1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday, 13 April 2012

1ይ. (ሰዓት 6 ንጉሆ) ነግህ፣ ኣቡን፣ 9.ሃሌታ፣ ነኣምን ነኣምን ነኣምን ሕማሞ ለዘኢየሓምም ርግዘተ ገቦሁ ነኣምንወቅንዋተ እደዊሁ ነኣምን ዬ.ዬ.ዬ፣ ነኣምን ሞቶ ወትንሣኤሁ፣ለከ ሓይል ክብር ወስብሓት ወእዘዝ እስከ ለዓለም፣ ኣማኑኤል ኣምላኪየ ለከ ሓይል ክብር ወስብሓት ወእዘዝ እስከ ለዓለም ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለከ ሓይል ክብር ወስብሓት ወእዘዝ እስከ ለዓለም፣ ሓይልየ ወፀወንየ ውእቱ እግዚእየ እስመ ኮንከኒ ረዳእየ እብል በኣኰቴት ኣቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ….ሓይል ወስብሓት ለዓለመ ዓለም፣ 12. ጊዜ ደጋግሞ፣ ለከ ይደሉ ሓይል ወለከ ይደሉ ስብሓት ወለከ ይደሉ ኣኰቴት ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለዓለመ ዓለም፣
ስብከት፣ ተንሥኡ ላእሌየ ሰማእተ ዓመጻ ወዘኢየኣምር ነበቡ ላእሌየ ተንሥኡ ላእሌየ ሰማእተ ዓመጻ (መዝ.34. ማቴ.27.1---15.)
ብዜማ፣
ወጸቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ይስቅልዎ ለኢየሱስ ዲበ እፀ መስቀል (ማር.15፣1---6)
ወጸቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ኣውጽእዎ ለኢየሱስ ወመጠውዎ ለጲላጦስ (ሉቃስ፣22.66---ፍ፣23.1---13)
ወጸቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ኣውጽእዎ ኣፍኣ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቅለዎ (ዮሓ.18. 28---ፍ)
ወጸቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ኣውጽእዎ ለኢየሱስ ወነበረ ዓውዶ ሶቤሃ፣
ካህን፣ ጸልዩ በእንተ ጽንዓ ዛቲ መካን…ሕዝቢ ኣብ መምዕራፍ እግዚኦ ተሣሃለነ፣
ቀጺሎም፣  ኪርየላይሶን…፣ ሰላምታ ናይ ነግህ;
2ይ. (ሰዓት 9 ቅድሚ ቀትሪ) ሠለስት፣ ኣቡን 9. ሃሌታ፣ ኣርዑተ መስቀሉ ጾረ ኣርዑተ መስቀሉ ጾረ ይስቅልዎ ሖረ ዬ.ዬ.ዬ.
ከመ ኪያነ ይቤዙ እግዚእ ኮነ ገብረ ለከ ሓይል…፣ ቅድሚ ስብከት፣ ግፍኦሙ እግዚኦ ለእለ ይገፍኡኒ ጽብኦሙ እግዚኦ ለእለ ይጸብኡኒ ግፍኦሙ እግዚኦ ለእለ ይገፍኡኒ (ማቴ. 27.15---27)
ጊዜ 3ቱ ሰዓት ኣሓዝዎ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቅልዎ (ማር.15.6---16)
ጊዜ 3ቱ. ሰዓት ቀሰፎ ጲላጦስ ለኢየሱስ ወመጠዎሙ ይስቅልዎ (ሉቃስ፣23.13-26)
ጊዜ 3ቱ ሰዓት. ኣሕየወ ሎሙ በርባንሃ ወወሃቦሙ ኢየሱስሃ ይስቅሉ (ዮሓ፣19.1---13)
ጊዜ 3ቱ ሰዓት ወሰድዎ ለኢየሱስ ውስተ ዓውደ ምኵናን፣
ጸልዩ በእንተ ጽንዓ… ኪርየላይሶን …ሰላምታ፣
3ይ.(ሰዓት 12. ቀትሪ) ስድስቱ ፣ኣቡን 9. ሃሌታ፣ተሰቅለ ተሰቅለ ተሰቅለ ወሓመ ቤዛ ኩሉ ኮነ ዬ.ዬ.ዬ.
በመስቀሉ ቤዘወነ እሞት ባልሓነ፣ ለከ ሓይል…፣ካህን፣ለመስቀልከ ንሰግድ ኦ ሊቅነ ወለትንሣኤከ ቅድስተ ነኣምን ኵልነ ይእዜኒ ወዘልፈኒ፣ ስብከት ፣ ቀነዉኒ እደውየ፡ወእገርየ ወሆለቁ ኵሎ ኣእጽምትየ ቀነዉኒ እደውየ ወእገርየ፣(መዝ.21. ማቴ.27.27---46)
ጊዜ 6ቱ ሰዓት ኣልበስዎ ኣልባሲሁ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቅልዎ (ማር. 15.16---34)
ጊዜ 6ቱ ሰዓት ዓበጥዎ ለስምኦን ከመ ይጹር መስቀሎ (ሉቃ.23.26---44)
ጊዜ 6ቱ ሰዓት ሰቀልዎ ለኢየሱስ ማእከለ 2ኤ ፈያት (ዮሓ.19.13---28)
ጊዜ 6ቱ ሰዓት ቀትር ሶቤሃ ሊቃነ ካህናት ሰቀልዎ ለኢየሱስ በቀራንዮ መካን፣
በእንተ ጽንዓ ዛቲ…ኪርየላይሶን፣
ድሕርዚ ካህናት ኣብ ኣፍ ደገ መቅደስ ኰይኖም ኮፍ ኢሎም ‘’ኣምንስቲቲ ሙኪርያ ኣንቲ ፋሲልያሱ፣ ኣምንስቲቲ ሙኣግያ ኣንቲ ፋሲልያሱ፣ ኣምንስቲቲ ሙዳሱጣ ኣንቲ ፋሲልያሱ፣ ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ ተዘከረነ እግዚኦ ኦ ሊቅነ ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ በከመ ተዘከርኮ ለፈያታዊ ዘየማን እንዘ ሃሎከ ዲበ እፀ መስቀል ቅዱስ፣ተቓባቢሎም ይደጋግሙዎ፣
4ይ.(ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ) ተስዓቱ ፣ ኣቡን 9. ሃሌታ፣ ሶበ ሰቀልዎ ሶበ ሰቀልዎ ሶበ ሰቀልዎ ለእግዚእነ ፀሓይ ጸልመ ወወርሕ ደመ ኮነ ዬ.ዬ.ዬ.
ኣድለቅለቀት ምድር ወተከስቱ መቃብራት ለከ ሓይል…
ካህን፣ ኦ ዘጥእመ ሞተ በሥጋ ኦ ዘጥእመ ሞተ በሥጋ ኦ ዘጥእመ ሞተ በሥጋ፣
ሕዝቢውን ይቕበሉዎ፣
ስብከት፣ ወወደዩ ሓሞተ ውስተ መብልእየ ወኣስተዩኒ ብሂኣ ለጽምእየ ወወደዩ ሓሞተ ውስተ መብልእየ፣ መዝ.68. (ማቴ.27.46—51)
ጊዜ 9ቱ ሰዓት ጸርሓ ኢየሱስ በቃሉ ወይቤ ኤሎሄ ኤሎሄ (ማር.15.34---38)
ጊዜ 9ቱ ሰዓት ገዓረ ኢየሱስ በቃሉ ወወጽኣት መንፈሱ ሶቤሃ (ሉቃ.23.44---50)
ጊዜ 9ቱ ሰዓት ከልሓ ኢየሱስ በቃሉ ወኣማሓጸነ ነፍሶ ሶቤሃ (ዮሓ.19.28---31)
ጊዜ 9ቱ ሰዓት ኣጽነነ ርእሶ ኢየሱስ ወይቤ ተፈጸመ ኵሉ፣ በእንተ ጽንዓ ዛቲ…
ኪርየላይሶን፣ሰላምታ፤
5ይ.(ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ) 10ቱ ወ፩ዱ ሰዓት: ኣቡን 9 ሃሌታ፣
ንዜኑ ንዜኑ ንዜኑ ዘኣምላክነ ሂሩተ ትሕትና ወየውሃተ ዘእንበለ ዓቅም ዬ.ዬ.ዬ.
እንዘ ይጼእልዎ ኢጸኣሎሙ ወእንዘ ያሓምምዎ ኢተቀየሞሙ፣
እዚ ለከ ሓይል የብሉን፣
ብድሕርዚ ምህልላ እግዚኦ ትብል ናብ 4ቲዑ መኣዝን እናተመለስካ 400 እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ ትብል እሞ፣ ንሕዝቢ ናይቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገርፎ ስቅያት መዘኻኸሪ ጠብጢብካ ሥርየት ሂብካ ተሰናብት፣ ንሕናውን ተኻፈልቲ ሕማማትካ ኢና/ ማለት እዩ፣

Thursday, 12 April 2012

ናይ ዕለተ ሓሙስ ንብብ::


ናይ ዕለተ ሓሙስ ንብብ
1ይ ሰዓት ናይ ለይቲ
1ይ ሕዝ 42፡1-14
ምስባኽ መዝ 89፡1-2
ወንጌል የሓ 10፡17-21
                     2ይ ሰዓት ዘሌሊት
1ይ ኣም፡4፡2-13
መዝ 84፡6-7።
1.  3ይ በ 6ይ ሰዓት ናይ ለይቲ
1ይ 9 ሰዓት ናይ ለይቲ
1ይ ሕዝ20፡30-33
ወንጌል የሓ 10፡27-39
7ይ 1ይ ሰዓት ናይ መዓልቲ
1ይ ምን ዘጸ 17፡8-17።
1ይ ግብሪ ሓዋርያት 1፡15-20
መዝ 45፡21-22
ወንጌል ሉቃ 22፡1-14
7ይ በ 3ይ ሰዓት  ናይ መዓልቲ
1ይ ምዕራፍ ዘጸ 32፡30-35
1ይ  ዘጸ 35፡1-3
ምክ 2፡3-13
ሲራ 24
መዝ 91፡21-22
ወንጌል ማቴ 26፡17-19
8 ናይ 6ይ ሰዓት ዘመዓልት
1ይ ኤር 7፡3-15
ሕዝ 20፡39-44
ምክ2፡ 7-13
ምክ 3፡ 1-8
ስፎ 1፡7-18
ሲራ 12
መዝ 31፡ 13-14
ወንጌል ማር 14፡ 12-16
9ይ ሰዓት ዘመዓልት
ዘፍ 22፡1-19
ኢሳ 81፡1-7
ኢዮ 27፡1-22
ኢዮ 28፡1-13
ምል 28፡9-14
ምል 2፡ 1-8
መዝ 23፡1-2
ሉቃ 22፡1-13
10 ናይ 9 ሰዓት
ናይ  ሕጽበት እግሪ ምንባብ
ዘፍ 18፡1-33
ዘጸኣ 14፡28-34
ኢዮ 3፡13-17
ኢሳ 4፡፡2-7
ኢሳ45፡1-13
ሕዝ 11፡17-21
ሕዝ 46፡2-9
መዝ 51
መዝ 100
 መዝ 89
11 ስለ ቁርባን
1ይ  ቀዳ 11፡23-39
2ይ ጴጥ ቀዳ 2፡11-25
ግብ 8፡26-40
መዝ 23፡5-6
ወንጌል 26፡20-30
12 ሰዓት ናይ ሰዓት 11 ናይ መዓልቲ
መዝ
ኢሳ 52፡13-15
ኢሳ 55፡1-12
ኢሳ 54፡1-8
ኤር 31፡ 15-26
ኢሳ 31፡1-9
ኢሳ 32፡1-20
ኢሳ 33፡1-10

Friday, 6 April 2012

ሆሳዕና ሻሙናይ(8ይ) ሰንበት ራብዓይ(4ይ)ክፋል ይቅጽል ። ኩቡር ክርስትያን

ሆሳዕና ሻሙናይ(8ይ) ሰንበት  ራብዓይ(4ይ)ክፋል  ይቅጽል
                 ኩቡር ክርስትያን።
ን ሃወርያት ልቦም ዘንቀደ ኣምላኽ ልብኻ ከንቅድን ኣጸቢቁ ክግለጸልካን ናብኡ ብትሕትና ቀሪብካ ጸሊ።ንኹሉ ዝንዕቖ ፍጥረት ዘይንዕቅ ካብ ሓመደ ኣልዒሉ ሰብ ዝገብር ኣምላኽ ምዃኑ ኣስተውዕል፡ ምንም እኳ ሓጢኣተኛታት ተኾና ብንስሓ ናብኡ ክንቀርብ ከለና ክቅበለና ከም ዝኽእል ፍለጥ ፡ፈሊጥካ ብኹልንትናኻ ቅረቦ ንሱ ሕያዋይ እዩ።ገለ ገለ ሰባት ክብሪ ይደልዩ ኣይረኽቡን ፡ ኣየ ክበሃለሎም ይደልዩ ኣይረኽቡን ድማ፡ህዝቢ ኩሉ ክፈትዎም ይደልዩ፡ ኣይኮነሎምን ድማ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ዶ ናይ ክርስቶስ ማሕደር ን ሂወቶም ክትከውን ቀዳምነት ስለ ዘይለወጥዋ እዩ።ናይ ክርስቶስ ማሕደር ን ሂወትካ ክትከውን ተደሊኻ ቅድም ናይ ክርስቶስ ማሕደር ክኸውን ዝኽእል ሰብ ከመይ ዝበለ እዩ መርምር ፡እንታይ ምስ ዝኸውን እየ ማሕደር ኣምላኽ ዝኸውን  በል።ነቲ ኣብ ጥቃኻ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ኣንብቦ እሞ።ኣብኡ ን ሂወትካ ፈትሻ ተዘየሊኻ ከመይ ገርካ ማሕደር ክርስቶስ ክትከውን ከም ዘለካ ጸዓርን ጸልን።
እዛ ን የሱስ ክርስቶስ ዝጾረት ኣድጊ ኣስተውዕላ፡ ብኹሉ ዝተናዕቀት፡ ቆርበታ ሰብ ኣይንጸፎ፡”ጸበኣ ሰብ ኣይሰትዮ፡ ስጋኣ ሰብ ኣይበልዖ፡ጥራሕ ንሕስራን ሰብ ዝደልያ ንሱ ክኸብረላ  እቲ ልዑል ደለያ፡ ንርእሳ ኣብቲ ዝተነጽፈ ጨርቂ ክትረግጽ፣ ቆጽሊ-ስየ ተወንዚፋ ክትከብር ርኢናያ።  ኩሎም እቶም ንክርስቶስ ብልቦም ዝቕበልዎ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ይሰጋገሩ ።ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ክትሳጋገር ዶ ትደሊ ን ክርስቶስ ሰዓቦ። ኣምላኽ ንዓይን ንዓኻን እውን ክጥቀመልና ከም ዝደሊ ኣስተውዕል ንስኻ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ክቡር ኣገዳሲ ፍጥረት ምዃንካ  ፍለጥ።ሓደ ሓደ ግዜ ኣምላኽ ይመጽእ ክጥቀመልና ይደልየና ኣብ ቦታና ስለ ዘይረኽበና ድማ እቲ ንዓና ዝተባህለ ን ካልኦት ይወሃብ።ኣምላኽ ን ኣዳም  ከም ኩሉ ግዜ መጾ ኣዳም ግን ኣብታ ናይ እምነት ቦትኡ ኣይጸንሐን ፡ኣበይ ኣለኻ ኢሉ ክሓቶ ከሎ ድማ ብስጋ ሓሲቡ ድምጽኻ ሰሚዐስ ፈሪሐ ተሓባእኩ ኢልዎ።ኣምላኽ ኣበይ ከም ዘሎ ምፍላጥ ሲኢንዎ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ምስትውዓል ኣዳም ክፈልጥ ደለየ ኣዳም ግን ብስጋ መለሰ ግን ከ ገበን ምግባሩ ተረዲእዎ ጥርሐይ እየ እሞ ተሓባእኩ በለ ስለዝስ ምስ ክዳና ኣለና እንዳበልና ጥራሕና ከይንህሉ ን ሂ ወትና ን መርምርን ክዳን ተባህለ ክዳን ዘይኮነስ ጽድቅኻ እዩ እሞ ጽድቂ ዘይብልና ከይንከውን ንነብር ዘለና ንጠንቀቅ።
ንርእሶም ክብረትን ተደላን ዝደልዩ ሰባት መምህር ኢሎም ሰባት ክጽውዕዎም ዝደልዩ ሰባት  ኩሉ ኣይረኽብዎን እዮም።ክትከብር ኣብ ታሕቲ ጽናሕ ኣምላኽ ድማ ልዕል ከብለካ እዩ። ናይ ክብሪ ወናኒ የሱስ ክርስቶስ እቲ ተሰቅለ እዩ።መንፈሶም ዝተሰብረ ስለ ቃሉን ወንጌሉን ንነፍሶም የሕሊፎም ዝሃቡ ቅዱሳን ግን ነፍሶም ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮነት።በዚ መዓልቲ እዚ እንበኣር ከምቶ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ህጻናት ዲና ወይሲ ከምቶም ፈላጣት ኢና እንዳበሉ ጥርሖም ዝጸንሑ መማህራን ሕግን ጸሓፍቲ ፈሪሳውያንን። ካብ መን ምዃና ነፍስና ንፈትሽ።
 ቅዱሳን ናቱ ማሕደር ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ ድማ ኢና ንሕና ነኽብሮም ንሱ ባዕሉ ናይ ቅዱሳን ክብሪ እዩ።እወ እሱ ክብርና እዩ እሞ ስለ ቃሉ ንምምስካር ንሙማት ንምስቃል፡ ስለ  ሓቂ ንምሕሳር ኣይትማታእ ሽዑ ንሱ ልዕል ከብለካ እዩ።ብ ቃሉ ምስ ማንም ኣካል ዋጋ ዕዳጋ ኣይትእቶ፡ንቃሉ ድማ ምስ ማንም ቃል ኣይተነጻጽሮ፡ኣይተዋዳድሮ ቃል ኣምላኽ ክብርኻ እዩ ብፍላይ ድማ ብ ወንጌል ንእሽቶ እትበሃል ሸለል ኣይትበል ሸለልትነት ን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ ኣምላኽ ክፍንፈኑ ዝገበሮም ረሳሕ ባህሪ እዩ። ቀዳምነት ነቲ ሆሳዕና እንዳበሉ ዝተቀበሉዎ ህያው ጎይታ ሃብ ፡ ሽዑ ኣምላኽ በኣኻ ገይሩ ክኸብር ከሎ ክትርኢ ኢኻ።
                 ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኣሜን
                       ቀሺ ሙሴ ሽሻይ





ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት 3ይ ክፋል ይቅጽል

 ሆሳዕና  በኣርያም ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት 3ይ ክፋል ይቅጽል
ኣቦታቶም ቤተ ንግዲ ዝገበሩዎን ከምኡ ኢሉ ዝጸንሖምን ሓደ (50 )ሓሙሳ ዓመት ዘምልእ ሰበኣይ መጺኡ ከውጽኦም ከሎ ከድንጽዎም ባህርያዊ እዩ።ስልምንታይሲ ካብኡ ብዕድመ ብትምህርቲ ኣብ ዓይኒ እቲ ህዝቢ ዝተራእዩ ሰባት ብዙሓት ስለ ነበሩ፡ ሊቃውንቲ ብኾፎም ሓደ ሓድሽ ነብይ በዓል ናዝረት መጺኡ ዓገብ ኢሉ። እዚ ዓገብ ዝብል ዘሎ ደኣ መን እዩ ብምባል ድማ ኩላ ተገሪማ።ሎሚ እንበኣር ኣብ ቤተ ክርስትያና ንዝርኣዩ ጉዳያት ዓገብ ክንብል ከለና ንዝቀርበልና ስቅ በሉ ዝብል ቃል ክንግርሃሉ የብልናን። ቤት ኣምላኽ ቤት ኣምላኽ እዩ።ን ቤት ኣምላኽ ቤተ ፖሎቲካ ኣይትግበሩዎ መጋበሪ ረብሓ ኣይትግበሩዎ ከምታ ኣቦታትና ቅዱሳን ዘጽንሕዋ ደኣ ንኺድ ወንጌል ንስበኽ፡ ክንብል ጎይታ ሎሚ ብ መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ይጽውዓና ኣሎ።
ሓንቲ ቤተ ኣምላኽ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ክትርአ ተኾይና  ውሽጣ ኩሉ ግዜ ክትፍትሽ ይግብኣ ስለምንታይ ኣምላኽ ብኹልንትናና ንጹሃትን ጽሩያትን ክንከውን ይደልየና። እንተኾነ ነገርና ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓይኒ ሰብ እኳ ነገራትና ክሽፈን ኣይከኣልን ዘግህን ኮይኑ ኣሎ። ሓላፊ መገዲ ከም ዝስሕቀና፡ኮይና ንርከብ፡ፓትሪያርክ ኣሲሮም ፓትሪያርክ ዝሸሙ፡ መሳርሒ ፖሎቲካ ዝኾኑ ኮይና ኣለና። ነዚ ሕርሚ እዚ ሎሚ ከነውጽኦ ተዘይፈቲና፡ኣምላኽ ንሕና ኮፍ ኢልና ከለና ኣብ ህጻናት ክግለጽን ብህጻናት ክግልገልን እዩ። ከምቶም ጎይታ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ኣታ ግደፍ ዝበልዎን ተጸሊሉ እዩ  ዝብልዎን ነበሩ ሰባት።ነዚ ቃልዚ ንዘውጽኡ ተጸሊሎም እዮም ።ስቅ ዘይብሉ ክንብል ተጀሚርና ግን ንየሱስ ክርስቶስ ዘይኮና እንመስልሲ ንዕኦም ነቶም ጠበርቲ ርእሶም ንመስል ምዃና ዝሕብር እዩ እሞ ነፍሲ ወከፍ ሂወትና ን መርምር ።ሆሳዕና እንበኣር ከቢድ ሓላፍነት እንስከመላ መዓልቲ እያ።ትሕትናን ሓቅን ተዓጢቅካ ነፍስኻን ኣገልግሎትካን ብ ምምርማር ን ጉዕዞ ወንጌል እንብገሰላ ቅድስቲ መዓልቲ፡ ን ኣምላኽ ዘየኽብር ኣምላኽ ዘይፈትዎ ባህርን ጠባይን ካብ ሂወትና ነውጽኣላ ቅድስቲ መዓልቲ።
እቶም ቤተ መቅደስ ቤተ ምስያጥ ኮይና ስቅ ኢሎም ዝርእይዋ ነበሩ ሰባት የእምሮኦም ከይበርሀ ብዕውሩ ተረፈ፡እቶም ኣብ ግዜ ሆሳዕና ሆሳዕና ኢሎም ዝዝምሩ ነበሩ ህዝቢ  እውን ዓርቢ ስቅለት  ይሰቀል ኢሎም ክጭድሩን ወዓሉ።እንበኣር እዞም ሎሚ ቤተ እግዚኣብሔር እንዳሓመመ ስቅ ኢሎም ዝርእዩ ዘለዉ ጽባሕ ስቀልዎም ክብሉና ምኻኖም ፈሊጥና ንዝመጸና ፈተናን ግፍዕን ድሉዋት ክንከውን ኣለና። ክሕድሰና የብሉን።ተመሃራይ ከም መምህሩ ጊልያ ኸኣ ከም ጎይታኡ ስለ ዝኾነ።
 ደቂ መዛሙርቱ ብ ዓብይ ድምጺ ከመስግንዎ ዝሰምዑ  ንደቂ መዛሙርትኻ ስቅ ኣብሎም በልዎ።ንሱ ግን እዚኦም እኳ ስቅ እንተበሉስ እዞም ኣእማን ክጭድሩ እዮም በለ።ምጭዳር መቸስ ማዕሮ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።ንሱ እቲ ጎይታ ክዝምሩ ዘይኮነ ኢሉስ ዉዕዉዕ መዝሙር ነቲ መዝሙር ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ንምግላጽ <<ክጭድሩ እዮም >>በለ።ኣብ ቤተ መቅደስ ሕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መጽኡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።ኣብ ቤተ መቅደስ ዝነበሩ ህጻናት ድማ  ዓው ኢሎም ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት ኢሎም ዘመሩ።
ነዚ ኹሉ ካብ ፈለማ ደቂ መዛሙርቱ ብስም እግዚኣብሔር ብሩኽ እዩ፡ ዝሰምዑን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን  ዝርኣዩ ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን ፡የዒንቶም ደም መልኦ፡ተናደዱ  እሞ እዚኣቶም ዝብልዎስ ትሰምዖዶ ኣለኻ በልዎ።የሱስ ድማ <<እወ ካብ ኣፍ ቆልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ ዝብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም >>በሎም።ሎሚ እንበኣር ስቅ በሉ ወንጌል ኣይትንገሩ ፡ሓቂ ኣይትዛረቡ ፡ተዓበሱ ፡ሓቀኛ ምስጋና ኣይተቅርቡ።መሳኻኽር ሓሶት ኩኑ። ነፍስኹም ጠቢርኩም ኣብ ሓሶት ንበሩ፡ ኢሎም ክኽልክሉና ንዝፍትኑን ይጽዕሩ ንዘለዉን ንሕና እኳ ስቅ ተበልና ኣኽራናት ክዘሉን  ክሳራሰሩን ክምስክሩን ምዃኖም ከነተሓሳስቦም ንደሊ፡እወ ንሕና እኳ ስቅ ተበልና የእማን ክጭድሩ እዮም።
ሰብ የእምሮ ኢና ፈላጣት ኢና ንህዝቢ ነስምዕ ኢና ህዝቢ ዘይ ንዓና ንመን ከይሰምዕ ኢሎም ብትዕቢት ተነፊሖም ብ ናይ ሰጣን ምኽሪ ተታሕዙ ሊቃውንቲ ካህናት፡ልቦም ዘንጊዑ ነበረ ንሶም እቶም ኣምላኽ ብእኦም ጥራሕ ዝግልገል ኮይኑ ዝስምዖም ሊቃውንቲ ኮፍ ኢሎም ከለዉ  ።ኣምላኽና ግን በቶም ሓንቲ ዘይፈልጡ ህጻናት ተናገረ።ኣምላኽ ናይ ህጻናት ልሳን ከፈተ ምስጋና ካብ ህጻናት ኣዳለወ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ ግን ተዓኒዶም ንምስጋና የሱስ እቲ ህያዎ ምጻር ስኢኖም ክሳዕ ዝናደዱ ብምዃን ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ተረፉ። ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን።ኣምላኽ ብትሑታት ዝግልገል ኣምላኽ ነቶም ዝተሓቱ ዝግለጸሎም መንፈሱ ዝህቦም ምስቶም መቃሸሽትን ተጻረፍትን፡ ነፍሶም ሊቃውንቲ ገሮም ዝሓስቡዋን  ንነፍሶም ጥራሕ ናይ ኣምላኽ ሰባት ሃይማኖተኛታት ገሮም ዝሓስቡዋን  ዘይመክር ኣምላኽ ኣሰራርሕኡ ፍሉይ ዝኾነ ኣምላኽ ይኽበር ኩሉ ግዜ ንዕኡ ምስጋና።ይቅጽል ናብ 4ይ ክፋል,,,,,,,።
haymanoteabow@gmail.com

ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት 2ይ ክፋል


    ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት 2ይ ክፋል
ኣብ ኣርያም ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ እትነብር ኣብ ሰማይ እትነብር ሰማያዊ ዝኾንካ መድሓኒና ህጂ ኣድሕን እንዳበሉ ዘመሩ።ካልእ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ሮማውያን ብምንባሮም ካብ ናይ ሮማውያን ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ኣድሕን ዝብል ናይ  ስጋ ሓሳብ ክኸውን ከሎ ፡በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብ ናይ ነፍስን ስጋን ሞት ኣድሕን ማለቶም ነበረ።ኣብዚ ናይ ምስጋናኦም መዝሙር እንረኽባ  ሃይለ ቃል ወዲ ዳዊት እትብል ክትከውን ከላ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ህዝቢ ተረዲእዎም ከም ዝነበረ የመልክተልካ፡(ማቴ12፡23።20፡23።20፡30፡22፡41፡9፡።ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስት>> ማለትና ን ዳዊት ዝተዋህበ ናይ ተስፋ ቃል ምፍጻሙ የመልክት። ናይ እስራኤል መንግስቲ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ነበረት፡ናይ ሰብ ኩሉ ገዛኢ እግዚኣብሔር ዝለዝኾነ ካብ ኣዳም ክሳዕ ሳሙኤል ንህዝቢ ዝገዝእ ወይ ድማ ዝእዝዝ ዝመርሕ እግዚኣብሔር ደኣ እንበር ዝኾነ ንጉስ ኣይነበረን።
ኣብ ግዜ ሳሙኤል ግን እቶም ህዝቢ ንጉስ ደለዩ ።ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡፭ - እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኩሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ።፮ - ዝፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ።፯ - እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂሉ ቓሎም ስማዕ።1ይ ሳሙኤል8፡4-7። ሸመሎም ድማ  ን ሳኦል ድማ ሸመሎም ጓሳ ኣድጊ ዝነበረ ሳኦል ድማ ሸመሎም ዘገርም እዩ ካብ ፈጣሪ ሰማይን ምድርንሲ ናብ ሰብ ተመሊሶም እዚ ንሕና ደቂ ሰባት ክብረት ዘይኮነስ ሓሳር ዝመረጽና ንዓና ዝሕሸና ዘይንፈልጥ ፍጡራት ምኻና የረድእ።ንእግዚኣብሔር ኣይግዛእን ንዝበለ ህዝቢ ከም ሳኦል ዝበለ  ሓደ ጓሳ የእዱግ ይገዝኦ።
መንግስቲ ሳኦል ን ኣምላኽ ዘይተኽብር መንግስቲ ምስ ኮነት ድማ  መንግስቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ዳዊት ተዋህበት፡ እቲ ከም ሳኦል ዝበለ ርጉምን ን ኣምላኽ ዘየኽብር ንጉስ ንግስነቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ትወሃብ።መንግስቲ ዳዊት ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ነበረት ኣምላኽ ን ኣቦና ዳዊት  ን መንግስትኻ ካባኻ ንዝውለድ ወድኻ ክህቦ እየ ዝበሎ ንግዝይኡ ን ወዱ ሰለሙን ክኸውን ከሎ ፍጻመ ግን ጎይታና ካብኡ ከም ዝውለድ ቃል ኣትዩሉ ንዝነበር ጎይታ እዩ ዝነበረ።ገብርኤል መልኣኽ ብስራታዊ እውን ነዚ እዩ ዝተዛረበ (ሉቃ1፡33)።እታ ካብ ናብ ብስዉር ትመሓላለፍ ዝነበረት ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ  ብ ወዲ ኣምላኽ ምውላድ ስለ ተገልጸት ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስቲ ኢሎም ዘመሩ።
 ኣብዚ ግዜ እዚ መሲሕ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጸ መላእ ከተማ  ብኹላ<<እዚ መን እዩ>> ኢላ ተናወጸት።ህዝቢ እዚ ካብ ገሊላ ዝመጸ ነብይ ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ኢዩ በሉ። ሽዑ ድማ እዩ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ናይ ንግዲ መእከል ዝነበረ ቤተ መቅደስ እዚ ቤት ጾሎት እዩ ቤተ ንግዲ ኣይኮነን ኢሉ ብግልጺ ዝገሰጾምን ዝተቃወሞምን ዝጎሓፎምን።ሎሚ ነዚ ታሪኽ እዚ ክንዝክር ከለና እዛ ንነብረላ ዘለና ቤት ኣምላኽ ከ ናብ ቤተ እንታይ ተቀይራ ኣላ ኢልና ምሕሳብ ከድልየና እዩ።ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ተትዛረቡስ ኣይምተኾንኩምን ነርኩም ከም ዝበለና ብዛዕባ ሓጢኣትናዶ ብዛዕባ ሓጢኣት ካልኦት ክንምድር ንውዕል ኣለና።
ሎሚ ብዛዕባ ካብ እምነትና ወጻኢ ዝኾኑ ነገራት ክንኩንን ካብ ግዜና ነጥፍእን እነንቅድን ብ መጀመርታ ቤትና ከመይ ኣላ ኢልና ቀው ኢልና ምዕዛብ ከድልየና እዩ። ጉዳይ ቤተ መቅደስ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከመይ ኣሎ፡ቤተ ክርስትያን ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ፡ናብ ቤተ ምክፊፋል ናብ ቤተ ኮሬነላት ፡ጀነራላት ዘማሓድሩዋ፡ ብ ተወገዙን  ጭዋታትን እትመሓደር ቤተ ክርስትያን ምስታ ናይ ሃወርያት ቤተ ክርስትያን ብ ኸመይ ትመሳሰል፡ናብ ቤተ ነገስታት ፡ናብ ቤተ ፖሎቲካ፡ ናብ ቤተ ኣጻላላም፡ናብ ቤተ ንግዲ ሎሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዝመጽእሲ ምስ ኣዮናት ኮን ምረኸበና???፡ ምስቶም ቤተ ክርስትያን እንዳ ተሓመሰት ከላ ጽቡቅ ኣላ ኢሎም ዝኸዱ ዘለዉዶ??? ምስቶም ኣብ ውሽጣ ኣትዮም ዝነግዱ??? ወይሲ ምስቶም ዘናግዱ??። ወይሲ ምስቶም ካህን ኣዛርያ ምስ ሰማንያ ተበዓት ካህናቱ ኮይኑ ን ንጉስ ዖዝያን ንስኻ ኣብዚ ኣይምልከተካን እዚ ሲራሕ ካህናት እዩ፡>> ኢሉ ክቃወሞ ከሎ ስቅ ኢሎም ዝርእዩ ነበሩ እሞ ስቅ ብምባሎም ብለምጺ ዝተቀጽዑ ምስ መን ምረኸበና?? 2ይ ዜና መዋእል 26፡ 17 18።ትዘገርም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ገሊኦም ተጸሊሉ እዩ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ ስለምንታይሲ እቲ ንግዲ ኣብ ቤተ መቅደስ ካብ ቀደም ብምንባሩ እቲ ዘጸይፍ ንዕኦም  ዘጸይፍ ኣይመስሎምን ነበረ ።ከምኡ ኢሉ ስለ ዝጸንሖም ሓድሽ መሲሉ ኣይርኣዮምን ነበረ ሓድሽ ንዕኦም እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሰርሖ ነበረ ጥራሕ እዩ ዝነበረ።ይቅጽል ናብ 3ይ ክፋል,,,,,,,።
haymanoteabow@gmail.com

8ይ ሰንበት ሆሳዕና


              1ይ ክፋል 8ይ ሰንበት ሆሳዕና
ኣብ ግዜ ቅዳሴ ሰዓት ዝንበብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስታት
ዝንበብ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ኣንባቢ
1,ዕብ 9፡11 ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ ዲያቆን (ገባሪ ሰናይ)
2,ይ ጴጥሮስ 4፡1-12~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ዲያቆን
3, ግብሪ ሓዋርያት 28፡11-22~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ካህን
                      ስብከት
እምኣፈ ደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳሎከ ስብሓተ
በእንተ ጸላኢ ከመትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ 
ብ ኣፍ ቁልዑን ህጻናትን ዝጠብዉ ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ
ንተቃወምትኻን  ንጸላእትኻን  ንፈዳዪ ሕነን ስቅ ከተብሎ፡ ዓገትካዮም።መዝሙር8፡2።
ናይ ዕለት ወንጌል
ወንጌል የሓ 5፡11-13
ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ቅዳሴ
                   ናይ ዕለት ትምህርቲ
ኣብዚ ዕለት እዚ መሲሕ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳለም ክኣቱ ከሎ ዝተዘመረ መዝሙር እዩ።<< ሆሳዕና ን ወዲ ዳዊት ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ሆሳእና ብ ኣርያም ይብል ነበረ። ናይ ዕለቱ ትምህርቲ  እውን ነዚ እዩ ኣምጺኡ ናይ ቅዱስ ያረድ ስያማዊ ቃል እውን ካብዚ ተበገሰ እዩ ሆሳእና ኢሉ ነዛ ሰንበት ክህባ ዝወሰነ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ደቂ መዛሙርቱን ናብ ኢየሩሳለም ቀረባ ናብ ዝኾነት ከረን ደብረዘይት ኣብ እትርከብ  ቤተ ፋጌ  እትበሃል ቦታ በጽሑ። <<ኢየሩሳሌም>> ማለት ናይ ሰላም ከተማ ክኸውን ከሎ።<<ቤተ ፋጌ>> ማለት ድማ ናይ በለስ ቤት  ወይ ድማ ቦታ የስምዕ።ብ ናይ ኣቦታትና ኣበሃህላ ድማ ዝተመሳቀለ ጎደና ተባሂሉ ተተርጊሙ ንረኽቦ።ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ን ደቂ መዛሙርቱ ናብ ኣብ ቅድመኹም ዘላ ዕዲ ኪዱ ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ።፴፩ - ሓደ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም? ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ።ሓወራይት ፈቲሖም ኣምጽኡሉ፡እዚ እውን ትርጉም ነይሩዎ ናይ ሃወርያት ኣገልግሎት ንዝተኣስሩ  ቃለ ወንጌል ሰቢኽካ ምፍታሕ ምዃኑ እዩ።
ልቦም ብኣጋንንቲ ዝተኣስሩ ናይ ሓጢኣት እሱራት ኣለዉ፡ነዚኦም ካብ ዘለዉዎ ክፍትሑ ንተመሃሩኡ ኣዘዘ። እዚ መልእኽቲ እዚ ንዓና እውን ይምልከተና እዩ፡ነቶም ብሓጥያትን ኣጸየፍቲ ልምዲታትን ወልፍታትን ናብ ኣምላኽ ዘይብጽሑ ባህልታትን ሓግሒግና ብምግሓፍ ን ሰባት ካብዚ ዘለዉዎ መዝማዝን ጠባርን መፈስ ወንጌል ሰቢኽና ክንፈትሖም ይግባእ ፡ንዑ ናብ ቤት ኣምላኽ ወንጌል ተመሃሩ ንበሎም ንዑ ንበሎም እንታይ ኢልኩሞም ተኢሎምና ድማ ጎይታ ይደልዮም ኣሎ ንበሎም።ክንደይ እሱራት ኮን እዮም ፡ኣብ ከባቢና ዘለዉ ፡እሞ ድማ  ንባዕላቶም  ብ ሓይልታት ጽልመት ተኣሲሮም ከለዉ ን ሰባት ካብ ማእሰርትኹም ከነውጽኣኩም ኢና ዝብሉ ሓይልታት ጽልመት ክንደይ ኮን እዮም።ንባዕልና እውን ካብኦም ከይንኸውን መዓልታዊ ነፍስና ክንምርምርን ክንፍትሽን ይግብኣና እወ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቅ።ሉቃስ11፡35።
ኣብ ትንቢት ዘካርያስ9፡9 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሐጐሲ፡ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ። ከም እተባህለ  ሃወርያት ኣብ ዝባን እታ ዒሉ ኣንጸፍሉ።ናይ ዓለም ሓጢኣት እተርሕቅ ሓድሽ ልብሲ ኢየሱስ ክርስቶስ ልብሲ ሕፍረትና እትሽፍን እትጋርድ ኣምላኽ እንዳበሉ ኣንጸፍሉ።ኣድጊ ካብ እንስሳታት ዝተነዓቀት እያ።እዚ እውን ርእሶም ንዘትሓቱ ዝተሰብረ መንፈስ ን ዘለዎም ጎይታ ከም ዝምልከቶምን ከም ዝጥቀመሎምን ከም ዝደልዮምን ን ኸረድእ ደልዩ እዩ።ኢሳ43፡23፡ማቴ11፡29።መዝ 50፡17-18። የሱስ ክርስቶስ ኣንኳንዶ ንዓኻስ ነታ ዝተወጣሕካያ ኣድጊ እኳ ሓመድ ክትጽየቅ ኣይግባኣን ኢሎም ክዳውንቶም ኣንጸፉ እዚ ኹሉ ድማ ንንጉስ ዝግባእ ክብረት እዩ ዝነበረ። 2ይ ነገስት9፡13። <<ሆሳእና  ን  ወዲ ዳዊት ሆሳዕና ብ ኣርያም>> ኢሎም  ዘመሩ።
ሆሳዕና ማለት ህጂ ኣድሕን ማለት እዩ። ኣብቲ ናይ ዳዊት ቃለ መዝሙር እውን ኦ እግዚኦ ኣድህንሶ፡ዎእግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ መዝ118፡25።
ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,, ናብ 2ይ ክፋል 
haymanoteabow@gmail.com

Thursday, 5 April 2012

ንሕና እውን ከም ኣቦው ገሪሙና እዩ!!!?????::ንሕና እውን ከም ኣቦው ገሪሙና እዩ!!!?????::




ንሕና እውን ከም ኣቦው ገሪሙና እዩ!!!?????
Wednesday, 04 April 2012 09:08 መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
እቲ ብዮፍታሄ ዝምራሕ ምምሕዳር ጳጳሳት-ኤርትራ ብዕለት 21/11/2011 ዓ.ም (ቁጽሪ መዝገብ 3-92/5785/2011) "ካቶሊክ ዝሓረድዎ ሥጋ ከይትበልዑ” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ከምዝዘርግሐ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ትሕዝቶ ናይዚ ሓደገኛ  ዘዋሪ መልእኽቲ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ጉባኤ ካህናት ብዕለት 3/30/2012 ተጋቢኡ፣ ነቲ ጉዳይ ብእምነት፣ ብጸሎትን ብኽውንነትን ርእዩ ተላዚብሉ። ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ሕዝበ-ክርስቲያን ነባሪ ባእሲ ንምትካልን ዘየድሊ ምትህልላኽን ምትፍናንን ንምፍጣር ተባሂሉ ዝተዘርግሐ፣ ብትሕዝቶኡ ይኹን ዕላምኡ ፈጺሙ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዘይውክል ናይ ጽልኢ መልእኽቲ ምዃኑ ንኹሎም ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ሕዝበ-ክርስቲያን ንሕብር።

ብተወሳኺ እቲ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ምምሕዳር መንግሥቲ ንኡስ ዞባታትን ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክፍለ ሰራዊት 13ን ብቕዳሕ ከም ዝተዘርግሐ ብዕሊ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ካብ መጀመርታ “መንግሥቲ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ የብሉን” ዝብል ተሪር መንፈሳዊ መርገጺ ቅዱስ ፓትርያርክናን ንጹር መርገጺ ሃገረ ስብከትናን ዚጻረር ኮይኑ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ሊቃውንቲ ሰዓብቶም ተሓይሮም፥ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ግና ብሓደ መንፈሳዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ጭዋ ሰብ ኣቶ ዮፍታሄን ብከቢድ ጸቕጢ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ብትእዛዝ ምምሕዳር ዞባታትን ብምክትታል ክፍለ ሰራዊትን ጅሆ ተታሒዛ፥ ኣብ ዓዘቕቲ ማእሰርትን ዕንወትን ወዲቓ ከም ዘላ ዘረድእ ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ።

እተን ኣብ “ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰርሓ” ተጠቒሰን ዘለዋ ዓድታት ከኣ “ማይን ሑጻን መታርፍቲ” ከም ዝበሃል፥ እቲ ዝተዘርግሐ ናይ ጽልኢ ደብዳበ፥ ፈጺሙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መልእኽቲ ከም ዘይኮነ ተረዲኦም፥ ብድሕሪ ሕጂውን ይዕበ ይንኣስ፥ ዝኾነ ጊዝያዊ ጸገም እንተ ኣጋጠመ በቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርሁ ለባማትን ወራዙት ዓበይቲ-ዓድን ተመሪሖም ጸገሞም ብመንፈሳዊ ልዝብ ክፈትሑን ብሰላም ክነብሩን ደኣ እምበር ድራር መጣቖስቲ ክኾኑ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ብረቂቕ ውዲት ሰይጣን ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ደቂ ኣዳም “ቃየልን ኣቤልን” ሞት ከም ዝኣተወ ቅዱስ ጽሑፍ ዝመዝገቦ ሓቂ ኢዩ (ዘፍ 4፡1)። ስለዚ እምበኣር “እግዚኣብሔር ማለት ፍቕሪ እዩ” ንሕና ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገራትን እንነብር ሕዝበ ክርስቲያን፥ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ድማ ንሓድሕድና ተፋቒርና ንኣምላኽ ከነስምርን ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብርን ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ። እኳድኣ ክውገዝን ክኽልከልን ዘለዎ ነገር እንተ ኣልዩስ፣ እቶም ብዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝምርሑ ዝተወገዙ ጳጳሳት ዝባረኽዎ ጥራይ እዩ ጽዩፍን ክብላዕ ዘይግብኦን። ስለምንታይሲ፣  ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተወገዙ ጳጳሳት ስለዝኾኑ።

ልዑል እግዚኣብሔር ሠናይ ክንገብርን ብሰላም ክነብርን ጸጋ የብዝሓልና!
ኣምላኽ
 ንህዝብናን ሃገርና ኤርትራን ይባርኽ።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ-ኤርትራ
03/30/2012 ኣ.ፈ
  ( ፳፩ መጋቢት ፳፻፬ ዓ.ም)

እዚ መግለጺ እዚ መግለጺ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝዘርግሖ ኮይኑ ሚዛኑ ዝሓለወን  ኣብ ምክቢባርን ልቦናን ዝተመርኮሰ ዝነኣድ ተበግሶ እዩ። ንሕና እውን ከም ኣቦው ገሪሙና እዩ ::ቀንዩ ስለምንታይ ሲ እቶም ትማሊ ኣብ ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረትን ኣብ ቤተ ክርስትያን መድሓኒ ኣለምን ካተሊካውያን ዓዲ ቀይሕ ከይዶም ምስ ምሉኣት ቤተ ክህነት  ከይዶም ዝቅዱስን ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ከይዶም ዝቅድሱን ነበሩ ክሳዕ ዝባረኹን ኣቡነ ቀርሎስ ሎሚ ደኣ እንታይ ተረኽበ። ንሕና ዲና ሓድሽ ሃይማኖት ኣምጺእና ወይስ ንሶም እዮም ካተሊካውያን ቀይሮም!? እንታይ እዩ ተረኺቡ ሓድሽ ነገር።ስለምንታይ ከ ሓደ ኣቡን ነዚ መግለጺ እዚ ንበይኑ ተፈልዩ ክውስን ክኢሉ??።ብሓቂ ድዩ ኸ ብ ኢድ ኣቡን ተጻሒፉ።

ክሳዕ ኣቡናት ዝኣኽሉ ክንድዚ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣምላኽን ከታልሉን ከዐስዉን ይፍትኑ ተልዮም ሃይማኖት ኣብ መረት ዘለዎ ሚዛን ከፍክሶ ይኽእል እዩ። ምስ ካተሊካውያን ፍልልይ ኣለና ግን ስጋ ካተሊኽ ኣይትብልዑስ ካብ መኣስ ደኣ፡ብ መጀመርታ ቀዳማይ ፓትሪያርክ ኤረትራ ኣቡነ ፍሊጶስ ዝኾነ ስጋ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኢልና ሓሪድና ክንበልዕ ኣፍቂዶምልና እዮም።እዚኦም ደኣ እሞ ን ትእዛዝ ቀደማዊ ፓትሪያርክና ን በይኖም ምስ ጀነራላት ብምምኽኻር  ከፍርስዎ ኣቡነ ቀርሎስ ንምንታይ ነዚ ስጉምቲ እዚ ክውስዱ ዝኸኣሉስ እንታይ እዩ??።

ካብቲ ዘገርም ድማ  ቅዳሕ ናብ ክፍለ ሰራዊታት ክስደድ ርኢና ዘገምር እዩ!!!!!???። ክፍለ ሰራዊትስ እንታይ ኣምጽኦ ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ምምሕዳርከ እንታይ ኣምጽኦ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ናታ ምምሕዳር ኣለዋ ።ካብኡ ሓለፈስ እሞ ድማ ኣብ ልምዓት የሕዋትና እዮም ዝብል ቅጽል ድማ ሰሚዕና!!!??? ።ዞም ኣቦ ተጸሊሎምዶ ወይሲ ዓብዮም ነዚ ኹሉ።ቤተ ክርስትያን ኣብ ልምዓትን ፖሎቲካን እንታይ ክትገብር መጺኣ???፡ ኣየ ተዋህዶ !!!  መጣቆስትን ሓሰውትን ን ረብሓኦም ዝነብሩን ሰባት ዝኸብሩላ ሃይማኖት ኮይና ተሪፋ በቃ ፡ እዚ ኹሉ ግን ብ መንግስቲ ኤረትራ ተወደ ዕዮ ገዛ ምኻኑ ኩሉ ክፈልጦ ይግባእ!!። መንግስቲ ኤረትራ ድማ ነዚ ስጉምቲ እዚ ክወስድ ዝመረጸ ኣብ ምርጫ ኣቡነ ደስቆሮስ ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሕጋዊ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጥንዮስ እዮም ብ ሂወት ከለዉ ፓትሪያርክ ኣይምረጽን ኢላ ነቲ ብ መንግስቲ ኤረትራ ተዋህባ ዕድመ ስለ ተሓሰመት እዩ።ሕርር ኢሉ  ቤት ጽሕፈር ፕረሲደንት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኤረትራን ነዚ ስጉምቲ እዚ ክወስድ ክኢሉ በቶም ኩሉ ግዜ ብምእዛዝ ዝፍለጡ ኣቡነ ቀርሎስ ክስራሕ ተገይሩ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ቫቲካን ን ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ከም ቅዱስ ድሮ ምቅባላ ነቶም ን ተዋህዶ ጨውዮም ምፍራሳ ዝለመዱ ሰበስልጣን መንግስተ ኤረትራ ሓደ ዓቢ ኣብነት እዩ።በዚ ድማ እዩ ኣብቲ ጉባኤ ኣሕዋት ኦርተደክሳውያንን ካተሊካውያንን ኣብ ቫቲካን ተገብረ ነቶም ብዓመጽ ናብ ስልጣን ዝመጹ ኣቡነ ደስቆሮስ  ንስኻ መራሒ ተዋህዶ ኣይኮንካን ብምባል ምስ ኦርየንታል ኮይና ብምብራራ እዩ።ኣንጸርጺሮት ነዚ ክገብሩ ክኢሎም መሳኽን። ከምቲ ኣብ ዓለም ወኪል ኦርተደክስ ብምኻን ን ተዋህዶ ወኪሉ ዝንቀሳቀስ ዘሎ መግለጺ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ዝበሎ ድማ ፡ስጋ ክብላዕ ዘይግብኦ ናይቶም ተወገዙ ንህዝቢ ዘታልሉ ዘለዉ ምስ ፖሎቲከኛታት ኮይኖም ጳጳስት ኤረትራ ደኣ እንበር ካተሊኻውያን ዝሓረዱዎ ስጋ ኣይኮነን።

ኣቡነ ቀርሎስ ከም ዝፍለጥ ኣብ ምውራድ ፓትሪያርክ  ኣቡነ እንጠንዮስ ን (6) ንሽዱሽተ ወርሒ ኣብዮም ከብቅዑ ድሕሪ ፕረሲደንት ኢሳይያስ  ብ ሃዘሞ ገሩ ንቅድመ መገዱ  ናብ ዓዲ ቀይሕ ብምኻድ ብዝገበሮ ዝርርብ ነቶም ኣጆኹም እንዳበሉ ኣብ ሓዊ ዘእተዉዎም ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ኣብኦም ብምጥላም  ነቲ ኣይፍርምን እዚ ጉጉይ እዩ፡ውግዘት ኣይጥህስን ኢሎም ኣይፍርምን ኢሎም ተሓሲሞሞ ነበሩ ምውራድ ፓትሪያርክ ን ትእዛዝ ፕረሲደንት ብምኽባር ንትእዛዝ ኣምላኽ ድማ ብምንዓቅ  ኣብ ምቅባእ እቶም መንግስቲ ብሓይሊ ጠበንጃ ኮፍ ዘበሎም ኣቡነ ደስቆሮስ ከም ተረኽቡ፡ንሶም ክማብርኹዎም ተገብረ ድማ ኮነይ ኢልካ ንሶም ተቃዋሚ ብምኻኖም ጽባሕ ንዝመጽእ ብ ሓባር ገበኛታት ንምግባር ኣብ ባርኾት ከም ዘሳተፎም ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝፍለጥ እዩ።

ብሓፈሻ ዝበሃል ግን ሃይማኖት  ክዳን ኣይኮነን ዝቃያየር ትማሊ ኣይፋል ትብል ነርካ ሎሚ ረብሓ ምስ ረኸብካ እወ ክትብል ኣይግባእን ስለዚ መንእሰያት ስለ ሃይማኖትና መስቀልና ኣልዒልና ነቲ ነቦታትና ኣብ ዘይሓሰቡዎ ሓጢኣት ብምፍሪራሕ ዘእትዎም ዘሎ ስርዓት ፕረሲደንት ኢሳያስ ክንቃወሞ ይግባእ።ተኣቢና ግን ተዋህዶ ቅርሲ ጥራሕ ኮይና ክትነብር ምካና ክንፈልጥ ይግባእ።ዘሎ ፍልልይ ኣጽቢብና ዘሎና ንእሽቶ ናይ ስድራቤት ነግር ይጽነሓለይ ኢልና ነዚ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ጉዳይ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ብስምረት ክንቃወሞ ይግባእ።

ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን ይባርኽ፡ነቶም መናወጽታን መፍረስታን ድማ ናብ ልቦም መሊሱ ኣብ ቅኑዕ ኣገልግሎት ይምለሶም ኣሜን።

ሃይማኖተ ኣቦው

haymanoteabow@gmail.com