እንታይ ተቀይራ ኣላ ኢልና ምሕሳብ ከድልየና እዩ።
ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ተትዛረቡስ ኣይምተኾንኩምን ነርኩም ከም ዝበለና።(2ይቆሮ13፡5) ሎሚ ብዛዕባ ኣብ ካልእ እምነታት ዘሎ ጉድለት ካብ ንጽብጽብን ካብ ብዛዕባ ካልኦት ካብ ንዛረብን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያናኸ ናብ ምንታይ እንዳ ተቀየረት ኢያ ትኸይድ ዘላ።ከነስተውዕልን ውሽጥና ክንፍትሽን ምኽንያት ምብቲታናን ምድካምናን ምፍራስ ዕርዲታትናን ምዝማት ምርኮናን እንታይ ኢዩ ኢልና፡ካብ ስምዒታዊ ኣኽራሪ ኦርቶዶክሳውነት  ናብ ፍጹም ሓቀኛ ርዱእ ክርስቲያናዊ  ኦርቶዶክሳውነት ብምስትውዓል ክንዓቢ ይግብኣና ኢዩ።ንሕና ኣበይ ኣለና ትምህርቲ ናይ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያንከ እንታይ ይብል ኣሎ??።ብሓቂዶ ኣብቲ ቀዳሞት ናይ ኣቦታት ቤተክርስቲያን ዝመስረቱዎን ዝሓንጸጹዎን ኣለና ኢና??።ናበይ ኢና ንጸድፍ ዘለና፡መዝሙርና ስብከትና ብዘሎ መገዲና ዓይኒና ከፊትና ኣበይ ኣለና ክንርኢ ኣለና።
ሓቂ ክንዛረብ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን መናፍቅን ጠባርን ዝኸብረላ፡ሓቀኛን ሰባኺ ወንጌልን ዝሓስረላን ዝስጎጎላን ዝዋረደላን።ቃል ኣምላኽ ዕሽሽ ተባሂሉ ሓሳብ ሰብ ዝነግሰላ ኮይና ኣላ።ሓሳውን መፍቀሪ ረብሓን ዝኸብረላ፡ልኡም ክርስቲያናዊ ወንጌላዊ ዝዕዘመላን ዝእሰረላን።ሓሶት ዝነግሰላ ሓቂ ዝቅበረላ።ቃል ኣምላኽ ተገዲፉ ቃል ንጉስ ዝኸብረላ፡ኣምልኾ ተገዲፉ ስርዓተ ኣምልኾ ዝኸብረላ፡ካራ ዘይኮነስ ሰፈር ካራ ኢዩ ዘድልየ ተባሂሉ ዝምጎተላ፡ሓቀኛታት ሰበኽቲ ወንጌል ስሞም ዝጽልሙላን ዝጽረፉላን ተቀይራ ኣላ።ቅዱስ ፓትሪያርክ ተሓይሩ ብተወገዙ ሰባት ሓቂ ዝዕበጠላ ኮይና ኣላ።ነዚ ኢና እንበኣር ከም ጎይታና ክንድንኩል ክንለዓል ዘለና።
ሎሚ ብዛዕባ ካብ እምነትና ወጻኢ ዝኾኑ ክንምድር ግዜ ዘባኸናዮ ዘኽሰረና ብምርዳእ፡ከምኡ እውን ንኻልኦት ክንወቅስ ካብ እነንቅድ ብ መጀመርታ ቤትና ከመይ ኣላ ኢልና ቀው ኢልና ምዕዛብ ከድልየና እዩ??።(1ይቆሮ5፡12) ጉዳይ ቤተ መቅደስ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘሓበሻ ኣበይ ኣሎ??ከመይ ኣሎ??።፡ቤተ ክርስትያን ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ፡ናብ ቤተ ምክፊፋል ፡ናብ ቤተ ኮሬነላት፡ ናብ ቤተ ነገስታት ፡ናብ ቤተ ፖሎቲካ፡ ናብ ቤተ ኣጻላላም፡ናብ ቤተ ንግዲ ሎሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዝመጽእሲ ምስ ኣዮናት ኮን ምረኸበና ምስቶም ቤተ ክርስትያን እንዳ ተሓመሰት ከላ ጽቡቅ ኣላ ኢሎም ዝኸዱ ዘለዉዶ ምስቶም ኣብ ውሽጣ ኣትዮም ዝነግዱ ወይሲ ምስቶም ዘናግዱ።ከምቶ ኣብ ግዝይኡ ዝጎሓፎም ዶኾን ምጎሓፈና ነይሩ።ንሶም እኮ ጽቡቅ ኣለና ኢዮም ዝብሉ ዝነበሩ ምስትውዓል ስለ ዘይነበረም።ግንከ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽስ ናብ ቤተ ንግዲ ደኣ ን ቤት ኣምላኽ ቀይሮሞ ነበሩ።
ትዘገርም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ገሊኦም ተጸሊሉ እዩ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ ስለምንታይሲ እቲ ንግዲ ኣብ ቤተ መቅደስ እቲ ዘጸይፍ ንዕኦም ከምኡ ኢሉ ስለ ዝጸንሖም ለሚዶሞ ሓድሽ መሲሉ ኣይርኣዮምን ኢዩ ነበረ።ሓድሽ ንዕኦም እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰርሖ ነበረ ጥራሕ እዩ ዝነበረ።ሎሚ እንበኣር ከምቲ ንሱ ቤተይሲ ቤት ጾሎት ትበሃል ንስኹም ግን ቤተ ንግዲ ገበርኩማ ዝበሎም። ተዓጢቅና፡እዚ ቤት ጸሎት ደኣ እንበር ቤተ ንግዲ ኣይትግበሩዎ።እዚ ብስራት ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሰረሉ ደኣ እንበር ቤት ካልእ ኣይትግበሩዎ ንበሎም።
ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ሓያል ተዋፋይነት ከድሊየና ኢዩ።ነፍስና ቀቢጽና ግን ንበገስ ፡ዝድንኮል ክንድንኩል ቤት ክርስቲያን ክርስቶስ ጥራሕ ዝኸብረሉን ዝውደሰሉን ደኣ ክኸውን ኣለዎ።ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ዝነግሰሉ ደኣ ክኸውን ኣለዎም።ንሶም እኳ ነቲ ጥንታዊ መገዲ ብዘይም ፍላጦም እንታይ ነይሩ ከመይ ኢዩ ነይሩ ክሳዕ ዝበጽሕዎን ዝምርምርዎን ከምቲ ጎይታ ነቶም ህዝቢ ከውጽኦም ከሎ ዝሓደሾም ኣብ ግዜና ኸኣ ነቲ ዘይነበረን ዘይግቡእን ነገር ሎሚዶሞን ኣብኡ ድማ ስለ ዝጸንሖምን ተሓደሶም፡ ምስ በጽሕዎን ንድሕሪት ተመሊሶም እቲ ጥንታዊ መገዲ ምስ ተመልከቱን ምስ ተዓዘቡን ግን ተነሲሖም ኣሰርና ክስዕቡ ኢዮም።ስለዚ ንኹሉ ን ኣምላኽ ዘየኽብርን ካብ ኣምላኽ ዘርሕቅን ካብ ቤት ኣምልኾና ከነርሕቅ ከም ጎይታ ከነልዕል የድልየና ኣሎ። ይቅጽል ናብ 2ይ ክፋል,,,,,,
                 ምንጪ ፡-http://etiqalsgakone.blogspot.it/2013/04/1-8.html
haymanoteabow@gmail.com

