1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday, 27 April 2013

መንግስቲ ኤርትራ ጋና ኣብ ቤተ ክርስቲያናት ጦብሎቅ እንዳበለ ኣብያተ ክርስቲያናት ክለምሳን ግዙኣቱን መሳርሒታቱን ክኾና ዝገብሮ እኩይ ስራሕ ይቅጽሎ ኣሎ።



መንግስቲ ኤርትራ ጋና ኣብ ቤተ ክርስቲያናት ጦብሎቅ እንዳበለ ኣብያተ ክርስቲያናት ክለምሳን ግዙኣቱን መሳርሒታቱን ክኾና ዝገብሮ እኩይ ስራሕ ይቅጽሎ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ናይ ቀደም ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊ ክርስቲና ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ጽልእን ተንኮልን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንድከፍአን እንዳ ሳዕረረን ይመጽእ ኣሎ።
ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ዘበነ ገድሊ ን ስርዓት ደርግ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ የእቱ ኣሎ ኢሉ ይምካሕ ከምዘይነበረ ንባዕሉ ግን እቲ ሕቡእ ኮሚኒስታዊ ኣጀንዳኡ በጨቅ ክብል ጀሚሩ ኣሎ።እዚ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ እንዳ ኣተወ ንህዝቢ ክኸፋፍልን እሙናት ሃይማኖታውያንን ካህናትን ተመሲሎም ዝሰርሑ ማሕዮታት ከዋፍርን ንተቃወሙዎን ብልሕ ንዝበሉን ድማ ሽሞም ክጽለም ብምግባር ካብ ቅጽሪ ቤተ ክርስቲያን ክርሕቁ ብምግባር ብናህሪ ክሰርሕ ይርአ ኣሎ።20 ዓመታት ናጽነት 20 ዘይወጽእ ጥፍኣትን ምፍሊላይን ሓዘንን ንድሕሪት ምምላስን ዕንወትን ን ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢዩ ነይሩ።ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ን ኦርቶዶክስ 'ታይ ገበረላ ተልና እንበኣር ብዘይካ ምብቲታን ዋላ ሓደ ዝብል መልሲ ኢዩ ቅጅል ዝብለካ።

እዞም ካብ በረኻ ኣትሒዞም ኦርቶዶክስ ልዑላውነት ኤርትራ ኣይትኣምንን ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ኢያ ትኣምን ኢሎም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጻዕዳ ሓንጎሎም ተንኮል ዘይብሎም ዋላ ሓንቲ ርዲኢት ዘይነበሮም ዓሻውል መንእሰይ ኤርትራ ክፉእ ፖሎቲካ ዘሪኦም ዝመጹ ኮሚንስታውያን እቲ ብዛዕባ ኦርቶዶክስ ዘውርዩዎን ዝነዝሑዎን ዝነበሩ እኩይ ወረ ነዚ ህጂ ዝገብሩዎ ዘለዉ መታን ክገብሩ ሰብ ዕሽሽ ኢሉ ክርእዮም ኢሎም ኢዮም።
ኦርቶዶክስ ኣሸሓት ደቃ እንዳሀበት ኣብ ዓይኒ ፖሎቲከኛትት ኤርትራ ግን ከኒሻ ከም ተቃለስቲ ገርካ ናይ ሓደ ሰብ ወልድኣብ ወልደማሪያም ታሪኽ ኢዩ ኣብታ ሃገር ረክላም ክኸውን ዝርአ።እንሆ ድማ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ መግዛእቲ የእትዮማ።ዝለዓለ መራሒ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተኸታሊ ከኒሻ ኢየ ዝብል ናይ ኮሚንስቲ ስነ ሓሳብ ዝኽተል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢዩ።ንሱ ካብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነግስ ድማ እንሆ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ ተመቂላ ሊቃውንታ ኣብ ገዛ ደስኪሎም ገሊኦም ድማ ብዊዲታቱ ሞይቶምን ተኣሲሮምን ይርከቡ።
ናይ ሎሚ ክንዛረበሉ ኢልና ዘለና ረድዮ ኣሰና ዝጸብጸበቶ ብዛዕባ ኣብ ስታባንገርን ዝግበር ዘሎ ሽርሕታት ኢዩ።ኣብ ዝሓለፈ ረድዮ ኣሰና መንግስተ ኤርትራ ብ ኮራኹሩ ገይሩ ሽርሕታት ይገብር ከም ዘሎ ጸብጺባ ነይራ።እንሆ ድማ ነቶም ጸብጻብ ይገበረልና ዝበሉ ተቃወምቲ ኢዮም።ሃገራውያን ኣይኮኑን እናበለ ብምጽላም ድላዩ ክዕንድር ድሕሪ ምጽናሕ።ኣብ ስታVኣንገር ዝጀመሮ ካብ ጸብጻብ ንምድሓን ካብ ናይ ኦስሎ ብዘይፍለ ናብ ምፍሻል ገጹ ስለ ዝከደ።ምስ ፍሽለት ዕደት ወዲ ገራህቱ ኣብ ስታቫንገርን በርገንን ኾራኩር ህግደፍ ድፋዖም ይፈርስ ከም ዘሎ ክርድኦም ኪኢሉ ኢዩ።
ህጂ ነቲ ህዝቢ ንምብቲታን ነቲ ቤተ ክርስቲያን ንሞጻውን ዝግበር ዘሎ ዊዲት ድማ”ቤተ ክርስቲያን ስታVኣንገር ኮጾ ኣለዎ ዝብል ዉዲት ኢዩ።ብንያም ኣሽመላሽ ዝተባህለ ልዑኽ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ንምእመናን ብዛዕባ ጸብጻብ ንኸይሓቱ ክዓግቶም ፈቲኑ ምስ ኣበዪ ምዃን፡ብዓቅሊ ጽበት ን ኣገልጋሊ ናብቲ ደብሪ ሰብ ከይቅልቀል ኣፈራሪሑ።ንሶም እንድሕሪ ዘይ መጺኦም ቤተ ክርስቲያን መታን ክዕጾ ኢዩ።
ህዝቢ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ይተዓጾ ንዝብል ክሳዕ ህይወቱ ብምውፋይ ደው ክብል ይግባእ።ግብጻውያን ስለ ሃይማኖቶም ደሞም የፍሲሱ ኣለዉ።ኣብ ዓዲ ወጻኢ ኮፍ ኢልካ ስለ ሃይማኖትካ ሰብ ከይተንከፈካ ኣይቶጾን ኢልካ ቅድመ ቤተ ክርስቲያንካ ምቅራብ ደኣ ታይ ኢዩ ዘፍርሕ።እንበኣር ነዚ ናይ ሰጣን ተግባር ምዕጻው ቤተ ክርስቲያን ህዝቢ ኣሜን ኢሉ ክቅበል ኣይግብኦን።
ነዞም ክስቶ ከምዚ ኢዩ ክስቶ እባ ከምዚ እንዳበሉ ስም ሰብ እንዳ ኣጸለሙ ሃይማኖት ንምፍራስ ዝተላእኩ ክንነቅሓሎምን ከነፍሽሎምን ኣለና።
                      ሃይማኖተ ኣቦው።
                                   ምንጪ ሬድዮ ኣሴና
http://assenna.com/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8C%8D%E1%8B%B0%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%8C%A0%E1%89%A5%E1%88%88%E1%89%95%E1%88%8E%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5/
                 haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment