1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday, 20 January 2012

መልሲ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን።


  3rd  part መልሲ  ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን።
ብሓቂ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኤጲስ ቆጶሱ ጢመትዎስ ክምዕዶ ከሎ ፡እንተ ደንጎኹ ግን ኣብታ ቤት/ኣምላኽ ማለት  ኣብታ ናይ ሓቅን ዓንድን መሰረትን ዝኾነት  ቤተ/ክርስትያን  ሕያው ኣምላኽ ከመይ ገርና ክንነብር ከም ዝግበኣና  ክትፈልጥ ጽሒፈልካ  ኣለኹ። 1ይጢሞትዎስ315 ከምዝበሎ ቅዱሳን ኣቦታትና ከመይ ገርና ክንነብር ከም ዝግበኣና ጺሒፎምላና ሓሊፎም እዮም ሎሚ ብጎይላን ዳንከራን ዝቅየርን ዝጥምዘዝን የለን። ብሓቂ ድማ  ኣቦታትና ቅዱሳን ኣብ መሠረት ሓዋርያት ዝተመሥረቱ ዝብልዎ ቃል ኪንስዕብ ግዴታ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስና ዚጻረርን፡ ነዞም ቅዱሳን ሓዋርያውያን ኣቦታት ካብ 1 ክሳብ 5 ሚእቲ ዝነበሩ ኣቦታት ዝበልዎ ዚጻረር ድሒሩ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት ከይንቅበል፡ ንእኦም ክንስዕብ ድማ ከምዚ ኪብል ኣዚዙና ኣሎ።

ወንትኣመን በከመ ትምህርተ ኣበው ሓዋርያት፡ ርቱዐነ ሃይማኖት ወኣጽድቆቶሙ ዘንተ ሥርዐተ ሃይማኖት ዘነበበ መንፈስ ቅዱስ በልሣናቲሆሙ ወፈድፋደሰ ንኩን እኁዛነ ወጽኑኣነ በትምህርተ ባስሌዎስ ዐቢይ ኣፈ በረከት ወኣትናቴዎስ ብእሲ ሓዋርያዊ ማኅፈደ ሃይማኖት ወመዝገበ ልቦና ወጎርጎሬዎስ ዘኑሲስ ወዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ወቄርሎስ ጠቢብ እለ መርሑ ወኣጽደቁ ወኣርትዑ ሃይማኖት እንተ ይእቲ በእግዚእነ ክርስቶስ። ሃይ.ኣበ 1037

ሃይማኖቶም ቅኑዕ ዝኾነ ኣቦታትና ሓዋርያት ከም ዝመሃሩና፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ኃዲሩ ከም እተዛረበ ከኣ ነዚ ሃይማኖት እዚ ከም ዘረድኡና ንኣምን።

ብፍላይ ከኣ ኣብ ትምህርቲ ባስሌዎስ ዕቢይን፡ ንሓዋርያት ዝመሰለ ብትምህርቱ ሃይማኖት ዘጽንዐ፡ ዓንዲ ሃይማኖት ዝኾነ ኣትናቴዎስ፡ ሰፊሕ ምስትውዓል ዘለዎ ጎጎርዮስ በዓል ኑሲስን፡ ዮሓንስ ኣፈወርቅን፡ እቲ በሊሕ ቄርሎስን ኣብ ዝመሃርዎ፡ ጸኒዕና ንንበር። ንሃይማኖት ኣቕኒዖም፡ ኣረዲኦም ዝመሃሩናን ዝመርሑናን እዚኣቶም እዮም። ንሳ (ሃይማኖት) ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ እያ። ሃይ.ኣበ 1037 ናበይ ደኣ ባዓል ማሕበር ክስቶ እሞ ድማ ብሕጋ ምእታውን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብዘይ ኣዘዞን ዘየፍቀዶን ቤተ/ክርስትያን ካብ ዓለም ሙሉእ ኦርተደክስ ክትፈልያ፡ነታ ናይ ኤረትራ ድማ ክትደግማ ምድላይሲ በየን መጸ።ዶ ዋላስ ነታ ክፈጥርዎ  ዝደልዩ ሓዳሽ ሃይማኖት ኦርተደክስ ከሪኡና ደልዮም እዮም።ኣይፋል መማህር ዘበን ኣምጸኦም ነዚ ናይ ኣቦታትኩም ቅዱሳን ትምህርቲ ኣሞ ብትዕግሲ ኣስተውዕልዎ ወይ ድማ ብቅዳሴ ምማጻሕፍቲ ድርሳኖም ኣይትገልገሉ፡ እቲ ኣዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ናብ ዘረባ  ቅዱስ ጎርጎርዮስ ፡ተሠገወ እመንፈስ ቅዱስ ወኣኮ ለመንፈስ ቅዱስ ቦቱ ሥጋ ወኢፍጡር ውእቱ፡ በከመ ይሔልዩ ሰብእ ዐላውያን ወከሓድያን፡ ኣላ መንፈስ ቅዱስ ቀደሰ ወኣንጽሓ ሥጋሃ ለማርያም ወረሰያ ድሉተ ለተወክፎ ቃለ ኣብ። ሃማኖተ ኣበው፡ ዘጎርጎሬዎስ ምዕራፍ 3619

