ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብሰንኪ
ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ሓደጋ ኣትያ ከምዘላ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም !።
እታ ንኣስታት 200 ክልተ ሽሕ
ዓመታት ኣብ ምድሪ ኣፍሪቃ ብሰላም ዝነበሬት መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ኣብዚ ዓለምና መሰል እንሲሳታት ይሕልው ኣለኹ ኣብ
ትብለሉ ዘላ እዋን።መሰል ግብጻዊያን ቤተ ክርስቲያንን ህዝባን ግን ኣብ ግብጽን ማእከላይ ምብራቅን ካብ እንሲሳታት ንታሕቲ ኮይኑ
ኣሎ።
chiristians in Egypt ! |
እዚ ኣዝዩ ንሰማዒኡ ዘሕዝን ኣብ
ልዕሊ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ህዝባን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ።ሃገራት ምዕራብ ሪአን ከም ዘይርኣያ ሰሚዐን ከም ዘይሰመዓ
ምዃነን ንብዙሓት ሓቅን ፍትሕን ኣብዛ ዓለም ክርእዩ ዝምነዩ ደንጽዩዎም ኣሎ።
ኣብ ግብጺ ኣስታት 58 ኣብየተ
ክርስቲያን ተቃጺለን ኣለዋ።ኣማኢት ክርስቲያናት ኣባይቶም ተቃጺሉን ተቀቲሎምን ንግዳዊ ቲካላቶም ብሓዊ ሓሪሩ፡ብዙሓት ደቂ ኣንስቲዮ
መጻወቲ ሰዓብቲ ምስልሚና ኮይነን ኣለዋ።ብዙሓት ይጭወዩን ኣብ ዝኣተዉው ኣይተፈልጡን፡ካብኦም ካህናትን ድያቆናትን ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ይርከቡዎም።
እዚ ኮይኑ እንዳ ሃለወ እቲ ሓቂ ግን ማዕከናት ዜና ምዕራብ ነቶም ብሕጊ መሰሎም ክንዲ ዝሓቱ ኣብ ስራሕ ሽበራ ተዋፊሮም ዘለዉ ፡ሰዓብቲv(muslim Brother) ሙስሊም ብራዘር ደገፍቲ ሞርሲ ዝረኽብዎ ዘለዉ የዋዓዉዓ ኣለዋ።
እዚ ኮይኑ እንዳ ሃለወ እቲ ሓቂ ግን ማዕከናት ዜና ምዕራብ ነቶም ብሕጊ መሰሎም ክንዲ ዝሓቱ ኣብ ስራሕ ሽበራ ተዋፊሮም ዘለዉ ፡ሰዓብቲv(muslim Brother) ሙስሊም ብራዘር ደገፍቲ ሞርሲ ዝረኽብዎ ዘለዉ የዋዓዉዓ ኣለዋ።
እዚ ኣዝዩ ኣሰካፍን ን ምሉእ ዞባና
ዝትንክፍን ፍጻመ።ዓርኪ ኣሕዋት ኣስላም ዝኾነት ኣመሪካ እኳ ገለ ገለ ሰባት ሃይማኖታዊ መልክዕ ከትሕዝዎ ይፍትኑ ኣለዉ ተበለት።ዝኸደሉ
ኣንፈት ግን ልክዕ ሃይማኖታዊ መልክዕ ኢዩ።
ኣልቃዒዳ ፖፕ ታዎድሮስ ን ግብጺ
ናብ ክርስቲና ክቅይራ ይፍትን ኣሎ ክብል ከሲሱ ኣሎ።ወሲኹ እውን ን ፖፕ ታዎድሮስ ኣብ ኣስማት እቶም ዝቅንጸሉ ዝብሎም ሊስት ኣእትዩዎም
ይርከብ።
ስለምንታይ ግን ሞስሊም ብራዘርስ ፖሎቲካዊ ሽግር ተሃሊይዎም ናብ ቤተ ክርስቲያን ምቅጻል ኣትዮም ዝብል ሕቶ??፡ዝሓቶ ሲኢኑ ዘሎ ሕቶ ኢዩ። ፖፕ ታዎድሮስ ሞርሲ ክወርድ ከሎ ነይሮም ኢዮም።መራሒ መስጊድ ኣልኣህዛር እውን ነይሮም ኢዮም።ታይ ደኣ ኮይኖም ን መስጊድ ኣልኣህዛር ዘይወቅዕዎ ፖሎቲካዊ ጸገም ተዝህልዎም።
እዚ ግም ኮነይ ኢልካ ነቲ ዝተረኽበ ከም መረበሺ ከም መልዓሊ ነገር ወሲድካ ን ቤተ ክርስቲያን ካብ ማእከላይ ምብራቅ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ ኣዕናውን ሰጣናውን ጉዕዞ ጥራሕ ኢዩ።እዚ ድማ ኣብ 2012 ዓ/ም ኣል ጀምዓ ኣል ኢስላሚያ ዝተባህለ ሽብርተኛ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቦምብ ኣብ ዝገበረሉ ክርስቲያን ኣብ ዝቀተለሉን ግዜ "ካብ ፡ግብጺ ጀሚርና ክሳዕ ኢትዮጲያ ናብ ምስልሚና ክንቅይረን ኢና ፡ኢትዮጵያ ንዓና ቁርስና ኢያ "ክብል መዲሩዎ ዝነበረ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኢዩ ዝመስል ኣበጋግስኦም።

ክሳዕ ህጂ ጥራሕ ኣብ ግብጺ ልዕሊ
3 ዝኾና ኣብያተ ክርስቲያናት ናብ መስጊድ ቀይሮመን ኣለዉ ደገፍቲ ሞርሲ። በዚ ከይኣክል ድማ ደገፍቲ ፕረሲደንት ግብጺ ነበር ሞርሲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት
ተኻታታልን ዘየቋርጽን መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ተጸሚዶም ይርከቡ።
ብፍላይ ድማ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከም ዝብልዎን ከም ዝጽብጽብዎን ዘለዉ።ኣብ በዲልጋ፡ሚና፡ሶሃግ፡ ዝርከቡ ክርስቲያናት ንመጥቃዕቲ ቃልዕ ኮይኖም ኣለዉ።
ብፍላይ ድማ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከም ዝብልዎን ከም ዝጽብጽብዎን ዘለዉ።ኣብ በዲልጋ፡ሚና፡ሶሃግ፡ ዝርከቡ ክርስቲያናት ንመጥቃዕቲ ቃልዕ ኮይኖም ኣለዉ።
ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚና ቤተ
ክርስቲያን ቅድስቲ ማርያምን ናይ ኣብርሃም ኣብያተ ክርስቲያናትን ብ ሓዊ ፍጹም ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን ኣለዋ።ተቃጻሊ ቦምብ ናብ
ናይ ሶሃግ ቤተ ክርስቲያን ክድርብዩ ይርኣዩ ደገፍቲ ሞርሲ።
ካብ ከተማ ካይሮ ዝመጹ ሓደሽቲ
ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ኣብ ግብጺ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዙሓት መጥቃዕቲ ይወርደን ኣብ ርእሲ ምህላዉ ብዙሓት ክርስቲያናት
እውን ሚማቶም ጭብጥታት የረድኡ።
ብ ተወሳኺ እውን ናይ ኮፕቲክ ፖፕ
ታዎድሮስ 2ይ ፓትሪያርክ ን መጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኽ ግብጻዊት ቤተ
ክርስቲያን ካብ መንበረ ማርቆስ ካብ ካቴድራል ቅዱስ ማርቆስ ክወጹ ተገዲዶም ከም ዘለዉ ፡ምንጭታት ይሕብሩ !።
ኣልጀዚራ ከም ዝጸብጸበቶ፡-
ሊቢያዊ ታማር ረሻድ ዝተባህለ ተቃዋሚ፡”ን ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ጽቡቅ ዜና ክነግሮ ደልየ ኣለኹ፡ኣብ መሬት ግብጺ ኣብየተ ክርስቲያናት ዘይነብሩሉ ግዜ ኣኺሉ ኢዩ“ክብል ተሰሚዑ ኣሎ።
