1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday, 28 March 2012

“ሕጂውን ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ!”::

 “ሕጂውን ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ!”::
ብዮፍታሄ ዝተመርሐ ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ ማለት ኣባ ዲዮስቆሮስ፥ ኣባ ማርቆስ፥ ኣባ ሰላማ፥ ኣባ ጴጥሮስን ኣኸቲሉ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ፓትርያርክ እስክንድርያ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ንምስታፍ ናብ ግብጺ ከም ዝኸደ ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን ዮፍታሄ ንኣባ ዲዮስቆሮስን ኣባ ማርቆስን ሒዙ ብ2005 ዓ.ም ናብ መንበረ ማርቆስ ግብጺ ከይዱ፡ ን3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ “ምስራሕ ስለ ዝኸልኡና ብ6ተ ነጥብታት ከሲስና ኣውሪድናዮም ኢና” እሞ ተቐበሉና ክብል እግዚኣብሔር ዘይሰመሮ መገሻ ጌሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ጊዜ እቲ “ዘለዓለማዊ ሕይወት ይሃቦም” ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ በዚ ዘስደምም ጉዳይ ተዋሕዶ ብሓቂ ሓዚኖም ንጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ “በዚ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከሲስኩሞም ዘሎኹም 6ተ ነጥብታት ዘንእዶም ደኣ እምበር ፈጺሙ ዘኽስሶም ኣይኮነን” ስለዚ ብሓቂ “ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም [ፓትርያርክ እንጦንዮስ] ተዓረቑ” ኢሎም መንፈሳዊ ምኽሮምን ሓዋርያዊ መርገጺኦምን ብምልጋስ፡ ንሶም ግና ምእንቲ ሓቅን ጥንታዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ክብሉ ኣብ ጎድኒ ፓትርያርክ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ደው ከም ዝብሉ ብጋህዲ ሓቢሮሞም ኢዮም። እንተኾነ ግና “ኣርሆ ዝበለስ፡ ኣርሆ ከይበጽሐ ኣይዓርፍን ኢዩ” ከም ዝበሃል፡ እዞም ዮፍታሄ ዝመራሒኦም ክልተ ጳጳሳት “ዝደለይዎ ከይገበሩን፡ ዝሓለምዎ ከይፈጸሙን” ክድቅሱ ስለ ዘይከኣሉ፡ ነቲ ዝተዋህቦም መንፈሳዊ ምኽርን ሓዋርያዊ መምርሕን ናይ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ተሓሲሞም፡ ንሓቂ ረጊጾም፡ ንሕጊ ጥሒሶም “ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣውሪድናዮም ኣሎና” ክብሉ ከይሓፈሩ ንዓለም ምሉእ ነጊሮም ኢዮም።
ብድሕሪ እዚ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ በቲ ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዝተፈጸመ ጥልመትን ግህሰትን ተረዲኦም ርክቦም ብምቁራጽ፥ ናብ ኩለን ሃገረ ስብከታቶምን ናብ ጉባኤ ኦሬንታልን “ምእንቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ፍሉይ ጸሎት ይገበር” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ። በዚ ምኽንያት ዮፍታሄ ይኹን ዝኾነ ጳጳስ ናይ ኤርትራ፡ እቶም ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ዝነበሩ ኣባ ማርቆስ’ውን ከይተረፉ ንልዕሊ 6ተ ዓመት ዝኣክል ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን መገዲ ግብጺ ተዓጺዎምን፡ ጉባኤ ኦሬንታል ተሓሲምዎምን ካብ ኩሉ ዓለም ተነጺሎም ከም ዘለዉን ከም ዝጸንሑን ኩሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
ሕጂውን መገሻ ዮፍታሄን ሰዓብቱ ጳጳሳትን ናብ መንበረ ማርቆስ ግብጺ ብልቢ ተጣዒስና፥ ንቤተ ክርስቲያናን ህዝብናን ጎዲእና፥ ወርቃዊ ጊዜን ዕድልን ከሲርና ኢና እሞ፥ ምስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕረቑና፥ ይቕረ ኣባህሉና ክብሉ እንተ ኮይኖም “ዘይበኣሱ መላእኽቲ፥ ዘይዕረቑ ኣጋንንቲ” ከም ዝበሃል እግዚኣብሔር ዝፈትዎን ቅኑዕ ሰብ ዝደልዮን ሠናይ ተበግሶ ንኽብሪ ኣምላኽን ንረብሓ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ኢዩ። ካብዚ ወጻኢ ግና ኣቦኹም ጠሊምኩም፡ ሓዋርያዊ ሕጊ ኣፍሪስኩም ኢሎም ምቕባል ዝኣበዩና ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ዓሪፎም ኢዮም። ጊዜ ተቐይሩ፡ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ንኺድ ንግብጺ ተባሂሉ ብኽፍኣትን ጉርሕን ዝተማህዘ ጉዕዞ እንተ ኾይኑ ግና “ኣይትጠበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን ኢዩ! ዝብል ጥቕሲ ነጊርና ነታ ዘይትልወጥን ዘይትርሳዕን ቃል ቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ከነዘኻኽሮም ንደሊ።
ምኽንያቱ ዮፍታሄ ይኹን ጳጳሳት ኤርትራ ብታህዋኽን ተብተብን ናብ ግብጺ ብዘይ ቁም-ነገር ካብ ምጋሽ ናብ’ቶም ካብ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ብሓይሊ ከልኪሎም ንልዕሊ 6ተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ዝሳቐዩ ዘለዉ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይዶም “ኦ ኣባ ሥረይ ለነ፥ እስመ በላዕሌከ ወበቅድመ እግዚኣብሔር ኣበስነ” ክብሉን ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ክኽሕሱን እቲ ዝበለጸ ኢዩ።
ኣብ መደምደምታ ነታ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ብህይወት ከለዉ ንዮፍታሄ ምስ ሰዓብቱ ጳጳሳት ኣብ 2005 ዓ.ም. ዝሃብዎም ዘይትልወጥን ዘይትርሳዕን ቃል “ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ” ትብል ክብርትን ኣገዳሲትን ማዕዳ እናኣዘኻኸርና፥ ሕጂውን ጊዜ ከሎካ ጊዜ ኣይትጸበ ኢዩ እሞ ነዚ ኣምላኽ ሂቡኩም ዘሎ ጊዜ ንንስሓን ዕርቅን እንተ ዘይተጠቒምኩሙሉ ብዝያዳ ንህይወትኩምን ሰዓብትኹምን ትጎድኡ ከም ዘሎኹም ክተስተውዕሉ ይግባእ። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና ብሰብን ብእግዚኣብሔርን ንወለዶታት ዘኽብሮም ግሩም ሓዋርያዊ ሕድሪ ፈጺሞም ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ክቡር መልእኽትን ሓዋርያዊ መርገጽን ናይ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ከኣ ሎሚውን እቲ ሓቂ ኣብቶም ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ጳጳሳትን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ግብጻውያን ምእመናንን ብግቡእ ተነጊሩን ብጽኑዕ ተዓቂቡን ስለ ዘሎ መገሻ ዮፍታሄን ሰዓብቱ ጳጳሳትን  ከንቱ ድኻምን “ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ” ትብል ቃልን ምዃና ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ክፈልጦ ይግባእ።
እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕድመን ጥዕናን
ንቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ድማ ዘለዓለማዊ ሕይወት ይሃቦም።
ንቤተ ክርስቲያናን ህዝብናን ከኣ ሰላምን በረኸትን ይሃበልና።
ብደቂቀ እንጦንዮስ
 ካብ ወብሳይት ኣሰና.ኮም ዝተወስደ
haymanoteabow@gmail.com
church.orthodox@yahoo.com