መንግስቲ ኤርትራ ጋና ኣብ ቤተ ክርስቲያናት ጦብሎቅ እንዳበለ ኣብያተ ክርስቲያናት ክለምሳን ግዙኣቱን መሳርሒታቱን ክኾና ዝገብሮ እኩይ ስራሕ ይቅጽሎ ኣሎ።



መንግስቲ ኤርትራ ጋና ኣብ ቤተ ክርስቲያናት ጦብሎቅ እንዳበለ ኣብያተ ክርስቲያናት ክለምሳን ግዙኣቱን መሳርሒታቱን ክኾና ዝገብሮ እኩይ ስራሕ ይቅጽሎ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ናይ ቀደም ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊ ክርስቲና ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ጽልእን ተንኮልን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንድከፍአን እንዳ ሳዕረረን ይመጽእ ኣሎ።
ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ዘበነ ገድሊ ን ስርዓት ደርግ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ የእቱ ኣሎ ኢሉ ይምካሕ ከምዘይነበረ ንባዕሉ ግን እቲ ሕቡእ ኮሚኒስታዊ ኣጀንዳኡ በጨቅ ክብል ጀሚሩ ኣሎ።እዚ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ እንዳ ኣተወ ንህዝቢ ክኸፋፍልን እሙናት ሃይማኖታውያንን ካህናትን ተመሲሎም ዝሰርሑ ማሕዮታት ከዋፍርን ንተቃወሙዎን ብልሕ ንዝበሉን ድማ ሽሞም ክጽለም ብምግባር ካብ ቅጽሪ ቤተ ክርስቲያን ክርሕቁ ብምግባር ብናህሪ ክሰርሕ ይርአ ኣሎ።20 ዓመታት ናጽነት 20 ዘይወጽእ ጥፍኣትን ምፍሊላይን ሓዘንን ንድሕሪት ምምላስን ዕንወትን ን ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢዩ ነይሩ።ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ን ኦርቶዶክስ 'ታይ ገበረላ ተልና እንበኣር ብዘይካ ምብቲታን ዋላ ሓደ ዝብል መልሲ ኢዩ ቅጅል ዝብለካ።