ብመንፈስ ቅዱስ ሰብ ኮነ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ሥጋ የብሉን ከምቲ ዓላውያንን ከሓድትን ሰባት ዚሓስብዎ ፍጡር ኣይኮነን።

መንፈስ ቅዱስሲ ንማርያም ደኣ ቀደሳን ኣንጽሓን፡ ቃለ ኣብ ንምቕባል ድማ ብቕዕቲ ገበራ። ኣበው፡ ዘጎርጎሬዎስ ምዕራፍ 3619።ካብ ምንታይ እዩ ቀደሳን ኣንጸሃን ኢሉ ገሊጽዎ ዘሎ፡ ገለ ነገር ዝነጽህሲ ክህሉ ባህርያዊ  እዩ ወይ ድማ እዚ ቅዱስ ኣቦ ሓስዩ ድዩ ኢልዎ።መጽሓፍ ቅዱስሲ ከም ሰጣን ስለ ትጸልእዋ ኢና ከም መርትዖ ከነቅርበልኩም ዘይደለና እንበር ባዕላ ኣደና ቅድስቲ  ድንግል ማርያም እውን ዝበለቶ ተነይሩ፡ኣብ ሉቃስ147-49ማርያም ድማ በለታ፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።እያ ዝበለት መድሓኒየይ እዩ ኢላ መስኪራ ኣመስጊናቶ ድማ መድሓኒኣ ኣይኮነንን ዝብል ሙጉት ደኣ ካበይ መጸ መን መሃረኩም።ቀደሳን ኣንጸሃን ኢልዎ ዘሎ ድማ እቲ ክርስቶስ ክለብሶ ዘለዎ ስጋ ቅዱስ ኣደማዊ ውርሻ ሓቲኣት ማለት ሞት ዘይብሉ ኪኸውን ስለ ዘለዎ ፡ነቲ ካብ ስገኣ ክወስዶ ዘለዎ ስጋ ንምልባስ ግን ካብቲ ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ናጻ ንምግባር ቀደሳን ኣንጸሃን ነቲ ቃል ንምቅባል ድማ ኣብቀዓ።ግእዝ ግዲ ኮይኑ ብዙሕ ኣይተረድኣኹምን ከይኸውን እንበር ነደና ቅድስቲ ድንግል ዘብቀዓስ ባዕሉ ኣምላኽ ደይኮነን ነንብቦ እሞ ቀስ ኢልና ብፍላይ ድማ ህዝቢ ነዚ ዝግበር ዘሎ ምስሕሓብ ብጥብቂ ምዘንዎ። መዓስ እዚ ጥራሕ ናብ ቅዱስ የውሃንስ ኣፈወርቂ እስከ ነስተውዕል

 ወካዕበ ይቤ ዝንቱ እስመ እግዚኣብሔር ፈጠረ ሎቱ መቅደሰ ፀሓየ ጽድቅ ዘውእቱ እግዚኣ ኃይላት ዘኣልቦቱ ሥጋ ቅዱስ ወኢያርስሖ ኣላ ፈድፋደ ኣንጽሖ ወፈጠሮ ቅዱሰ። ሃይ.ኣበው ዮሓንስ ኣፈወርቅ። ምዕ.68 48እንደገና ከምዚ ይብል፡ እግዚኣብሔር ሥጋ ዘይነበሮ ሓቀኛ ፀሓይ ጽድቂ ካብ ቅዱስ ሥጋ ዝተወልደ፡ ንጹህን ቅዱስ ገይሩን ደኣ ሰርሖን እምበር ኣየርከሶን። ሃይ.ኣበው ዮሓንስ ኣፈወርቅ። ምዕ.68 48ወካዕበ ይቤ ዝንቱ ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ በጥንተ ዝንቱ ድርሳን በእንተ ዘነገራ መልኣክ ለድንግል ንጽሕት እንዘ ይብል መንፈስ ቅዱስ የኃድር ላዕሌኪ በንጽሕና ወኃይለ ልዑል ይጼልለኪ በፍስሓ። ያዕቆብ ዘሥሩግ ሃይ.ኣበው 883