Sunday, 25 March 2012

ረቒቕ ተንኮል!!! ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን፡ንምፍራስ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን 3ይ ክፋል ን ቃሕ ኦርተደክሳዊ!!!።


ረቒቕ ተንኮል!!!  ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን፡ንምፍራስ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን 3ይ ክፋል ን ቃሕ ኦርተደክሳዊ!!!።
 ነዚ ጽሑፍ እዚ ከነዳልዎ ዝተደልየሉ ምኽንያት ህዝቢ መታን ክጎርሕ ህዝቢ መታን ነቲ ሓቂ ከለሊ ህዝቢ ግርህነቱ ደው ከብሎ።ን ዘሎ መንግስቲ ኮነ ንዝመጽእ መንግስቲ ነቂሑ ስለ ሃይማኖቱ ደው ክብል እዩ።ስለምንታይ ስቅ ብምባልና ን ነገራት ህዝቢ መታን ከይፈልጥ ብ ናቶም ልኡኻት ገሮም ካህን ክጽሊ እንበር ካልእ ክዛረብ ኣይግባእን እንዳተባህለ ህዝቢ ን ኸይፈልጦ ሓቂ ኣብ ኣገልገልቲ እዞም ኣገልገልቲ ናይ የእምሮ መልመስቲ ከም ዘሕድር ገሩ እዩ።ሎሚ ግን ተማሂርና ኢና።እዚ ኩሉ ዝግበር ነበረ ንምብላዕናን ን ሃይማኖትና ንምፍራስን ምኻኑ ፈሊጥና።የዒንትና ምስ ኣዘርናዮ ድማ ካብ ጎረባብትና የሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት ተማሂርና።ግብጻውያን መንግስቲ ግብጺ ኣብ ልዕለኦም ዝገበሮ ጳጳሳቶም ዘሎ ካህናቶም ዲያቆናቶም ደው ኢሎም ተዛሪቦምን ኣቃሊዖምን ፡ሩስያውያን ነዚ ሓቂ እዚ እንዳ ኣቃልዑ ስለ ኦርተደክስ ቤተ ክርስትያን ብ ማርክሳውያን ካብ ጳጳስ ክሳዕ ካህን ዲያቆን ተሰይፎም ተረሺኖም። ንሕና እውን ኣብ ዘበና ኣብ ልዕለና ፖሎቲካዊ ቅንጸላ እንዳተኻየደ ስቅ ኢልና ንርኦ ምኽንያት የለን።ስቅ ምባል ናይ መደል በደል እዩ።መወዳእታ ድማ እቲ ስቅ ምባልካ ሂወትካ ከም ዝበልዓካ ይገብር። ህጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣቡነ እንጥእንዮስ ኮኑ ካልኦት ምፍሪራሕ ይወርደና ኣሎ። ንሽገር ኣለና እንዳበሉ ዘውርዩ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ መቃርዮስ ደው ኢሎም ንሕና መንግስቲ ክትኣትወና ኣይንደልን ክብሉ ከለዉ ሽዑ ደጊፎም ተዝነብሩ ዝሓበረ ሓፋሽ ዓጋቲ የብሉን ከም ዝበሃል ሽዑ ምተዓወቱ ነሮም ግን ስቅ ኢሎም ሽዑ ስቅተኦም ግን ህጂ ሃስዩዎም መወዳእታ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ከም ዝኣትዉ ገሩዎም።
ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ግን በቲ ኣውሲስታ ፖሎቲካ ኤረትራ ን ተዋህዶ ንምፍራስ ን ዳሕራይ መታን ክጥዕመሉ ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ደቅኹም ህዝባዊ ሓይልታት ኮይኖም ኢላ ጥምቀት ትኽልክል ነራ እንዳበለ ናይ ገለ ካህናት ተግባር ሽም ምልእቲ ቤተ ክርስትያን ብምጽላም ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ይከየድ ነሩ።ቤተ ክርስትያን ህዝባ ብሕማቅ ከም ዝርድእዋ ተገሩ ካብ ህዝባ ከም እትንጸል ተገሩ። ዘገርም ነገር እዚ ዝበሃል ዘሎ ግን ቀሺ ዲመጥሮስ ደኣ ይገብሩዎ ነበሩ እንበር ምሉኣት ካህናት  ተዋህዶስ ኣይገበሩዎን፡ ቤተ ክርስትያን እውን ከም ሕጊ ኣየጽደቀቶን የለን እውን ኣብ ሕጋ ቤተ ክርስትያን ትገብሮ ነራ ክበሃል ዝከኣል ግን ኣብ ሕጋን ቅዋማን ምስ ተስፍሮ እዩ።ከምኡ ተኾይኑ ኣባ ደስቆሮስን ይፍታሀን ን መንግስቲ ኤረትራ ተቃወመ ከይፍታሕ ኣዚዞም ይሰርሕሉ ኣለዉ።እዚ ህጅስ ተዋህዶ ከምዚ ትገብር ነራ ኢልካ ክዝረብ ድዩ።እዞም ንቃወም ከ ደሓር ከ ኣብ ቀነኖናኣ ኣበይ ኣሎ ዘጽደቀቶ እዚስ ሓሳብ ናይዞም ብሓይሊ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ደኣ እዩ።  