እዞም ካብ በረኻ ኣትሒዞም ኦርቶዶክስ ልዑላውነት ኤርትራ ኣይትኣምንን ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ኢያ ትኣምን ኢሎም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጻዕዳ ሓንጎሎም ተንኮል ዘይብሎም ዋላ ሓንቲ ርዲኢት ዘይነበሮም ዓሻውል መንእሰይ ኤርትራ ክፉእ ፖሎቲካ ዘሪኦም ዝመጹ ኮሚንስታውያን እቲ ብዛዕባ ኦርቶዶክስ ዘውርዩዎን ዝነዝሑዎን ዝነበሩ እኩይ ወረ ነዚ ህጂ ዝገብሩዎ ዘለዉ መታን ክገብሩ ሰብ ዕሽሽ ኢሉ ክርእዮም ኢሎም ኢዮም።
ኦርቶዶክስ ኣሸሓት ደቃ እንዳሀበት ኣብ ዓይኒ ፖሎቲከኛትት ኤርትራ ግን ከኒሻ ከም ተቃለስቲ ገርካ ናይ ሓደ ሰብ ወልድኣብ ወልደማሪያም ታሪኽ ኢዩ ኣብታ ሃገር ረክላም ክኸውን ዝርአ።እንሆ ድማ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ መግዛእቲ የእትዮማ።ዝለዓለ መራሒ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተኸታሊ ከኒሻ ኢየ ዝብል ናይ ኮሚንስቲ ስነ ሓሳብ ዝኽተል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢዩ።ንሱ ካብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነግስ ድማ እንሆ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ ተመቂላ ሊቃውንታ ኣብ ገዛ ደስኪሎም ገሊኦም ድማ ብዊዲታቱ ሞይቶምን ተኣሲሮምን ይርከቡ።
ናይ ሎሚ ክንዛረበሉ ኢልና ዘለና ረድዮ ኣሰና ዝጸብጸበቶ ብዛዕባ ኣብ ስታባንገርን ዝግበር ዘሎ ሽርሕታት ኢዩ።ኣብ ዝሓለፈ ረድዮ ኣሰና መንግስተ ኤርትራ ብ ኮራኹሩ ገይሩ ሽርሕታት ይገብር ከም ዘሎ ጸብጺባ ነይራ።እንሆ ድማ ነቶም ጸብጻብ ይገበረልና ዝበሉ ተቃወምቲ ኢዮም።ሃገራውያን ኣይኮኑን እናበለ ብምጽላም ድላዩ ክዕንድር ድሕሪ ምጽናሕ።ኣብ ስታVኣንገር ዝጀመሮ ካብ ጸብጻብ ንምድሓን ካብ ናይ ኦስሎ ብዘይፍለ ናብ ምፍሻል ገጹ ስለ ዝከደ።ምስ ፍሽለት ዕደት ወዲ ገራህቱ ኣብ ስታቫንገርን በርገንን ኾራኩር ህግደፍ ድፋዖም ይፈርስ ከም ዘሎ ክርድኦም ኪኢሉ ኢዩ።
ህጂ ነቲ ህዝቢ ንምብቲታን ነቲ ቤተ ክርስቲያን ንሞጻውን ዝግበር ዘሎ ዊዲት ድማ”ቤተ ክርስቲያን ስታVኣንገር ኮጾ ኣለዎ ዝብል ዉዲት ኢዩ።ብንያም ኣሽመላሽ ዝተባህለ ልዑኽ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ንምእመናን ብዛዕባ ጸብጻብ ንኸይሓቱ ክዓግቶም ፈቲኑ ምስ ኣበዪ ምዃን፡ብዓቅሊ ጽበት ን ኣገልጋሊ ናብቲ ደብሪ ሰብ ከይቅልቀል ኣፈራሪሑ።ንሶም እንድሕሪ ዘይ መጺኦም ቤተ ክርስቲያን መታን ክዕጾ ኢዩ።
ህዝቢ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ይተዓጾ ንዝብል ክሳዕ ህይወቱ ብምውፋይ ደው ክብል ይግባእ።ግብጻውያን ስለ ሃይማኖቶም ደሞም የፍሲሱ ኣለዉ።ኣብ ዓዲ ወጻኢ ኮፍ ኢልካ ስለ ሃይማኖትካ ሰብ ከይተንከፈካ ኣይቶጾን ኢልካ ቅድመ ቤተ ክርስቲያንካ ምቅራብ ደኣ ታይ ኢዩ ዘፍርሕ።እንበኣር ነዚ ናይ ሰጣን ተግባር ምዕጻው ቤተ ክርስቲያን ህዝቢ ኣሜን ኢሉ ክቅበል ኣይግብኦን።
ነዞም ክስቶ ከምዚ ኢዩ ክስቶ እባ ከምዚ እንዳበሉ ስም ሰብ እንዳ ኣጸለሙ ሃይማኖት ንምፍራስ ዝተላእኩ ክንነቅሓሎምን ከነፍሽሎምን ኣለና።
                      ሃይማኖተ ኣቦው።
                                   ምንጪ ሬድዮ ኣሴና
http://assenna.com/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8C%8D%E1%8B%B0%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%8C%A0%E1%89%A5%E1%88%88%E1%89%95%E1%88%8E%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5/
                 haymanoteabow@gmail.com