እንደገና ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ኣብ ናይ ቅድም ድርሳኑ፡ ብዛዕባ መልኣኽ ንንጽሕት ድንግል ዝተዛረባ ከምዚ ኪብል ተርጒምዎ ኣሎ።መንፈስ ቅዱስ ኣንጺሑ (ብምንጻሕ) ኪኃድረኪ፡ ኃይሊ እቲ ልዑል ብፍስሓ ኬጽልለኪ እዩ። እይ ኢልዋ ነዚኸ ናበይ ኢኹም ክትክሕድዎ ዋላስ ከም ቀደምኩም ሽም ሓቀኛታት መማህራን እናጸለምኩም ኢኹም ክትጋዓዙ መሪጽኩም ዘለኹም። ነደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣንጺሁ ከም ዝሓደራ ኣንጺሑ ክሓድረኪ ኢልዎ ኣሎ።መዓስ እዚ ጥራሕ ኣብናይታ ቅድስቲ ኣደና ፡ቅዳሰ ቅዳሴ ማርያም ተጻሒፉ ዘሎ፡ እስከ ኣንብብዎ ኣስተውዕሉ ድማ ቅዳሴ፡ ወኣናሚሁኒ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣናሚ ማለት ኣላሚ ማለትእዩ።

ቅዱሳን ኣቦታትና ቅዳሴ ማርያም ኪትርጉሙ እንከለዉ፡ እቲ ዝኸፈለ፡ ዘንጽሐ፡ ዘወሓሓደ፡ መንፈስ ቅዱስ እዩ ይብል። ቅዳሴ ኣባ ሕርያቆስ ቅዳሴ ማርያም ትርጉም ከሎ  ዘወሃሃደ ዘንጸሀ ዝኸፈለ መንፈስ ቅዱስ እዩ ይብል ።ሓወይ ኣቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቅሉ፡ሉቃስ 1135

ፈትል ነዊሕ ዘኢይትበተክ እምኣብ ፈጣሬ ሰማያት ወምድር። እምሰማይ ወረድከ በፈቃድከ፡ ማኅፀነ ድንግል ኣግመረከ ንስቲት ወለት ወለቶሙ ለነዳያን ጾረትከ፡ ገሊላዊት ሓቀፈተከ፡ ነፍሳ ቀደስከ ወሥጋሃ ኣንጻሕከ ኣጽናዕካ ወኢደንገጸት ብከ። ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ።

