1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday, 8 December 2011

ስለ ምንታይ ተዋህዶ ጥራይ ?????::

ስለ ምንታይ ምእመናን ተዋህዶ ጥራይ ብሓላፊ ጉዳይ ንሕድሕዶም ዝራግሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ኢዮም ናይ ኤድስ ሕሙማት ኣብ ተዋህዶ ብዝያዳ ዝበዝሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ መንእሰያት ተዋህዶ ካብ ቤተ ክርስቲያኖም ናብ ካልእ ሃይማኖት ዘምርሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ኢዮም ኣመንቲ ተዋህዶ ሰብ ሓዳር ብዝያዳ ዝፋትሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ገለ ጳጳሳትን ውሉደ-ክህነትን ሓቂ ከይዛረቡ ንሰብ ዝፈርሑ ?

ኤረ ስለምንታይ’ከ ሙዳየ-ምጽዋትን ሞባእን ተዋህዶ ጥራይ ብኃይልን ዓመጽን ዝጕሕጉሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ንምእመናን ተዋህዶ ጥራይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝሞቱ ኣብ ኤርትራ ብጸሎት ዘይፍትሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ካህናትን ዲያቆናትን ተዋህዶ ጥራይ ተገዲዶም ናብ ሳዋ ዘምርሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ብብዝሒ ምእመናን ተዋህዶ መነኮሳት ከይተረፉ ብስደት ዓዶም ዝርሕርሑ ?

ኤረ ስለምታይ’ከ ኢዮም ሕጋዊ ፓትርያርክና ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲ ዘይፍትሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ኢዮም ገለ ካብ ተዋህዶ ብስቅያት ኣሕዋቶምን መራሕቶምን ብሥጋ ዝረብሑ ?

ስለ ምንታይ’ከ ኩሎም ህዝቢ ተዋህዶ ብሓባር ሰሚሮም ማዕጾ ቤት እግዚኣብሔር ዘይኩሕኩሑ ?

በሉ መዓልቲ ፍርድን ሞትን ከይመጸት ናብ መንፈሳዊ ዕርቅን ይቅሬታን ኣምርሑ!

ውሽጣዊ ቁስልና ከይሓባእና’ውን ብልቢ ተጣዒስና ንነሳሕ ተነስሑ !!!

No comments:

Post a Comment