Egypt’s Pope says Islamist rulers neglect Copts April 26, 2013 Egypt’s Christians feel sidelined, ignored and neglected by Muslim Brotherhood-led authorities, who proffer assurances but have taken little or no action to protect them from violence, Coptic Pope Tawadros II said. In his first interview since emerging from seclusion after eight people were killed in sectarian violence between Muslims and Christians this month, the pope called official accounts of clashes at Cairo’s Coptic cathedral on April 7 “a pack of lies”. He also voiced dismay at attempts by President Mohamed Mursi’s Islamist allies to purge thousands of judges appointed under ousted President Hosni Mubarak, saying the judiciary was a pillar of Egyptian society and should not be touched. “There is a sense of marginalization and rejection, which we can call social isolation,” the pope told Reuters on Thursday of the feelings of Christians, who he said make up at least 15 percent of Egypt’s 84 million people. Most Egyptians are Sunni Muslims. Attacks on churches and sectarian tensions increased significantly after the rise of Islamists to power following the 2011 uprising that overthrew Mubarak, even though Christians had demonstrated alongside Muslims for his removal. Asked about the government’s response to this month’s attacks, he said: “It made a bad judgment and it was negligent… I would have expected better security for the place and the people.” Mursi and his ministers tried to mend fences with the 60-year-old Coptic pontiff after the April 5 clashes in the town of El Khusus, north of Cairo, in which four Christians and one Muslim were killed. Sectarian violence spread to the capital’s sprawling St Mark’s Cathedral, the pope’s headquarters, after the funerals. “Sometimes we get nice feelings from officials, but such feelings require actions, and the actions are slow, and maybe little, and sometimes don’t exist at all,” the pope said. Riot police appeared to stand aside during what was the first attack on the seat of Christianity in Egypt in more than 1,400 years, although Coptic churches and community centers have suffered periodic violence for years. EMIGRATION OUT OF FEAR The pope said he was concerned by signs that some Copts were emigrating “because they are fearing the new regime”. Others were going abroad to study, seek work or join family, he said. In a concerted drive, the interior minister paid a condolence call on Tawadros on Wednesday and the ministers of information and tourism visited him on Thursday for a meeting televised on state media. But the pope said that beyond promises to investigate the incidents and bring the perpetrators to justice, nothing practical had been done to improve the lot of Copts. “After the last incidents, we gained some promises from the authorities and the government, from some ministers, but till now there is nothing new,” he said. Christians have long complained of discrimination in employment and treatment by the authorities and called for changes in laws to make it as easy to build or renovate churches as it is for mosques. “Christians’ problems and hardships have two sides, a religious side and a civilian one. The religious side involves two main issues: building churches and land,” the pope said. “I expect the government to facilitate and solve the chronic problems… For example, the building of a new church takes more than 15-16 years to get permission.” SCATHING The black-robed pontiff, carrying a white-tipped staff and a Coptic cross in his hand, was particularly scathing about an account of the cathedral violence posted on the Facebook page of Mursi’s national security adviser, Essam Haddad. “It is 100 percent rejected,” Tawadros said. “This statement was in English, directed to the U.S. State Department, and was sent with a CD to explain their position and to cover up, but this statement is a pack of lies. It did not tell the truth.” Haddad’s office said Christians had instigated the clashes by vandalizing cars outside the cathedral during the funeral procession, and that firearms and petrol bombs had been used from inside the church compound, provoking the security forces. A Reuters witness saw at least two people carrying guns and petrol bombs on the roof of the cathedral that day, but the pope said mourners had merely been reacting to an assault. “They did not come to make violence, they came for a funeral, and when they came out of the church, they started to be subjected to violence. And hence they acted. There is a difference between action and reaction,” he said. The pope said the church had not even been asked to provide its account of events to government officials. Pope Tawadros, the 118th head of Coptic Orthodox church, was picked on November 5 in a ceremony steeped in the traditions of a community that predates Islam’s arrival in Egypt. He studied pharmacology in Egypt and England and managed a state-owned pharmaceutical factory for a few years before becoming a monk. The 60-year-old pontiff succeeded Pope Shenouda III, who had led Egyptian Christians for four decades, clashing early on with former President Anwar Sadat but enjoying warmer relations with Mubarak, who acted as the Copts’ political protector. By contrast, Mursi has kept his distance, staying away from Tawadros’ inauguration and shunning Coptic Christmas celebrations, to avoid alienating hardline conservative Salafi Islamists who refuse to recognize Christian holidays. He offended Copts by setting the date for parliamentary elections on the Coptic Easter holiday, then admitting when he changed the polling day after Christian protests that he had been aware of the religious festival. During the interview the pope offered an Easter prayer for Mursi, saying: “May God help you to serve in the work you are doing and may the situation in Egypt improve and the bridges of trust between all officials and citizens be strengthened.”




Thursday, 25 April 2013

A Message by Bishop Vahan Hovhanessian,Primate Diocese of the Armenian Orthodox Church in the United Kingdom and the Republic of Ireland and President of the “Council of Oriental Orthodox Churches in the United Kingdom and Ireland”on the Recent Kidnapping of the Syrian Orthodox Metropolitan of Aleppo and the Greek Orthodox Metropolitan of Aleppo and Iskanadrun.