ሊቢያዊ ታማር ረሻድ ዝተባህለ ተቃዋሚ፡”ን ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ጽቡቅ ዜና ክነግሮ ደልየ ኣለኹ፡ኣብ መሬት ግብጺ ኣብየተ ክርስቲያናት ዘይነብሩሉ ግዜ ኣኺሉ ኢዩ“ክብል ተሰሚዑ ኣሎ።
ከምኡ እውን ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት
ግብጺ ኣብ ልዕለአን ናይ ኣልቃዒዳ ኣርማ ባንደራ ተሰቂሉወን መስቀለን ለጊሱ ከም ዝረኣያ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር
እንዳ ተገብረ ግን ናይ ምዕራብ ማዕከናት ዜና ህዝቢ ዓለም ከይፈልጦ ናይ ሞርሲ ጉዳይ ጥራሕ ከዋዓዉዓ ምፍታነን ፡ዓለም ብሕብረት
ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ተላዒላ ከም ዘላ ዘግህድ ኢዩ ይብሉ ብዙሓት ኣመንቲ
ኣመሪካ እውን ተኾነት ኣብ ጎድኒ
እቶም ተቃወምቲ ከም ዘላን።ዛጊት ነታ ሃገር ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ 1.5 ቢሎን ዶላር ከም ዘደስከለቶን ተፈሊጡ ኣሎ።
ናይ ኣመሪካ
መራሒ ፕረሲደንት ኦባማ ብ ወገኑ፡ሓንቲ መስጊድ ተቃጺላ ብነድሪ ክዛረብ ከሎ፡ክሳዕ 58 ኣብያተ ክርስቲያናት ተቃጺለን ብዙሓት ክርስቲያናት
እንዳሞቱን ኣጽቂጡ ስቅ ምባሉን።ዘይምኹናኑን ነዚ ከይስማዕን ኣቃልቦ ከይረክብን ክሽፍን ካልእ ኣርእስቲ ኣምጺኡ ምጉዕባዑን ምዝራቡን ንተዓዘብቲ
፡ኣመሪካ ብዘይካ ረብሓ ንመሰል ዉጽዓት ዘይትግደስ ሃገር ምኻኑ ግብልጺ ዝተቃለዐትሉ ወቅቲ ኢዩ ክብሉ ናይ ዓይኒ ተዓዘብቲ ተንቲኖም
ኣለዉ።
ምስራዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ባብላዊ
ተሓቲቱ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተዛረበሉ ግዜ ።”ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ እዞም ጥርኑፋት እስላማውያን ኣላ።ገንዘባ ትጠንጢኖ ጥራሕ ኢዳን እግራን ጥጠርፍ ጉዳይ ግብጻውያን ግብጻውያን ኣለናዮ” ክብል ብምዝራብ
ወሲኹ ድማ “ኣመሪካ ሓደ ቢሎን ኢያ ንግብጺ ትህባ ነይራ። እዚ ግን ምስቲ ካብ ከም እኒ ኮወይትን ኢማራትን ዝኣመሰላ ዝወሃበና ዘሎ ሓገዛት ክነጻጸር
ከሎ ገንዘብ ኣይኮነን ፡ኣሸሓት ቢሎናት ዶላራት ካብ ካልእ ንረክብ ኣለና ።ካብ ኣመሪካ ንደልዮ ኢድካን እግርኻን ምጥርናፍ ጥራሕ
ኢዩ ኢሉ ክዛረብ ከሎ ።ፖፕ ታዎድሮስ ድማ "ጉዳይ ግብጻውያን ግብጻውያን ኣለናዮ ናይ ደገ ኢድኩም ጠርንፉልና "ክብሉ ን ሃገራት ትርኩን ን ቀጠርን ዘለዎም ተቃዉሞ ገሊጾም ኣለዉ።ቀጠርን ቱርኩን ካብተን ደው ኢለን ኣብ ጎድኖም ደው ኢለን ብንዋትን ገንዘብን ብምሕጋዝ ን ሞስሊም ብራዘር ዘሻድንኦም ዘለዋ ሃገራት ኢየን።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቤተ ክርስቲያኑ ይሓሉ ኣሜን!።
haymanoteabow@gmail.com
No comments:
Post a Comment