እቲ ተዋህዶ ከምዚ እያ ትገብር ኢልካ ዝዝረበሉ ዝነበረ እውን ናይዞም ኣብ ስልጣን ነበሩ ደኣ እንበር ናይ ተዋህዶ ሕጊ ኣይኮነን ተዝኸውን ክሳዕ ምውዳቅ ደርጊ ምቀጸለ ነሩ እዩ።ግን ምስ ምኻድ ቀሺ ዲመጥሮስ ኣብቂዑ።እዚ ህጂ ዝግበር ዘሎ ከኣ ምስ ምውዳቅ ኣቡነ ደስቆሮስ ከብቅዕ እዩ።ነቲ ናይ ክንደይ ኣሸሓት ካህናትን ዲያቆናት ኣበርክቶ ግን ብ ናይ ሓደ ካህን ስራሕ ምስምስ ብምግባር ን ተዋህዶ ኣንጻር ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ክሳዕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ን ህዝቢ ተዋህበሉስ ስለምንታይ ኮን ይኸውን???ልቢ ዘለዎ የስተውዕል። ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤረትራ ኮነይ  ኢልካ ን ደቃ ቀናን ግምት ከም ዝሕዙ ተገሩ እዩ። ነዚ ምስ መሃረ ድማ እዩ ኣብ 86 ዓም ፕረሲደንት ዘሎ ህጂ ናይ ሽዑ ጸሓፊ ደብሪታት ዓንየን ቤተ ቅርሲ ክኾና ኣለወን ዝበለ።ግን  እዚ ክሳዕ ንዕወት ተወንዚፉ ይጽናህ ተባሂሉ።እዚ ናይ ህግሓኤ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ወያነ እውን ናይ እትዮጵያ ከምኢ ስነ ሓሳብ ነሩ እዩ።ማርክሳዊ ስነ ሓሳብ ናይ ኤረትራ ግን ማርክሳዊ ስነ ሓሳብ ኣምሲልካ ን ተዋህዲ ንምፍራስ ደኣ ነበረ። ድህሪ ጉባኤኦም ግን ከምዘየዋጻጽእ ተራእዩ  ሓሊፎሞ። ኣምላኽስ ን ኣምን ኢና ተባሂሉ ገለ ካብቲ ናይ ፖሎቲካውያን ኤረትራ ኣይተሰማምዑን  ተሓሊፋ።
መንግስቲ ኤረትራ ናጽነት ምስ ተረኽበ ቀንዲ ዕየኡ ናብ ተዋህዶ እዩ ገሩ።ኣብ 1993 ዓ/ም ድማ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብ ጉባኤ ግዝያዊ ሲኖዶስ ኤረትራ ቀሪቡ ከም ዕዱም ኩሎም ነገስታት ኣመስጊኑ ክንዲ ዝኸይድ ክንሕግዘኩም ኢና ብምባል ን ተቃወሙዎ ከፈራርሕን ክህድድን ህግሓኤ ነዚ ቤተ ክርስትያን ተቃሊሱሉ እዩ ኢሉ ክምድርን ተራእዩ።ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ናይ ትኤሎጂ ምሁርን ሊቅን ምሁረ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ መቃርዮስ ግን መልአኽቱ ተረድኦም ይመስሉ ኖ ንሕና ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ። ብጥቅልልታ ዝበሉዎ።ኣስዒቡ እውን ቀሺ ገብረ መድህን ህጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝማስን ዘሎ ናይ መካነ ሂወት ቀሺ ንሕና ተፋላለዩ ስርዓታት ንሃይማኖትና ስለ ዝሃሰይዎ  ንሕና ኣይንደልን ኩቡር ፕረሲደንት ሎምስ ግደፈና ደኣ ክብል ለሚኑ። እቲ ንተዋህዶ እንዳ ተቃጻጸርካ ንምልማስ ዝተላዕለ ፕረሲደንት ግን  ዕላማኡ ካሊእ ብምዃኑ ግድን እዩ ክንሕግዘኩም ኢና ብዘይ ብኣና ኣይትኸዱን ብምባል ብምፍሪራሕ ብ ኢዱ በዓል መዚ መዚዙ።መንግስቲ ነዚ ሃይማኖት ካብኡ ተፈንጪሉ ክከይድ ኣይገድፎን እዩ ብምባል ን ተዋህዶ ኣብ ዝኸፍአ ተቆረነ መግዛእቲ የእትዩዋ።  ባዕሉ ጳጳስ ተቀይሩ ድማ ክሳዕ ግብጺ ብምኻድ ን ኣቡነ ሽኖዳ ወዲ ተዋህዶ ብምምሳል ምስ ማሕሙድ ሸሪፎ ኮይኑ ፓትሪያርክ ክህብዎም ለሚኑ። ዘደንቅ ነገር እዩ ስለምንታይ ግን እቲ መዋእሉ ተዋህዶ ፈርካሽ እንዳበለ ዝዓበየ ኣማኒ ከኒሻ ን ተዋህዶ ክሓልየላ ክኢሉ ነቶም ኣብቲ መንበረ ፓትሪያርክ ዝነበሩ ምሁራነ ኣቦታት ተፈላለየ ሕቶ እዩ ኮይንዎም ህጂ ግን  ኩሉ ግዜ ኣጋምሸት ናብ መንበረ ፓትሪያርክ ጉዕዘኡ ብምግባር ክሃድኖምን ን ስርዓት ተዋህዶ ብምፍራስ በዚ ደኣ ተመሓዳሩ ነዞም ኣቦ ተኣዘዝዎም ብምባል ከፈራርሖም  ምስ ረኣዩ ኣበይ ግዲ እየ ነረ ይብሉ ኣለዉ።ተጋሂዱ ትሕልሚ ግን እንታይ ክኸውን ጎበጣ ምስ ተወደአ።ይቅጽል,,,,።
haymanoteabow@gmail.com
church.orthodox@yahoo.com
orthodox.tewahdo@yahoo.com