A Message by Bishop Vahan Hovhanessian,Primate Diocese of the Armenian Orthodox Church in the United Kingdom and the Republic of Ireland and President of the “Council of Oriental Orthodox Churches in the United Kingdom and Ireland”on the Recent Kidnapping of the Syrian Orthodox Metropolitan of Aleppo and the Greek Orthodox Metropolitan of Aleppo and Iskanadrun.

.

A Message by Bishop Vahan Hovhanessian,Primate Diocese of the Armenian Orthodox Church in the United Kingdom and the Republic of Ireland and President of the “Council of Oriental Orthodox Churches in the United Kingdom and Ireland”on the Recent Kidnapping of the Syrian Orthodox Metropolitan of Aleppo and the Greek Orthodox Metropolitan of Aleppo and Iskanadrun.
It is with deep sadness and much pain that we received the news of the kidnapping of our two brothers in Christ, the Syrian Orthodox Metropolitan of Aleppo, Mar Gregorios Y. Ibrahim, and the Greek Orthodox Metropolitan of Aleppo and Iskandarun, Bishop Boulos Yazigi
.
The two prominent clergymen were kidnapped on Monday,22 April, 2013 on their way back from the Turkish borders. Since then conflicting reports have circulated about their possible release, but the diocesan offices have confirmed as of today that the Syrian Bishops remain missing and their whereabouts unclear
.
Both clergy are very well known, respected and eminent Christian leaders. Archbishop Boulos is the brother of the newly installed Patriarch of Antioch while Mar Gregorios is a worldwide known proponent of Ecumenism and Interreligious dialogue Such acts of terrorism further destroy the fabric of the community in the Middle East which for centuries has been used to having the adherers of the three monotheistic religions living harmoniously and peacefully with each other. We call on our brothers and sisters of all
peace promoting religions to denounce this act of terrorism and pray for the safety of the kidnapped Bishops.

We ask the leaders of the democratic countries around the world to condemn this act of terrorism and pursue the perpetrators, securing the harmless homecoming of these two clergymen.

The Council of Oriental Orthodox Churches (COOC) in Great Britain and Ireland prays with its sister Syrian Orthodox Church today beseeching our Lord to be with Archbishop Boulos and Mar Gregorios, protecting them from evil and harm and securing their safe return home.

“Remember them that are in bonds, as bound with them; [and] them which suffer adversity, as being yourselves also in the body” (Hebrew 13:3)

+Bishop Vahan Hovhanessian
Kensington, London
25 April 2013

PopeTawadros II celebrates the Holy Week in St. Mark cathedral, then travels to Rome

PopeTawadros II celebrates the Holy Week in St. Mark cathedral, then travels to Rome

Our Father PopeTawadros II celebrates the Holy Week in St. Mark cathedral, then travels to Rome
Pope Tawadros II, Pope of Alexandria and Patriarch of St. Mark See, said during his weekly sermon that he is going to visit the Vatican with a delegation of bishops on May 10, in order to congratulate the Pope of Rome.
He added that a similar visit was paid 40 years ago by His Holiness Pope Shenouda III on May 10, 1973.

Padre nostro PopeTawadros II celebra la Settimana Santa a San Marco cattedrale, poi viaggia a Roma
Papa Tawadros II, Papa di Alessandria e Patriarca della Sede di San Marco, ha detto durante il suo sermone settimanale che sta andando a visitare il Vaticano con una delegazione di vescovi, il 10 maggio, per congratularsi con il Papa di Roma.
Ha aggiunto che una simile visita è stato pagato 40 anni fa da Sua Santità Papa Shenouda III, il 10 maggio 1973.
أبانا PopeTawadros II تحتفل الأسبوع المقدس في كاتدرائية سانت مارك، ثم يسافر إلى روما
وقال البابا تاوضروس الثاني، بابا الإسكندرية وبطريرك الكرازة المرقسية الكرسي، خلال خطبته الأسبوعية انه ذاهب لزيارة الفاتيكان مع وفد من الأساقفة في 10 مايو، وذلك لتهنئة البابا من روما.
وأضاف أن زيارة مماثلة دفعت قبل 40 عاما من قبل قداسة البابا شنودة الثالث في 10 مايو 1973.

http://www.copts-united.com/English/Details.php?I=842&A=9560
haymanoteabow@gmail.com