ነስተውዕለላ እስከ ነዛ ቅዱስ ያዕቆብ ዘስሩግ ዝበላ ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረ ካብ ኣብ ዘይተበትከ ነዊሕ ፈትሊ ኢኻ። ብፍቓድካ ካብ ሰማይ ዝወረድካ። ማኅፀን ድንግል ወሰነካ፡ ንእሽቶ ጓል፡ ጓል እቶም ድኻታት ጾረትካ፡ ገሊላዊት ሓቖፈትካ፡ ነፍሳ ቀደስካ ሥጋኣውን ኣንጻሕካ። ኣጽናዕካያ በኣኻ ድማ ኣይሰምበደትን። ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ። እሞኸ ቅዱስ ያዕቆብ ዘስሩግዶ ተጋግዩ ንስኹም ንመን ንእመን መጻሕፍቲ ቅዱሳን እኳዩ ዝዋጋኩም ዘሎ ናበይ እሞ ክትሓልፉ ኢኹም።ሓደሽቲ መማህራን ኣብ ኢትዮጵያ ወዮ ደኣ ስለ ሓድነት ስቅ ክንብል እንበር ብዙሕ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ካብ ትምህሩስ ካብ ግዜ ደርግ ክሳዕ ህጂ ነዊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ።ናብ ትምህርትና ንመለስ ናብ ኤረትራዊ ሊቅ ኣባ ጳውሊ፡ ቀደም እዩ ፡ኣብ መበል 14 .ዘመን ኣብ ሃገርና ኣብ መንጎ ናይ ካቶሊክን ኦርቶዶሳውያን ኣቦታትን ዝተገብረ ክርክር። እቶም ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ብብሕትውናን ቅድስናን ዚፍለጡ ሊቅ ኣባ ጳውሊ ዚሃብዎ መልሲ፡ንቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ከብሥራ እንከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኪመጽእ እዩ፡ ኃይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፡ እቲ ካባኺ ዚውለድ ድማ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪበሃል እዩ ዝበሎ፡ ቃል ክትርጉሙ እንከለዉ፡ ሠለስቲኦም ኣካላት ኣብ ማኅፀን ድንግል ዝኃደሩሉ ኣብ ለኣጽንዖ፡ ወልድ ለለቢሰ ሥጋ፡ መንፈስ ቅዱስ ለኣንጽሖ፡ ደኣ እምበር ሠለስቲኦም ሥጋ ንምልባስ ኣይምሰልካ።ይብሉ መድሎተ ኣሚን።እሞኸ መጽሓፍ መድሎተ ኣሚን፡እስከ ገንጽልዋ በቲ ሓደ ወገንሲ እቲ ዘይምንባብን ፍልሖ መጻሕፍቲ ክትኾኑ ዘይምኽኣልኩምን እዩ። ኣብዚ ክትወድቁ ገርኩም ዘሎ።ቅዱስ ኣባ ጳውሊ ሥላሴ  ናብ ከርሲ ኣደና ማርያም  ኣብ ንኸጽንዓ ወልድ ስጋ ንኽለብስ መንፈስ ቅዱስ ድም ከንጸሃ ደኣ እንበር ሰለስቲኦም ኣካላት ሥላሴ ሥጋ ንምልባሲ ኣይኮኑን ኢሎም ንስኹምከ ሰለስተ ኣካላት ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እንታይ ኪገብሩ ኣትዮም ትብሉና?።ክንሰምዓኩም ብሃቂ ምእማን እኳ ኣይትኣምኑን ማለት ናይ መካሓድቲ ባህሪ ስለዘይኮነ ድማ ግን ኣብዚ ኩሉ ካብ ምእታውሲ ኣብቲ ተዋፊርኩሞ ዘለኹም ንግዲ መዝሙር ጥራሕ ተወሲንኩም ተትተርፉ ምሓሸ ነይሩ ናይ ምእካኣብ ገንዘብኩም ጥራሕ ግበሩ።መግን ክሓተኩም ንመን ክንኣምን ንመን ንቅዱስ ኣባ ጳውሊዶ፡ ንዓኹምን ነቲ ነዚ ዝምህር ዘሎ ሓድሽ ሃይማኖትኩም እወ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ  1982 ዓመተ ምሕረት ብፈረንጂ ዝተመስረተን፡ዋእ ስለምንታይ ደኣልኩም ስቅ ዘይተብሉና ዘይተዕግሱና ትዕግስትና ንምውዳእሲ ስለምንታይ ትጽዕሩ ኣለኹም።እዚ ንተዋህዶ ዉሽታ ንምምራዝ ዝተመስረተ ሃይማኖትኩም ፈለማስ ምዕባለ ተዋህዶ መሲሉና እዩ ከይተረደና ጸኒሑ ህጂ ግን ተፋሊጥና ኣለና። ነዚ ጥንታዊ መገዲ ምኽሓድኩምን ብትምህርትኹም ድማ በዚ ጉጉይ ትምህርትኹም ምምላእኩምን።ኣብ ካሊእ ኣውን ምውሳክ ሰናይ እዩ ።ተደጋጋሚ ተኾነ ተበርሀልኩም ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሕማማት 9 ሰዓት መዓልቲ ሓሙስ እስከ ኣንብቡይቤ ትን. ኢሳ. 61 1-7 በእንተዝ ቀብኣኒ ወፈነወኒ፡ ይተረጉም በእንተ ቅብኣት፡ ካዕበ በመንፈስ ቅዱስ ዘወረደ ላዕለ ማርያም፡ ወኣንጽሓ ሥጋ ዚኣሃ፡ ለተወክፎ ኣምላክ በከመ ይቤላ ገብርኤል መልኣክ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ፡ ካዕበ ይቤላ እስመ እምኔኪ ዘይትወለድ እመንፈስ ቅዱስ ውእቱ። መጽሓፈ ግብረ ሕማማት በ፱ ሰዓት መዓልት ዘሓሙስ

ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ 61 1-7 ኪትርጉም እንከሎ፡ ብዛዕባ ቅብኣት ይትርጉም።ዳግማይ ብመንፈስ ቅዱስ ማርያም ዝወረደ፡ ንምቕባል ኣምላኽ ሥጋኣ ኣንጽሐ፡ ከምቲ ገብርኤል መልኣክ መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኪመጽእ እዩ ዝበላ፡ ከምእዉን እቲ ካባኺ ዚውልደ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ በላ። ግብረ ሕማማት ሓሙስ መዓልቲ ሰዓት 9።ትጋዝ ምንባቡ ዘሽግረኩም ተኾይኑ  ወኣንጽሓ ሥጋ ዚኣሃ ፡ለተወክፎ ኣምላክ በከመ ይቤ ፡መንፈስ ቅዱስ ናብ ማርያም ዝወረደሲ ንምቅባል ኣምላኽ ሥግኣ ኣንጸሐ ኢልዎ ኣሎ። እስከ ናብ ትምህርቲ ዘማራይ ቅዱስ ያረድ ክንወስደኩም ንቅዱስ ያረድከ ታኣምንዎዶ?።በሉ እዝኒ በሉ

ኣንጺሖ ሥጋሃ ቀዲሶ ኪያሃ ኃደረ ላዕሌሃ። ቅዱስ ያሬድ፡ ድጓ ዘነሓሴ ኪዳነ ምሕረት። ሥጋኣ ኣንጺሑ ነፍሳ ቀዲሱ ኣብኣ ኃደረ። ቅዱስ ያሬድ፡ ድጓ ዘነሓሴ ኪዳነ ምሕረት።እሞኸ ብኸምይ ኣምላኽ ኣብ ከርሲ ኣደና ማርያም ሓዲሩ ትብል።

ኣንቀጸ ብርሃን

ኣብ በየማኑ ከደነኪ = ኣቦ ብየማኑ ከደነኪ

ወኃይለ ልዑል ኣጽንኣኪ = ኃይሊ እቲ ልዑል ኣጽንዓኪ

ወኢየሱስ ክርስቶስ ለብሰ ሥጋኪ። = ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋኺ ለበሰ
ቅድስት ድንግል ማርያም ፈጺማ ኃጢኣት ዝበሃል ኣይፈጸመትን፡ ኣብ ሒልናኣውን ኃጢኣት ኣትዩ ኣይፈልጥን። ከመይሲ ኣብ ኃጢኣት ከይትወድቕ ቅድስት ድንኳን ማኅደር ኣምላኽ ክትከውን መንፈስ ቅዱስ ካብ ከርሲ ኣዲኣ ሒዙ ዓቂብዋ እዩ።መዓስ እዚ ጥራሕ ወረ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያምሲ ኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ሕልና ኣምላኽ ከም ዝነበረት ይዛረብ  ከም ኩሉ ሰብ።ምኽንያቱ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንኣዳም ክወድቅ ምኻኑ ይፈልጥ ስለ ነበረ ብሓቂ ድማ ከመይ ገይሩ ከድሕኖ ይኽእል ድማ ይፈልት እዩ ዝነበረ።ብሓቂ ድማ ካብ ከርሲ ኣዲኣ ኣትሒዙ ዓቂብዋ። ጰራቅሊጦስ ኣቀባ እምከርሰ እማ ከመ ኢትጌጊ። ኣብ ጌጋ ከይትወድቕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀን ኣዲኣ ጀሚሩ ሓለዋ። እዚ ማለት ግን ካብ ዘርኢ ኣዳም ኣይተፈጥረትን ኣዳማዊ ኃጢኣት የብላን ማለት ኣይኮነን፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀን ኣዲኣ ጀሚሩ ዝሓለዋ ሰብ ኮይና ብምፍጣራ፡ ከም ኩሉ ሰብ ሓለዋ ስለ ዘድልያ ሰብ ስለዝኾነት ማሕደር መንፈስቅ ዱስ ድማ ንኽትከውን ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ኪወስድ ስለ ዘለዎ  እዩ።እዚ ብዘይዘርኢ ኣዳም ከም እትውለድ ገይርዋ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከመ ኢትጌጊ ዚብል ቃል ትርጉሙ፡ ጌጋ ከይትፍጽም ኣብ ሕማቕ ከይትወድቕ ማለት እዩ:: ምሕረቱ ይልኣኽ እግዚኣብሄረ ኣብ ሃይማኖትና የጽንዓና።
እግዚኣብሄር ይደግፍ ኣሜን።

No comments:

Post a Comment