ረቒቕ ተንኮል ንምፍራስ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን 2 ክፋል ን ቃሕ ኦርተደክሳዊ!!!


ረቒቕ ተንኮል ንምፍራስ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን 2 ክፋል ን ቃሕ ኦርተደክሳዊ!!!
ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያናት እያ።ነዛ ጥንታዊት ቤተ ክርስትያን ግን ብ ተፋላለዩ ነገስታትን መሳፍንትን ሃይማኖታትን ጸብኣን ተንኮልን ጎኒፍዋን ይጎንፋን ኣሎ።ወጽዓ ቤተ ክርስትያን ኣብ ፈለማ ግዜ ህዝቢ ይፈልጦ ነሩ እዩ ስለምንታይሲ ብ ባዕደውያን ይግበር ብምንባሩን ከምኡ እውን እቶም ዝሓለፉ ነገስታት ድማ ብእዉጅ ኣንጻር ኦርተደክስ ምኻኖም መግለጺ ብምሃብ ይሰርሑሉ ብምንባሮም ናይ ሎሚ ግን ፍልይ ብዝበለን ብተራቀቀን እዩ ክካየድ ተመሪጹ ተመኩሮታት ብዙሓት ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ እዮም ሓንጸጽቲ ነገራት ኣካይዶሞ።
ነዚ ሕንጻጽ እዚ ንምትግባር ግን ብዙሕ እዩ ድርሰታት ተኻይዱ። ገለ ካብኦም ድማ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ከም ኦርተደክሳዊ ከም ፈታዊ ተዋህዶ ገርካ ወረ ክውረ ተገይሩ። እቲ ኣማኒ ከኒሻ ዝኾነ ካብ ቆልዑኡ ፍሉይ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክስ ዝነበሮ ፕረሲደንት ግን ብ ከመይ ገሩ እዩ ን ተዋህዶ ከፍቂራ ክኢሉ፡ ተዋህዶን ኣመንቲ ከኒሻንስ ድሙን ከልብን ምኻኖም ዝፍለጥ እዩ።ነዚ ሰብ ንኸይፈልጦ ድማ ዋእ ፕረሲደንት ኢሳይያስ እኮ  ኣብ እንዳ ማያም እዩ መቆምያ ሒዙ  ደው ኢሉ ከቀድስ ዝሓድር ካብቲ ኮነይ ኢሎም ልቢ ህዝብና ንምስራቅ ዝተወርዩ ፖሎቲካ 06 እዩ ነሩ። መኣስ እዩ ግን ሞቆምያ ሒዙ ዝሓደረ ፕረሲደንት እቲ  ማርያም ካልኦት ደቂ ኣለዋ ኢሉ ዝኣምን ኣማኒ ሉተራን ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ኣቶ ኢሳይያስ ከ ንምንታይ እዩ ኣብ ተዋህዶ ጸቂጡ ነዚ ስልቲ እዚ ክሰርሓሉ ደልዩ??።
ኣብ ኩለን ሃገራት ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያንን መንግስታትን  ዝግበር ፕሮቶኮል ኣሎ ንሱ ድማ ኣብ ከም ልደትን ዓበይቲ በዓላትን ይዕደም እሞ ምስቶም መራሕቲ ሃይማኖት ደው ይብል።ኣብነት ኣብ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ተሪኢና ፕረሲደንት ሕሶኒ ኣልሙባርክ ኣብ ልደትን ትንሳኤን ደው ኢሉ ምስ ደቁ ይሓድር ነሩ ከምኡ እውን  ፕረሲደንት ጀማል ዓብደልናስር ደው ኢሉ ምስ ፖፕ ቀርሎስ ቅዳሰ ይሓድር ከም ዝነበረ ታሪኽ የዘንቱ ከምኡ እውን ኣብ ተፋለለዩ ሃገራት።እዞም ኩሎም ኣመንቲ ምስልምና እዮም ነሮም ግን ንኽብሪ እቲ ሃይማኖት እዮም ነዚ ዝገበሩ ደኣ እንበር  ኣመንቲ ተዋህዶ ስለ ዝኾኑስ ኣይኮኑን፡ነዚ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝግበር ከኣ እዮም ነዚ መስኪን ወዲ ተዋህዶ ርአ ፕረሲደንት ተዋህዶ እዩ።ን ተዋህዶ የፍቅራ እዩ፡ እንዳበልካ ከቢድ ጎስጓስ ተገሩ።ግን ፕረሲደንት ኢሳይያስ ቀንዲ ጸላኢ ተዋህዶን ካተሊክን  ኣስላምን ሃይማኖታት ደኣ ነበረ እቲ ሃይማኖቱ ዝኾነ ዝጠፈሸት ከኒሻ ግን ከምዛ ዋዛ እዩ ይኹስኩሳ ነሩ። ናይዚ መሳርሒ ዝኾኑ ድማ ከም ኣብ ነርወይ ዝርከብ ፓስተር ህጂ ደው ኢሉ ተዋህዶ ትዕኖ ዝብል ዘሎ እዮም ነሮም መራኽብቱ።
ፖሎቲካዊ ሓይሊ ኤረትራ ን ተዋህዶ ንምፍራስን ካብ የእምሮ ኣመንታ ንምሕካኽን ከም ጸላኢት ናጽነት ኤረትራ ገሩ ከቅርብን ኣብ ታሪኽ ን መንእሰያት ክምህሮምን እዩ።ተጠቂምሉ
ካብቲ ዘገርም ሓደ ቀሺ ዲመጥሮስ እዩ ኣንድነት ዝነበረ ማሕበር ኣንድነት ዝደገፈን ፡ባንደራ ኤረትራ ዘውረደን እቶም ዝበዝሑ ካህናት ተዋህዶ ግን ክሳዕ መስቀሎም ኣቀሚጦም ብምኽታት ኣብ ጉዳይ ሃገር ክሳዕ መራሕቲ ሃይልታት ቦጦሎንታት ኮይኖም ተቃሊሶምን ተሰዊኦምን። ኣውሲስታ ፖሎቲካ ኤረትራ ግን ነዚ መርገጺ ጸረ ሃገራውነት ከም መርገጺ ምሉኣት መራሕቲ ኦርተደክስ ገሩ እዩ ዘቅርቦ ነበረ። ናይ ኤረትራ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ስለ ናጽነት ኤረትራ ዝግባእ ገራ እያ። ክሳዕ ደብርታት ቢዘንን እንዳብጽኣምላኽን ካልኦትን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤረትራ ይሳተፋን ን ተጋደልቲ የዕቅቁባን መግቢ ይዕድላን ነረን ናይዚ ህያው ኣብነት ድማ ከም ኣቡነ ቀርሎስ ናይ ህጂ ናይ ቀደም ድማ ኣባ ሃይለማርያም ይመስክሩ። ልዕሊ ዝኾነ ፖሎቲከኛ ስለ ሃገር ጉብኦም ዘበርከቱ።ከምኡ እውን ኣቡነ ፍሊጶስ ካብ ደብሮም ከይወጹ ዝተኸልከሉሉ ስለ ሃገሮም ብዝገብሩዎ ነበሩ እዩ።ከምኡ እውን ናይ ሽዑ ኣባ ጴጥሮስ ናይ ህጂ ኣብ ኣመሪካ  ጳጳስ ዲበ ኣቡነ መቃርዮስ  ክሳዕ ካብ ወጻኢ ተፈላለየ ዓይነት መድሓኒት ዘበርከቱ ልዕሊ 35000ሽሕ ዝውድእ መድሓኒት ዘበርከቱ መነኮሳትን ጳጳሳትን ተዋህዶ እዮም።ስለ ሃገሮም ብረት ሒዞም ተሰውኡ ካህናትን ዲያቆናትን መቅጸሪ የብሎምን። ፕረሲደንት ግን ነዚ  ጎስዩ መታን እቶም ሓንቲ ቃል መጽሃፍ ቅዱስ ዘይፈልጡ ካብ መጋስኦም ናብ ሰውራ ዝኸዱ መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ተዋህዶ ጽልኢ ከሕድሩ ተዋህዶ ናጽነት ኢትዮጵያ ከምዘይትኣምን ኣብ ፖሎቲካዊ ትምህርቲ ተማሂሩዎም እዩ። ሓደ ቀሺ ዝገበሮ ጠንቂ ብምግባር ን ኣበርክቶ ክንደይ ካህናትን ዲያቆናትን መነኮሳትን ብምግሳይ ሽም ተዋህዶ ከም ዝጽለም ተገሩ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,።

ንዝኾነ ዘለኩም ርእይቶን ሓበረታን ከምኡ እውን ምስዚ ኣርእስቲ እዚ ዝተሓሓዝ ኣብ ወጽዓ ቤተ ክርስትያን ዘቃልዕ ወይ ቃል ኣምላኽ በዚ ዝስዕብ ኣድረስ ክትሰዱልና ንምሕጸን ።
haymanoteabow@gmail.com
church.orthodox@yahoo.com እዩ። በዚ ክትሰዱ ንላበወኩም
orthodox.tewahdo@yahoo.com

ፖፕ ሽኖዳ መይቱ ማለት ሕጊ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን መይቱ ማለት ኣይኮነን !!!።


ፖፕ ሽኖዳ መይቱ ማለት ሕጊ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን መይቱ ማለት ኣይኮነን !!!።
ኣብዚ ዘለናዮ ቅንያት ክቡር ብጹእ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ምዕራፎም ኩሉ ፈሊጥዎ ዘሎ እዩ።እንተ ኾነ ኣብዚ ናይ ሓዘን ወርሒ ክንዲ ሓደ ፖፕ ዝኣክል መይቶም ክንዲ ጸሎት ስለኦም ምግባር ብ ወገን ናይ ኤረትራ መንበረ ፓትሪያርክ ዝግበር ዘሎ ማንካ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ኣስመራ ኮንካ ህዝቢ ዝንቡዕ ሓበረታ ክህልዎ ላዕልን ታሕትን ይበሃል ኣሎ።ዘሕዝን እዩ።ስቅ ተበልካ መረት ይመልእ ተተዛረብካ ከኣ ከብዲ ይመልእ ዝብልዎስ ለከ ከምዚ ግርም ነሩ ኩሉ ጸወትኦም ዝገብሩዎ ዘለዉ ድራማታት ኩሉ ናይ ዕዋላ ምስራሕ ግን  ኣምላኽስ እንካ ክሒዶሞ እዮም።ግን ን ህዝቢ ከምቲ ቀደም ከዕሽዉዎ ዝውዕሉ ነበሩ ክገብሩ ምጽዓሮም እዩ።ሎምስ ተፈሊጥኩም ኢኹም ድማ ንብሎም።
ልሳነ ህግድፍ ዝኾነት ልሳነ ተዋህዶ ኢየ በሃሊት ወብሳይት ጺሒፋቶ ከም ዘላ ተንቢብና፡4ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ወቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ 3ይ ንምስታፍ ምስሪ ከይዶም ትብል።ጸኒሓ ድማ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናብ ኢምባሲ ግብጺ ብምኻድ ናይ ሓዘን መግለጺ ኣስሚዖም ትብል።ዝኹሉ ዝግበር ዘሎ ሸንኮለል ግን ካብ ሕጊ ንምህዳምን ነቲ ኩሉ ግዜ ገርሂ፡ ዓለም ክትጎርሕ ዘይጎርሐ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ ንምትላል እዩ።እተወገዚ ናይ ኣስመራ ኣቡነ ኣቡነ ደስቆሮስ ብልክዕ ናብ ምስሪ ከይዶም ከዱ ደኣ እንበር እንታይ ኣፍረዩ እንተኢልና ብዘይካ ውርደትን ሕፍረትን ዘምጽእዎ የለን።ከም ሕጋዊ ወኪል ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝተቀበሎም በፍጹም የለን ነቲ ቪዶ ተተዓዚብኩሞም ፓትሪያርክ ኢትዮጵያን ሶርያን ጸሎተ ፍትሓት ከካይዱ ከለዉ ኣቡነ መንግስተ ኤረትራ ዝኾኑ ኣቡነ ደስቆሮስ ግን ኣብ ማእከል ጭዋታት እዮም ነሮም።ከነቅርበልኩም ኢና ነቲ ቪዶ ።ግብጻዊ ጳጳስ ዓቃበ መንበር ኣቡነ ባኽሙስ እውን ን ኣቡነ ደስቆሮስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣበይ ኣሎ እዩ ኢልዎም።ድሕሪ እታ ሕቶ ዝምልሳ ምስኣና ግን ኣብ ሓዘን ኢና ዘለና ትብል ቃል ጥራሕ ኢያ ተደጊማ።
ብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ተላኢኾም ዝኸዱ ሰለይቲ ቀሺ ነበር ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ይፍታሀ ዲመጥሮስን ድማ እዮም እቶም ተርጎምቲ ነቲ ቃል ሒዞሞ መታን ከይወጽእ ተባሂሎም ዝተላእኩ ።ኣቡነ ደስቆሮስ ሲ ከዱ ግን ኣበይ ወዓሉ ደኣ ጳጳሳት ኢትዮጵያ መሓራ እግዚኦ ለነፍሲ ገብሪከ ኣቡነ ሽኖዳ ክብሉ ከለዉ መሓራ ዘይበሉ ደኣ ኣበይ ወዓሉ??።ተመሊስካ ድማ ናይ ምድያ ነገር ንምኽሳብ ኣብ ኣስመራ ናብ ኢምባሲ ግብጺ ከይዶም ናይ ሓዘን ቃል ኣስሚዖም!!፡ ዘገርም ኣስቀያሚ ዝኾነ ተንኮልን ክፋእን ግን ብከምዚ ድዩ ህዝቢ ክስዕበካ ብሰንኪ እዞም ሕሱማት ሰባት እኮ ተዋህዶ ጸሊእናያ ሃይማኖትና ክንፍንፍኖ ደሊና፡ ኣቡናት ናይ ነገስታት መሳርሒ ኮይኖም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ንረብሓ መን፡ኣቡነ ሽኖዳን ቆንስል ግብጽን ከ እንታይ ኣራኸቦም!!!።እቶም ኣብ ቀብሪ ኣቡነ ሽኖዳ ከይዶም ተባህለሎም ናይ ሓሶት ፓትሪያርክን መራሒ ተዋህዶ እየ በሃሊ ኣቶ ይፍታሀን ሰዓብቶምን ከ ን ነፍሶም ወኪሎም ዲዮም ከይዶምስ ዋላ ን ተዋህዶ፡እቲ ሓዘን ንሲኖዶስ ግብጺ እዩ ዝምልከት፡ እንታይ ኮይኖም ደኣ ኣብቲ ናይ ሓዘን ክታሞም ኩላቶም ናይ ዓለም መራሕቲ ሃይማኖት ዘንብሩሉ ፈርማኦም ዘየንበሩ። ተሓዚ መዝገብ ንስኹም ደኣ ሽፍታ እንዲኹም ምስ በሎም ዲዮም ናብ  ኢምባሲ ግብጺ ኣብ ኣስመራ ተመለሱ።ምስኪን ከተማ ኣስመራ ዘሎ ጽያፍ ናይ ዓለም ዝስርሓላ ከተማ፡ኢዋእ ኣስመራ !!!፡ንምንታይ ናብ ኢምባሲ ግብጺ ኣብ ኣስመራ ተደልየ ተልና ግን፡ህጂ እውን ንህዝቢ ንምድሕላልን ነቲ መዓልታዊ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ኦርተደክስ ንምድዕዓስ ህዝቢ ዋእ እሞ ንሕና ጥራሕ ኣይኮናን እንኮላይ ግብጻውያን እዮም እባ መንግስቶም ዘማሓድሮም ኢሉ መታን ክኣምን ተገብረ ፖሎቲካዊ ተንኮል እዩ።ናይቶም ፖሎቲከኛታትሲ ዕላማኦም ይገብሩ ኣለዉ ናይቶም ቆቢዕ ለቢሶም ዘሕንኽ ስራሕ ዝገብሩ ዘለዉኸ እወ ናይዞም ኣብዚ ዝዋስኡ ዘለዉ ገሪሙና!!! ንደፋፋእ ኣለና ኪኖ ጸሎት ስጉምቲታት ክንወስድ!!።
ፖፕ ሽኖዳ ተፈልዮም ዓለም ኣብ ዓቢ ትዝታን ሓዘንን ኣብ ዘለዎ ግዜ እቶም ኣብ ዓለም ዝጠፈሹ ጸረ ኦርተደክስ ባእታት ኣስመራ ግን ኣቡነ ሽኖዳ ተመቱስ ሕጎ ኦርተደክስ ተዋህዶ ዝቅየር እዩ መሲልዎም ዘሎ።ድሮ ድማ ምስ ግብጺ ተዓሪቅና ኢና ዝምድናና ተመሓይሹ እዩ ኣብ ቀብሪ ኣቡነ ሽኖዳ እኳ ዊዒልና ክብሉ ተሰሚዖም፡ዋእ እሞ እስከ ኣርእዩና ገለ ደኮመንቲ ናይ ሓዘን ፈርማ ከንብሩ ከለዉ ናይ ሓሶት ኣቡን ዝብል እውን ኣይተረኽበን መስኪን ህዝቢ ኤረትራ ዘርከበ እወ ዓይኑ ዘንቆሐ ዘዕሽዎ ህዝቢ።እዚ ሕቶ ዚ ሕቶ ህዝቢ ኤረትራ ሕቶ ቤተ ክህነት ኤረትራ እዩ።መንግስተ ኤረትራ ነዚ ነገር እዚ ከዕርፍ ተደልዩ ምሳና ምስ ሰብ ነገሩ ደኣ ምተዛረበ እንበር ፡እንታይ ኣምጸኦ ወሰና ወሰን ምኻድ፡ወዮ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ኣይኮነን ሲ ዓለም እያ ፈንፊናቶም ዘላ፡ዋላ ዓለም ተትቅበሎም እውን ጉዳይና ወዳእቱ ንሕና ምዃና ዘይተረድኦም ይመስሉ፡ ንሕና ኢና ኸኣ ንቃወም ዘለና እተን ካልኦትሲ ነቲ ተቃዉሞ ጥራሕ እየን ዝድግፋ ዘለዋ መርገጺአን ዝነብራ እንበር ወሰንቲ ነገርና ንሕና ኢና።ቀዳመይቲ (1ይቲ)ቀዳመይቲ ሕቶና ድማ መንግስቲ ኤረትራ ካብ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያና ኢዱ የውጽእ፡ ሕጋዊ ፓትሪያርክ ድማ ናብ በትኡ ይመለስ፡ይፍታሀ ዲመጥሮስ ዝቀየሮ ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከምቲ ናይ ቀደም ቅዱሳን ኣቦታት ዝገደፉልና ይቀጽል ኣይትቀዩሩ እያ ትብል  እታ ሕቶ።ካብዚኣ ንምኹብላል ግን ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ክበሃል ንሰምዕ ኣለና። ደጊምና እንብሎም ተልዩ ድማ እዚ ጉዳይ ጉዳይ ህዝቢ ኤረትራ ተኾይኑስ ምስ ኤረትራውያን ምዝታይ ይሕሸኩም ንብል።ኣብ ጉዳይና ኣሳሰይቲ ኣየድልየናን፡መዓጹ ማርሻል ጣንጣዊ ተተኻሕኮሐ ዘምጽኦ ለውጢ የለን።ኣሽንኳን ኣይ ኦርተደክሳዊ ኣይ ክርስትያን ማርሻል ጣንጣዊሲ እቲ ኣማኒ ሉተርያን ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ፕረሲደንት ሃገረ ኤረትራ እኳ ኢድካ ካብ ሃይማኖትና ኣውጽእ ኢና ንብል ዘለና ተዋህዶ ደቃ ጥራሕ ዝመኽሩላ ሃይማኖት እያ።በየናይ መስኮት ኣትዮም እዮም ምስ ዝምረጽ ሓድሽ ፓትሪያርክ ዝምዲና ክንገብር ኢና ዝብሉና ዘለዉ መሕለፊ ግዜን ንሂወቶም ከኣ ተስፋ መውሃብን ይኸውን እንበር ዘምጽኦ ለውጢ የለን።
ቀሺ ነበር ኣቶ ሃብቶምን ኣቶ ይፍታሀን ኣብ ዘዕለሉዎ ድማ፡ ብ ተፋላለየ መገዲ ነዞም ክልተ እንኮላይ ነቶም ዝኽድምሎም ዘለዉ ኣቡነ ደስቆሮስ ማለት እዩ።ብ ዝገበርካ ገርካ ብምቅታል ምስ ግብጺ ይቅረታ ገርካ ፡ከም ብሓድሽ ምርጫ  5ይ ፓትሪያርክ ምግባር እዩ።ከምቲ ኣብ ምምራጽ ቀዳማይ ፓትሪያርክ ኤረትራ ኣቡነ ፍሊፖስ ዝገበሩዎ ጆክ ተንኮል ክጥቀሙ ሕንጻጽ ከም ዘሎ ንሱ ይሕሱ ኣሎ ንዕኦም ዝኽድም ብ ተንኮል ክመርጹ።ህጂ እውን ነዚ ዘይምፍላጥ ጥራሕ ኢና ንብሎ።እዞም ኣቦታት ይምቱ ይሃልዉ ብዘየገድስ ዋላ እውን ከምቲ ራሻ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ኦርተደክስ ዝገበረቶ ይገበር ርኡይ ናይ ቅንጸላ መድረኽ ይተግበር፡እቲ ሕቶ፡ ፖሎቲካውያን ክንስሑ ጥራሕ ዝመጹላ ቤተ ክርስትያን ምውናን ጥራሕ እዩ።መንግስቲ ኤረትራ ካብ ቤተ ክርስትያን ኢዱ የውጽእ!!!።እዚኣ ምስ ትትግበር ጥራሕ ኣብ ኤረትራ ሰላም ይርከብ።ትዘገርም ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ፖፕ ሽኖዳ ን ኣቡነ መቃርዮስ ናይ ኩላተን ናይተን ኣብ ስደት ዘለዋ መራሒ ገሮም ምስ መዘዝዎም ፡ን ፖፕ ሽኖዳ ኣውግዝዎ ኢሉ ትእዛዝ ዝሃበ ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ እሞ ብ  ኣቡነ ሉቃስ ግን ወደይ ኩሉ ገርና ኢና ነዚኣ ግን ክንገብራ ኣይንኽእልን ኢና፡ምስ ጎቦዶ ትገጥም ኢኻ ኢሎም ከም ተቃወሙዎ ዝጠፍኦ ይመስል።ትማሊ ኣውግዚ ይብል ነሩ ደኣ ሎሚ ናበይ ደልዩ እዚ ጭዋ።
ላምስ ብኢዳ ዝቀርባስ ብእግራ ትሓክኽ ከም ዝበሃል ድማ ክንዲ ምስ ናይ ኤረትራ ፓትሪያርክን ምስ ዉሉደ ክህነቱን ምስ ህዝቢ ኤረትራን ምምካር ብሽም ግብጺ ገርካ ልቢ ገርሀኛታት ንምስላብ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ንዕዘብ ኣለና።ደጊምና እንብሎም ተልዩ ድማ ፖፕ ሽኖዳ መይቱ ማለት ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ መይቱ ማለት ኣይኮነን ንብሎም።ዝምጉቶም ዘሎ እቲ ሕጊ ደኣሉ እንበር ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ኣይኮኑን።ከምዚ ተቀጺሉ ግን ክንቃላላዕ ምዃና ምፍላጥ ኣሎ። እዚ ኹሉዝግበር ዘሎ ጸወታን ቀልድን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣምላኽ ግን ህዝቢ ተፈሊጥዎ ዱላ ሒዙ ከም ዝጎዮም ንፈልጥ።ስለዚ ፓትሪያርካት ተተቃያየሩ ዘይኮነ ዝመጽእ እቲ መሰረታዊ ፍታሕስ መንግስተ ኤረትራ ካብ ተዋህዶ ምሉእ ብምሉእ ምስ ዝወጽእ ጥራሕ እዩ።ልዕሊ ኦርተደክሳውያን ድማ ዝኾነ ይኹን ወዲ ካሊእ ሃይማኖት በዓል ስልጣን መንግስቲ ሓላዪ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።እዚ ኹሉ ድማ ንተዋህዶ ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ ዊዲትን ተንኮልን ምኻኑ ህዝቢ ክፈልጥ ኣለዎ።እዚ ን ተዋህዲ ኣፍሪስካ ን ከኒሻ ኣብ ኤረትራ ጎብለል ንምግባር ካብ 96 ዓመተ ምሕረት ተገብረ ተንኮል ድማ ኣብ ሰዓቱ ክግለጽ ምኻኑ ኩሉ ክፈልጥ ኣለዎ ንኹሉ ንምርኣይ ምቅናይ ጥራሕ።
ወ ስብሓት ለእግዚኣብሄር ልዑል ወለ ወላዲቱ ድንግል።
ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ኣገልጋሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን


Thursday, 22 March 2012

ሶርያ፦ ጸረ ኣቢያተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን መጥቃዕቲ::

 ሶርያ፦ ጸረ ኣቢያተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን መጥቃዕቲ::
ቲ ሁማን ራይት ዎች ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ዘይመንግሥታዊ ማኅበር ቅድሚ ትምሊ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ፣ እቲ ጸረ ሥርዓት ርእሰ ብሔር ኣሳድ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ተቓዋሚ ኃይሊ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዓመጽ ይፍጽሙ ከምዘለዉ እንከመልክት፣ ብፍላይ ድማ እቲ ምስ ዓል ቃይዳ ኃይሊ ሽበራ ምቅርራብ ዘለዎ ብሪገድ ፋሩቕ እተሰምየ ኃይሊ ኣብ ሆምስ ኣዚዩ ሰፊሕ ዝኾነ ምንጻት ናይቶ ናይ ክርስትና እምነት ሰዓብቲ ዓሌት ይፍጽም ከምዘሎ ኣብቲ ከባቢ ካብ እትርከብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሓበሬታ ዝረኸበ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ሶሪያ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ጠቕላላ ብዝሒ ሰዓብቲ ክርስትና ሃይማኖት 60 ሚእታዊ ትሽፍን ከምዝኾነትን ካብቲ ጠቕላላ ሚእታዊ ብዝሒ ክርስትያን 90 ሚእታዊ በቶም ዕጡቓት ኃይሊ ሰዓብቲ ምስልምና ካብ ሆምስ ከምእተሰጉን ብሓይሊ ንብረቶምን ኣባይቶምን ከምእተወርሰን ምንጪ ናይ ሶሪያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ እቶም ኣባላት እስላማዊ ዕጡቓት ሓይሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ምእመን ኣባይቲ እናኣተዉ የሳድድዎም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ብሪገድ ፋሩቕ ብዕጡቓት ሓይሊ ኣልቃይዳን ብዝተፈላለዩ ጉጅለ ዋሃቢቲ ዝምራሕ ኮይኑ ካብ ዒራቕን ሊቢያን ዝተዋጽኡ ዑሱባት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘጠቓልል ከምዝኾነ እውን እንክንገር፣ ኣብ ኣለፖ ምኽትል ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ናዛሮ እዚ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ዘረጋግጽ ምንጪ እውን እንተዘይብልና፣ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም ዓመጽ እናረኣየ ከምዘይርኣየ ዝሓልፍ መራኸቢ ብዙሃን ካብቲ ዝመርጾ ሱቕታ ዘላቕቕ እዩ። እብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ከባቢ እቶም ምንቅስቓስ ምስልምናን ኣሸበርትን ጥራሕ ኢዩም ዝዕወቱ ዘለዉ። ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣለፖ ኣብ ዝርከብ ብፍራንቸስካውያን ኣኃው ኣብ እትመሓደር ቤት ትምህርቲ ከባቢ ሓንቲ ቦምቢ ዝተጸምዳ መኪና ከምእተባራዔትን ብዕድል ኣብቲ እዋን ፍራንቸስካውያን ኣኃው እቶም ኣብቲ ቅዱስ ቦናቨንተር ማእከል ትምርህተ ክርስቶስ ዝነበሩ 15 ሕጻናት ተመሃሮ ቅድሚ ምእኻል ሰዓቶም ንቤቶም ስለ ዝፍፈነዎም ንሞት ሓደጋ ዝተቓልዔ ሕጻናት ተመሃሮ ኣይተረኽበን፣ ኣብ ደማስቆን ካልኦት ከባቢታት ጸረ ውሁዳን ሃይማኖት ክፍሊ ኅብረተሰብ ሶሪያ ዝፍነዉ ዘለዉ መጥቃዕትታት ዘሕዝን እዩ። ኣብታ ሃገር እቲ ንቡር ሰላም ተመሊሱ ሕዝቢ ብዘይ ኣድልዎ ዝነብረላ ሃገር ክትከውን እዩ ጸሎትና ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ከተማ ሆምስ ዝተረፉ ካህናት ኣባላት ማኅበር ኢየሱሳውያን ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኩለ መዳያዊ ደገፍ ብምቕራብ ተጸሚዶም ዓቢይ ናይ እምነት ጅግንነት ዝሓትት ምስክርነት ይህቡ ከምዘለዉ ዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ እቶም ኣብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ዝዋስኡ ናይታ ሃገር ኅብረኣውነት ክኽብሩ እቶም ኣብ ሶሪያ ኣብ ደገፍን ሕንጸት ስደተይናታትን መንሰያትን ዝተጸምዱ ካህናት ማኅበር ኢየሱሳውያን ጻውዒት እውን ከምዘቕረቡ ሓቢሩ።
haymanoteabow@gmail.com

መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ገዳም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን::

 መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ገዳም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን::
ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ንብረትን ቅዱሳት ስፍራን ኣመሓዳሪ ኣባ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ዝሃብዎ መገልጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ፣ ኣብ ኣለፖ ዝወረደ መጥቓዕቲ ብሰፊሕ ኣብቲ መብዛሕቲኡ ክርስትያን ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝቕመጠሉን ኤር ራም እተሰምየ መንሰያትን ሕጻናት ዝእከብሉን ሕንጸት ዝረኽብሉ ገዳም ዝርከበሉ ክፍሊ ከተማ ኣል ሱላይማንያ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ዝወረደ መጥቓዕቲ ብዘስዓቦ ስንባደ ንግዚኡ ኣብቲ ኤር ራም ገዳም ዝወሃብ መደብ ሕንጸት ክቋረጽ ከምእተወሰነን፣ ብሓቂ ነቶም ሕጻናት ኣኪቦም ዘስተምህሩ ዝነበሩ ኣባ ሻዲ ባደር ቅድሚ እቲ ዝወረደ መጥቓዕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኃዋሁ ስለ ዘተሓሳሰቦም ነቶም ሕጻናት ናብ ኣባይቶም ቅድም ቢሎም ስለ ዘፋነዉዎም እቶም ሕጻናት ካብ ሞት ሓደጋ ክድሕኑ ከምዝኸኣሉን ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ እቲ ቤት ሕንጸት ከምዝዓነወ እውን ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ብሓቂ እቲ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ርኢኻ ኣብ ሶሪያ ክፍጠር ዝኽእል ኩነት ንምግማት ኣዚዩ ዘጸግም ምዃኑ ኣባ ፒዛባላ ሓቢሮም፣ መጻኢ ኩነት ሶሪያ ዘይንጹር እዩ ቢሎም ኩሉ ማኅበረ ክርስትያን ምእንቲ ሶሪያ ክጽሊ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፣ እቲ መጥቓዕቲ ዝወረዶ ኣብ ኣለፖ ዝርከብ ብሕልቅና ኣባ ጆርጆ ኣቡ ካዘን ዝምራሕ ናይ ፍራንቸስካውያን ኣኃው ገዳም ከምዝኾነ ክምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
http://www.radiovaticana.org/et2/Articolo.asp?c=573588

Wednesday, 21 March 2012

ተኸዊልካኒ!!! pope shenouda 3rd!!!::

         ተኸዊልካኒ!!! pope shenouda 3rd!!!::
ኣንታ ርህሩህ መምህር ልኡኽ ናይ ክርስቶስ
ኣለኻኒ እንዳበልኩ ከድካ እንበኣር ሎምስ
ኣርሒቅካ ዓዲ መሪጽካ ምስ የሱስ
በል እስከ ጸልየለይ ድቃስ ሞት ከይድቅስ
በቲ ዝገደፍካለይ ንቅድሚት ክምርሽ

                         ወዲ እካዮ ጉያ ኣኽሊል ጨቢጥካያ
                    ካብ ኣጽናፍ ናብ ኣጽናፍ ወንጌል ዘርጊሕካያ
                         ትኹሉ ምንባርካ ተዛዚሙ ብቅያ
                    ብምንታይ እዩ እሞ ክግለጽ እዚ ናትካ ሞያ
                    መዘና ኣልቦ ፍጡራት ቤተ ክርስትያን ገዲፍካያ
                              ብፍቅሪ ዝልለ ናይ ሓቂ ሃወርያ
                 ንምፍላይካ እሞ ምስ ካልእ ከመይ ገረ ከመዓራርያ

ግን!!!
ንስኻ ዘይብሉስ እንታይ እዩ ምንባርና
ከመይ ኢላ ኢያኸ ክትቅጽል እዛ ሃይማኖትና
መራሒ ነርካ ወዲ ቅዱስ ማርቆስ ቅኑዕ ዳኛ
ን ሰብ ዘይፈርህ ብ ወንጌል ዝመርሓና
ወዮ ተሓንጢና ክንሰምዓካ ከይረወና
ተሰዊርካ ኣቦ ትዕግስቲ ሕማቅ ኣልሚድካና
ንሕና ንበቀካ ንስኻ ግን ኣርሒቅካ ካባና

                                  ዘይ ቀደምካስ!!
                ብቀደሙስ ንዓለም ምዉት ኢኻ ነርካ ዝመነነ ንሓዋሩ
                   ዘይ ቀደምካስ ኣብ ሰማይት ነበረ ሓሳብካ ብስሩ
                  ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ እዩ ነሩ ብጥሙሩ
                     ኣብዛ መረት ስጋኻ ትራሕ እንዳኣሉ ነሩ
                     ብኹሉ ንኡድ እንታይ እዩ እቲ ናትካ ምስጢሩ
                      ምፍላይካ ይምነ ከይኮነኒ ንሓዋሩ
                      ሕልሚ ክኾነለይ ይምነ ምፍላይካ ብስሩ
                     ንሓጥያት ዝመሓኻ በንቂስካ ብስሩ
              ክንዳኻ ዝኣክል ተኸዊሉንስ ልበይ ክጻናናዕ ከመይ ገሩ

ተኸዊልካኒ!!!
ይሕልም ዲየ ዘሎ ወይሲ ናይ ሓቂ እዩ
ባዕልኻ ተዛረበኒ እዚ ዝሰምዖ እንታዩ
ከይዱ ኢሎምኒ ናብ ሰማይት ኣብርዩ
ምስ መን ሓዲግካኒ መልስኻ እንታይ እዩ
ዋላ ከእምኖ ተደለኹ ሓንጎለይ ምእማን እኮ ኣብዩ
ይብድሃኒ ኣሎ ፖፕ ሽኖዳ እንዳ በለ ኣሎ እዩ

                                     ተኸዊልካኒ
                                  ኣንታ ርህሩህ ኣቦ ሕያዋይ ወላዲ
                               እሞ ጸልየለይ ክጓዓዝ ብናትካ መገዲ
                              እንበር ንሕልፈትካስ ክቅበሎ እየ ብግዲ
                             ክምከት ስለ ዘይከኣል ናይ ፈጣሪ ፍርዲ
                            ዋላ ተተጋማጣለ ኣብዩኒ እዚ ናተይ ከብዲ

ተኸዊልካኒ !!!
ክሃድም እየ ቀኒየ ከይሰምዕ ምሕላፍካ ኣታ ቅዱሰይ
ከእምኖ ፈቲነ ከምዘይ ትሓልፍ ኒ ሂወተይ
ኣይገድፈንን ኢለ ከምዚ ኢለ ብዘኽታመይ
ከተሳግረኒ ኢኻ ኢለ ነዛ ዘላ ኩርባ ኣብ ቅድመይ
ግን እንድዒ ተኾሊፉ ባህታይ
ይፈርሕ ኣለኹ ህጅስ እንድዕለይ
ይቆረኒ ኣሎ ኣይከኣልኩን ክጽመሞ ዓቅመይ
ስቅ ኢለ ኣይኮንኩን ንስኻ ስለ ተኸወልካኒ እንበረይ

                                           ተኸዊልካኒ!!!!
                              ኣይተጸበኹን ኣምላኽ ብኣኻ ዝመጸኒ
                               ዝሓሰብኩዎስ ካሊእ እዩ ነሩ ዘስግኣኒ
                        ካብ ዘፍርሕ ከይወጻእኩ ግን ዘፍርሕ መጺኡኒ
                                ፖፕ ሽኖዳ ገዲፍኩካ ገይሹ ኢሎምኒ
                            ተጋማጢሉ ከብደይ ምፍልይካ ከቢዱኒ
                     ኣየ ሓንሳእ ተትዛረብ ተንሲእካ ክንደይ ባህ ምበለኒ
                      ነልኣዛር ዘተንስኦ ተዘተንስኣካ ፈንቂሉ ነቲ እምኒ

ሞት ዘይትዳነ ሞት ፈልያትና
እንበር ንስኻዶ ትምኖ ኣንታ ሕያዋይ መምህርና
እሞ ናብ ልዑል ፈጣሪ ለምነልና
ከማኻ ትጉህ ጓሳ ፈጣሪ ክህበና
እንበር ንፈርሕ ኢና ዘለና ብድሕረኻስ ከይከፍእ ነገርና
ፖፕ ሽኖዳ ሳልሳይ ዘይብሉ መዛና
ኣይተዋሕጠልናን ስራሕ ፈጣሪ ብኣኻ ዝመጸና
                ኦ እግዚኦ አዕርፍ ነፍሰ  ኣቡነ ሽኖዳ ሳልሳይ!!!!።
            ቀሺ ሙሴ ሽሻይ by (father musie)
http://www.copticchurch.net/
haymanoteabow@gmail.com