ቻይና
መወዳእታ ዓለም መጺኡ ኢሎም ንዝተዛረቡ ሰባት ትኣስር ኣላ።
ኮሚስታዊት
ጸረ እምነታት ክርስትና ዝኾነት ቻይና ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ፡ዕለት 21 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡2012 ናይ ዓለም መጨረሽታ
ኢዩ፡ኣዳልዮም ንዝተባህሉ ሰባት ኣስታት (500)ሓሙሽተ ምኢቲ ሰባት ከም ዝኣሰረት ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡በጥንት ዘመን ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝፍለጡ ናይ
የማንያን ካላንደር መሰረት ዝቆጽሩ፡ካብ ሩስያ ክሳዕ ኣመሪካ፡ብብዙሕ ኣሸሓት ዝቁጸሩ፡ ሰባት ኣብዛ ትመጽእ ዘላ ዓርቢ ምጽዓት ዓለም እንዳ ተጸበዩ ኢዮም።
ሃገረ
ቻይና ኣብ ውሽጢ ዘለዉ፡ክርስትያናት ወገናት ን መዓልቲ ምጽኣት ዓለም
ብ ሰፊሕ ዘርጊሖም፡ ንዝበለቶም ኣብ ብዘሎ ክፍለ ግዝኣታ ክትኣስር ጀሚራ ኣላ።ብ ናይ ማያን ኣቋጻጽራ 5,125 ዓመታት ዑደት ክጥቅለል
ከሎ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ፡ናይ ዓለም መጨረስታ ኢልካ ይእመን።
በዚ
መጠንቀቅታ ዝኣምኑ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሰባት፡ኣብ ከባቢ ዙርያ ዓለም ፈንጠዝያኦም እንዳ ኣካየዱ ኢዮም።በዚ ነገር እዚ ዝተባሳጨወት
ቻይና ፡ነዚ ነገር እዚ ኣዳልዮም ንዝበለቶም፡ሰዓብቲ ኦልማይቲ ጎድ
ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒላቶም ኣላ።እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ዝመጽእ ዓርቢ ጀሚሩ ን (3)ን መዓልታት ጸሓይ ኣይትወጽእን፡ናይ
ኤለትሪክ ብርሃን የሎን ብምባሎም ኢያ ፡ኮሚስታዊት ሃገረ ቻይና ኣሲራቶም ዘላ።መንግስቲ ኮሚንስታዊት ሃገር ቻይና ነዚ ካብ ሕጊ
ዝወጸ ፕሮፓጋንዳ ክብል ኮኒንዎ ኣሎ።ብ ተወሳኺ መንግስተ ቻይና ምጽላይን ምእካብን ከም ዘየፍቅድ ገሊጹ ኣሎ።
እዞም
ናይ ማያን ዓለም ፡ተማራመርቲ ስነ ኮኾብ ኢሎም ብዙሓት ሰባት ይትንትኑ፡ሓደ ካብቶም ሰዓብቲ ዝኾኑ ቅድመ ህጂ፡ከም በዓል ይስሓቅ
ራቢል ናይ እስራኤል ቀዳማይ ምኒስተር ክመቱ ከለዉ ከም ዝፈለጡዎ ይትንትን፡ከምኡ እውን ንዝሓለፉ ፡ምንቅጥቃጥ መረታት ከም ዝፈለጡዎ
ብምልክት ገይሩ የረድእ፡
ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰበ ጥበብ ተባሂሎም ተገሊጾም ዘለዉ፡ን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ልደቱ መጺኦም ዕጣንን ከርበን፡ዘበርከትሉ።ካብቶም
ዓሌት ንሶም ኢዮም፡ክብሉ ይትንትኑ።
እዚ
ከምዚ ኢሉ ከሎ፡መርበብ ምርምር ጠፈር ኣመሪካ፡እውን መወዳእታ ዓለም ነዛ መዓልቲ እዚኣ ሰይሙዋ ኣሎ።ማእከል ምርምር ናሳ፡ዝብሎ
ሓብረታ ፡ካብቲ ናይ ማያን ዘረባ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ፡ዓለም ኣብቂዓ ኢያ።ናይ ማያን ዕለት ስለ ተወደአ ዘይኮነስ፡ብዝተረኽበ ሓበሬታ
፡ብምባል ተንቲኑልና ኣሎ።ንሱ ዋላኳ መወዳእታ ናይ ዓለም ነገር ተዘይኮነ፡መወዳእታ ተፈጥሮ ግን ክኸንው ይኽእል ኢዩ፡ድሕሪ ምባል።ትንታነታት ይህብ።
ብኻልእ
ወገን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ፡ ምጽኣት ዓለም ከምዚ ክብል ነቶም ብክርስቶስ እንኣምን።ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣጠንቂቁና ኣሎ።(ማር13፡32)"ስለ
እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡መላእኽቲ ሰማይ እንተ ኾኑ እኳ ወይስ ወዲ ዝፈልጣ የልቦን”ብምባል
ተፈጥሮ ክፈልጣ ከምዘይኽእል ኣረጋጊጹልና ኣሎ።እዚ ኮይኑ እንዳ ሃለወ ግን፡ከም ዘይፈልጡ ጥራሕ ደኣልና ጭብጢ ዘለና እንበር፡ዓርቢ
ከምዘይኮነት ግን ርግጽነት የብልናን።ስለምንታይ ንሕና እውን ክንፈልጣ ስለ ዘይንኽእል።
መጠቃለሊ እንህቦ ነገር ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰብ ኣፍልጦ መታን ክሓድሮ፡ብዛዕባ መጠረሽታ ዓለም
ወስ ክንብል ኢና ከም ፍቃድ ኣምላኽ።ኣምላኽ ንፍቃዱ ዘለሊ ሓይሊ ሂቡ፡ን መንግስቱ ዱልዋት ይግበረና
ሃይማኖተ ኣቦው
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment